ሓንቲ ኣይኮንኩን...ርኣዩኒ እንዶ....

ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ከኣ ኣብ ኣስመራ ልምድቲ ብሂል ኢያ "ምንያ ኮለል"። እዛ ቅጽል እዚኣ ንሓንቲ ንብምልእታ ኣስመራ ክትኮላ ትውዕል ዝነበረት “ምንያ’’ ዝተባህለት ምስክነይቲ ናይ ጥዕና ጽግምቲ ብምዕዛብ ዝተለምደት ምዃና ዘርከቡላ የዕልሉ። በዚ መሰረት እውን ነተን ድሕሪ ብዙሕ ኮለል ናብ ቦታኻ ዘብጽሓኻ ገለ ኣውቶቡሳት ከተማ፡ ንኣብነት ንከም ቁጽሪ 11 ኣኽርያ-ማይጭሆት፡"ምንያ ኮለል"፤ ብዘይስራሕን ሞያን ፍረን ኮለል ክብል ንዝውዕል ወይ ንትውዕል ሰብ እውን "ምንያ ኮለል"፤ ዝብል ቅጽል ይጠብቆም። በዚ እውን ብዙሓት ምንያ ኮለላት ርኢናን ሰሚዕናን ኢና እሞ ኣይከም ኣይተ ኢሰያስን።

ጆሜትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ "ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምዕዛብ"፤ "ዲጋ ገርሰት ንምብጻሕ"፤ "ድንድል(ቢንቶ) ዘጢጣ ከይትህሉ ንምዕቃን" ወ.ዘ.ተ....."ናይ ስራሕ ዑደት ፈጺሙ" እናተባህለ ጥሩምባ ክንፋሕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ድሮ ጎቢዞምሲ ብረት’ኳ ዓጢቖም። እንተኾነ ጆሜ ኢሱ ብዝተዓዘብዎ ወይ ብዝሃብዎ መምርሒ ዝፈረየ ኣይረኣናን። እኳ ደኣ ንሶም ዘዝረገጽዎ መሬትሲ መመሊሱ ደኣ ከውሐ። ንሶም ኮለል እናከብዝሑ ድማ ጥሜት፡ ሽግርን ዓጸቦን መመሊሱ ገደደ። ብዓንተብኡ’ኸ ብሓቂ ንቁምነገር ድዮም ዝኾሉ፧ ተውሳኾም! እቲ ሓቂ ግዳ ከነዕልለኩም፤

እዚ ትርእይዎ ዘለኹም፡ ኣነ እንተዘይህሉ ኣምበይምሃለወን........ኢሰያስ ኮለል ዘብዝሓሉ ኣብ’ቲ ዝያዳ ዝጭነቐሉ እዋናት ኢዩ። ቤትጽሕፈቱን ኣብኡ ዘለዉ ሰባትን፡ ገዝኡን ስድርኡን፡ ኣብ ከተማ ላዕልን ታሕትን ዝብል ህዝቢ......ኮታ ኩሉ ነገር የጽልኦ እሞ፡ ንፈጽንፈጽ ይመጾ። ሃንደበት ንዓጀብቱ ንመራሕቲ መካይኑን ካልኦትን "ተበገሱ" ኢሉ ንኣባላት ዜና እውን ኣኸቲሉ ይነፍጽ። ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዝሰኣልን ዝቃላሕን ናይ ንፍጾ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፡ ነቶም "ዘይተደለይቲ" ንቦትኦም ከምዝፋነዉ ገይሩ፡ ዘይሰኣልን ዘይቃላሕን ናይ ንፍጾ ዑደቱ ይቕጽል። ምስቶም ዝያዳ ዝኣምኖም ገለ ጀነራላት ወይ ካልኦት ከኣ ኣብ ዕብዳን ይቕኒ። ስቡሓት ይሕረዳ፡ ሸያ ይጥበስ፡ ዊስኪታት ይወርድ፡ ጽቡቓት የሳስያ...... ንሰሙናት ካብ ቤትጽሕፈቱ ይጠፍእ። ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን፡ ዓለምን ህዝቢ ዓለምን ካብ’ቲ ተጻዋርነት ዘይብሉ ሓንጎሉ ጉሒፉ ፍጹም ዝመልካ ናቱ ዓለም ፈጢሩ ይቕኒ።"ዓለም ምን ኣባቱ!" ይፍክር፡፡ "ደሓን ክንርአአ ኢና" የጉባዕብዕ። ጸኒሑ ድማ እቲ ክሕጸነሉን ክምጨነሉን ዝቐነየ በረኻን ኣብኡ ዘለዉ ሰባትን እውን የጽልእዎ እሞ መሊሱ ናብ ከተማታት ይነፍጽ፡ ናብ ኣስመራ ወይ ባጽዕ። ብዘይካ ምስ ሸፋቱ ወይ ገለ ናይ ቢዝነስ መሻርኽቱ፡ ምስ ሃገራት ይኹን ዓለማዊ ትካላት ጥዑይ ርክብ ወይ ዲፕሎማሲ ስለዘይብሉ ድማ፡ ተወንዚፉ ዝጸንሖ ስራሕ የብሉን። ስለዚ ካብ ናይ ንፍጾ ዑደት ናብ ጸርፊ ይኣቱ። ብናቱ ማዕከናት ዝሰምዖ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ እውን፡ ናይ ደገ ማዕከናት ዓዲሙ፡ በታ ዘይወረጃ መልሓሱ ናይ ጸርፍን ቈየቛን ተሃኑ የውጽእ። ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ካብ ናይ ንፍጾ ዑደት ናብ ቈየቛ፡ ኣብ ቈየቛ ናብ ናይ ንፍጾ ዑደት እናተገላበጠ ይነብር። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓለንጊ ሽግር ይግረፍ!

ኣብዚ ሰሙን፡ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ "ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ" ክበሃል ቀንዩ። እዚ እውን መቐጸልታ ናይ ንፍጾ ዑደታቱ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊኡ ዝተሃቀነ ወስታ፡ ግብረመልሲ ንምሃብ'ውን ኢዩ ነይሩ። "ኣለኹ" ንምባል ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ከም መንግስቱ ሃይለማርያም ኢዱ ብፋሻ ጠቕሊሉ፡ "ኣልሞትኩም ኣለሁ፡ እናሸንፋለን" ምባል ጥራይ ድማ ኢዩ ተሪፍዎ። "ናይ ተቓውሞ ስምዒት የርእዩን ቁሩብ ፍኒሕኒሕ ይብሉን ኣለዉ" ንዝበሃለሎም ከም በዓል ሚኒስተር ወልደሚካኤል ገብረማርያም፡ ኣብዚ ናይ ሎምቅነ ናይ ንፍጾ ዑደቱ ሒዝዎም ምኻዱ፡ ማዕረ ክንደይ ነፍሰምትእምማን ኣጥፊኡ ከምዘሎ ዘብርህ ምዃኑን፡ ከም ጅሆ ወይ መከላኸሊ ድርዒ ካብ ክወርዶ ዝኽእል መጥቃዕቲ ከምዝተጠቕመሎምን፡ ተንተንቲ ይእምቱ። ኣየ ምንያ ኮለል!

ተዓዘብ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...