ህዝባዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ) ቁጽሪ 3

ብመምህር ተስፉ ዘውደ።

(ቀዳማይ ክፋል)

መምህር ተስፉ ዘውደዘይተዋጠሎም ብዙሓት ናይ ህግደፍን ናይ ህዝባዊ ግንባር ነበር ደገፍቲ ኣብ’ቲ ዘቕርቦ ዘለኹ ዘይሰማምዑ ምህላዎም ዘገርም ኣይኮነን። እቶም ነባራት ምእንቲ ሃገር ንእስነቶም ኮነ ኩሉ ክውፍዩዎ ዝኽእሉ ኣበርኪቶምን ሃገር ኣውሒሶምን። ኩሉ ካብ ምፍላም ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረ ጥራይ ዘይኮነስ እዛ ሃገር ናጻን ልኡላዊት ክትከውን መላእ ህዝቢ ንወልድዶታት ኢዩ ተወፊዩ። ጻዕሪ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ዘበርከቶ ውጽኢት ጥራይ ምግምጋም ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

ኣብ እታ ናይ ዘምዛሚት ብርኪ ዝተረኽበ ፍረ ናይቲ ኩሉ ዝሓለፈ ድምር ቃልሲ ገርካ ክንበብ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ኢዩ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ። ጨፍላቂና ሃይለስላሰ፣ ደርጊ ጥራይ ኣይነበሩን። ነቶም ቅድምኦም ዘዳኸሙ እውን እጃሞም ኣበርኪቶም ኢዮም። ክሓርስ ዝወፈረ፣ ነጊዱን ሸቒጡን ሃልኪ ዘቕረበ፣ ዝመሃረኮነ ዝተማህረ፣ ዝባረኸ ዝቐደሰ፣ ስላትን ሶምን ገይሩ ናብ ረቢ ዝሰገደ፣ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ናይ ሞራል ፍናን ዝለገሰ፣ ሰንኪተን ዝመገባ፣ ደቀን ካብ ምውላድ ክሳብ ናብ መስዋእቲ ዘብጸሃ ጀጋኑ ሓርበኛታት፣ ወፊሮምን ኣፍርዮምን ዘዕበዩ፣ ኩሎም ሃገር ኣውሒሶም ኢዮም። ጻምኦም ዝበልዕን፣ ባህልን ልምድን ዘህሰሰ፣ ወለድን ምትእኽኻብን ዝበተነ፣ ንቡር መውስቦን መቐጸልታን ዝበተኸ፣ ንቡር ሞትን ቀብርን ዝሓረመ መራሒ ሃገር ምርኣይ ምግጋይ ዝገበረ ነውራም ኣራዊት ኣይ ጻማናን። ጸብጺካ ዘይውዳእ ማሕበራዊ ምፍራስ ኣስዒቡ።

መግለጺየይ ህግደፍ ኮነ ህዝባዊ ግንባር ወይ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ንዓይ ዝህባኒ ከም ኣረኣእያይ ፍሉይ ትርጉም ኣለወን። ህግደፍ ብሓጺሩ ሓንቲ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ዝቖመት ጥራይ ዘይኮነት ኣብ መጻኢ እውን ኣሰራ ፈጺሙ ከም ታሪኽ ዘሕለፍናዮ ጸበባን ሽግርን መምሃሪ መግለጺ ዝወሃበላ እንበር ህላዌኣ ከም ዘየድሊ ገይረ ይወስዶ። ግን ሳዕቤን እዛ ጸላም ጋህሲ እዚኣ ንነዊሕ እዋን ዘሰንየና ሳዕቤን እሞ ዘሳቕየና ሕንዚ ከም ዘሎ ኣይስሓትን በሃላይ ኢየ። እንተ ተጋድሎ ሓርነትን ግን ብዘይካ እቲ ኣብ ዓንቀር ሰውራና ተቐርቂሩ ንሸውሃትና ዝበከለ፣ ትንፋስና ዝዓበሰ ጉጅለ ነጺልካ ዝረአ ፈቲና ጸሊእና መሰረት ታሪኽን ሓርበኝነትና ኢያ። ህዝባዊ ሓይልታት ውላድ ተሓኤ ኢያ። ናብ ሓደ ጥርኑፍ ግንባር ድማ ሰጊርና። ኣብኡ ከብቅዕ ነይረዎ። እቲ ክእርም ኢሉ ዝተፈልየ፣ ዘይተኣደነ ጠላምን ከሓድን ይህሰየና እንበር እቶም ምእንቲ ሃገር ዝተሰውኡን ዕድመ ንእስነቶን ኣብልዮም፣ ንነብሶም ኣደዳ ድኽነትን ዘይብሩህ ተስፋን ዝተሰከሙ ሓርበኛታትና በቲ ተሰኪሞሞ ዝኣተዉ ስሱዕ ጉሒላ ዕረፍትን ቅሳነትን ስኢናኦም እንሆ ሕጂ እውን ደቆም ለኪሞም ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ። ኣራሚ ከም ዘይኮነ ዘስተብሃሉሉ ጀጋኑ ብኣግኡ ክእርሙን መስመር ከትሕዙን ስለ ዝትበገሱ፣ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዘይትርኦ ጥራይ ዘይኮነስ፣ መጋድልቶም ዘይርእዎምን ፍትሕን ፍርድን ኣብ ዘይብሉ ተደብዮም ኣለዉ። እዚ ፈላሚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስለ ዘይተዓወተ፣ ዝባህረረ ኢሰያስ ክሳብ 1991 እንዳ ቆመለ ከይኣኽሎ፣ ብጉጅለ 15 ኣቢሉ ሕጂ እውን ይቖምል ኣሎ። ዘምለጠት ጉጅለ እንኮ እታ ጉጅለ 13 ኢያ። ንህዝቢ መታን ክበርሃላ ከምኡ እውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ ስለ ዝኾነት ናታ ጉዳይ ክትንትን እሞ ነቲ ዝሓለፈ ድማ ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ ከቀራርቦን ከላግቦን ከለኹ ጽቡቕ ቅብኣ ዘለዎ ስእሊ ከም ዝህበና ኣይጠራጠርን። ናይ ጽሑፍ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ብዘይ ምዃነይ ቅር ከም ዘይብለኩም ተስፋ እገብር።

ኩሉ ካብ ቤቱ ወጺኡ ዝዓጠቐ፣ ኩሉ ብዘለዎ ዓቕሙ ምስ ሰውርኡ ዝተሓባበረን ዘበርከተን፣ ኩሉ ሃገራዊ ግቡኡ ኣብ ዘሎ ይሃሉ ዝፈጸመን ኢዱ ዘንበረለን ናይ ኩለን ብሄራትና ምትሕውዋስ ዘርኣያ ውድባት ትካላትና ኢየን። እታ ሓንትን እንኮን ከም ተሕዝን ኢለ ዝጸውየላ ዛዕባ ግን ታሪኽና ኮይነን ዘይምትራፈን ኢዩ። ማለት ሎሚ ሰላምን ሰሃራን ረኺብና ኩሉ ናተን ማህደራት መምሃሪ ቅርጽታት ዘበርክታ፣ ናይ ጀጋኑና ኣስማት ኣብ ጎደናና፣ ኣብ ኩሉ ከባቢ ድማ ሃውልቶምን ኣስማቶምን ዝዝከረሉ መድረክ ጥራይ ከም ተዘክሮ ተኣትዩ ኣብ ሃገር ምሃናጽ ብሓባር ክንኣቱ ነይሩና። ሎሚ ጀብሃ ሻዕባያ ሕሉፍ ታሪኽና ክኸውን ነይረዎ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ማለት ኣንጻር ጸላኢ ዝተቓለስናሉ ጸረ-መግዛእታዊ ዕጥቅና ኣራጊፍና ኣብ ናይ መስመር ሕቶ ንኣትወሉ ጉዳይ ፈላሚትን ደምዳሚትን ተባሂለን ከኽትማ ነይርወን በሃላይ ኢየ። እዚ ውልቃዊ ርእይቶይ እንበር ከም ማሕበራዊ ጠለብ ገርካ ክምዘን ኣይግበኦን። ብናተይ ኣበሃህላ ድሕሪ ግንቦት 24/1991 ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ኣቲና ከም ሃገር ንምርሓሉን ንኽተሎን መስመር ክንቀርጽ ምተገበአ። እቲ ብሕቡእ ብዙሕ ገበናት ዝፈጸመ መራሒ ሃገር ኢየ በሃሊ ግን ንዝፈጸሞ ገበናት ከም ተመክሮ ሒዙ ብምእታዊ ኣሰሩ ከይረከብ መቐጸልታ ዝኾኖ መስመር ተኸቲሉ። እቲ ዝተበጽሐ ናጽነት፣ ዋንነቱ ህዝቢ ኤርትራ እንበር ናይ ፍሉያት ዋንነት ዘስምዕ ኮይኑ ክረአ ብምግባሩ ብዙሕ ዘየድሊ ሕቶታት ኣስዒቡ። ናጽነት ብህዝባዊ ግንባር ከም ዝተረኽበት ጥራይ ገይሮም ዝሕበኑን፣ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ኣብ ናጽነት ታርኦም ዘይተጠቕሰን ዘይተዘከሩን ጻማ ኣልቦ ኣካላት ተፈጢሮም። እዚ መሪርን ዘሕዝንን በሰላ ዝኸፍት ሓደገኛ ኣንፈት ኢዩ። ክሕከኽን ክሽቀጠሉ በሽቀጥቀጥ ኢሉ ክኽፈት ኣይምተገበአን። ተሓኤን ሻዕባያን ክልቲኢን ናይ ሓባር ታሪኽና ኢየን። ህዝብና ኣብ ክልቲኤን ታሪኽን ቅያን ስለ ዝሰርሐ። በብምድረኹ ብናይ ታሪኽ ብርክን ምስቲ ስርዓትና ክግለጽ ምተገበአ።

