ለንቅነ በዚ ሕብረት ኤውሮፓ ንኢሳያስ 122 ሚሊኦም ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ንኽህብዎ ብምውሳኖም ብዙሓት ኤርትራውያን ቅር ኢሉና፣ እዚ ግን ነቲ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ነገራት ዘይምኣዝኖም ክሕዙ ከለው ኣብ ግምት ዘየእተናዮ ነገራት ኢዩ ከምኡ ዝገብረና ዘሎ፣ እዚ ካኣ ሕቂ ኢየ ህዝብና ብጥሜት እናተቐጽዔ ብሽሙ ንመለኽቱ ዝኾኑ ጉጅለ ሚልዮናት ክውሃብ ከሎ ዘየሕስብን ዘየጒህን የብሉን።

ኤውሮፓውያን ግን ዋና ኣብ ምዃን ተጠሊዕካ ዝሃብካዮ ኣይዋናን ኢኻ ክብልዎ ከም ዘኽፋኣሎም ይፈልጡ ኢዮም፣ ስለ’ዚ ካብ ምስ ዓለም ክንዛረብ ንእንፈትዋ ሃገርና ዋናታታ ናይ ምዃን ብቕዓት ከነጥሪ ኢዩ፣ ዝግባእ፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ መላኺና ኣሊና ንሕና ኢና ብዛዕባ ኤርትራ ንውስን ባይቶ ኣለና ምስ ባይቶ ተሳማሚዕኩም ዘይገበርኩሞ ሓላፍነት ኣይንወስደሉን ክንብለሉ እንኽእል ዓውዲ ከነጠጥሕ እሞ ዋናታት ኰና ክንቀርብ ኢዩ ዘለና።

እቲ ትህብዎ ዘለኹም ንህዝቢ ኤርትራ ሂብናዮ ከይትብሉ ክንብሎም ክንበቅዕ ኣለና፣ ስለ’ዚ ክቡራት ኣሕዋት ምስ ኣብ ሕሉፍ ድዩ ሕጂ ንገብሮ ጌጋታት ድዩ ዘይምስትውዓል ዳኣ ኣብ ሞጎት ንእቶ እሞ ንድሕርጂ ዝኸውን ብልሓት ነጥሪ እምበር ዓለም ዝገበሮ ከም ድላይና ዘይኮነልና ኢልና ምዂራይ ኣየዋጻኣናን።
 
ናይ ውልቂ ተባላሓትነት ብነጻ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከም ዘለዎ ክሳዕ ዘይተገብረ ሃገር ንቕድሚት ክትስጉም ኣይትኽእልን ኢያ ንሓደ ዝሓስብ ከተማዕብሎ እምበር ክትቅንጽሎ ኣይግባእን እቲ ኣብዚ ኩሉ ኣብጺሑና ዘሎ ግን፣ ንዝሓስቡ እናጥፍኡ ባዕሎም ዋናታት ሃገር እናኾኑ፣ ብዘይ ተቓውሞ ናይ ዝመጹ መለኽቲ ተገዛእቲ ስለዝኾና’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ክቃለስ ኢሉ ሜዳ ምስ ወጸ፣ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝመርሕዎ ዝነበሩን ክሳዕ ሕጂ ንዓለም እናዳናገሩ ኣብ ርእሲኡ ሸይሸይ ዝብሉ ዘለውን።

ኣብ ጊዜ ቃልሲ ድሕሪ ዓወት ማለት ጸላኢ ምስወጸ እንታይ ዝመስል መንግስቲ ከም ዝህልዎ፣ ከይሓስብን ብዛዕብኡ ከይዛረብን፣ ኣበይ ንምብጻሕ ኢዩ፣ ነጻ እሞ ንውጻእ፣ ኣብኡ ምስ  በጻሕና ነርክበሉ እናበሉ ብዛዕባ እቲ ናይ ሽዑ መጻኢ እዚ ንርእዮ ዘለና ጸልማት ካብ ሽዑ ንኸየማዕዱን ተበላሒቱ ፈውሲ ከይረኽበሉን ፈልከት ከም ዘይብል ጌሮም ዓጊቶምዎ ጸኒሖም ኢዮም።

