ትዕዝብተይ ኣብ ሕብረተሰብ

ሰራየ ፡ ሓማስየን፡ ኣኩሎጉዛይ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ’ዶ ወይስ ሓደ ህዝቢ ሽሕ ልቢ ?

“ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እትብል ቴማ ቀጻሊ ኣብ ግዕዞ ሂወተይ ምሳይ ኣላ። ደጋጊመ የስተንትና ። ካብ ሱራ ጀሚረ ክሳብ ጨናፍራ ክትንትና እፍትን እሞ ገለ ነገር እስእነላ። ነየናይ ህዝቢ ወይ ኣበየነይ መድረኽያ ተገልግል ሕርብት ይብለኒ። ሰባት ክደጋግምዋ ኣመናየ ዝዕዘብ- ፍረ መልሓሶም እምበር ፍረ ልቦም ዘይኮነት ቴማ ። ዜማን ግጥምን ተሰሪሑላውን ብዙሓት መንኮባት ህዝቢ እስክትሽም ኢለናላየን። “እዛ ቴማ ዝሕላገቶም ህዝቢ ድኣ!” እናበልካ እንክትሓስብ ዛራ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢዩ ዝብል ኣምር ሓሳብ ጎፍ ይብለካ ።ኣብ መናድቕ ጎደናታትን ታቤላታትን ከምእውን ኣብ ሞስኮት ERI TV ኩሉ እዋን ጎሊሓ እትርአ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ቴማታት ፡ግን ክኣ ኣብ ባይታ ዜሮ - ስላዊት ቴማ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ”።

እስከ ናብ ናይ ቀደም እዋን ምልስ ክብልየ ናብቶም ኣህዛብ ሰብ ከበሳ ።እዚ ማለት ድማ ብቐትታ ናብዚ ዘለናዮ ሓሽካር እዋን ቅድሚ ምእታወይ ናብቶም ጥዑማት ሰብ ቀደም ፡ሰብ ሰራየ ፡ሰብ ሓማስየን፡ ሰብ ኣኩሎጉዛይ ገለ ብምባል ከዋግዕ። ርግጸኛየ እዚ መሰረት ዘይብሉ ጽልኢ እዘን 3 ኣውራጃታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ቀደም ኣይነበረን - ምናልባት ግን ንፈውሲ ማሕላ ኔሩ ክብል ምኽንያቱ ኣብ ሰባት ፍጹምነት ስለዘየለ። እምበር፡ ኣብ ዛንታ ሰራየ ምስ ሓማስየን ኩናት ገጢሞም ፡ ሓማስየን ምስ ኣጉሎጉዛይ ኣብ በረኻ እከለ ተታኺሶም፡ ኣኩሎጉዛይውን ምስ ሰራየ ከምኡ ይትረፍ ኩናት ሕልኮ’ውን ትኹን ገጢሞም ዝብል ኣፈታሪኽ የሎን- ዝተሰነደ ታሪኽ’ውን ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን ብርግጽ ድማ የሎን። ብኣንጻሩ ግን “መገሺ እኾነና” እናበሉ ነንሕድሕዶም ይዋሰቡ ብምንባሮም ሓቅነቱ ካብ ማንም ልቢ ዝኽወል ኣይኮነን። ኣሽንካይዶ ምስ ደቂ ሩብኦምን ደቂ መሬቶምንሲ ይትረፍ ሩባ መረብ ሰጊሮም ከማን ምስ ተጋሩ ኣሕዋቶም ይዋሰቡ ኔሮም እዮም ።እዚ ድማ ታሪኽ ጥራሕ ዝምስክሮ ዘይኮነ ሰባት’ውን ብኣካሎም ስጋለበስ ጭብጢ ኣለዉና መስለኒ። ኣብዞም ህዝቢ ድማ ንድሕሪት ምስ እንዝክር እንትርፎ ሰላምን ርግኣትን፡ ካልእ ሕማቕ ነገራት ወይ በሰላ ኣብ ህዝቢ ዝገደፈ ብዙሕ ኣይተዘንተወን ። ስለዚ እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዕገልጠም ዘሎ ናይዘን 3 ኣውራጃታት -ንኽትገልጾ ኣዝዩ ዘሕንኽ -ታሪኽ መሰረቱ “ካብ ናይ ቀደም ሰባት ኣይኮነን” ክብል ደፊረ ኣለኹ- ኣይፋልካን ዝብል እንተሎ ድማ ሃየ ብርዑ የንብዕ። እቲ መሰረት ጽልኢ እዘን ኣውራጃታት እንታዩ ዝብል ሕቶ ግን ናይ ነፍሲወከፍ ተወላድ እዘን ኣውራጃታት ዝኾነ ወልቀሰብ ጉጁም ኢሊ ክዛተየሉ እጽውዕ።