ብመጀመርይኡ እቲ ናይ 73 ምልዕዓል ንጉዳይ ሃገርና ናብ ሓደ መስመር ንምትሓዝ ዝተበገሰ ኢዩ ነይሩ። ጉዳይና ቅኑዕ መስመር ብዘይ ምትሓዝና ድማ ኣብዚ ዘለናዮ ጉዳይ ተሸሚምና። እቶም ናይ ኤርትራ ናጽነት ዝጠለቡ ናይ 40ታት ጀጋኑና ክሳብ መስመርና ነትሕዞ ንናይ ዓባይ ብሪጣንያ ምምሕዳር ከም መግዛእቲ ክጸንሕ ወይ ድማ ከናውሕ ጠሊቦም ምንባሮም እዝክር። እዚ እውን ሓርበኛ ኣቦና ራእሲ ተሰማ ብግሁድ፣ ንኣማሓዳሪ ብሪጣንያ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዝወስደኦ ስጉምቲ ደው ከብሎ ምዝራቦም ኣብዚ ብብሩህ ክግለጽ ኣለዎ። እወ ከምኡ መበሊኦም ንኹልን’ተን 8 ኣውራጃታት ዝውክሉ በብከባቢኦም ተራኺቦም ንኹለን ብሄራት ብውክልና ሽማግለታት ተመያይጦም ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መስመር ንምብጻሕ ኢዩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ድሑር ምምሕዳር ከይወደቕና፣ ህዝቢ ከም ኩሉ ህዝብታት ዓለምን ሃገራትን ሰልፍታት ኣብ ምምስራት በጺሑ ነይሩ። ኢሰይስ ነተን ስለፍታት ኣብ ሳሕል ኮፍ ኢሉ ዘይምዕቡላትን ድሑራትን ገይሩ ይገልጸን ነይሩ። ብመነጸር 40ታት ክርአ ከሎ ግን ናብቲ ዓለምና ኣትያቶ ዝነበረት ዘበናዊ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ንምርካብ እግሪ ዝተኽላ ኢየን ነይረን። ግሉጽ ክትዕን ተጻዋርነትን እውን ነይርወን። ኣይሓረዳ ኣይቀንጸላ። እቲ ካብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ዝቦቐለ ስርዓት ሃይለስላሰ ኢዩ ሸፋቱ ኣእትዩ ዘድመየ። እንተ ካብ ባዕዲ ብዝደፋፋእ እንተ ካብ እምነት ብዝለዓል እንተ ብምዕቡል ኣረኣእያ ዝተጸልወ ብርክት ዝበላ ሰልፍታት መግለጺኤን ብጽሑፍን ጋዜጣን ይህባን ይመላለሳን ነይረን። እዚ ኣውን ምስ ምሉእ ምጽውዋር። ንኹሉ ዝገትኡ ለባማት ካብ ባህሎምን ዝፈረዩ፣ ዐብ ዝፈልጡን ውርዝዋት ሽማግለታት ነይሮሙና። ፈቲና ጸሊእና ሓቂ ክንጉልብቦ ኣይንኽእልን። ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ኣይነበረን ዝብል መግለጺ የለን። እወ ነይሩ ግን ተጻዋርነት ዝመልኦን ኣዝዩ ውርዝው ልቦና ስለ ዝነበረ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ንንግስነት ሃይለስላሰ ስለ ዘይተዋሕጠሉ ሸፋቱን ገበርቲ እከይን እንዳ ኣዋፈረ ኣብ ልዕሊ ወለድና ገበናት ፈጺሙን፣ ኣብ ህዝብና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ምቕታል ሓርበኛታት ኣተኣታትዩ። እቲ ሽዑ ዝተጀመረ ሓድሽ ተርእዩ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቀጠልያ ቡቃልያ ነይሩ። ፖለቲካዊ ኣዝመራን ክረምትን ብምንባሩ ኢድ ባዕዲ እንተዘይ ሕወሶ ቅድው ምሃሪ ምተሓፍሰ። ሕጂ ግን መንግስቲ ዝወነነ ሽፍታ መተካእታ ናይ ሃይለስላሰ እከይ ተተኪኡ። ኤርትራ ብዘይ ባይቶ፣ ብዘይ ህዝባዊ ውክልና፣ ብዘይ መስመር ትምራሕ ኣላ። ናበይ ናብ ህጉም። ድኽነት፡ ጥምየት፡ ኣይኮነን ጸገምና። ጸገምና ብሕግን ስርዓትን ጥራይ ዘይኮነስ ዘይፍትሓዊ ዝዓብለኾ ናይ ሽፍትነት ምምሕዳር ዝኽተል ንሃገርና ወኒንዋ ስለ ዘሎ ኢዩ። እዚ ንሱ ብናተይ ኣሰራርዓ ትኸዱ ዝብል መስመር ሎሚ ኣብቲ ከይሓፈረ ዝገልጾ ናይ ቲቪ ኤረ ዝግለጽ፣ ናይ ኢሰያስ መደረን ለባም መግለጽን ንኣመሪካን ንኦባማን ኮነ ጸረ-ሃጸያዊት ዝቐንዐ ዝመስል መግለጺታቱ ብሰፊሑ ኣብ ዜና ክቐርብ ንሰምዕ ኣለና። ንመግለጺኡ ተቕልበሉ ሃገር ወይ ህዝቢ የለን። ተናዒቑን ተነጺሉን ከይኣኾን ኣንዒቑናን ነጺሉናን ኣሎ። ኩሉ መናፍሑ ንውሽጣዊ ሃልኪ ጥራይ ዝቐርብ። በይኑ ዝምድር ካብ ሃተፍተፍ ሓሊፉ ካልእ ክሓፍስ ኣይክእልን። እቲ ዝኸፍአ ግን ንዕኡ ዝሰምዓ ኣእዛን ምህላወን ኢዩ። እቲ ኣዝዩ እውን ሃሳይ ዝገብሮ ዘይነዓቕ ጉጅለ ህዝብና ካብ ኩሉ መዐቀኒታት ፈኺሱ ስለ ዘንቆልቆለ እንሆ ኢሰያስ ከም ሓደ መለኮታዊ ኣካል ተቖጺሩ በዚ ጉጅለ እዚ ይጻወትን ተሓቢኡ ይነብር ምህላዉ ኢዩ።