እቲ ነጻ እሞ ንውጻእ ኣብኡ ምስ ብጻሕና ነርክበሉ ማለት ኣብኡ ምስ በጻሕና እንታይ ከም ንገብር ክነግረኩም ኢና ጥራይ ተጸበዩ ማለት ምንባሩ ሕጂ ብግብሪ በሪሁልና፣ ካብ ሎሚ ንድሓር ንገብሮ ንፍለጥ።

በቲ ምድንጋሮም ንኣና ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም ክንዲ ኣፍና ኣፍ ክንዲ ዓይንና ዓይኒ ክንዲ እግርና እግሪ ክንዲ ርእስና ርእሲ ኮይኖም ዝዛረቡ ንሶም እምበር ካልእ ከም ዘየለ ጌሮም ኣረዲኦምዎ ኢዮም፣ ንዓለም ከምዚ ኢሎም ከደናግሩ ከለው ስቕ ኢልና ኢና።

ዘይግቡእ ጌርና ኢና፣ መሰልና በብሓደ እናተመንጠለን፣ ጀጋኑና በብሓደ እና ተመልዓሱን እንድሕሪ ዘይተጣበቕና ሕጂ ዓለም ከም ድላዩ እንተ በለና እንብሎ የብልናን፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ እታ ምስ ዓለም ተማሓዚኻ ንኤርትራን ህዝባን ከም ድላይካ ትገብሮም ትብል ኣታሓሳስባ ኣብ ሓንጎል ገለ ሰባት ክትህሉ ስለትኽእል ክንጥንቀቕ ኢዩ ዘለና፣ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣይትድገመና ብዝተረፈ ኢዩ።
 
ብሕጺሩ ስልጣን ህዝቢ እንተስ ብግርህነት እንተስ ብዕሽነት ንሓደ ጭፍራ መጽዊትናያ ኢና፣ ሂወትና ምእንቲ ድሕነት ህዝብና ንህብ ኣለና እናተባህለ በቲ ቅዱስ ቃልን ተግባርን ከምኡ መሲሉዎም ሂወቶም ዝሃቡ ናይ ሰማእታት ሽም እናተማጻድቑ፣ እዞም ጉጅለ እዚኦም ኩሉ ስልጣን ህዝቢ ናቶም ጌሮምዎ ኢዮም፣ ሕጂ ምስ ዓለም ዘባእስ ይኹን ዘቋይቊ የብልናን፣ ሕጂ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ምብልሓት ጥራይ ኢያ እታ እንኮ ተሪፋ ዘላ።

ሕጂ ኩልና ኤርትራውያን ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ተጠርኒፍና፣ ከምዘን ማሓስእ ኣብ ከክፍለን ትገርህን ኣብ ናይ ወውድብና ክፍልታት ተመቓቒልና ሃገር ከነድሕን ኢና፣ ንሕና ኢና ንኤርትራ ወዳእታ ምባል ጥራይ ዘይኮነ ንህዝብና ካብ ዘለዎ ሽግር ኣብ ምግልጋል ዝሕግዝ ኮይኑ ዝርኣየና ዓለም ዝኣምነሉ ህዝብና ብምሉኡ ዝቕብሎን ስርዓተ መንግስቲ ቀሪጽና ንሕና ኢና ወከልቲ ህዝብና ንበሎም።

ቃልሲ ህዝቢ ድማ ናይ ህዝቢ ኮይኑ እንታይ ዝመስል መንግስቲ ኢዩ ዝህልወና ከይተነጸረ ንዝኾነ ይኹን ብሓልዮ ዝማጻደቕ ጭፍራ ካብ ምእማን ክንጥንቀቕን ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ዘቲና መንግስትና እንታይ ከም ዝመስል ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ቕቡል ዝኾነ ንምግባር ጥራይ ይኹን ቃልስና።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...