እዚ ሓደ ዓይነት ናይ መንግሥቲ ኣሰራርሓ ኮይኑ ኣብ መንጎ ናይ መራሒ ሃገርን መራሒ መንግሥትን ንጹር ፍልልይ ዘለዎ ኣገባብ ኢዩ ዝኽተል። እዚ ዓይነት ኣገባብ ምሕደራ ዝበዝሕ ጊዜ ኣብ መንጎ ፈጻሚን ሓጋጊ ኣካል ንዘሎ ፍልልይ ብንጹር መልክዕ ኣየቕርብን ኢዩ።

ናይ ፓርላማ ሥልጣን

ናይ ፓርላመንታርያዊ ሥርዓት መራሒ ሃገር ከምቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ዓይነት ዝርከብ ስልጣን የብሉን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ሥልጣን ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝፍልጥ መራሒ ሃገር ስለዝወሃብ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ኣገባብ መንግሥቲ ዘለወን ሃገራት፣ እቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን በታ ዝበዝሐ ድምጺ ዘለዋ ናይ ባይቶ ሰልፊ ወይ እውን ብልፍንቲ ናይ ሰልፍታት ዝመሓደር ባይቶ ክመረጽ ይከኣል። ፍልይ ዝበለ ኣብነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቦትስዋናን ናኡሩን መራሕ ሃገርን መራሕ መንግሥትን ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ተጠቕሊሉ ይረአ።

ብዙሓት ፓርላመንታሪያዊ ስርዓታት ኣብ ዓለም ካብ ቅዋማዊ ንግሥነት ዝመንጨዋ እየን። ናይዚኣተን ኣብነት፣ ኣይረላንድ፣ ማልታ፣ ትሪንዳድን ቶበጎን፣ ህንዲን ቫናቱን እየን።

ኣብ ፓርላመንታርያዊ ስርዓት ናይ ፈጻሚ ኣካል ሚኒስተራት ካብ ሓጋጊ ኣካል ዝመጹን ተሓታትነቶም እውን ነዚ ኣካል እዚ ስለዝኾነን ኣብ መንጎ እቲ ፈጻሚን ሓጋጊን ዘሎ ስራሕ ይተሓዋወስ። ኣብዚ ዓይነት ስርዓት መራሕ ሃገርን ዋና ፈጻሚን ዋና ሓጋጊን ክኸውን ይኽእል። ፓርላመንታርያዊ ስርዓታት ነቲ ኣብ መንጎ ሓጋጊን ፈጻሚን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኣየቕርብን። ኣብ መንጎ መራሕ ሃገርን መራሕ መንግሥትን ዘሎ ናይ ክልቲኡ ሥልጣንን ሓልፍነትን ሚዛንን ምቁጽጻርን ግን ብንጹር ይፈሊ። መራሕ ሃገር ንውሽጥን ወጻእን ሚዛንን ባህልን ዝምልከት መርኣዪ ክኸውን እንከሎ መራሒ መንግሥቲ ከኣ ንመዓልታዊ ምምሕዳር ይሕዝ። መራሕ ሃገር ብባይቶ ወይ ብሕዝቢ ክምረጽ ይከኣል። መራሕ ሃገር ፕረዚደንት ክጽዋዕ እንከሎ መራሕ መንግሥስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይበሃል። ናይዚ ኣብነታት ጀርመን፣ ኢትዮጵያ፣ ኢጣልያ፣ ፖርቱጋል፣ ቱርኪ፣ ኢራንን ወዘተ ይርከባ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ።

ኣወንታ ናይ ፓርላመንታዊ ስርዓት፤
እዚ ዓይነት ሥርዓት ሕግታት ንኽሓልፍን ክጸድቕን ስለዘቀላጥፍ ሓደ ካብቲ ፍሉጥ ዝኾነ ኣወንታ ኣለዎ። ፋጻሚ ኣካል ካብ ሓጋጊ ኣካላት ስለዝምረጽ ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ሓገዝ ካብኦም ስለዝርከብ ነዚ ኣዎንታ ንምትግባር ይሕግዝ። ኣብ ፕረዘደንታዊ ኣገባብ መንግሥቲ ግን እቲ ፈጻሚ ኣካል ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ስለዝመረጽ ነዚ ዓይነት ኣሳልጦን ቅልጣፈን ኣይረክብን። እቶም ሓገግቲ ኣካላት ካብ ዝተፈላለየ ሰልፍታት ምስዝቖሙ ከምቲ ፕረዘደንት ክሊንተን ብሰንኪ ብዝሒ ሪፓብሊካውያን ዘጋጠሞ ኣብ ባይቶ ናይ ምስላጥ ምድንጓይ ክርከብ ይኽእል።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ኣገባብ እቲ ፈጻሚ ኣካል ብናይ ስልፉ ዕላማ ናብ መንግሥቲ ስለዝምረጽ፣ ኣብ ምንጽብራቕን ምትግባርን ናይ ሕዝቢ ድልየትሲ ዝያዳ ኣብ ፓርላመንታዊ ስርዓት ኢዩ ኣብ ትካላዊ መስርሕ ከእቱ ዝኽእል። እዚ ናይ ሕግታት ምሕላፍን ምስላጥን ጥራሕ ዘይኮነ ፓርላመንታርነት ብብሄርን ዓሌትን ስነ ሓሳብን ፍልልይ ኣብ ዝበዝሐለን ሃገራት ዝያዳ ተመራጽነት ኣለዎ። ኣብ ፕረዘደንት ዝምርኲስ ስርዓት ኩሉ ሥልጣን ኣብ ፈጻሚ ኣካል እዩ ዝበሓት። ኣብ ፓርላመንታርያዊ ግን ሥልጣን ዝያዳ ይከፋፈል ኢዩ። ናይ ሥልጣን መስርሕ እውን ካብ ፕረዚደንታዊ ኣብ ፓርላመንታርያዊ ኣገባብ ዝያዳ፣ ሥልጣን ኣብ ዝበዝሐ ጽፍሕታት ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ኣለዎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ከም መራሒ መጠን ዘለዎ ጽልዋ ምስ ናይቲ ዝመረጾ ሰልፊ ስለዝተሓሓዝ፣ ካብ ንውልቀ ሰብ ንላዕሊ፣ እቲ መራጺ ዝኾነ ሕዝቢ ኣቓልቡኡ ናብቲ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ናይ ሰልፉ ኢዩ ዘድህብ።