ኢሰያስ ከም መራሕ መንግስቲ ክላለ ከሎ፣ ነቲ ኣብ ሳሕል ሃጸይነት ዝብሎ ልዕለ-ሓይሊ ድሕሪ 1991 ከም ምጡን መስመር ዝኽተል (Moderate) መሲሉ ክረአ ፈቲኑ። በቲ ንሱ ዝፈልጦ ናይ ነዊሕ ኣገልጉሎቱ ድማ ከም ዝሓቕፍዎ መሲልዎ ነይሩ። ይኹን እንበር ,,ኣይ ከም ኣደኻ ዝለኣኸትካን ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ“ ኮይኑ ናብ ካልእ ኣንፈት ከምርሕ መዲቡ። ኢሰያስ ፍሉጥን ዕሉልን ዓንዳርነቱ ዘመስከረ ከም ዝኾነ ይፍለጥ። ፍተዉ ጽልኡ እዚ ሓቂ ኢዩ። ንውልቁ ተርብሖ ሕንጻጽ ክኽተል ሓበሬታ ኣየድልዮን። ሓደ ኣብ ተቓውሞ ዝርከብ ብጻይ ,,ናይ ኢሰያስ ብልሒ ኣብ እዋን ትምህርቱ ዝከታተለሉ ግዜ ብቕዓቱን መንፈዓቱን ልዕሉ ነይሩስ፣ ሎሚ ንምንታይ ከምዚ ኢሉ ኣንቆልቂሉ“ ክብል ምስ ገለጸ (ምስኡ ሳልሳይ ርእሰይ ኢየ ነይረ) ብጣዕሚ ምስ ዘይፈልጥዎ ኮይኑ ኢዩ ዝመርሕ ነይሩ ክብል ደምዲመ። ብጣዕሚ ድማ የሕዝን። ሕቡእ ኣጀንዳ ስለ ዝነበሮ ንነዊሕ እዋን ተኸቲሎሞ ይኸዱ ነይሮም ዘስምዕ ስእሊ። ኢሰያስ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሕን ጻዕረኛን ኢዩ። እዚ ፈቲና ጸሊእና ሓቂ ኢዩ። ግን ዕላምኡ ንብሕቱ ዝውንኖን ንኩሉ ድማ ውልቃዊ ዋንነቱን ዘርብሖ ባዕላዊ ትግባረ ንምብጻሕ ዝኣመተ ጻዕሪ ተኸቲሉ። ባዕሉ ብዘልዓሎ ጠንቂ ዝቕየምን፣ ኣብ ልዕሊ ምስኡ ዝዋስኡ ኣኽብሮት ዘይብሉን፣ ሕነ ፈዳይን ስለ ዝኾነ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውደ-መስርሕ ዘየድሊ ፍጡር ኢዩ። ሓዲሽ ዘበለ ተርእዮታት ስለ ዘንብብ፣ ነቲ የርብሓኒ ዝብሎ ጥራይ ይስዕብ። ጸጽዩ ስለ ዘመሚ ድማ ካብ ባዕላውነት ይብገስ። ዓቕሚ ኤርትራ ኣዝዩ ድሩት ስለ ዝኾነ እንበር ኢሰያስ እዛ ሃገር ሓያል ነይራ እንተ ትኸውን ነይራ ዓንዳርነቱ ካብቲ ናይ ሂትለር ዝኸፍአ ምኾነ። ሕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ብርግጽ ናይ ኢሰያስ ሕማም ኢዩ። ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዘለዋ ሃገራት ዝምስክረኦ ሓቂ እውን ኢዩ። እዛ ሃገር ምስ ከባቢኣ ዘተዓርቓ ሽማግለ ኢያ ስኢና። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ከም ናጻ ሃገር ትቖመሉ እዋን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ኢሰያስ ከም መራሒ ምምጽኡ ንህዝብን ሃገርን ኣዝዩ ከቢድን ሰፍ ዘይብል በደል ኢዩ። ኩሉ ግዜ ዘንብቦ ስእሊ ዓለምን ዙርያናን ኣሉታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ከም ኣብነት ንምግላጽ ክልተ ሲናርዮ (scenario) ወይ ንድፊ ሕልሚ ኣስከረኑ ብኻልእ መግለጺ እውን ባዕሊ ብዝስእሎ ናይ ፊልም ተዋስኦኡ ክገልጽ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ድሕሪ ኤርትራ ከም ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ ግዜ ናይ ግንቦት 24/1991 ዓ.ም ኣብ ዓለም ሓድሽ ተርእዮ መጺኡ። ሶቭየት ሕብረት ምድኻማ ዘብቆሎ ኣጠማምታ ንብዙሓት ሃገራት ዝጸለዎ ጉዳይ ተኸሲቱ። ዘገም እንዳ በለ እቲ ካብ ናይ ቨትናም ምብህራር ኢዱ ኣኪቡ ዝነበረ ናይ ዋሽንግቶን ስርዓታት ንዝሓለፈ ተመሩኡ ረሲዑ ከም እንኮ ሓይሊ ክፈታተን ምስ ጀመረ እተን ብናይ ኣመሪካ ጸቕጢ ምድቓቕ ተቐይመንን ፍሉይ መድረኽ ክጽበያ ዝጸንሓ ሃገራት ክለዓላ ጀሚረን። ኢሰያስ ነዛ ሃጓፍ ምዕባለ ከንብባ ጀሚሩ። ኣንፈታ ርእዩ ድማ ሕጂ እንገራይ በሲላ ኣላ ክብል ኣፉ ጎምጀወ። ኤርትራ ኣብ ኣገዳስን ኣስታቲጂካዊ ቦታ ስለ ዘላ ኣመሪካውያን ኣቓልቦ ንዓይ ኢዮም ዝህቡኒ ክብል ሓለመ። ግን ኣይ ከም ተጸበዮን። ናይ ክሊንተን ምምሕዳር ንፕረዚደን መለስን ንፕረዚደን ኢሰያስ ከም ሓደሽትን ትስፍዋትን መራሕቲ ክብሉ ምጅማሮም በቲ ሓደ ወገን ባህ ክብሎ ከሎ፣ በቲ ካልእ ወገን መለስ ብምባሎም ኣይተዋሕጠሉን። እቲ መግለጺ ንኤርትራ ከም ኣገዳሲት ሃገር ክገልጽዋ ንኢሰያስ ብዙሕ ኣቓልብኡ ዝስሕብ እውን ኣይነበረን። ናይ ኣፍሪቃ ሃዋርያ ኣብ ሳሕል ቦቒሉ ዘስምዕ ግኑን ስሙ ህቡብ ዝገብሮ ህሞት ተፈጢሩ ክብል ጸኒሑ ብኻልእ ድማ ዘባህርፎ ሃተፍተፍ ዘብል ሕማም ዓሰሎ። ኢሰያስ ቁጽሪ ሓደ ትብል ኢያ ትረኣዮ። ኣብ ሕልሙ ቁጽሪ ክልተ ትብል የላን። ተረበጸ፡ ኣዕለበጠ፡ ሓማም ሓደሮ፣ ዛርቲ ዓሰልኦ፣ መን ኢዩ ዝሽርጦ ንተዓዘብ። ገለ ለባማት ካብ ኤውሮጳ እንተ ተረኺቦም ድማ ሃሰስ በለ። እታ ናይ ርእሰ ምርኮሳ ትብል ዓምቧኽ መግለጺኡ ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ስዊድን፡ ኣብ ፊንላንድ ከምኡውን ኣብ ሆላንድን በልጅሙን ትርጉም ክትረክብ ጀሚራ ነይራ። ዝከታተልዎ ይዕዘቡ ነይሮም ኢዮም። ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋህበን ሓገዝ ኣብ ኢድ እተን ሃገራት ስለ ዘይበጽሕ ብኣብ ትካላት ዓለም ከም ሕቡራት ሃገራት (UN. EU. And other agencies) ዝጠፋፋእ ኣብ ኢድ እተን ሃገራት ክኣቱ ኣለዎ ክብላ ጀመራ። ዋእ እቲ ዝበልክዎ ክበርህ ጀሚሩ በለ። ሓገዘን እውን ከበርክታ ጀመራ። ናይ ኢጋድ ምልዕዓል ንሱ ከም መራሒ ዝኾነሉ ሓለመ። ግን ኣብታ ናይ መጀመርያ ናይ ሓድነት ኣፍሪቃ ጉባኤ ኣብ ካይሮ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዳርጋ እኩባት ገዋኑ ዘስምዕ መግለጺ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ዓለም ሓደ በለለይ ክትብል ጸኒሓ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ገለ ሕማቕ ስእልታት ውጥም ቅልቕል ክብል ረኸብዎ። ኢሰያስ ንዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣብቲ ናይ ዋሽንግቶን ናይ ኤርትራውያን እኼባ ተረኺቡ ብዛዕባ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ እንተ ተሓተ ,,ደይ እሞ ከም ንግደት ዓድና ሕንባሻ በሊዕካ መሪቕካ ትፋነዎ እንበር ካልእ እንታይ ቁምነገር ኣለዎ“ ክብል መደርኡ ኣስመዐ። ኣብ ሓንቲ ናይ እንግሊዝኛን ዓለማዊት ዓባይ መጽሔት እቲ ጽቡቕን ስነ ስርዓት ዘይብሉ ቆልዓን ,, The handsome and troublesome boy) ክብሉ ገሊጾሞ ነይሮም። ኣጽፋር ናይ ዓበይቲ ሃገራትን ትካላትን ብዙሕ ኣይተሸገሩልን። ከምኡ ዝዓይነቶም ስባት ከም ዝፍጠሩ ኣብቲ ዝሓለፍዎ መስርሓት ብዙሓት ተራእዮም ኢዮም። ኢዲ ኣሚን፡ ቾምበ፡ ቃዛፊ፡ ሲይድ ባረ፡ መንግስቱ፡ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይኣክል። ኢሰያስ ግን መዝገበ-ቃላት ኣየድልዮ፣ መወከሲ ኣይጠቕሞ፣ ምዕንዳር ጥራይ። ሸለል ኢሎም ንዞባዊ ምቁስሳል ከህድኡ ከይነጸሉ ጻዊዑት ዘርግሑ። እዚ ተመክሮ ዝጎደሎ፣ ኣብ መንጎ ዲፕሎማሲያዊ መስርሕን ፖከቲካዊ መስመርን ዘሎ መትንታት ዘይርዳእ ዓንዳሪ ምስ እዚ ኩሉ ተግባሩ ናይ ኣብ ከባቢ-ማያት ዝርከባ ሃገራት ሽግረን ከፍትሓ ምስ ፕረዚደንት ክሊንተን ክራኸባ ዝተጸዋዓ ንሱ’ውን ተጸወዐ። ኢሰያስ ናይ ስራሕ መደብ ከም ዘለዎ ከምስል ነቲ ጻውዒት ተሓሰሞ። ምስ ሃገራት ምዕራብ ክጻላእን ክቖሳሰልን ጀመረ። ኤርትራ ነብሳ ክትክእል ዝጽግማ የለን፣ ናትኩም ኮራኩር ኣክቡ ክብል ነቶም ልኡኻት ረድኤት (NGO) ሰጎገ። ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር ናብ ምዕባለ ገጻ ከተምርሕ ብመጀመርያ ጎነጻት ከተወግድ ቀጺላ ድማ ንመደባታ ዝኸውን መሻርኽቲ ከተጥሪ፣ ዝምድንኣ ከተዕቢ፡ ከምቲ ብብረታዊ ዕጥቂ ዝተዓወተት ድማ እዱብን ሉዙብን መግለጺታት እንበር ናይ ጉስጢ ኣእዳዋ ነቲ ዓንዩ ዝነበረ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓቕሚ-ሰብን ዘየበርክት ተጻባኢ ኣንደበታት ክትቁጠበሉ ነይርዋ። እዚ ተኽስን ውግእን ዝለመደ ዝብል መግለጺና ክንድምስስ ናይ ሰላም ኣእዳውና ክንዝርግሕ ዝነበረና፣ ኣብ ሳሕል ሃገራውያን ምብራስ ዝለመደ ሰብ በትሩ ናብ ከባቢኡ ስለ ዘወጣወጠ ዓለም ጀሚርዎም ድማ ዝብል ስምዒት ከም ተሕድር ኢዩ ገይሩ።

