ካብ ሓደ ዕስለ፣ ካብ ዉሑድ ብዙሕ፣ ካብ ኣነ፣ ንሕና ይዓቢ። ኣነ ኣነ ምባል ትዕቢት‘ዩ። ትዕቢት ከኣ መወዳእትኡ ውድቀት‘ዩ። ሓደ ክንዲ ኹሉ ክኸውን ኣይክእልን‘ዩ። ኩሉ ግን ካብ ሓደ ንላዕሊ ይኸውን። ንኽውህለለልካ ንላዕሊ ክትድምር ኣለካ። ንታሕቲ እንተቐኒስካ ግና ድሕሪ ኹሎም ነቲ ናይ መወዳእታ ሓደ ትረኽቦ። ኣቦታት ክምስሉ „ሓደ ከምዘየለ፣ ክልተ ክንዲ ሓደ“ ይብሉ። ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ንኽዉንነት ክገልጹ እዮም ከምኡ ዝበሉ።

ሓደ ድምጻዊ ሓንቲ ኣዝያ መስጢት ዝኾነት ደርፊ ንብዙሓት ሰማዕቲ ከቕርብ እንተኾይኑ፣ ምስ ብዙሓት ክኢላታት ክሰርሕ ግድን‘ዩ። ሓደ ብትዕቢት ዝተወጠረ ንኹሉ ባዕሉ ክዓሞ እንተፈቲኑ ግና ሰማዒስ ይትረፍ ውርደት‘ዩ ዝጽውዕ። ተሰማሚዕካን ተመላሊኣካን እትሰርሖ ስራሕ የዐውተካ። ኣነ ኣነ ዝበልካሉ ግብዝና ዝተሓወሶ ስራሕ ከኣ ሒዙካ ይጠፍእ። ዓለምና ሰፋሕ‘ያ፣ ብዙሕ ምስጢራትን ዝተሓላለኸን ነገራት ጸይራ ስለ እትኸይድ ድማ ግድል ንምፍታሕ ሓንጎል ሓደ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን።

ኣብ ሃገርና ንምልዮናት ህዝቡ ዓፊኑ ኣነ ኣነ ዝብል ዘሎ ውልቀሰብ፣ መበገሲኡ ትዕቢት‘ዩ። ኩሉ ባዕለይ ምባል ሕማም‘ዩ። ክካፍል ዘይደሊ፣ ንበይኑ ክጥዕሞ ዝሓስብ ከኣ ስሱዕ`ዩ። ነቲ ንበይኑ ብ ኣነ ዝበልክዎ ዝብል ስነ ሓሳብ ነቒሉ ንሃገርና  ናብ ጸጋም ሒዝዋ ዝጠፍእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ከ በቲ ናቱ ስነ ሓሳብ ኣነ ዝኽተሎ መንገዲ ቃልሲ ጥራሕ‘ዩ ብሉጽ ኢልካ ምድራቕ ከ የዋጽእ‘ዶ? እቲ መልሲ ኣንዳዕዲዕና ንፈልጦ ይመስለኒ፣ እንተኾነ ግና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክረአ ዝጸንሐን ሕጂውን ብዝለዓለ ንርእዮ ዘለናን ሕማም ኣንነት ደኣ ከመይ እዩ ክፍወስ። ኩሉ „ኣነ“ ካብ ዝብል „ንሕና“ ብእትብል መንገዲ ትሕትና እንተዝቕይራስ ክንደይ ኮን ሰናይ ምኾነ!? ገለ መርፍእ ገለ ፈትሊ፣ ገለ ጸባ ገለ ከኣ ማይ ኮይና ተወሃሂድና ክንሰርሕ እንተንኽእል‘ሲ ኣበይ ኮን ምበጻሕና?

ሰባት የእማን ኣይኮናን። ክንመሃር ስለንኽእል ክንቅየር ንኽእል ኢና። ኩሉ እዋን ሓደ ክንከውን ኣይግባኣን። ሰሚርናን ተጠማሚርናን ናብ ሓደ ገዚፍ ነገር ክንዓቢ ይግበኣና እዩ። ኣንነት ብዘለና ልዑል ደርጃ ትምህርቲ፣ ኣንነት ብዘለና ሞያዊ ህቡቡነት፣ ኣንነት ብዘለና ጽቡቕ ታሪኽ ነቲ ኣብ መከራ ኮይኑ ሓገዝና ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ፋይዳ የብሉን። ኣንነትና ለካሚና እዩ። ንዓና ጥራሕ ዘይኮነ ኸኣ ንሕብረተሰብና ከይተረፈ‘ውን‘ዩ ሒዝዎ ዝጠፍእ። ንጸላኢና ግና ሞጎስ‘ዩ።

ሎሚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና፣ ንውልቀሰባት ምንሻው፣ ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ንሓቀኛ ምስልኻ ከዊልካ ዝግበር ጠቐነን ጸለመን፣ ኣብ ክንዲ ንምፍታሕ ጭቆና ህዝቢ ምቅላስ፣ ብሽም ቃልሲ ህቡብነት ከጠጥሪ ምሕላን ንቡር ኮይኑ‘ሎ። እዚ ሕማም እዚ ከይተፈወሰ ደምበ ተቓውሞና ከቶ ንቅድሚት ክሱጉም ኣይክእልን። እንቲ ምንታይ‘ሲ ቃልስና ኣብና ምስ ብጻይና እምበር ምስ ጸላኢና ኪንገብሮ ስለ ዘይዕድመና እዩ።