እሞኸ ድኣ ፡ ንምንታዩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጠገለ ኣልቦ ክይኑ ኣቦጓይላ ዘይብሉ መርዓ መሲሉ ዘርከበ ዘሽኮንድረሉ ዘሎ? ሰብ ውሽጢ ዓዲ እስከ ንግዜኡ ገለል ከብሎም ፡ ናብዞም ሰብ ወጻኢ ኣእዳወይ ከወጣውጥ። ኣብ ምዕቡል ዓለም ብምንባርካ፡” ካብ ሰቡ ይሓይሽ፡ እቲ ዓዲ ቀይርዎዩ” እናተባሃልካ ኣንታ ሰብ ደገ ርኹብ ዝዝባንካ፡ ስርሓካ ግን ገና ኣብ ሓሸውየ ኣውራጃውነት ኮለል ክትብል መሬት ትዓርበካ።ኣንታ ሰብ ደገ ሰብ ወጻኢ፡ ክዳንካ ጹሩይ ኣእምሮኻ ግን ብላሽ! ኣብ ደገ ኣክንዲ ኤርትራዊ ረኺብካ ገጽካን ልብኻን ትህብ ፡ ፈለማ ገጽካ ሂብካ ኣውራጃ ኣረጋጊጽካ ድማ ልብኻ ተስዕብ- እንተዘይኮነ ድማ ሕቖኻ ትህብ -ተከል እዋንዩ። ጓል ኣውራጃኻ ወዲ ካልእ ኣውራጃ እንተተዋሲብዋሞ ክኣ እሮማይ ድቃስ የለን - መሬት እናተዘብጠ ይንበር።እስከ ኣብ ከከባቢና ንፈትሽ ሰብ ወጻኢ ፡ ክንደይ ፍቑራት ምስ ምዉቕ ፍቕሮም ተበታቲኖም ኣለዉ? ክንደይ ሰብ ሓዳር ኣብ ውላድን ካልእን በጺሖም ክነሶም ብሰንኪ ኣውራጃውነት ፋሕጭንግራሕ ኣቲዎም ኣሎ? እቲ ዝገርም ድማ መሰረት ጽልኢ እዚዩ ክበሃሎ ዘይክኣል ። እዞን ኣውራጃታት ግን ልዕሊ ሰበን ቤተክርስትያን ይኸዳ።ልዕሊ ሰበን ስም ኣምላኽ ይርቑሓ። ኣምላኽ ዝጉዝጓዝአን ድኣ እንተይ ስለዝተረኽበዩ ማዕረ ክንድዚ ተጨኻኺነን- ሕለፍያ ዝበሃላ። እቲ ወዲ ሰራየ ንጓል ኣኩሎጉዛይ ዘየፍቅር እንተኾይኑ፡ጓል ሓማስየን ምስ ወዲ ኣኩሎጉዛይ ዘይትዋሰብ እንተኾይኑ ፡ ኣበይ ኣሎ ድኣ እቲ “ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እናተብሃለ ዓንገረር ዝበሃለሉ? ኣንቱም ሰባት ከምቲ “ገዛ ተሃላለኽቲ፡ ከይትዓጽወ ይሓድር” ዝበሃል ምሰላ ኣቦታትና ንሕናው’ን ክንትሃላለኽ ክንብል ማዕጾ ሃገርና ጋህ ኣቢልና ኣለና ። ንፋስ ኣቲና ኣሎ ።ስርዓት የናብር ፡ዕርቂ የካብርዩ’ኮ ኣሕዋት ደፋእ ንበል። ኣጸቢቕና ንሕሰብ። ወይ’ክኣ ጨጨጓሩ ንውሽጡ ዝበሃሎ እንተልዩ ይተሓበረናሞ፡ ለመጽመጽ ኢልና ክንነብር። እምበር ለመጽመጽ ምባል’ሲ በዚሑና’ኳ ኣሎ።

