ኣዳላዊት መደብ  ኣስመረት መድሃኔ

መደብ ድምጺ ደሊና ዕለተ ፈነወ ቀዳም ሳልሳይ ፈነወ 27/12/2014

ኩቡራት ተኸታተልቲ ን  መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደሊና፥  ደሮ ብመንገዲ ፈይስ ቡኽ እትልግሱልና ዘለኹም ርእይቶን ጽሑፋትን ይበጽሓና ኣሎ፡፡  ስለቲ ተገዳስነትኹም እናመሰገንና ክኣ ድሮ በጺሑና ዘሎ ጽሑፋትኹም ከከም ኣድላይነቶም ከነቕርቦም ምዃንና ቃል ንኣትወልኹም። ንሕጂ እምበኣር ስመይ ናዓኹም ብምባል  ዝሰደደልና  ናይ ብርዒ ስሙ ፍትሒ ደሊና ብዝብል  ክንጥቀም ዝሓተተና ተኸታታሊና ዝሰደደልና ጽሑፍ ኢና ከነእንግድ። ኣቐዲምና ግና ምስጋናና ነቕርብ ክብረት ይሃበልና ንብል


ናይ ሓደ መድረኽ ታሪኽ ሕብረተሰብ ኣልዒልና ክንዛረብ ከለና እምበኣር፣ ብቐንዱብዛዕባ ታሪኽ ናይ’ቲ መድረኽ’ቲ መንእሰያት ኢና እንዛረብ። “ኣብ ፍጥረት ወዲ ሰብ ጸጋ እምበር ዕዳ ዝበሃል ተውህቦ የለን። ንእስነት ከኣ መሶብ ብሱል ተውህቦታት ወዲ ሰብ’ያ” እቲ ከምዚ ዘብል ቀንዲ ምኽንያት፣ ወዲ ንሰብ ኣብ ንእስነቱ ዝዓዮም ተግባራት ሕልፊ ካልኦት ክሊ ዕድመታት ኣብ ኩሉ ገጻት ህይወት ናይ’ዛ ምድሪ ትርጉም ዘለዎ ጽልዋታት ክገድፍ እኹል ብቕዓት ዘለዎ ብምዃኑ’ዩ። ኣተግበርቲ ናይ’ዞም መደባት ብቐንዱ መንእሰያት’ዮም። ሞሳኦም ከኣ መደባት በቲ ዝተወጠንዎ ተተርጒሞም ምርኣይ እዩ። ዕድመ ንእስነት፣ ኣብ ዝዀነ ከም ዝዀነ ኣቕሓ ኣብ ዕዳጋ ክንዕድጎ ዘይንኽእል ፍሉይ ህያብ ፈጣሪ ዝወሃብ ጸጋ  እዩ፡  ካብ መግለጺ እዚ   ዓቢ ትርጉም መልእኽቲ ዝሓዘለ እንርድኦ እንተሎ፣ ዕድመ ንእስነት ጥዑምን ምቁርን ምዃኑ ክንርዳእ ምኽኣል’ዩ። ምናልባት ብዘይ ፍረን ቁምነገርን እንተድኣ ኣሕሊፍና ወይ ሰቲዃትና ዝገበርና እንተገበርና ክንመልሳ ሕጊ ተፈጥሮ ከምዘይፍቅድ ይንጽር።ብቕዓት መንእሰይ ሓደ ሃገር፣ ብሰለስተ ኣዕኑድ ኣምራት ክግለጽ ይከኣል። ንቕሓቱ፣ ውዳበኡ፣ ዕጥቁ። ፖለቲካዊ ንቕሓት፣ እቲ ቀንዲ ምስጢር ስነ-ኣእምሮኣዊ ብቕዓትን ጥንካረን እዩ። ሓደ መንእሰይ፣ ሕሉፍ ታሪኹ ብዕምቈት ዝፈልጥ፣ ካብ ዝሓለፈ ጉዕዞኡ ዝቐሰሞ ተሞኩሮ’ዩ።፣