ብናቱ ኣገላልጻ ዓባይ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ቦቒላ ስለ ዘላ እዚ ናይ መጀመርያ ስጉምታይ ኢዩ ክብል ከላየና ዝተዋፈረ። ወይ ጉድ ወፈረ ናይ ምድሪ ተርባጹ ብሕቡእ ናብ የመን ኣቕነዐ። ዝተዓዘብዎ ድማ ኣብ ደንሃግ ሆላንድ እቲ ኣጻራይ ቤት ፍርዲ ሓኒሽ ከቢር ናይ የመን ኢያ ክብል ፈረደ። እዚ ማኒያክ ርእሰ-ጽሉላት ግን ገና ኣይተማህረን። ኣንጻር ጻማይስ እዚ ከፊሎሙኒ ዝብል ምረት ሓደሮ። እቲ ኣገልግሎቱ ንሱን ሲ ኣይ ኤን ዝፈልጥዎ ኣንበር ንዓና ዝምልከት ኣይነበረን በሃልቲ ኢዮም። እታ ኣብ ሜዳ ዝፍለጠላ ምስላይ ድማ በርሃትሉ። ,,ኣቦይ ቀሺ ዝበልዕዋ ሕምቶስ ነደይ ኢታይ ኣጉሰዓተን“ ትብል ኢያ። ንሱ ብዝበደሎ ውካሊና ተቖጺሩ ንሕና ሐሕሱሙ ተዳራረበና። ንኢሰያስ ዝተባህለት በትሪ ናባና ክትወጣወጥ ጀመረት። እዚ በሃም’ዚ ድልየቱ ስለ ዘይተማላኣሉ ነቲ መጠንቀቕታ ስለ ዘየንበቦ ቀጸለ። ከምቲ ለባማት ዝብልዎ ,,ዓሻ እንተ ኣምረረ በጊዕ እንተ በረረ ካብ ክልቲኦም መዕገቲ ነይተረኽበ“ ዝበልዎ ኮነ። ከም በዓል ዒራቕ፣ ኣፍታኒስታን፡ ሰምየን ኮረያ፡ ኢራን፡ ሶርያ ክፈታተና እንተ ረኣየ ድማ ሓይሉ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣመተ።

ከም ካልኣይ ድማ ቆላሕታ ናብ ኣፍሪቃ ኢደይ ምእታው ክእለተይ ክንበብ ኣለዎ በለ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ዓበይቲ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ኢያ። ንስርዓት መንግስቱ ንምእላይ ሃይለስለሰ ኮነ ንደሳዊ መንግስቲ ኢየ በሃሊ ምእላይ ህዝባዊ ግንባር ዓቢ ጥራይ ዘይኮነስ ታርኻውን ዓርመሽሽ ዓወት ሓፊሳ። ኣብ ምእላይ ሃይለስላሰ ዓወት ሰውራ-ኤርትራ ዝተጻወቶ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ሓባር ዝተጻቶ ወሳኒ ጥምጥም ናይ ሻዕብያ ዓወት ጥራይ ገይሩ ከም ዘንብቦ ክገብር ኢዩ ፈቲኑ። ኮይኑ ግን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ ዓወት ምንባሩ ኩላህና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ድሕሪ ውድቀት መንግስቱ ሃይለማርያም ብናይ ሓባር ጥምጥም ውጽኢት ኢዩ እቲ ዓወት ተረኺቡ። እቲ ብ1975 ዝጀመረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነብሱ እንዳ ሰርዐ ኣብታ ዝተሓንጸጸት ዕላማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢሃደግ ከም ዝረከባ ኣስትውዕሉን ሓንጺጹን ስለ ዝኣተወ፣ በብመድረኹ ንኹሉ ናይ ዲሞክራሲያዊ ኣተገባብራ በብደረጅኡ ኣዋዲዱ ኢዩ ኣትዩ። ንኹሉ ተግባሩ ድማ ኣሃዱ ኢሉ ክጅመር ከሎ፣ መሰል ብሄራት ተነፊጉን ተሃስዩን ብምንባሩ፣ ናይ ብሄራት መሰል ንምሕላው ኣንጊሁ ተዋፈረ። ኣብዚ ዘይተዋሕጠሎም ገዛእቲ መደባት እውን ነቲ ንነዊሕ እዋን ከም ወነንቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ብሄር ዓቢ ጸገም ከም ዝፈጥሩ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ግን ውሕሰነት ዝህብ ዓቢ ረቛሒ ከም መትከል ዝተኸተለ ግዝያዊ መንግስቲ ወይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባይቶ እታ ሃገር ናይ ብሄራት ክልል ፈጠረ። ክሳብ ናይ ምንጻል ዕድል እውን ኣንበረ። ምንጻል ከምጽእ ዝኽእል ጭቆና እንበር ናይ ብሄራት ናጽነት ሓድነት ከም ዘትርር መርገጺ ኩለን ብሄራት ከም ዝኾነ ብስነ-ፍልጠታዊ ቅቡል ምዃኑ በተግባር ኣመስከረ። ኢሰያስ ዓበደ ተጸለለ። ንኤርትራ ከም ዝደለዮ ኣብ ናቱ ላቦራቶሪ ኢዩ ክስንክታ ወሲኑ እንበር ካብቶም ናይ ፖለቲካ ስነ-ጥበባውያን ኣይተማህረን። እዛ መልከፍቲ እዚኣ ኢያ እታ ቀንዲ ናይ ባድመ ሕማም። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተቐየሙ ብሄራት ኣለዎ እሞ ናተይ ፍልስፍና ኢዮም ዝድግፉ፣ ስለዚ ክወርር ኣለኒ በለ። ንኽልተ ህዝቢ ኣድመየ። ነዚ ዝተዓዘቡ ትካላት ሃገራትን ቤት ፍርዶምን ድማ ኤርትራ ኢያ ጀሚራቶ ክብሉ ፈረዱ። ንሕና ኤርትራውያን ናይ ሃገርና ጸገማት ንምፍታሕ ናይ ባዕልና ኣፈታትሕ ክህልወና ኣለዎ። ካብ ከባቢና ክንመሃር ኮነ ተመክሮና ምስ ከባቢና ክንህብን ክንወስድን ብዘይካ እንካን ሃባን ካልእ ትርጉም ክህብ የብሉን። ውሽጣዊ ጉዳይና ባዕልና ብዝውክለና ምሕደራ ብባይቶና ንፈትሖ፣ ግዳማዊ ዝምድናና እውን ኣብ ውሽጥና ይሕንጸጽ። ነዚታት ንምትግባር ግን ጉዳይ ሃገርና መስመር ክሕዝ ኣለዎ። ውልቃዊ ርእትዮን ድልየትን ነቲ ዝምለከቶ ውልቀ-ሰብ ጥራይ ስለ ዝኾነ ምስ ዝዓበደን ዝሓለመን ተጸሊና ክንስዕብ ሳዕቤኑ ንሪኦ ኣለና። ሕልሙን ጸገሙን ዓንዳርነቱን ኣብ ዘይደሊ ጎነጻት ሸሚሙና። ካብ 1998 ክሳብ ሕጂ 2009 ዕድሚኡ 18 ዝነበር መንእሰይ ሎሚ 29 ዓመት ኮይንዎ ካብ ዕድሚኡ 11 ዓመታት ብኮንቱ ባኺኑ ኣሎ። ናይ ኣማኣት ኣሽሓት መንእሰያት ደሚርካ እዛ ሃገር ክንደይ ተጎዲኣ ኣላ ንምግማቱ ነቶም ናይ ቕጠባ ተመራመርቲ ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን። ኩለን ስድራ ቤታት ይስሕንኦ ምህላወን ዝከሓድ ኣይኮነን። ብሕጂ ንዝመጽእ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ እውን ኣዝዩ ጽንኩርን ሰንደልደል ዘብልን ኢዩ።