ነቐፌታ (ኣሉታ) ናይ ፓርላመንታዊ ሥርዓት
ሓደ ከም ቀንዲ ኣሉታ ዝንገር፣ መራሕ መንግሥቲ ብቀጥታ ዘይምምራጹ ኢዩ። ኣብ ፕረዚደንታዊ ሥርዓት ኣገባብ፣ እቲ ዝምረጽ ኣካል ካብ ሓጋጊ ኣካል ፍሉይ ስለዝኾነ፣ መረጽቲ ብቐጥታ ወይውን ብዝመረጽዎም ወከልቲ ገይሮም ይመርጹዎ። ኣብ ፓርላመንታዊ ሥርዓት ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰልፉ ኣዝዩ ዝጽሎ ሓጋጊ ኣካል ኢዩ ዝምረጽ። ስለዚ እቲ ዝምረጽ ኣቐዲሙ ይፍለጥን እቲ ምርጫ ድማ ብዛዕባ እቲ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ምዃኑ ይረአ።


ሓደ ካብቲ ኣወንታ ናይዚ ኣገባብ፣ ሕግታት ምሕላፍ ክኸውን እንከሎ እንተኾነ ግን ነዚ ንባዕሉ ንዘሕልፎ ሕጊታት ዝዓግትን ኣንጻሩ ክኸውን ዘኽእሎ ኣገባብ ዳርጋ የልቦን ክበሃል ይከኣል። ኣብ መንጎ ሓጋጊን ፈጻሚን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ስለዘይፍለጥ እዩ እዚ ዘጋጥም። እዚ ሥርዓት ብዙሕ ሥልጣን ኣብ ፈጻሚ ኣካል ስለዝገብር፣ ናይዚ ሳዕቤን እቲ ሓጋጊን ፈራድን ኣካል ንፈጻሚ ኣካል ክቆጻጸርን ሚዛን ክሕልወሉ የጽግም እዩ ዝብል መረዳእታ ኣሎ። ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ግን ፓርላመታዊ ስርዓታት ክልተኣዊ-ክፍሊ ዝሓዘ ባይቶ፤ ማለት ላዕለዋይን ታሕተዋይን ዝብል ብምግባር እቲ ላዕለዋይ ገዛ ነቲ ታሕተዋይ (ናይ ፈጻሚ ስራሕ ዝመጸሉ) ኣካል ክቆጻጸር ይኽእል። እዚ ብሓፈሻኡ ድኣምበር ኣብ በበይኑ ሃገር ነናቱ ዓይነት ኣገባብ ናይዚ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል ኢዩ።


ገለ ገለ ነቐፍቲ ኣብ ሕዝቢ ፍትዋት ንዝኾኑ ሰባት ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምዃን ዕድሎም ጸቢብ ኢዩ ይብሉ። ምኽንያቲ ከምቲ ሓፍ ኢልካ ንፕረዚደንት ምርጫ ክሳተፍ እየ ትብሎ ኣገባብ የልቦን። ማለት ቀዳማይ ሚኒስተር ክትከውን ኣባል ባይቶ ክትከውን ኣለካ። እቲ ዝተመረጽካሉ መንበር ባይቶ እንተድኣ ሲኢንካዮ (ካልእ ሰብ እንተድኣ ተመሪጹ) ቀዳማይ ሚኒስተር እንተኾንካ እውን ካብቲ ሥልጣን ክትወርድ ትግደድ። እቶም ንፓርላመንታዊ ስርዓት ዝድግፉ ነዚ ነቐፌታ እዚ ክምልሱ እንከለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተራት ብመሰረቱ ነቶም ዝውክልዎም ሕዝቢ ከገልግሉ እዮም ዝምረጹ። ናይዚኣቶም ውክልና ድማ እንተዘይረኺቦሞ፣ እቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ማዕርግ እውን ኣይግብኦምን ማለት ኢዩ ይብሉ። ኣብ ፓርላመንታዊ ሥርዓት ላዕለዋይ ፓለቲከኛን ክብረ ሃገር ይሕሉ እዩ ዝበሃል ወግዓዊ ቦታ ንመራሕ ሃገር ይወሃብ። እዚ ፋጻሚ ሥልጣንን ናይ ሰልፊ ወገን እውን ዘይብሉ መንበር መንግሥቲ ኢዩ። ዝበዝሕ ጊዜ ኣብ ሥልጣን ክጸንሑ ዝደልዩ ፖለቲካውያን ናይ ባይቶ መንበሮም ብዝከኣል መጠን ሒዞም ብምጽናሕ ናይ ፖለቲካዊ መሳልል ኣብ ምድያብ የድህቡ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...