ኣቦታትና ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ፣ ሕሱርከ የሕስረካ መጠ ን፣ነብሱ እናብሉ፣ ኣድላይነት ምክብባር ምሂሮም’ዮም፣ግን ብተባ ራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲን፣ በቲ ምስቲ ክቡር ባህልና ዘይቃዶ ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኣታተወ ጋሻ ባህልን ባህልና ሃሲሱ ኣብ ጉዕዞ ካኣ ህዝብና ናይ ብምክብባር ተኽእሎኡ ጠፊኡ ኣብ ሕድሕዱ ስምምዕ ከምዘይህልዎ እናኾነ መጺኡ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣብ’ዚ መድረኽ እዚ፣እቲ ዝጠፍኤ ባህልና ይኹን ልምድና ወይ ካልእ በዚ ስርዓት እዚ ዝጠፍኤን ዘትበላሸወን ኣብ ምምላስ ዘይኮነ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሎሚ ህዝቢ ካብ ስቓይ ምድሓንን ሃገራዊ ሽግር ኣብ ንቡር ንምምላስን፣ ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ሓሊፍና፣ ንኤርትራውያን ካልእ ምኽንያት ክዋሃቦ ዝኽእል ሓባራዊ ጸገም ክህሉ ኣይግባእን።

ሕጂ ዝድለ ዘሎ፣ ብሓባር ንህዝብና ካብ ዘለዎ ዓጸቦ ዝገላገለሉ መንገዲ ሃሰስ ንምባል፣ ኩሉ እቲ ብህዝቡ ዝሓስብ ዓዓቕሙ ብምብርካት፣ ህዝብና ነዛ ዘላ ጊዜ ዘይትህብ ሕስምቲ መድረኽ ንኽሰግራ ኩሉ ክገብሮ ዝኽእል ብልሓታት ተጠቒሙ ንለውጢ ክሻሞ ጥራይ ኢዩ ዝግባእ።

ኣብ ሞንጎና ምስሕሓብ ምስ ዝህሉ፣ ህዝብና ብዓጸቦ ክሳዕ ዝጸን ት፣ ጊዜ ምንዋሕ እንተ ዘይኮይኑ፣ ዝገበርና እንተገበርና ክንወጾ ይኹን ክንወርዶ፣እንኽእል ዓቐብ ወይ ቁልቁለት የለን፣ በብእዋኑ የጋጥም ንዝነበረ ሽግራት ብዘተን ብመክብባርን ኣብ ገግዜኡ እናፈታሕናዮ፣ ስለ ዘይመጻና ኢዩ፣ እዚ ኩሉ ሽግር፣ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ።  

ጌጋኻ ፈሊጥካ ዝሓይሽ ምግባር ብሕልና ተፈሪዳካ ፍርድኻ ከምምቕባል ስለ ዝኾነ፣ ሕጂ’ውን ጌና ኣብ ሕሉፍ ዝተገብረ ጌጋታት ተኣሚኑሉ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝብና ዝሳቒ ዘሎ ሽግር ከይነውሕን ኣብ ዝመጽእ ጌጋታት ንኸይድገምን ንምግባር ኣብ ምሉእ ምክብ ባርን ምጽውዋርን ዝተሞርኮሰ ሓባራዊ ዘተ ጌርካ ህዝቢ ክኣምኖ ዝኽእል መተካእታ ናይ’ዚ ዘሎ ስርዓት ቀሪጽካ፣ ንህዝቢ ኣብ ንጹር ናይ መጻኢ ስርዓት ጠሚቱ፣ ቃልሱ ከትርር ከምዘለዎ ምግ ባር’ዩ፣ እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንለውጢ ዝድለ ስራሕ።   