ነዚ ዝተዓዘቡን ኩሉ ሃገርና ትጎዓዘሉ መስመር ኣብቲ ዘየድሊ ወጥሪ ምእታዋ ብቐረባ ዝተመልከቱ ሓርበኛታት ኣባላት ምክልኻል ኤርትራን ገዳይም ተጋደልቲን መግትኢ ክገብሩ ፈተና ኣካይዶም። ዝገርመኩም ኢሰያስ ንኹሉ መትንናት ህዝባዊ ግንባር ጠውዩ ብውሽጢ ወጊንዎን ስለ ዝነበረ ብድሕሪኦም እንታይ ተፈጺሙ ኣየስተብሃሉን። እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ክኸውን ዘለዎ ጠመተና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከድህብ ኣለዎ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ህዝቢ ፈጺሙ ተራ ኣይነበሮን። ልክዕ ህዝቢ ኤርትራ ንጸላኢ ካብ ሃገር ግሒጥካ ምውጻእ ናይ ባዕሉ ጠለብን ውሳኔን ከም ዝኾነ ኩላህና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኣብ እዋን ፈደረሽን ወግዓዊ ተቓውሞ ኣዝዩ ኢዩ ዓንቢቡ። ኣብ ምምስራት ብረታዊ ቃልስና ድማ ንስምዒት ህዝቢ ዘውሕስ ራእይ ክተርር ክኢሉ። ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ናይ ለውጢ መስመራት እውን ተኻይዱ። ከም ቁልዒ ሓዊ ስለ ዝተበገሰ ነቲ ረመጽ ኣየጓሃሃሮነ። እቲ ግዜ ምስቲ ብረታዊ ቃልሲ ሓዊስካ ቀሊል ኣይነበረን። ለውጢ ንምትእትታው’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ክሳብ እብቲ ናይ ተሓኤ ሃገራዊ ጉባኤ እውን ከድምዕ ተፈቲኑ ነይሩ። ከም ተመሃሮ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ልዑል ትምህርቲ ዝርከቡ ንሃገሮም ክመጽእ ዘለዎ ራኢይን ባህግን ምስ ናይ ተመክሮ ኣዋሃሂድካ ተጠሚሩ ብሓባር እንተ ዘይተኣታትዩ ሳዕቤኑ ስኣን ኣተኣላልያ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኢዩ። ተመሃሮን መንእሰያትን ኩሉ ግዜ ንለውጢ ቅሩብ ዝኾነ ባህሪ ኣለዎም። ኣብ ጠለባቶም ድማ ቅልጡፍን ውጽኢታውን ክኽውን ኢዮም ዝደፍኡ። ርእይትኦም ንምትግባር ሓፈሻዊ ስእሊ ህዝቦምን ንምትግባሩ ዘድሊ ዓቕምን ኣንዊሕካ ናይ ምጥማት ሕጽረታት ክህልዎም ድማ ባህሪያዊ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝኸይድ ማሕበራዊ ሓይሊ ከም ሚዛን ምስ ዝህሉ ውጽኢታዊ ክገብሮ ይኽእል። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንዝኾነ ናይ ለውጢ ጠለባት ዘይተቐረቡ፣ ዓቃባውያን ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሕማም’ውን ምህላዉ ዘይምስሓት። እዚ ክልተ ኣንፈታት ናይ መንእሰያትን ናይ ሽማግለታትን ተቐቢሉን ኣብ ዙርያ ናይ መሰማምዒ ባይታ ኣንቢሩ ዝኸይድ ምኩር መሪሕ እንተዘይ ተረኺቡ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ኢያ ትወድቕ። እቲ ንለውጢ ዝደሊ መንእሰይ ወለዶ ካብ መፋርቕ 60ታት ኢዩ ጀሚሩ። ብሓባር ዘገምታዊ መንገዲ ከይቅጽል እቲ ከም ናጻ ሃገር ዘይተረከባ ውድባዊ መሪሕ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክኾኖ ዘገርም ኣይኮነን። ክሳብ ሎሚ ንዝተኸፍለ ዘየድሊ ጉድኣት እውን ኣሚኑ ገና ክቕበሎ ኣይከኣለን። ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ጉድለት ምቕባል ኣዝዩ ጠቓሚን መሃርን ኢዩ። ከም ሰብ መጠን ኩላህና ናይ ጉድለትና ምቕባል ጸገም ኣለና። ንኹሉ ንቐፍ ንዓይ ግን ከይትትንክፈኒ ዝብል ሕማም ዳርጋ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣላ እብል። ጉድለቱ ዝቕበል ሰብ ናይ ጀጋኑ ጅግና ኢዩ። እዚ ካብ ኢሰያስ ዝጥለብ ኣምር እውን ኣይኮነን።

እቶምን ናይ ጭቆና ገረብ ንምውዳቕ ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ጉጅለ 15 ከም ህዝቦም ከየስተብሃሉሉ ዝሓለፉ ጉዳይ ኣይነበረን። ግን እታ ሃገር ትኹን ህዝባ ቀዳማይ ሽግሮም መግዛእቲ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓጹር ናጽነት እንድሕሪ ኣቲና ንኹሉ ውሽጣዊ ሽግራት ክንጸርጎ ጸገም ኣይህልወናን ዝብል ባህጊ ኢዩ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዝነበረ። ነቶም ኣብ ሰውራ ዝነበሩ ግን በቲ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዝተበገሰ ገለ ዘየድሊ ምግምማዕ ውድብ ምኽታሉ ዳግማይ ካልእ ሳዕቤን ከየምጽእ ይፈርሑ ምንባሮም ክሕባእ ኣይግባእን። ኣብ ውሽጢ ተሓኤ እውን ከምኡ ዝበለ ተበግሶ ተኻይዱ ኢዩ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት እውን ከምኡ ዝበለ ክስተት በሪቑ። እቲ ጸገም ኣብ ተሓኤ ተጻዋርነት መሪሕነት ጥራይ ዘይኮነስ ምስቲ ውዑይ ናይ መንእሰይ ሓይሊ ዝኸይድ ዘተኻኽል ውሕሉል ሚዛን ምስኣኑ ኢዩ፣ ነቲ ውድብ ኣዳኺምዎ። ፍልልይ ተሓኤን ህዝባዊ ሓይልታት ዓቐናዊ ደይኮነስ ዓይነታዊ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ተሓኤ በቲ ናይ ምፍንጫል ጥራይ ዘይኮነስ ምስቲ ናይ ለውጢ ዝደሊ ዝተቐልቀለ መስርሕ፣ ውጽኢታዊ እንዳኾነ ክመጽእ ብምኽኣሉ በቲ ካልኣይ መዳይ ድማ ነቲ ናይ ምፍንጫል ገምጋም ዝፈጠረ መሪሕነት፣ እታ ውድብ ንለውጢ ምቕባሉን ግን ውሕሉል ብዝኾነ ኣገባብ ንደሞክራሲያዊ ኣተገባብራ ስለ ዘይተቀረጸ፣ ተሓኤ ብደሞክራሲ ምልእቲ ግን ብድስፕሊን ኣዝያ ዝተሃስየት ኮነት። እዚ ድማ ነታ ውድብ ኣዝዩ ሃስይዋ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ደፊኡ ዝገስገሰ ደሞክራሲያዊ ጠለባት ምልላዩን ምህናጹን ስጉምቲ ተዋዲዱን ተሰሪዑን ነይሩ ኣንተ ዝኾውን፣ ኤርትራ ድርብ ዓውት ምረኸበት። እቲ ምቁጽጻር ዘየማዕበለ መሪሕነት ብኹሉ መዳይ ዝመጸ ጸፍዒ ንሓይሉ ኣዳኺምዎ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ህዝባዊ ሓይልታት ብ3 ወገን ዝተፈልዩ ጉጅለታት ኢያ ተመስሪታ። ኣብ ኢሰያስ ኣእምሮ መጀመርያ ዝቦቖለ ተሪር ዲስፕሊናዊ ቅርጺ ኢዩ ተራእዩ። ድስፕሊን ብዘይ መቆጻጸሪ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ኢዩ። ብናቱ ናይ ድስፕሊን መስመር ስለ ዝዋፈር፣ ኣብ መንጎ ባዕድን ወገንን ዝብል ዶብ ፈጺሙ ኣይፈልን። ሓንሳብ ክቆጻጸር ኢሉ ዘተኣታተዎ ስጉምቲ ናብ ምቕንጻልን ምጭፍጫፍን ስለ ዘምርሕ ንድሕሪት ዝምለሰሉ ተርእዮ ዳርጋ የለን። ኩሎም እቶም ነቲ ኣስራሒ ህንጻ (Organizational machinery) ስለ ዘይርኢዎ ዲሞክራሲያዊ ጠለባት የቕርቡ እሞ ከይዶም ከይዶም ኣብ ጋህሲ ይኣትዉ። እቲ ኣካይዳ ናይ ከምዚ ዓይነት ቅርጺ ዝምድብ ሰብ ኩሉ ኣሰራርሕኡ ብፍትሒ ክስነ ስለ ዘይደሊ፡ ምንጻልን ምቕታልን ከም መህድኢ ገይሩ ኢዩ ዝቕበል። ምስ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ኢየ ዝብል ኣሚኑሉ ብሰላማዊ ድርድር ዝቐርብ ገመዱ ሒዙ ባዕሉ ንነብሱን ንጉዳይ ሃገርን ኣብ ሓደጋ የእቱ። ስለዚ ንኹሉ መገምገሚ ክኾነና ናይቶም ሓርበኛታት ጠለብ እታ ,,ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ። ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት_ ትብል ናይ ነሓሰ 3/2001“) ኣንቢብናን ንሓና እውን ከም ህዝቢ ከይተረዳእናን ዝፈጸምናዮ ጌጋታትን ከነማዕዱ ከቕርባ መዲበ። ከምኡ እውን እተን 3 መንካዓት ተባሂለን ዝተሰምያ 1. ናይ 73 ምንቅስቓስ፡ 2. ናይ ጀልሃንቲ። ናይ ጉጅለ 15 ክበርሃልና በታ ዝቐረበት እዋናዊት ክገልጻ እመርጽ። ነተን ክልተ ቀዳሞት ክንመዝነን ነታ ናይ ጉጅለ 15 ኣዝያ ጠቓሚት ኢያ እብል። ስለዚ ጽቡቕ ንባብ።

