ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንተወፋይነትን ጅግንነትን ስውኣት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እናኣልዓልካ ኣብቲ እትደልዮ ዕላማ መብጽሕን መደልደሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ምግባርን ልሙድ ኮይኑ’ሎ።

እስኪ ንሎሚ ብዛዕባ’ተን ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ተወፋይነትን ጅግንነትን ዝፈጸማ ደቀንስትዮ ኤርትራ ከነልዕል እምበኣር፤ ብሓቂ እዘን ጀጋኑ ስዋኣት ክኸብራ እንተዝድለ፣ እቲ እታ ክብርቲ ሂወተን ዘሕለፋሉ ህዝቢ ኤርትራ ምኸበረ። ንሳተን ንመሰልን ክብርን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢየን ተሰዊአን ግን ተጠሊመን። ስልጣን ዝሓዘ ጠሊሙወን። ንሓደ ክልተ ኣብቲ ዲክቶታርያዊ ስርዓት ንዘለዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ግፍዒ እንተነውርየለን ህ ኢለን ደኾን ምሰማዓና?

ኣብ 1994 ስንኩላን ኲናት ማይሓባር፣ ብሰላማዊ መንገዲ ሕቶታቶም ንምቕራብ ካብ ማይሓባር ናብ ኣስመራ ክጕዓዙ ከለዉ፣ ብዋጋ ስንክልንኦም ኣብ ስልጣን ዝደየበ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ሊኢኹ ብኣልማማ ኣረሺንዎም እንተዝሰምዓ፣ ስውኣትና እንታይ ኮን ምበላ? ድሕሪ’ቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ገድሊ ዝተረኽበት ናጽነት ብዊንታን ድልየትን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥራይ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብምስምስ ዶብ ኣብ ዝተገበረ ኲናት፣ ብኣማኢት ኣሻሓት መንእሰያት ተሰዊኦምን ሰኪሎምን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ካቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ እንተዝሰምዓ ስውኣትና እንታይ ኮን ምበላ?

ስድራቤት ስውኣት ዝናቢዮም ሲኢኖም ዘኽቲሞም፣ ደቀንስትዮ መንእሰያት ኣሕዋትክንን ደቅኽንን ናብ ሳዋ ምስ ከዳ፣ ብዘይካ’ቲ ዶብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናይ ናብራ ሕሰምን ብሓለፍተን ብዓመጽን ምግዳድን መርወዪ ጾታዊ ስምዒቶም ስለዝገብርወን፤ በዚ ባህሪረን ዝረኸበ ይርከበና ብምባል ሃጽ ኢለን ናብ እግረን ዝመርሐን ክኸዳ ከለዎ ብጽምእን ጥምየትን ኣብ ምድረበዳ ሞይተን። እተን ምድረበዳ ብሰላም ዝሰገራ ክኣ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግራ ከለዋ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ጠሊቐን ሬስአን’ውን ኣይተረኸበን እንተዝሰምዓኸ?

ህዝብና ሰላምን ዲሞክራስን ክረክብ፣ ብቅዋምን ሕግን ክመሓደር ዝጠለቡ 11 ሰበስልጣን መንግስትን ኣባላት ባይቶን፣ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ጽሓፍትን ኣብ ሓደ እዋን ተኣሲሮም። ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ መብዛሕትኦም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተሰዊኦም። ሓንቲ ካብኣቶም እታ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ፖለቲካዊ ትምህርቲ ትምህረክን ዝነበረት ኣስቴር ፍስሓጽዮን እያ እንተዝሰምዓ እንታይ ኮን ምበላ? እቲ ሓልዮታን ሕያውነታን ዘንጸባርቕ ፍሽኽትኣ ምተዘከረን። ሚርያም ሓጐስ፣ ሰናይት ደበሳይ፣ ኣስቴር የውሃንስ ... ወዘተ ምስኣ ነይረን እንተንብለን ብጓሂ ሕርር ኢለን ኡይ ምበላን ዝርንዝሕ ምነብዓን። ንሃማደኤ ክኣ ድሕሪ’ዛ ሕጂ ሽምና ሽምባዕልና ከይተልዕላ፣ ብሽምና ከይትንግዳ፣ እዚ ማሕበር’ዚ ንደቀንስትዮ ኤርትራ ኣይውክልን’ዩ። ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኤርትራ እዚ ኹሉ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ስቓይን እናተፈጸመ፤ እሕሕ ዘይብል መሪሕነት ሃማደኤ የማናይ ኢድ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ። ዓንዲ ሕቖ ዲክታቶር ዘደልድል መሪሕነት ሃማደኤ ሽምና ከየልዕል ኢለን ንመሪሕነት ሃማደኤ ምገዘትኦ።

ሕጂ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲደን ዝርከባ ኣባላት ሃማደኤ መበል 30 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ንምኽባር ባንዴራ ኤርትራ ዝሕብሩ ጥልፍን ዙርያን ተኸዲነን ጓይላን ዳንኬራን ክገብራ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ እንተዝሰምዓኸ! ወይ ዕ.ሽ.ነ.ት! ምዃን መራሕተን እዚ ኽሉ ጥልመት እናፈጸማ፣ ከምቲ ሱራ ዘይጠዓየት ተኽሊ ጡዑይ ጨናፍር ዘይተውጽእ፣ ጨናፍር ሃማደኤ ከኣ ከምኣ ኢየን። ሓሲበን ኣስተንቲነን ከኣ እቲ መሪሕነት ሃማደኤ ረብሕኡ ምስቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስለዝኾነ ክሳብ ውድቀት እቲ ዲክታቶር ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክቅጽል’ዩ። ንስኻትክን ግን እዚ ትሓስበኦ ዘለኽን ዓገብ’ዩ፤ ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቓይን መከራን ከሎ፣ ንስኻትክን ጓይላን ዳንኬራን ክትገብራ ኣይግባኣክንን’ዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብጸሎትን ሰላማዊ ሰልፊን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ጌርክን ኣድሕንኦ ሓደራ። ደቂ ኣንስትዩ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኢኽን። ንስኻትክን ሓንሳብ እንተተላዒልክን እቲ ዲክታቶር ሕቖኡ ክምቀል፣ ኣብራኹ ረድረድ ክብሎ እዩ። ሃየ ህዝብኽን ኣድሕና ኢለን ሰናይ ምኽሪ ምለገሳለን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...