ኣብ ሓቅን ክውንነትን እስከ ንርገጽ፡ እቲ ማሕበር ኣኩሎጉዛይ፡ ማሕበር ሰራየ፡ ማሕበር ሓማስየን ብምባል ዙርያን ባድላን መሊስካ ሸነን እናበልካ እትኾዶ ማሕበር ኣውራጃነትኮ ኣይተጸልአን። ዋላውን ወዲ ኩስቶ ኣውራጃየ ምባል እንታይ ጸገም ይህልዎ? ብወገነይ እዚ ከም መግለጺ ፍቕሪ ስለዝሪኦ ሰናይ ነገር ኮይኑ ይስምዓኒ። ሰባት ብምፍቃሮም እሞ እንታዋይ ሰብዩ ሕማቕ ክስምዖ እንትርፎ ሰይጣን። ዝዓበኻሉ ኣውራጃ ጠቒስካሞ ኣየናይ እተፍርሶ ሰማይ ኣሎዩ። እቲ ሰንካምነቱ ግን ኩስቶ ወዲ እከለ ኣውራጃ እንድዩ ተመርዕይዋ፡ እንዳ እከለ ኣውራጃኮ ከምዚዮም ዝብሉና፡ እንዳ እከለ ኣውራጃኮ ከምዚዮም እናበልካ ኣብ ልቢ ንጹሃት ሰባት ዘየድሊ ጽልኢ እጥረ ስለዘሎዩ። ብድሕሪዚ ረሰንሰን ኢልካ ኣእምሮኻ ተደፊንካ ልክዕ ከም መኻሪ ፡ “ እዚ ኣፍቂርኪዮ ዘለኺ’ኮ ወዲዚ ኣውራጃ’ዩ ምስ ዘይጽመድ ኢኺ ተጻሚድኪ ዘለኺ”፡ “ ኣንታ ጓልዞም እንዳ እከለ ኣውራጃ እንታይ ርኢኻላ ኢኻ በልስከ ሓዳር ዝገበርካላ?” እናተብሃለ መሳኪን ሰላማውያን ሰብ ፍቕሪ ወይ ሰብ ሓዳር ሂወቶም ሃዶሽዶሽ ይብል ።እንተዘይበለት ድማ ሂወታ ናብራ ኣብ ጥቓ ጭዓ ዝቦቖለት ቆልቋል ኮይኑ ይቕጽል - ቃንዛ ዝበዝሖ ሂወት ተሐልፍ ማለትዩ። እዚ እናረኣኹየ ድማ ሓደ ህዝቢ ሽሕ ልቢ ብምባል ገሊጸ ናብቲ ናይ ብሓቂ ትርጉም ቴማ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ኣንፈት ገጽና ክንከይድ ሓቢርና ንላዘብን ንመርሽን ዝብል ዘለኹ።

ሰብ ወጻኢ፡መሬት ዓዲ ኣቦኹም ገዲፍኩም፡ ከይድኩም ስግር ባሕሪ ሰፊርኩም። መሳኪን ህዝቢ ኣሜሪካ ፡ካናዳ፡ ኤውሮጳ ፡ ኤስያ ኣዕቒቦምኹም ክነስኹም ፡ናበይ ብዘየሎ ሰረት ጽልኢ ኣልቦ ኣውራጃነት ትዋጠቱ? እቲ መሬት ሰራየ ፡ሓማስየን፡ ኣኩሎጉዛይኮ ነበርቲ ኣለዉዎ።ብሰላም ድማ እነብርሉ ኣለዉ- ካልእሲ ይትረፍ ተጸዋዊሮም ከማን ኣለዉ።እሞኸ ድኣ፡ እንታይ ኣምጽኦ ክሳብ ክንድዚ ምዝንባዕ ኣእምሮ ?! ንስኹም ሰብ ደገ ግን ስኣን ሓደ ደቒቅ ምስ ነብሱኹም እትመኸሩ እነሀኹም እንዕዘበኩም ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ጽለኢ ተሳውሩ። ኣብ ዓዲ ሰላም ፡መሰል፡ ፍትሒ፡ሕጊ እናነበርኩም ባዓልኹም ንባዓልኹም ሰላምኩም ትዘርጉ ኣለኹም። እኽለ ማይ ዘይሰኣንኩም ነዛ ነብስኹም ፡ ጽለኢ ሓውኩም ግን ይገናፍለኩም ነዛ ሰለማዊት ናብራኹም ድማ ሰላማ ትኸልእዋ ። ዘይጸንሓና ! ዘይነበረ ጽልኢ! - እሞ ድማ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል! ፈጣሪ ልቦና ይሃብዩ ዘብል ።

