ድሕሪ ጉዕዞ ዘጋጥመካ ከይፈለጥካ እንተድኣ ተጓዒዝካ ተዓሚትካ ትኸይድ ከምዘለኻ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እታ ብጥንቃቐ ክሓስባን ክፈልጣን ዝግብኦ

እቲ ሕጂ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግር ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ "እቲ ገዛኢ ምስ ወጸ እንታይ ዝመስል ስርዓት ክህልወና ኢዩ፧" ኢሉ ብዛዕባ እቲ ዝትከል ስርዓት ብዝለዓለ ክንዲ ዝቃለስ፡ "ጸላኢ ምስ ወጸ ሽግር የለን" ብዝብል የዋህ ኣታሓሳስባ ተገዚኡ ኣብ ቃልሲ ሕቶ ንዘልዓሉ እውን ክሰምዖም ስለዘይከኣለ ማለት ንኽፍኣት እቶም ዓመጽቲ ክመዝን ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ ነቶም ጥዑይ ዝሓሰቡ እውን ተረዲኡ ክስዕቦም ብዘይምኽኣሉ ጉዳዩ ከዐሪን ቃልሱ ጥዑይ ውጽኢት ከምዝርከቦ ክገብርን ሰሪ ዘይምኻኣሉ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ወዲቕና።    

ሎሚ ከኣ ህዝቢ ብዛዕባ ተቓሊሱ ክተኽሎ ዘለዎ ስርዓት ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ሽግራት ብምልዓል ምቚዛምን ብዛዕባ እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈጸመ ጌጋ ምድግጋምን ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንኽነብረሉ ዝወልዖ ዘይጠቓሚና ውግእ ባድመን፣ እቲ ውግእ ኣሎ እናተባህለ ከም መፈራርሂ ነቲ ፈታው ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዶብ ኣርእስትን ኮለል እናበልና ኢና ንነብር ዘለና፣ እዚ ስርዓት እዚ ፈታዊ የብሉን እንተኾነ ግን ክገጥሞ ዝኽእል ሓይሊ ምህናጽ ጌና ኣይተኽእለን ዘሎ።

ስለ’ዚ ክንዛረበሉ ዝግብኣና ሎሚ እውን ከምቲ ብረታዊ ቃልሲ ክካየድ ከሎ "ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ" እናተባህለ ጸኒሑ ኣብቲ መሳብሮ ግን "ተቓሊስና ዘምጻእናዮ ኢዩ" ስለዝተባህለ ዋላ እቲ ምእንቲ ናጽነት ንበረኻ ዝወጸ ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገሩ ሓሪሙዎ ይርከብ። ንመጻኢ እውን ከምኡ ከይኮነና ምእንቲ፡ ኩሉ ኣቐሚጥና ብጥንቃቐ ከነስተውዕልን "እቲ ናይ ህዝቢ ስልጣን ብኸመይ ናብ ህዝቢ ይረከብ፧ እንታይ'ከ ክመስል ኣለዎ፧ እቲ መንግስቲ ድልዱል፡ እቲ ሰላም ድማ ነባሪ ንኽኸውን እንታይ ክንገብር ኣለና፧" ኣብ ዝብል እተኲርና ክንዝቲ ኣለና። ሎሚ እተዕቁቦ ከይፈለጥካ ምጉዓዝ ግን፡ ዝሓለፍካዮ ጌጋ ካብ ምድጋም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። 

