ዙረት ናብ ኤርትራ፣ ንገልታዕታዕ!

ብዘይካ ብመቦቆልን ብዘርእን ካልእ ኤርትራዊ ንኽትከውን ዘኽእለካ እንታይ‘ዩ? መን‘ከ እዩ ክኹንነካን መንነትካ ክቕንጥጠካን ሙሉእ መሰልን ሓላፍነትን ዘለዎ ?

ኣብዚ ዘለናዮ ሕሱም እዋን ሓያሎ ኤርትራውያን ኤርትራውነቶም ንኸምኣቶም ኤርትራውያን ከእምኑ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣዩ‘ለዉ። ኤርትራውያን ንክኾኑ ሕቶን ርእይቶን ክህልዎም የብሉን፣ ኤርትራውያን እንተኾይኖም ንመንግስቶም ክነቕፉ ኣይግበኦምን፣ ሓደ ኤርትራዊ ኤርትራውነቱ ብመንግስቱ ክረጋገጸሉ እንተኾይኑ፣ ብሕልኑን ብኣእምርኡን ዘይንሱ መሲሉ ክኸይድ ኣለዎ።ኣብ ዘመነ ህግደፍ እቲ ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ፣ ንሕማቕ ምሕደራ ሃገሩ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል እዩ። ንፍልሰትን ጽንታ ህዝቡን ናብ ወያነን ኣመሪካን ኣላጊቡ ትም ኢሉ ዝዕዘብ እንተኾይኑ ጅግና ኤርትራዊ ይጽዋዕ። እቲ ናብ ኤምባሲታት ከይዱ ፎርም ጣዕሳ ዝመልእን ክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፍልን ንኣንጻር እገዳ ገንዘብ ዘዋጽእን ከኣ ውፉይ ኤርትራዊ ይስመ።

እቲ ብዘይ ፍርሂ ንዝረኣዮ ሕማቕ ምሕደራ ዝነቅፍ፣ ቃንዛ ህዝቡ ዘሳቕዮ፣ ንትርጉም ኣልቦ ዕስክርናን ባርነትን ኣሕዋቱ ዝቃወም፣ እቲ ኣብ ሃገሩ ሕግን ርትዕን ክሰፍን ዝምነ፣ ንውልቀሰብ ከም ፈጣሪ ዘየምልኽ፣ ኣብ ኣደባባያት ንተግባራት መንግስቱ ኣፉ ከፊቱ ዓገብ ዝብል፣ ኤርትራዊ ኣይኮነን።እዚ ዓይነት ኤርትራዊ‘ዚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ከዳዕ‘ዩ ስሙ። እቲ ኤርትራዊ ዝብል መንነት‘ውን ይምንዛዕ፣ ኣብ እዋን ዕረፍቱ ናብ ሃገሩ በጺሑ ቤተሰቡን ሃገሩን ከይሪኢ ይኹነን። ህግደፍ እንተኾይኑሉ‘ውን ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወት ከምዝንጸል ይገብር። እዚ ዝኽእሎ ስለ ዝኽእሎ፣ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ምስ ዕቃበታቶም ውሽጦም ደም እናጠዓሞም ብውሽጢ ሕሩር ምስ ረማሲኦም ዝኾነ ህግደፍ ክመጻደቑ ይረኣዩ።

እዚ እዋን፣ እዋን ክራማት ከም ሙኻኑ፣ እዞም ብድምጸ ተዓቅቦ ናብ ምድረ ህግደፍ፣ ናብ ዓለም ባርነት፣ ናብ ሃገረ ኤርትራ ዝገሹ ኤርትራውያን ብዙሕ ገልታዕታዕ ክገጥሞም ቀንዩ። ነታ ኢሳያስ  ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እንዳበለ ዝገልጻ መጻወቲኡ ገይርዋ ዘሎ ምስኪን ኤርትራ ክበጽሑ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ኣለዎም። ካብ ሙሉእ ዓለም ናብታ ቀጥታዊ በረራታት ዘይብላ ኣስመራ ክበጽሑ ናብ ካይሮን ሰንዓን የብሉ።እታ ብዙሕ ተስፋ ዝተገብረላ ብለቓሕ ተወኒና ብሰንከልክአል ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሎሚ የላን። እታ ቀጥታዊ በረራ ካብ ኣስመራ ናብ ኤውሮፓ እትገብር መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ‘ውን በረራታታት ናብ ኣስመራ ካብ እቶቃርጽ ሓያሎ ኮይኑ‘ሎ። ኮይኑ ተሪፉ ወይ ብመንገዲ ኣየር ምስሪ ወይ‘ውን ብ መንገዲ ኣየር የመን ኣገልግሎት ምርካብ‘ዩ።

ገየሽቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕመስን ዝለሓስን ከምዘየለ ሕርሕራይ ገይሮም ስለ ዝፈልጡ፣ ቀለቦምን ቀለብ ደቆምን ኣሕሊፎም እዮም ዝገሹ። ኣብ ሃገሮም ምስ በጽሑ ሕቶን ርእይቶን ዘይምሃብ ሃገራውነት ሙኻኑ ይምከሩ። ኣብ ኤርትራ ኣብዝጸንሑለን እዋናት ፣ገየሽቲ፣ደቆም ብሕጽረት መብራህቲ፣ ማይ፣ መጎዓዝያ፣ ቀለብን ካልእን ቅጭ መጺዎም ናብቲ መዓርን ጸባን ዝፈሶ ከም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ሙዕቡል ዓለም ዝምለስሉ መዓልቲ ክሳዕ ዝናፍቑ ይሳቐዩ። ገለ ኣብ ስደት ብጽቡቕ ዝዓበዩ ህጻናት‘ውን ንስድሮኦም ድሕሪ ደጊም እዋን ዕረፍቲ ናብ ኤርትራ ከይትመልሱና ኢሎም ዝተማሕጸኑ ኣለዉ።

ገለ በጻሕቲ ሃገር ኤርትራውያን፣ ነቲ ዝረኣይዎ ዘስካሕክሕ ሕሰም መነባብሮ ናብቲ ዝነብርሉ ሃገር ምስ ተመለሱ ብምቅላዕ፣ ርእይቶን ነቐፌታን ክህቡ ከኣ ትብዓት ዘሕድሩ‘ለዉ። እዚ እቲ ኩሉ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ በጻሒ ሃገር ክገብሮ ዝግበኦ ቆራጽ ስጉምቲ እዩ።  ብዙሓት ምስተመልሱ ንመቕርቦም „ዓዲ ኣይተረፋን መይታ እያ ናብራ ሓሲሙ“ እናበሉ የዕልልዎም እኳ እንተኾኑ፣ ናብ ግዳም ወጺኦም ክዛረቡ ግን ትብዓት የብሎምን።

ህግደፍ ሎሚ ክረምቲ፣ ተማዊቱ ምስ መንገዲ ኣየር ኦሎምፒክ ብምትሕብባር ካብን ናብን ኤውሮፓ ቀጥታዊ በረራ ገይሩ ነቶም የወሃት ተደናገጽቱ ከአንግድ እኳ እንተፈተነ፣ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ግን ተኾሊፍዎ። መንገዲ ኣየር ኦሎምፒክ ናብ ኤርትራ ትገብሮ ዝነበረት በረራታት ብሃንደበት ደው ኣቢላቶ። ካብ ዓለም ተገሊሉ ዘሎ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኸኣ መሊሱ ጸምዩ። ሎሚ ቕነ እንትርፎ መምለሲ ዝሰኣኑ ድንግርግር ዝበሎም ገያሾን ገለ ውሑዳት ታክስን እንተዘይኮይኑ ተወዝ ትብል ነፋሪት ዘይትዓልቦ ሜዳ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሕልምልም ኢሉ መቓብር መሲሉ ቀንዩ‘ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብሕጽረት ነፈርቲ ናብ ዝቕመጥሉ ሃገራት መምለሲ ሲኢኖም ዕንድንድ ክብሉ ተራእዮም። ህግደፍ ነዞም ዝተጨነቑ ኤርትራውያን ካብቲ መሰንበድ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ኢምፐሪያል ሆቴል እዩ ኣግዒዝዎም። ንገለ ናብ ኣመሪካ መምለሲ ነፋሪት ዝሰኣኑ ገያሾ ድማ ንነብስወከፎም መምለሲ ትኬቶም መሊሱ ሓሓደ ሽሕ ዶላር ሂቡ ብዝጠዓሞም መንገዲ ክምለሱ ኣጣይስዎም።ብሰንኪ‘ዚ ምድኑጋያት‘ዚ ብዙሓት ቆሉዑ ካብ ትምህርቶም ተመዛቢሎም፣ ብዙሓት ወለዲ ከኣ ካብ ስራሕ ቦኺሮም ኣለዉ።

ምጾታት ይብሉኹም ከምዚ እዩ።ኣብዚ ዓለምና ብፍጥነት ትዓብየሉ ዘላ ናይ ቲአክኖሎጅይ ዘመን፣ መዓርፎ ነፈርትታት ዓለምና ብናይ ነፈርቲ ጻዕቂ ትራፊክ ተጨናኒቕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሃገርና ተወዝ ትብል ነፋሪት ኣብ ሰሙን ክትሰኣን ብሓቂ ምዕባለ‘ዶ ይኸውን ንህግደፍ

ኤርትራውያን ገልታዕታዕ ይኣኽለና። እቲ ፍታሕ ኣብ ርሑቕ ምስ ህግደፍ ኣይኮነን ዘሎ፣ ምሳና ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ‘ሞ ንዛረብ መፍትሒ ክንረክብ። ሕቶን ርእይቶን ነብዝሕ። ካብ ሃገር ህዝቢ ይኸብር። ህዝቢ እዩ ሃገር ዝሰርሕ። ሰብ ዘይብሉ መዕርፎ ነፈርትን ንሕና ዘይንነብሮ ሃገርን ትርጉም የብሉን። ገዛና ክመዉቕ፣ ዓለም ብዝኸፈትናላ ወፍሪ ናብ ሃገርና ክትመላለስ እንተኾይና፣ ናይ ሎሚ ገዛ ዕዮና ንስራሕ። ንዛረብ ዝላዘብ ንስመር እሞ ንጉዳይና ዘላቒ ፍታሕ ንርከበሉ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...