መተሓሳሰቢ፡- እዛ ትቐርብ ዘላ ኣብ 3 ነሓሰ 2001 ከም ቅልዕቲ ወረቐት ንህዝቢ መንጎኛ ኮይኑ ጉዳዩ ኣብ ኢዱ ኽጭብጥ ዝሓለነት ብምንባራ፣ ኣቓልቦ ከይተዋህባ ግን ብኣንጻሩ ንኹሉ ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ካብቲ ሃጢሙሉ ዝነበረ ዘበራበረት ክርሳዕ የብሉን። ጉዳይና ሕጂ እውን ንተቓውምቲ ትካላትና ተኻፊልናን ክንልእኽ ደኣ እንበር ብጎድኒ ኣይረብሓን ኢየን ዝብል ምስምስ ትርጉም ከም ዘይብሉ ክዘግንዛብ።



ኣስመራ ነሓሰ 3? 2001

ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ

እገደስቲ እዋንውያን ጉዳያት


መእተዊ

ህዝቢ ኤርትራ ስለማ ክረክብን፡ ኩሉ ዓቕሙ መነባብሮኡ ናብ ምምሕያስ ከዋድዶን ይደሊ ስለ ዘሎ እዚ ኣቲናዮ ዘላን ናይ መጨረሽታ መድረኽ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ኣዝይ ኣገድሲ፡ ተነቃፍን ወሳንን እውዋን ብምዃኑ፡ ካብ ተመኩሮ ዓሰርተ ዓመታት ክንመሃርን፡ ኣብ ተመኩሮ ተመርኩስና ቅኑዕ ናይ መጻኢ ትልምን ኣንፍተን ክንሕንጽጽ ስለ ዘሎና፡ ኣጓኒፉና ንዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው፡ ብውድዓውነትን ብትብዓትን ብውሕሉሉልነትን ገጢምና ክንስዕሮን ስለ ዘለና. ካብ ወሪዱና ዘለኦ ቅልውላው ንምውጻእን፡ ንሱ ካብ ዘኸተሎ ጸገማት ንምንጋፍን፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ናይ ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕምን ጸጋታትን ብዝለዓለ ደረጃ ከነኽትትን፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ውልቀሰባትን ምትሕግጋዝን ደገፍን ብዝበለጸ ኣድማዒ መገዲ ክንስሕብን፡ ኣብ መዓላ ከነውዕልን፣ ስለዘሎናን፡ ንዑኡ ዝምችእ ኩነታትን ባይታታትን ከነጣጥሕ ስለ ዝግበኣናን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን ሰንሰለታዊ መግዛእትን፣ ናይ ሰላሳ ዓመታት ሓርነታዊ ቃልስን፡ ዝተመጠጠ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነታዊ ናይ መሰጋገሪ እዋንን፡ ንመጀመርያ ግዘኢ ከም ልኡላዊ ህዝቢ መጠን፡ ብመሰረት ሃገራኣዊ ቅዋሙን፡ ናይ ሰልፍታት ፖለቲካዊ ውድድር ዘፍቅድ ሃገራዊ ምርጫን፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክምስርትን ስለጣን ክርከብን ክቀራረብ ስለዘለዎ፡ ብገለ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን፡ ካልኦት ሓርበኛታት ዜጋታትን ዝተላዕለ ሕቶታትን፡ ካልእ ሕብሪን ትርጉምን ኣውሂብካ፣ ኣብ ክንዲ ቅሉዕ ናይ ክትዕ ዘተን መድረኽን ምኽፋት ንህዝቢ ምድንጋር ናብ ምኽፋእን ዘይሕጋውን ስጉምቲታት ምውሳድ ምኻድን ይእምትንን ምውጥዋጥ ይረአን ስለ ዘሎን፣ ኣብ ኣባላላት ሃገራዊ ባይሮ ኮነ ኣብ ህዝቢ ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሃገራዊ ጉዳያት ናይ ርእይቶ ፍልልይ እንተሃለወ ብልዝብ ብዲሞክራስያዊን ብሰላማዊ መገድን ጥራይ ክፍታሕ ዝኽእልን ዘለዎን ካብ ዝብል እምነትና ተበጊስና ንዘተን ሰላማውን ፍታሕ ጥራይ ንደፍእ ብምዃና፡ ትም ክንብል መሪጽና ኣሎና እናተባህለ ብዝተፈላለየ መገዲታት፣ እንተላይ ብናይ ካድረታት ቀጻሊ ዙርያ ኣኼባታት ክሰርጽ ዝድለ ዝንቡጵ ገምጋማትን ርእይቶታትን ይጎሳጎስን፣ ክውሰድ ንዝድለ ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ባይታ ምንጻፍ፡ ህዝቢ ንምድንጋርን ዲሞክራዊያ ምስግጋር ናብ ሓቀኛ ቅዋማዊ ስርዓት ንምዕንቃፍን ከኣ፣ ዘየድሊን ኣሻቓልን ናይ ኩናት ሃዋሁ መመሳመሲ ኩነትታት ይፍጠር ስለዘሎ፣ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው (ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ድሕንነታዊ፡ ምምሕዳራዊ ቅዋማዊ) ብናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዕቱብ ተሳታፍነትን ብግቡእን ሓላፍታዊ መገዲን ብኣጋን እንተዘይተገጢሙን፣ ኣይፍታሕን ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዘምርሕን ብኡኡ ኣቢሉውን ንምስግጋር ስለጣን ናብ ህዝቢ ክዕንቀፍን ከምዝርኽእል ስለ ዝረኣናዮን፣ ንሕና እቶም ሕጋውን ቅዋማውን መድረኽ እተነፈገና ገለ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፣ ናይ መመያየጢ ነጥብታት ርእይቶና ዝሓዘት ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ክንዝርግሕ ሓላፍነት ይስመዓና። ህዝቢ ክፈልጥን ኣብ ውሳነ ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት ተራ ክህልዎን ስለ ንኣምን፣ ነቲ ኣብ ዝተወደኑ ጥራይ ዝሳተፍዎ መድረኽ ዝዝረብ ዘሎ ኣርእስትታት፡ ናብ ቅሉዕን ዘይሻርውን መድረኽ ምይይጥ ንኽዝረበሉ ኢና ነውጽኦ ዘለና። ንሕና መ ኢና ብዘየገድስ ከም ሃገራውን እዋናውን ኣገዳስን ጉዳያት፡ ህዝቢ በብዝጥዕሞ መገድን ኣገባብን ክመያየጠሉን እናጸዋዕና፣ ንሓባራዊ መረዳእታ መገዲ ክሰርግ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣለና።

ኣብ ገምጋም ምግባር ኮነ ህሉው ሽግራት ምልላይ ህዝቢ በኹሉ ክፍልታቱን ብዝሰፍሐ ተሳታፍነትን ዘሰላስሎ እምበር፡ ንሕና በይንና ክንዓሞ ዘይንኽእልን ዘይንደልን ምዃንና ከም እንኣምን፣ ከምቲ ኩሉ ሽግራት ንምልላይ ዘግመና፣ ይትርፍ ናይ ኩሉ ናይ ውሱን ሽግራት ውዱእ ፍታሕ ከነቅርብ ንኽእል ኢና ኢልናውን ከም ዘይንኣምን ከነፍልጥ ንፈቱ። ኣብዚ ንህዝብና ከቢድ ሽግራት ኣጋጢምዎ ዘሎን ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ እዋንን ግዜን ብጉልባብ ስግኣታትን፣ ግዜኡ ኣይኣኸለን ብዝብል ምኽኒትን ህዝቢ ከይመያየጥን ቅሉዕ ሃገራዊ ክትዓት ከይካየድን ክፉት መድረኽ ኣይተኸፍተሉን ዘሎ።

እዛ ወረቐት እዚኣ ጽንቁቕ ገምጋማትን ውዲእ መልስታትንኳ እንተዘይ እቕረበት ብውሑዱ ነቲ ዕቑር ሃብታምን ተባላሓትን ርእትዮታት ሓፋሽ ህዝቢ መምያየጢ ነጥብታት ከም ተገልገል ጌርና ንወስዳ። ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ናይ ልኡላዊት ሃገሩ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ይሻባሸብ ስለ ዘሎ ዝተፈላለየ ርእይቶታቱ ብናጻ ክካታዓሉን ንዝበዝሑ ኣእሚኑ ብብዝሒ ድምጺ ኣንፈት መጻኢ ጉዕዞ ህንጸት ሃገር ከም ዝቕለስ ክገብርን ዕድል ክረክብ ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዕላማ ጽሑፍና ከኣ ንሱን ንዕኡ ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ምሕላንን ኢዩ።


ቀዳማይ ክፋል፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናጽነት እንታይ ተጸቢዩ?