እቲ ስልጣን ሕጂ’ውን ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ማንም 'ተቓለስኩዶ፡ ዘተኹዶ፡ ጽሓፍኩዶ፡' ዝብል ኣይኮነን፣ ማለት ትማሊ ናይ ተታኾስቲ ሎሚ ከኣ ናይ ጸሓፍቲዶ ናይ ተዛረብቲ እንተዳኣ ኮይኑ እሞ፡ "ህዝብና ኣፍ ክሳብ ዘውጽእ ንግዝኣዮ" ካብ ማለት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ስለ’ዚ እቲ 'ገበርኩ ወይ ይገብር ኣለኹ' ዝብል ናይቲ ኣብ ጉዕዞ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ በዓል ቤት ስለዝኾነ እጃም ኣብቲ ውጽኢት ቃልሲ ኣለዎ። ግን ከም ዕላምኡ ቃሉ ኣኽቢሩ ንስልጣን ህዝቢ ክሳዕ መወዳእታ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህዝብና እንታይ ዝመስል ስርዓት ኢዩ ክህልዎ ዘይፈልጥ ኣይኮነን ግን "ንሕና ከምዚ ኢና ንገብር፡ መሬት ብኸምዚ ኢና ከነማሓድሮ እቲ ስርዓት ብኸምዚ ኢና ንኣልዮ" ዝብሃል ኣዘራርባ መዓልቱ ክውድእ ኣለዎ፣ ኤርትራ ባይቶ ክህልዋ እቲ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ክኽውን፡ መሬት ናቱ፡ ዓዲ ናቱ፡ ከመይ ጌሩ ከምዝመሓደር ዝውስን እውን ንሱ እቲ ህዝቢ ምዃኑ ኣሚንና፡ በቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝተወሰነ ሓላፍነት ካብ ህዝቢ ተቐቢልና ኢና በቲ ዘቖሞ ሕጊ ነማሓድሮ። ብዘይድላይ ህዝቢ ክመርሕ ኣብ ስልጣን ዝመጽእን ህዝቢ ዘይደልዮ ዝውስንን መራሒ ንህዝብና ድሕሪ ሕጂ ኣየድልዮን ኢዩ። ከምኡ ዝደሊ መራሒ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ቦታ የብሉን። "ኣነ ከምዚ ዝበለ መምርሒ ኣለኒ" ዝብል ኣካል፡ ንሓሳቡ ከም ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ባይቶ ከቕርቦን፡ ዘድሊ እንተኾይኑ ክዝረበሉ ይከኣል ይኸውን። ማለት ዘድሊ እንተኾይኑ ይዝረበሉ ዘየድሊ እንተኾይኑ ይጉሓፎ፣ ስለ’ዚ እዚ ናትና ከምዚ ኢዩ ናትና እባ ከንዚ ኣብ መሳብሮ ክሳዕ ንበጽሕ መቐነዪ ዝኽውን ዘረባ ጥራይ ኢዩ፣ ኩሉ ኣብ መጻኢ ክህሉ ስልጣን ይኹን ምውሳን ናይ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ቃልሲ ኩሉ ጊዜ ዓመጽቲ ኣለው፣ እንተስዒሮም ከኣ ከም ወትሩ ጽቡቕ ምስራሕ ልማዶም ስለ ዘይኮነ ነቲ ቃልሲ ክካየድ ከሎ ዘበርከተን ማለት ንምዕዋት እቲ ቃልሲ ዝጽዕር ዝነበረ ገዲፎም ነታ ዝሓዝዋ ስልጣን ኣብ ምድልዳል ግደ ክጻወት ዝኽ እል ኣብምድላይ ኢዮም ዝኣትው፣ ብኸምኡ ካኣ ነቶም ኣብ  ቃልሲ ጻዕሪ ዘካየዱ ሃገራውያን የጒህዩዎም፣ ነቲ ውጽኢት'ውን ናይ ምዕርምራምን ምትሕምማይን ይገብርዎ፣ ከም ባህሪኦም ድማ ናብ ምልኪ የምርሑ፣ ኣብ ቃልሲ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ሓደገኛታት ምጥንቃቕ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ፣ ምስኦም ተጓዒዝካ እትተኽሎ ስርዓት ውጽኢቱ ከምዚ ሕጂ ንርእዮን ነሕልፎን ዘለና ስቓይ ጥራይ ኢዩ።

እዚ ዝመስል ጸሊም ታሪኽ ንኸይድገም ሕጂ ብኣግኡ ናይ ጉዕዞ ገምጋም እናተገብረን ንዘበርከተ ኣበርክትኡ እናተገምገመ እቲ ውጽኢት ካብቲ ዝቃለስ ዘሎ ጀሚርካ ንመላእ ህዝቢ ዘቕስንን ከምቲ ኩሉ ዝደልዮን ኮይኑ ይኸይድ ከምዘሎ ቁጽጽር እናተገብረ ክካየድ ይግባእ፣ በዚ ኣብ መጻኢ ዝግብኦ ስኣን ምሕታት ግቡኡ ከምዘይተርፎ ምግባር ይክኣል፣ እዚ ካብ ሱሩ ነቲ ፍትሓዊ ኣተገ ባብራ ናይ ሓንቲ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ተታሓሒዝካዮ ከም ዘለ ኻ፣ ዘማላኽት ኣገዳሲን ናይ መጀመርታ መልሲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣገባብ ኢዩ።