 መንእስይ  ድሕነቱን ምዕባለኡን ዘውሕስ ብገዛእ ብቕዓቱ እዩ። ምኽንያቱ፣ ዓለም ወትሩ ናይ ውድድር መድረኽ’ያ፤ ኣብዚ ውድድር’ዚ ስንፍ ዝበለ ወይ ብቕዓት ዝጎደሎ ድማ ሕርሕራይ ገይራ እያ  መንእሰያት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ልዑል ዓቕሚን ብቕዓትን ምውናን ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ብቕዓት ሕብረተሰብ ብቐንዱ ኣብ ብቕዓት መንእሰያት እዩ ዝምርኰስ። መለክዒ ሕብረተሰብ - ብቕዓት መንእሰይ እዩ። ደምን ትንፋስን ሕብረተሰብ መንእሰይ ስለዝኾነ። ብርግጽ ድማ ሓያልን ብቑዕን መንእሰይ ዘይሓዘ ሕብረተሰብ ምዕባለ ከረጋግጽሲ ይትረፍ፣ ብህይወት ክሰርር እውን ንጋዳ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ዕድመ ንእስነት፣ ካብ ውልቃዊ ህይወት ምምራሕ ንላዕሊ፣ ኣጸቢቑ ዝዓዘዘ ሕብረተሰብኣዊ ሓላፍነት ዘስከም መድረኽ እዩ። ህላወን ቀጻልነትን ሕብረተሰብ፣ ዕብየትን ስልጣነን ሕብረተሰብ ኣብ ብቕዓት መንእሰያት ስለዝምርኰስ።ምኽንያቱ ከም ኤርትራዊ መንእሰይ ገይሩ ንሒደት ዓቕሙ ናብ ፍጹም ዘይጽዓድ ሓይሊ ክቕይር ዝኸኣለ መንእሰይ ኣብ ዓለምና ተራእዩ ኣይፈልጥን። መንእሰይ ኤርትራ፣ ብዘይ ዝኾነ ደገፍ ኣብ ዓቕሙ ተኣማሚኑ ንኹሉ መሰገደላት ሰጊሩ፣ ህላወኡን ቀጻልነቱን ብኣንጸባራቒ ታሪኽ ከውሕስ ዘብቅዖ እኹል ን ልዑል ብቕዓት ክውንን ዘኽኣሎ ውሽጣዊ ሓይልታቱ  ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ረብሓታትካ ምፍላጥን ጥራይ ኣኻሊ ]ኣይኮነን። ረብሓታትካን መሰልካን ክትሕሉ ዘኽእለካ ዕጥቂ የድልየካ እዩ። ዕጥቂ ብዕጥቁ ብሉጽን ተወዳዳሪን ዕጥቂ። እንተዘይኮይኑ “ዕጥቂ የብሉን ወይ ዓቕሙ ትሑት’ዩ” ኢሉ ብድንጋጸ መሰልካን ረብሓታትካን ዘኽብረልካ ሓላዪ ወይ ዓለማዊ ሕጊ የለን። ዕጥቂ ማለት ብረት ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ዕላማኻ ንምዕዋት ክትውንኖ ዘለካ ዝተፈላለየ መተዓየዪታት እዩ። ዕጥቂ ረቂቕን ግኡዝን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ከፊልካ ክርአ ይከኣል፣ እቲ ረቂቕ….. ኣእምሮ ወዲ ሰብ እዩ። መርኣያታቱ ድማ፣ ኣካዳምያውን ሞያውን ፍልጠት፣ ዲሲፕሊን፣ ባህልን ክብርታትን ዝኣመሰለ እዩ። እቲ ግኡዝ ዕጥቂ ዝበሃል ከኣ፣ ኣብ ዘዝተዋፈርካሉ ዓውዲ፣ ዕማምካ ብኣድማዕነት ክትፍጽም ዘኽእለካ ዝተፈላለይ መሳርሒታት እዩ።