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዝድህኮ ዘሎ ጠላሚ ስርዓት ስለ ዝሰክሐን ንዝኣምኖ ኣካል ናይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለ ዝስኣነን ኢዩምበር ብልቡ ምስቲ ስርዓት ስለ ዝተዋሃሃደ ኣይኮነን ስቕ ኢሉ ዘሎ፣ ብሓቂ እንተርኢናዮ ህዝቢ ምስ’ዚ ስርዓት እዚ ተፋቲሑ ኢዩ።

ህዝብና ብዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ተኣማሚኑ፣ ቃልሱ ከሐ ድስ፣ እንተዳኣ ተደልዩ ንዝሓለፈ ጌጋታት ብዓይኒ ጣዕሳ ርኢኻ ኣብ መጻኢ ክትከል ናይ ዘለዎ መተካእታ ስርዓት እንታይነትን ምስልን ብንጹር ኣብሪህካ፣ እምነቱ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ክድል ክድል፣ ከም ዘለዎ ምግባር ልዑል ተደላይነት ኣለዎ።

ምኽንያቱ እቲ ኩሉ መዋእል ቃልሲ እንተርኢናዮ ካብቲ ብዝ ጊሄር ዝረኽብናዮስ ብጌጋና ዘምጻእናዮ ሽግር ስል ዝበዝሕ፣ ኩልና ንዕዘቦ ከምዘለና፣ ህዝቢ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዎ እም ነት ጎዲሉ ከም ዘሎ ርኡይ እኳ እንተኾነ፣ ብዙሓት እውን ከም  መመሳመሲ ወይ መህደሚ ይጥቀሙሉ ኢዮም፣ ንቓልሲ ካኣ ነቲ ኩነታት ተረዲእካ እንተ ዘይስዒብካዮ፣ ብውሑዳት ኣብቲ ዘድሊ ደረጃ ክበጽሕ ንውሑዳት ይኽብዶም ኢዩ።

እሞ ካብቲ ብቐጻሊ ንገብሮ ዘለና ጌጋ እንተ ተመሊስናን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሽግር ንምሕጻር ብስምምዕ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዕቱብ ስዒባና እንተ ሒዝናዮን ነዚ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ከቢድ ሽግር ብዝቕልጠፈ ኢደይ ኢድካ ኢልና ኣብ መወዳእታ ከነብጽሖ ይክኣል ኢዩ፣ ከምኡ ምስ ንገብር ካኣ ኢዩ፣ ሽግርና ተወዲኡን ህዝብና እውን ሰላም ረኺቡ ክቐስን ዝኽእል።

ስለ’ዚ ካብ ሎሚ ኩሉ ክእለትን ዓቕምን ናይ ኩሎም እቶም ንሓርነታት ህዝብን፣ ንሰባኣዊ መሰልን፣ ንድሕነት ሃገርን ኣብ ምቅላስ ዝኣምኑ ኤርትራውያን ተጠርኒፉ ኣድማዒ ምእንቲ ክኸውን ተዋሃሂዱ ኣንጻር እቲ ስርዓት ክጥምት ከምዘለዎ ምግ ባር፣ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ፣ ብሓጺሩ እቲ ኣብ እዚ እዋን እዚ ክካ የድ፣ ዝግብኦ ጻዕሪ ኣሎ ዝብሃል ዓቅምታት፣ ነቲ ስርዓት ኣብ ምእላይ ጥራይ ከትኩር ከምዘለዎ ምግባር ኢዩ። 

እቲ ስርዓት ምስትኣለ ስልጣን ንህዝቢ ኣብ ምርካብ ክሰላስል ዝግብኦ ስርሓት ብዘትኣማምን መገዲ ምሕንጻጹ ካኣ ነቲ ኣብ ከኩርንዑ ዝፍጠር ምጥርጣራት ኣህሲሱ፣ ህዝቢ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክኣምን ስለ ዝገብሮ ሓጋዚ ኢዩ፣ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ምስ ዝዓዝዝ ፋታሕ ንጽብሒቱ ኢዩ።

ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን      


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...