  1. ኩሉ መዳያዊ መነባብሮ ክመሓየሽ፣

    ውርሻ መግዛእትን ድሕረትን ካብ ዝኾነ ካብ ክቱር ጥሜት፡ ሕማምን፡ ድንቁርናን፡ ተግላጊሉ ክህርውዎን ናብ ብጽግና ገኡ ከቋምትን ተጸብዩ።

  1. ቅሳነት ዝሰፊኖ ህይወት ከሕልፍ፣

    ሓድነቱ ብዝያዳ ኣደልዲሉ፣ ሃገራዊ ድሕነቱ ተረጋጊሱ ምስ ከባብን ዓለምን ሰላን ምርግጋእን ኣውሒሱ ምትሕግጋዝ ከደንፍዕ።


  1. ዲሞክራሲን ፍትሕን ከንግስ፣

    ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዝረጋገጸሉ፡ ጥዑይ ምሕደራ ዝህልወሉ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝረጋገጸሉ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝጥጥዓሉ ስርዓት ክሃንጽ።

ካልኣይ ክፋል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ?

ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ክዝረብ ከሎ፡ ውጽኢት ተመኩሮ 10 ዓመታት ናጽነት ኣማቲ መጻኢ በድሆታትን ዕማማትን ስለዝኾነ፣ ብዓይኒ ሕሉፍ ትጽቢታትን ህሉዉ ኩውንነትን ብሓደ ወገን፣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዝርከብ ትምህርቲ፣ መጻኢ ብድሆታትን ዕማማትን ብኸመይ ብጽሕፈትን ኣድማዕነትን ክግጠሙ ከም ዝክኣል ምንባይን ቸገዲ ምቕላስን ብኻልእ ወገን፣ ብግቡእ ምግምጋም ዝሓትት ኢዩ። ዓቕምናን ክንገብሮ ንኽእልን ክንገብሮ ዘይንኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ስለ ዘለዎ ሓቀኛ ሚዛን ምውሳድ የድሊ። ሓቀኛ ሚዛን ገምጋምን ከኣ እኹል ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ስለ ስለ ዝምርኮስ፣ ህዝቢ እኹል ሓበሬታ ክሰንቕ ኣለዎ።

ህዝቢ ዝርዝር ገምጋም ዝሓለፈ 10 ዓመታት ክገብር ሓበሬታ ክረክብን ክፉትን ናጻን መድረኽ ምይይጥ ክኽፈተሉን ስለ ዘለዎ፣ ንሕና ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይና ገምጋም ክንገብር ኣይንደልን። ንምግምጋም ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ጥራይ ክንጽዕር ንደሊ። ኣብ ገሊኡ ኣገዳስነትን መትከላውን ጉዳያት ግን ብዘተን ክትዕን ክህብትም ዝኽእል ምዃኑ እናተቐበልና፡ ርእይቶና ክንገልጽ መድረኻዊ ሓላፍነት ይድርኸና። ቅድሚ ሕጂ ብስቕታና ዝተፈጥረ ጉድለት መታን ከይድገም ድማ ብውሑዱ ህዝቢ ነቒሑሉ መታን ብጉቡእ ክዋሳኣሉ ሓሳባትና ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ግዜ ናጽነት ብዙሕ ዝተፈአጸመ ጽቡቕ ነገራት፣ ብፍላይ ኣብ ምውዳድ ትሕተ ቅርጺ እኳ እንተሃለወ፣ እቲ ናብኡ ዝወዓለ ጸጋታትን (ሰብኣዊ ይኹን ፋይናንሲያዊ) ዝወሰዶ ግዜን፣ ዝተኸተለ ኣገባብን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝበለጸን ኣዋጻኢ ብዝኾነ መገድንዶ ተጌሩ ተባሂሉ ክግምገምን ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ኔሩዶ ኣይነበረን ተባሂሉ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክምዘን ክድሊ ኢዩ። ግሉጽን ምትሕታት ብዘለዎ’ዶኸ ገጌሩ ብዕቱብ ክረአን ካብኡ ትምህርቲ ክውሰድ ዝግብኦን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ናጽነት ትጽቢት ንዝንበረሉ ምምሕያሽ መነባብሮን ቅሳነትንከ ክሳብ ክንደይ ኣወፍዩን ኣበርኪቱን ተባሂሉ ክሕተት ኣገዳሲ ኢዩ።

እቲ ዝተፈጸመ ስርሓት ብማዕከናት ዜና ብዓውታን ስለዝግለጽ ኣብቲ ድኻማትን ዛጊት ዘይተፈትሐ ዘሎ ጸገማት ኣትኩርካ ምርኣይ ብዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን። ስለዚ እቲ ዝርዝራዊ ገምጋም ንህዝቢ ጊዲፍና፣ ምስትብሃል ኣብዘድልዮን ንምፍታሕ ክጸዓተሉ ኣብ ዘገድስ መዳያት ጥራይ ርእይቶና ክንህብ ክንፍትን ኢና። ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ንምህዋይን ንምምሕሕያሽን ተፈቲኑኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ኩናት ምስ ኢትዮፕያ ደሓ ሓደ ናይ ኣተሓሕዛ ጸገማትን፣ ሎሚ ድሕሪ ዓመታት ናይ ናጽነት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ፣ ውሕስነት መግቢ ተሳኢኑ፣ ብዙሕ ካብ ህዝብና ናብ ተመጽዋቲ ረድኤት ተቐይሩን ካብ ሕማማት ይሳቐን ኣሎ።

ማሕበራዊ ሽግራት ንምቅላል ሓያሎይ ጻዕርታት ተጌሩኳ እንተኾነ፣

- ግዳይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝኾነ ስድራ ስውኣት፣ ስንኩላትን፣ ዝተጣየሱ ተጋደልትን ካብ ስደት ዝተመለስቲ፣ ብመጠኑውን ኣብ ታሕታይ ደረጃ ዝርከቡ ዘይተጣየሱ ተጋደልትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን

ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን ጸግማት ኣይተፈትሐን ጥራይ ዘይኮነ ማሕበራዊ ውሕስነት ዘረጋግጽ መጻኢ ስለ ዘይረአ ቅሳነት ከሊኡ ዘሎ ኢዩ።

  • ልIሊ ሽሕ መንእሰይ ብዘይ ደሞዝ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምክልኻል ሃገር ተጸሚዱ ብምህላዉ፡ ኣብ ቁጠባ ሃገርን መነባብሮ ስድራታቱን ወሪዱ ዘሎ ማህሰይትን ዝይቅሳነትን ቀሊል ከም ዘይኮነን፣ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተ ዘይተርኺብዎ ሽግር ክፈጥር ምዃኑ እይጽግምን።
  • ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ጸገም የጓንፈን አሎ።
  • መንእሰያት ተመሃሮ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ዝተረፉ ስራሕ ናይ ምርካብን Iድሎም ጸቢብ ኮይኑ ኣጎላጉል ይኾኑ ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ውጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ሓርነትዊ መድረኽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ሓድነቱን ተወፋይነቱን ኣመስኪሩ ኣሎ። ሓድነቱን ተወፋይነቱን ብዝያዳ እንኣደልደለን እናዓበየን ክኸይድ ግን ኩሉ ሸነኻዊ ብዙሕነቱ (ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ባህልን ልምድን፣ ብሄር፣ ስነኣእምሮኣዊ ስምዒታቱ( ክኽበር ተሳታፍነቱን ምሽራኹን ኣብ ሃገራዊ ውሳኔታትን ስልጣናን ትካላትን ክዓዝዝን ስምዒታቱን ድልየቱን ክሕሎ ኣገዳሲ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ገለ ገለ ናይ መንግስቲ ኢድ ምትእትታው ኣብ ምሕደራ ኣብያተ ሃይማኖት ናይ ቋንቋ ጸገምን ኣብ ቢሮክራሲያዊ ስርሓት መንግስቲ ንሱ ዝፈጠሮ ስምዒታትን ናይ ኣደ ቋንቋ ኣስገዳድ ኣብ ገሊኡ መባእታዊ ትምህርት ዝፈጠሮ ቅሬታታት ኣብ ተሻራኽነት/ተሳታፍነት ዝተፈላለየ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኣብ ሃግራዊ ትካላት ….ወዘት ሕማቕ ስምዒታት ክፈጥሩ ስለ ዝጸንሑ፣ ብግቡእን ብኣጋን እንተ ዘይተኣልዮም፡ ንሓድነት ህዝቢ ዝፍሑቕ ኩነታት ቀስ ብቐስ ከስዕብ ከም ዝኽእል ክግመት ይከኣል።

ሃገራዊ ድሕነት ምርግጋጽን ምውሓስን ኣብ ንሓድሕዶም ዝጸላለዉን ዝደጋገፉን ብዙሓት ረቛሒታት ይርምርኮስ። ብዘንዱ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታትን ዓቕምን ይምርኮስ። ማለት ምክልኻልን ጸጥታን ኣብ ህዝብን ተሳትፎኡን ክምስረት ስለ ዘለዎ፣