ኣነ ዝብሎ፡ ኣነ ዝሓስቦ ግን ኣሎ። መሰረት ጽልኢ ‘ዘን ኣውራጃታት ኮይኑ ዝርኣየኒ በጀካ እዚ ዘሎ ስርዓት እምበር ካልእ ዋላሓደ ክብል ወይ ክጠቅስ ኣይክእልንየ። ቀንዲ ጽልኢ እዘን ኣውራጃታት ድማ ኣብ ዙርያ ፖለቲካዩ ዘሎ- ንዓይ ዝርኣየኒዩ። ንስለፖለቲካዊ መኽሰብ ዝግበር ሃልኪ ካብ ሜዳ ኣትሒዝካ ክሳብዚ ዘለናዮ እዋንዩ እዚ ኹሉ ምቅይያማት እዘን ኣውራጃታት ኣኸቲሉ ዘሎ። እቲ ዘሎ ስርዓት ክነብር ስለዝደሊ ወይ ውን ምጥቛስ ኣውራጃታት ከም ቀንዲ መኽሰባት ፖለቲካ ስለዝሓሰቦ እሰርሓሉ ኣሎ ገናውን ክቕጽሎ'ዩ ክሳብ ዘሎ። ዝገርመኒ ግን ካብዚ ምምሕዳራ መንግስቲ ሚልዮናት ኪሎሜተር ርሒቖም ክነሶም ብበለካ ለኽዓኽ ሰብዘን ኣውራጃታት ነንሕድሕዶም ክፍሓናጨሩ እንከለዉዩ። መንሞ ተጎድአ ዘይዚ ህዝቢ ኣውራጃታት ተጎድአ ። እምበር ሰብ ስልጣንሲ ፍሑኽ ኣይበሉን ካብታ ቕድሚ 23 ዓመታት ኮፍ ዝበልዋ ወንበር። እታ ሃገርና እንብላ ድማ እብዚ ደረጃ በጺሓ ትርከብ። እንተስ ዕድል እንተስ መርገም፡ ዝበታትን እምበር ዝሓቁፍ መንግስቲ ድማ ኣይረኸብናን ዘለና።እዚ ድማ ሕምቀት ደቂ ህዝቢዩ። ርጉም ህዝቢ ርጉም መራሒ እረክብ ከይከውን ድማ ሃየ ኣንቱም ሕማም ኣውራጃውነት ዘለኩም ዘላቒ ኣተሓሳስባ ግበሩ።

ስለዚ፡ ብኣባይታ ዘየሎ መዝሙር እናዘመርካ፡ ውሽጥኻ ከይነጽሃካ ንስለ እናበልካ ዝግበር ቴማ ካብ ዘየድሊ ምቅርሕሓን ምምጻእ ሓሊፉ ዘምጽኦ ዝጭበጥ ዓወት የሎን እንትርፎ ክስራን።ቁስልኻ እናሸፈንካ እንነብሮ ኣነባብራ ኔዮ ንበሎ። ሃገር ንነፍሲወከፍ ዜጋ ምዕረ ክሳብ እትብጽሖ ፡ ዝኾነት ኣውራጃ ወይ ዝኾነ ውልቀሰብ ጸብለል ኢሉ ዝርኣየሉ መዳይ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ- ግቡእ ድማ ኣይኮነን። ብሃገር እንሓስብ እንተድኣ ኮይና ፡ ንስለ ሃገር ንንበር ። ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ሎሚ ኣሎ ፡ ጽባሕ ከምዘየለ ግን ታሪኽ ዓለም ዘስተምህረናዩ። እንተ እቲ ህዝቢ ግን ዘሎን ዝቕጽልንዩሞ ዘየድሊ ባእሲ፡ ቶንኮል፡ ጽልኢን ሓርጎጽጎጽን ናብ ደቅናን ደቂደቅና ከምዝመሓላለፍ እንተዘይገበርና ጽቡቕን እዋናውን ኮይኑ እስማዓኒ ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ብዘይጥርጥር እታ “ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እትብል ቴማ ኣብ ዝግብኣ ቦታን መድረኽን ኣትያ ዛራ ፍቕርን ሓጎስን ከተመንጩያ። ካብዚ ዘይንእስ ድማ ወነንቲ ሕጋዊትን ሰላማዊትን ሃገር ንምዃን ንብቅዕ ማለትዩ። ቅድሚ ምዝዛመይ ፡ ገባሪ ጽቡቕ ኩሉ ጊዜ ዓስቡ ካብ ሰማይ ክረክብ ስለዝግምት እምበር ፡ ደቂዘን ኣውራጃታት ደለይቲ ሰላም ፡ ደለይቲ እፎይታ የለውን ማለተይ ኣይኮንኩን - ብርግጽ ድማ ኣለዉ ዋላ እንተዘይሓንጠጥክሎምን እንተዘይተዛረብኩሎምን። እንተቲ ብዝዓባ ሰብ መታሕት ድማ መን ይፈልጥ ሓደ ለባም ወዲ ህዝቢ ይሓናጥጥ ይኸውን ግዲ! ፈጣሪ/ረቢ ልቦና ይሃበና፡ ሃገርና ድማ ይባርኽ።

ሃብቶም ገብረማርያም (ቲዕቲዕ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...