ብቕልል ዝበለ ብጥሙር ኣበሃህላ ግዜ ንእስነትካ ብትኩስ ሓይሊ ተታሊልካ፣ ብሬታ ንሓይልኻን ድኻምካን ንዝኸውን፣ ዳጌፋ እተዳልወሉ እዋን እዉን እዩ። ስለዚ  እዚ ውዑይ ሓይሊ እናበልና እንጽውዖ  መንእስይ  ግዜን ኩነታትን ብዝመርሖ ኩነት  ንህልዊ ኩነታት ከስትውዕለሉን  ነቲ  ተጻብኦታት እናኻየደ  ኣብ ኣፋ ዓንቀር ኮይኑ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ኢሳያይስ ክበገሰሎን ክድህኸሎን ዘለዎ ግዜ ሕጂ’ዩ። ወጽዓን ገልታዕታዕን፥ ሞትን ስቕያትን፥ ኣውያትን እህህታን፥   ዘክትመሉ ፡ መንእስይ ንእስነቱ ብግቡእ ተማሂሩ በሲሉ መጻኢኡ ዝርእየሉ ዝትልመሉን  እዋንን ግዜ ሕጂ እያ እሞ ሃየ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ቃል እንኣትወላ ዓመት ራህዋ ፥ ዓመት ቅሳነት፥ ዓመት ዲሞክራሲ፥ ዓመት  መሰል ክትኾነልና ብምምናይ  ክኣ ጽሁፋይ ይዛዝም

ደላይ ፍትሒ ካብ ኣስመራ


ስነ ጽሑፍ ወይ ግጥሚ ሓደ ብሓጺር ስሓብን ብዝኾነ መልኽዕ እተቕርበሉ ሓደ ቅዲ ናይ ኣጻሓሕፋ እዩ። ግጥሚ ክኣ ኣካል ናይ መደብና እዩ። ግርማይ ምሑር ሓንቲ ንመደብ መንእስያት  ድምጺ ደሊና ትኸዉን’ያ ኢለ ይልእኸልኹም ኣለኹ እሞ፡ ሃንጉፋይ ኢልኹም ተቐበልዋ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ገበር ናይታ ግጥሚ ኣታሓሒዙ እዩ ልኢኹልና ዘሎ፡ ግርማይ ምሑር መደብኹም መደብ መንእስያት ብዘይ ናትኹም ተሳታፍነትን  ስለዘይተዕንብብ ኩሉ ግዚኡአ ባብ ድምጺ ደሊና ክፉት’ዩ።

    

ይመረና 'ሎ !
**********!
ዳሕራይ ከይትኣቱ፡
ኣብ ዘይወጽእ ጣዕሳ።
ኣፍና ፡ጥረ-ምረ ከይለኸፈ
ህቦ ረፋድ፡ 'ንከይረገፈ
ኣካልና፡ ብጥሜት …
ጽምኢ፡ ' ና ተገርፈ
ካብዝን-ካብትን ኢልና
ዝሰራሕናዮ ቤትና
ሎሚ …
ሓጋይ በርቲዑ ኢልካ
ሰፈርና ኣኣፍሪስካ
ኣይትሃበን ንማልካ።
ጓሳ ግደፍ !ግደፍ ጓሳ !
ዳሕራይ ከይትኣቱ
ኣብ ዘይወጽእ ጣዕሳ።
ስራሕካ ዘበለ ፡ኩሉ-ነገሩ
የቐይመና'ሎ ፡ ካን መሪሩ።
ይመረና'ሎ!
ይመረና-ጓሳ! ስኢና ኣኻእሎ።
በል ስማዕ ፡ ስማዕ'ሞ ጓሳ
ተኣኻኺብና…
ካብ ዘዘልናዮ ጣሻ፡
'ንተ ቶኺብናካ ብዕስለ
ኣይንርኣዮ!
ዓይኒ የለ ፡ ኣፍ የለ
እንታይ ይዓብስ
እወ ፥'ንታይ 'ዓብሰልካ
ነይሩ 'ንተ ተባህለ?
ግደፍ ጓሳ ንሳነ-ንሳነ
ክላ ዋእ! ይመረና'ሎ
ኣጋውላኻ ዝኾነ።
ግደፍ ጓሳ !
--------------
ግርማይ ምሑር
 