  • ውሽጣዊ ሓድነትን ስኒትን ኦግበትን ተወፋይነትን ህዝቢ፣
  • ጥዑይን ዲሚክራስያዊን ምሕደራን ፍትሓዊ ስርዓትን፣
  • ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዘለዎ ውፉይን ዘመናውን ሓይልታት ምክልኻል ጸጥታን፣
  • ስግኣታት ኣብ ምንባይን (forecast) ኣቐዲማ ኣብ ምብርዓን ኣገዳሲ ተራ ዝጻውት ናይ ስለያን ትንታነን ትካላት፣
  • ሓበሬታ ተጠቂሙ ብዝተዋሃሃደ መገዲ ንሃገራዊ ድሕነት ዘገድስ ውሳኔታት ዝወስድ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ምህላው ይሓትት።

    ውሽጣዊ ኩነታትን ዓቕምን ወሳኒ ይኹን እምበር፣ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ፣ ዓቕምኻን ሓደገኛነት ናይ ግዳም ስግኣታትን ኣብ ግምት ብምእታውን ንሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ ጥበብን ናይ ከባብን ዓለምን ኩነታት ብደቂቕ ምክትታልን ኣገደስቲ ምትዕርራያት ምግባርን የድሊ። ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ሃገራትን ኣብ ሓድሕዳዊ ረብሓታትን ምግጣም ሓባራዊ ስግኣታት ዝዓለመ ናይ ወጻኢ ሜላን ኣተሓሕዛን ምድፋእ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ግጭት ገታእን ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕን ዲፕማሲ ምክታል፣ ንሓባራዊ ድሕነት (collective security) ኣባል ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ምዃን ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዑላትን ምኽታምን ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ካልኦት ኢድካ ዘይምምላስን ይሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ናይ 10 ዓመታት ተመክሮ ምስ ኩሎም ጎረባብትና ግጭትን ምስ ኢትዮጵያ ኩናትን ተፈጢሩ። ብዙሕ ኣዕኑዩናን ኣድምዩናን። ሓፋሽ ህዝብናይ ሓይልታት ምክልኻልን ብተባዕነትን ጅግነነትን ዓቢ መስዋእቲ ከፊሎምን መክቶምን ሃገር ኣድሒኖምኳ እንተኾኑ ስግኣታት ኣብ ምንባይን (forecast) ኣቐዲምካ ተዳሊኻን ኣብ ምግጣሞምን (ንምውጋዶም ኪነ ኣብ ልዕሌና ምስ ተገደዱ ኣብ ምፍሻሎም) ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዓቕምን ዘለዎ ዘመናዊ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥራን ኣብ ምምስራት ብቑዕን ኣድማዕን ኣመራርሓ ባ ምሃቡን፣ ዝተወሃሃደ ናይ ሃገራዊ ድሕነት መደባት ኣብ ምምጻእን ምዕዋቱን ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዘመሓይሽን ሃገራዊ ድሕነትና ንምውሓስን ናይ ወጻኢ ምትሕግጋዝ ኣብ ምርካብን ርኡይ ድኻም ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ቅኑዕ ኣተሓሕዛ እንተዘይረኺቦም ምስ ጎረባብትና ዘልዉ ጸገማት ናብ ጎነጺ ከምርሑ ከም ዝኽእሉ’ውን ክግመት ይከኣል። ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲን መንግስታዊ መዋቕርን ንምምስራት፣ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምስግጋር ዘድሊ ባይታ ንምውዳድን ተፈቲኑኳ እንተኾነ ዘዕግብ ኣይኮነን።


    ካብ ባህርይ ሓርነታዊ መድረኽ ውጽኡን ምስ ሲቪላውን መንግስታውን ኣከያይዳ ተሰማሚዑን ማዕቢሉን ክትከል ዝነበሮ መንግስታዊ መዋቕርን ኣሰራርሓን፣ ከምቲ ዝድለ ኣየተኣታተወን። መንግስታዊ ትካላት ናይ ኪእላዊ ዓቕሚ ሕጽረት ናይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ድኽመትን ኣለዎም። ናይ መንግስትን ግንባርን መጠማምትን (Parallel) መተሃላለኽቲን መዋቕራት ተዘርጊሖም ኣብ ምድብላቕ ስራሓትን ኣብ ምትፍናን ከምዝኣትዉ ስለ ዝተገብረ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓታትን ከም ዘይሕይሉ ኮይኑ።


    ሓጋጊ፣ ፈጻሚን፣ ፈራድን ኣካላት ንሓድሕዶም ዝቖጻጸሩን ዝመዛጸኑን ኣይኮኑን። ኣብ ኣገደስቲ ተኣፈፍቲን ሃገራው ጉዳያት ይትረፍ ህዝቢ“ ሓገግቲን ፈጸምትን ኣካላትኳ ክመቲ ዘደል ትሳተፎ አብ ውሳነ ኔርዎም ክብሃል ኣይክእልን። ኣካይዳ መንግስቲ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎ ነይሩ።


    ምስ ሕጽረት ክኡላዉ ዓቕኑ መንግስቱ፣ ህዝቢ በብዓዱን ከባቢኡን ያታዊ ስርዓተ-ሕጉን ፍትሑን ተጠቂሙ ዋኒኑ ክመሓደር ሽግራቱን ምስሕሓባቱን ክፈትሕ ኣብ ክንዲ ዝግደፍ፣ መንግስቲ ክሳብ ዝተሓተ ጸፍሒ ምምሕዳር ኢዱ ከእቱን ሽማምንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክጽIንን ብምፍታኑ፣ ስርዓት ምምሕዳርን ፍትሕን ዘይስሉጥን መረረ ዝበዝሕን ኮይኑ፣ ተበግሶን ተሳትፎን ህዝቢ ከኣ ዕድል ከም ዘይረክብ ኮይኑ ኣሎ።


    ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዜጋታት ዝድርት፣ ንምህናጽን ምድልዳልን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝዕንቅፍ ብዙሓት ተርእዮታትን ፍጻመታትን ተኸሲትም ኢዮም። ዛጊት ሲቪላዊ ማሕበራት ክምስረታ፡ ሕጊ ፕረስን ካልኦት ናይ መሰጋገሪ ሕግታትን ብመሰረት ዝጸደቐ ቅዋም ክመሓየሹ፣ ብሕታዊ ጋዜጣታትን ነቐፌታዊ ክትዓትን ክሳብዚ ቀረባ እዋን ክነጥፉ ኣይተፈቕደን። ዜጋታት መሰል ምንቅስቓስ ካብን ናብን ናብ ኤርትራን ወጻእን ተነፊጎም ኣለዉ።ገለ ዜጋታት ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ናብ ፍርዲ ዘይቀረቡ፣ ገለ ከኣ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ እናተዘርበሉ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣለዉ።


    ብሃገራዊ ምርጫ ተመሪጹ ዝምስረት መንግስቲ፣ ሓላፍነታዊን መላሺን (responsive) ኮይኑ መታን ክውለድ ጉድለታት መሰጋገሪ መንግስቲ ንምውጋድ ዘኽእል ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዘረጋግጽ ጭቡጥን ውድዓዊን ገምጋም ዝሓለፈ 10ዓመታት ጌና ኣይተገብረን። ህዝቢ እኹል ኣማራጺታት ንሃገራዊ ምርጫ ናይ ምርካብ መሰሉ ንክሕሎ፣ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ጸዲቑ፣ ሰልፍታት፣ ህግደፍ ከም ሰልፊወይ ሰልፍታት ተዋቒራ ኪነጥፋን፣ ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ እኹል ግዜ ክረኽባ ከም ዝከኣል ኣይተገብረን ኣሎ። ዓብላልነት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ህይውት እኽቲሙ፣ ንምስግጋር ስለጣን ናብ ህዝቢ ዘመቻቹኡ ኩነታት ኣይተፈጥሩን ኣለዉ። ሕጊ ምርጫ ኣይጸደቀን፣ ዘይሻራዊት ኮምሽን ምርጫ ከኣ ኣይቆመትን ኣላ። ንሃገራዊ ምርጫን ናጻን ርትዓውን ንምግባሩን ዘድሊ ምቅርራባት፣ ዛጊት ኣይተገብረን ኣሎ። በዚ ኣተሓሕዛዚ ከኣ ሓቀኛን ደሞክራሲያውን ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣንፈት እንተተቐጺሉ፣ ኤርትራ ስለጣን ናብ ህዝቢ ዘረክብ ደሞክራዊያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ዛይኮነስ ና ስሱናት ስለጣን በሓትን ምልክን ዘርግእ ስርዓት ጥራይ ኢያ ክትጽበ ትኽእል።

ፍርቂ ናይታ ,,ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝብቲ ኤርትራ“ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃብክዎ መግለጺ ኣብዚ ኣብቂዐ ነተን ዝተረፋ ሰለስተ ገጻትን ከምኡውን 15 ኣባላት ባይቶን ህግደፍን ንመግለጺ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ነጺጎሞ ዝብል ኣብ መቓልህ ዜና ሰንበት ነሓሰ ዝወጸ ኣብታ ካልኣይቲ ክፋል ከቕርብ ኢየ። ካብኡ ድማ ናብ መንካዕ ቁጽሪ ክልተ ንሓልፍ። ነዊሕ ንድሕሪት ተመሊስና ኣበይ ኢዩ እቲ መሰረት ጉድለታት ንምፍታሽን ንሕና ድማ ከም እምነትና ኣበይ ተዘንጊዕና ንግምግመሉ ኣመት ይህልወና።

መምህር ተስፉ ዘውደ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...