እዚ ኩሉ መዳልያታትን ካልእ ናይ ክብሪ ሽልማትን ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘለና ንዜጋታት ከም መጠን ኣበርክቶኦም ክሕጎሱ ከም ዘለዎም ጌርካ ውሑስን ነባርን ሰላም ንምዕቋብ ዝዓለመ ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣገባብን ውጽኢት ተሞክሮ ቃልሲ ህዝብታት፣ ዓለምን ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።

ብሓጺር ኣዘራርባ ካብ ውልቃዊ መሰል ጀሚርካ ኩሉ ከም ዝሕጎስን፣ ሓደ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ተጠቃሚ ሓደ ኣካል ካኣ ተጎዳኢ ዘይኮነሉ ስርዓት ክትተክል ምስዝከኣል ኢያ ሓንቲ ሃግር ነባሪ ሰላምን ውሑስ ህይወት ዜጋታትን ዝህልዋ።

ሓደ ህዝቢ ከምዚ ናትና ኣብ ሽግር እንተወዲቑ ኣብቲ እዋናዊ ሽግሩ ጥራይ ከይትሓጽረ ውጽኢት ቃልሱ ከምቲ ዝድለን ከምቲ ዝብሎን ንኽኸውን ክምኡ’ውን ንዳሕረዎት ወለዶ ኣብ ዳግማይ ሽግር ዘየእቱን ነባሪ ሰላም ዘውሕስን ንኽኸውን ልዑል ጻዕሪ ከካ ይድ ኣለዎ፣ ኣብጺሕካ ምለስ እንተድኣ ጌርትርካዮ ዘለው ኣይሕጎሱሉ ዳሕረዎት ወለዶ ኣይቀስንሉ ኢዩ ዝኸውን።

ነዝን ክንድዝን ኣለሊኻን፣ ንዓመጽቲ እናኣለለኻዮምን ምስእትጓዓዝ ጥራይ ኢዩ ቃልስኻ ጥዑይን ፍረ ዝርከቦን ኩሉ ዝሕጎሰሉን፣ ውጽ ኢት ዘለዎን ንኹሉ እቲ እተቃለስካሉ ዕላማታት፣ ከምቲ ዝድለ ጌሩ ዘዕቁብን ዝኸውን፣ ትካላዊ ዝኾነን ንነዊሕ ዝጠመተን ቃልሲ ምምስራት፣ የድሊ ኣሎ፣ ግን ካኣ ሓደ ካልእ ውድብ ምፍጣር ኣይኮነን፣ ዘበነ ውድብ ዘብቅዔ ኢዩ ዝመስል፣ ህዝብና'ውን እናመዘኖን እናኣለ  ለዮን ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ፣ ስለ'ዚ ሎሚ ዘድሊ ዘሎ ህዝቢ ካብ ተቓለ ስቲ ከምዚ ይገብሩ ኣለው ከምዚ ይሓስቡ ኣለው ዝብል ናይ ተጸባያይ፣ መርገጽ ወጺኡ ኣብ ዘዘለዎ ዓውዲ ዘተታት ብምኽፋት ኩሉ  እወ ኢሉ ብድላይ ከሰንዮ ዝኽእል ቃልሲ ንምትሳእ ዓሚቚ ዘተታ ት፣ ኣበየ ቦታኡ ክካይድ ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዘለሉ እዋን ኢና በጺ ሕና፣ ዘለና ኣብ ጉዳይካ ተጸባያይ እንተኾንካ ጉዳይካ ኣይሰልጥን ኢዩ፣ ስለ’ዚ ኩልና ዘዘለና ዓቕሚ ኣብዛ ጸበባ ህዝብና ኣብ ምፍታሕ ከቢድ ምሕሳብ ዘድልየላ እዋን፣ ህዝብና ዝደልዮ ብምግባር ታሪኽና ከነሐድስ ኣለና፣ ህዝብና ሎሚ እንተ ካብ ሰማይ እንተ ካብ ምድሪ ረዳኢ ይፍጠረልና እናበለ በብእምነቱ ኣብ ጸሎት ኢዩ ሀሎ።  

ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...