ሓቂ
ፍሥሐየ መብራህቱ

ሓቂ ብዙሕ ሰማዩኺ
ውሑድ ፈላጥኺ
የለን ግን ጨባጥኺ
“ሓቂ ኣበ’ለኺ ክደልየኪ…”[i]
ሓቂ ክለተ ፊደልኪ
ብዘይ ኣሰር በየንከ ሓለፍኪ
ኮለል ትብሊ መዕለቢ ዘይቢልኪ
ኣነስ ምደለኹ ክፈልጠኪ
ኣብ ቤተይ ኣኽቢረ ከንብረኪ
ሰቲዅክኒ ካብ ኢደይ ኣምሊጥኪ።

ሓቂ - ንሓቂ ዝረአ ይብራህ ዓይኑ
ንኽደልያ ቀልበይ ኣጽወንዊኑ
ዝረኻባስ ይብሕታዶ በይኑ?
ኣይንዓቃ ጭዋዳኣ ቀጢኑ
ከባድ እያ ዘይክእላ መዚኑ
ኃያል’ያ ከይሕዛ ወኒኑ
ክብርቲ’ያ ክትከውን ዋኒኑ
የካፍላ ንኹሉ መጢኑ።

ዝብል እንተሎ፡ “ንሓቂ ጨቢጠያ
ኣታሊለ ባዕለይ ጠቢረያ
ኣብ ልስሉስ ፍርናሸይ ኣሕዲረያ
ኣቃሊሐ ንሕዝቢ ኣዊጀያ
ብርዒ ቀልም ወቂጠ ሒዘያ
ቀይዲ ጌረ ሓጹር ሓጺረያ
ኣብ ስበት ግራተይ ቀቢረያ።”
ሓሳዊ’ዩ ጕዳም በዓል ቅያ
ታሪኽ ኪስልበጦ ብዘይካ ንሕስያ።

ኣነ እንታይ ክብል ብባህጊ ዝምነያ?
ክቐብጻዶ ካባይ ተፋኒያ
ከልቅሰላ ብሞት ተፈሊያ
ሓቂ ኣይትምሽምሽን ሓመድ ተድብያ
ክትፍልፍልያ ‘ብሑጻ ተሰቲያ
ክትበቍል’ያ ጠሊ መሬት ሰትያ
ክትዕምብብያ ክንርእያ’ውን ፈሪያ
ቀለብ ኮይና መዓዛ ኣጻርያ
ክትምጕሳ ነፈሰ-ሥጋይ ጥዕያ።



[i] ኣተወ-ብርሃን ሰጊድ


ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርሕ ከምዝብሃል ድልየትና ፡ ባህግናን ደሊና እናበልና ድምጺ እንስማዕዓሉ እዋንንን ግዜ እዮ እሞ፡ ልሳንና ኣብ ድምጺ  ደሊና ይኾነልና፡ እዛ  መደብ ብናይ ኹሉ ሰማዕን ተከታታልን ብፍላይ ከኣ መንእስያት ድምጹም ክስምዑ ባብ እተርሑ ስለዝኾነት ፡ ተበግሶናን ተሳታፎናን ከነድንፍዕ ኣዳለውትን ኣወሃሃድትን እዚ መንእስያት ድምጹም ክስምዑ ባብ እተርሑ መደብ ንሕብር;;


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...