1-ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ  ዓርቢ 27 May

2-ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ     ዓርቢ 27 May

3-ኣብ ቶሮንቶ(ካናዳ)      ሰሉስ  24 May

 ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብሓፈሻ:  ኣብ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ኣደራዕ ከብቅዕን ኩሉንትንኣዊ ለውጢ ክቀላጠፍን: "ይኣክል ውልቀ-ምልኪ 20 ዓመት" ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግተን ዲ.ሲን  ከባቢኣን” ብEYC Bay Area  ብቶሮንቶ PCNC፤ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብዘን ሰለስተ  ከተማታት  ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።

እታ መስተርሆ ናጽነት ከተስተማቕር ዘይተዓደለት ሃገርና ኤርትራ መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት እተኽብሮ ዘላ ዕለት፤ ህዝብና ብሰንኪ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተቐዝፉ ዕሸላት ደቁ ዝወረዶ ከቢድ ሓዘን ንብዓቱ ከይነቐጸ እንከሎ እዩ። ነዚ ህልቂት እዚ እቲ “ሓደን ንሱ ጥራይን” ተሓታቲ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ናይ 20 ዓመታት ናይ ጭቆና ስርዓቱ ከብቅዕ ዝለዓለ ናይ ጸዋዒት መልእኽትና እነመሓላልፈላ ቅድስቲ መዓልቲ ክትከውን ስለ ዝግባእ ኣብ’ዚ ሰልፊ’ዚ ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራዊ ክሳተፍ ክቡር ሃገራዊ ጸዋዒትና ብትሕትና ነቕርብ።

1 - ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ዕለት፡ Friday May 27, 2011
መተኣኻኸቢ ቦታ፡ Dupon Circle
ሰዓት፡ 9፡00 ቅ.ቀ.

ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተሌፎናት ደውሉ
703 850 5454  or 202-320 3947 or 571-215 4545 or 202-725 3886

ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግተን ዲ.ሲ.

2 - ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ

ዕለት፡ Friday May 27, 2011
Civic Center Plaza

(7th & Market)

San Francisco CA. 94102

starts at 10.00 AM

ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተሌፎናት ደውሉ

tel 408 603 7040 or 408 307 5499

EYC BAY AREA

3- ኣብ ቶሮንቶ(ካናዳ)

TUESDAY MAY 24 

(9 AM - 1PM )

City Hall on Queen Street

March to American Consulate ends at Queens Park

PCNC Toronto

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...