ኣንነት ባህልና ኣይኮነን። ብሃይማኖታዊ ክብርታትና‘ውን ቅቡል ኣይኮነን። እንተ ኣብቲ ሓቀኛ መዓልታዊ ዝኸይድ ዘሎ ሂወት ቃልስና ግን ከም መንደዓት ኣብ ዝባንና ተሓንጊጡና ዕለት ዕለት እናዓበይ ኣጎቢጡና‘ሎ። ቅድሚ ናብ ጸላኢና ሙግያይና ክንገብሮ ዘለና እንተሃልዩ፣ ቅድም ቀዳድም ሕማም ኣንነት ንደርብዮ። ናብ ደምበ ተቓውሞ ክንሕወስ እንከለና ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ዘይኮነ ኣን እንታይ ከበርክት ይኽእል ክንብል ይግበኣና። ኣቲ ነብሱ ትሕት ዘብልን ክገብሮ ዝኽእል መጠኑ ዝፈልጥን ሰብ ክቡር እዩ። ወላ ውን እታ ክንገብራ እንኽእል ነገር ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን ካብቲ ብዙሕ ክገብር እናኸኣለ ግና ከይገበረ ዝቦኸረ ግና ክትዓቢ ትኽእል‘ያ። ቃልሲ ብኣንነት እንተተባዒጡ ሓርነት ክወልድ ኣይክእልን‘ዩ። ኣናተመላላእካ ብሰንሰለት ተወሃሂድካን ሰሚርካን ዝኸይድ ቃልሲ ግና ፍሪኡ ኣዝዩ ብዙሕ ይኸውን።

ኣብ መንጎ ውድባት ማሕበራት ምንቅስቓሳትን ተራ ውልቀ ሰባትን ዝረአ ምትፍናን ኣነ ካባኻ ይሃይሽ፣ ኣነ ካባኻ ይዓቢ፣ ኣነ ካባኻ የስምዕ፣ ኣነ ካባኻ ይዓዪ፣ እቲ ናተይ መንገዲ ጥራሕ‘ዩ ተዓዋቲ ካብ ዝብል መንፈስ ዝነቐለ‘ዩ። እዚ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝጸንሐ ሽግር፣ ምስ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣፈርክቡ ሃገር ብህጹጽ ፍታሕ ክናደየሉ ይግባኣ። ኩሉ ንስለ ጽቡቕ ህዝቡ ዝሓሊ ዘበለ፣ ነቲ ናይ ውልቁ ክብርን ዝናን ክርስዖ ኣለዎ። ኣብ ቃልሲ ሰብ ክውፈ እምበር ክኸብር ኢሉ ክመጽእ የብሉን። ኣቲ ምሁር‘ውን ኣንተኾነ ኣብ ቃልሲ ፈትሊ ናይቲ መርፍእ ሓረስታይ ክኸውን ጥራሕ‘ዩ ዘለዎ።

ኣንነት ሓማም ካብ ኮነ፣ ንሕዝብና ተወሳኺ ሕማም ከይነላግበሉ ክንጥንቀቅ ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ፍታሕን መድሃኒትን እዩ ዝድለ ዘሎ። ውልቀሰባት ዝንየትሉ ኣዳራሽ ካብ ምህናጽ ንተዓቀብ። እዚ ቃልሲ ቃልሲ ህዝቢ ኣዩ። ዕላሙኡ ኸኣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልዩ። ስለዝኾነ ከኣ ውልቃዊ ኣንነታዊ ባህራያት ምስ እዋናዊ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ኣይከይድን‘ዩ። ኣንነትን ትምክሕትን ዓንዲ ርእሲ ስነሓሳብ ህግደፍ‘ዩ። ኣብ ደለይቲ ፍትሒ እዚ መሳልል ውድቀት ዝኾነ ባህሪ ኣንነት ክህሉ ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ኣሉታዊ ጠባያት ምስ ህግደፍ ክቕበር ዘለዎ፣ ኣብ መጽጻኢት ኤርትራ ክድገም ዘይብሉ መሓወር‘ዩ።

ኣነ ናይ በይነይ ኣይኮንኩን ኣነ መመላእታ ካሎኦት እየ። ኣነ ናይ ኣደይ ወላዲተይ ጥራሕ ውላድ ኣይኮንኩን፣ ኣነ ናይ ህዝቢ እየ። ኣነ መሪሕ ሓላፍነት ቤተሰብ ዝስከም‘የ፣ ኣነ ንውልቀይ ኣይነብርን። እዚ ዘሎ ሽግር ኣባይ ስለ ዘይወረደ ኣይምልከተንን‘ዩ ኣይብልን፣ ከመይሲ ናህና ሽግር ስለዝኾነ፣ እናበለ ዝሓስብ ፍጡር ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክዓዝዝ ኣለዎ። ከምዚኦም ዛኣመሰሉ ጽቡቓት ባህርያት ዝወነኑ እተተጠርኒፎም‘ዮም ወጽዓን ብኽያትን ሃገርና ነበረ ዝኸውን። ኣንነትና ውድቀትና፣ ትሕትናና ዓወትና ክብረትናን እዩ‘ሞ ሃየ ካብቲ „ኣነ“ ዝብል ስነ ሞጎት ወጺኣና „ንሕና“ ብዝብል መንፈስ ንበገስ…………

 

ሓርነትና ናይግድን‘ዩ!!

ዘካርያስ ክብርኣብ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...