ሎሚ ምዓልቲ ኣብዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝወረዶም ኣደራዕ ባህጎምን ሕልሞምን ኮሊፎም፣ ካብታ ብዕድመ ንእስነቶም ዓንዲሮም ዘይጸገቡላ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ደይፈልጥዎ በረኻን ዓድን ንስደት ዝተቓልዑ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፣ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ መደረ ከቕርብ ከለኹ ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓኒ።

ናይዞም መንእሰያት ጥፍኣት ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቢ ክሳራን ዓቢ ጓህን ዘኸተለ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ንዓይ ግን ምስዞም ትማሊ ምሳና ዝነበሩ ሎሚ ግና ካባና ዝተፈልዩ የሕዋትና፣ ዳርጋ ምስ ኩሎም ክበሃል ይከኣል ካብ መጀመርታ መዋእል ስደቶም ኣትሒዘ፣ ካሳብ’ ቲ ድሮ ሓደጋ ናይ ሞቶም፣ ኣብ ጸበብኦም ኩሉ ምስኦም ተላዚበ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስኦም ዝጎሃኹሉን ዝነባዕኩሉን እዋን ውሑድ ዘይምንባሩ፣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ከም ኣሕዋተይ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ከም ውላደይ’ ውን ኮይኖም ስለ ድረኣዩኒ፣ ካብ ከርተት ናብ ከርተት ዘሕለፍዎ መዋእል ከየብቕዕ፣ ጻማ መከርኦም ሓንቲ መዓልቲ’ ኳ ትኹን ከይረኣዩን ብኸምዚ ዘሕዝን ኣገባብ ምህላቆም ኣዝዩ የሕዝነንን የንብዓንን።

ክቡራት ኤርትራውያን ኣሓተይን የሕዋተይን፣
ብሞት የሕዋትና ዝተሰምዓና ሓዘን ንምግላጽን ነንሕድሕድና ንምጽንናዕን፣ ብኸምዚ ተኣኪብና ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ክንገብር ምብቓዕና ከም ሃገራውያን መጠን ዘሕብን እኳ እንተኾነ፣ ነዚ ምትእኽኻብና ዝያዳ ቁምነገርን ዝያዳ ሓላፍነትን ዘሸክመና ምእንቲ ክኸውን ከምዚ ሒዝናዮ ዘለና ሽምዓ እንዳመኸኹ ዝጠፍኡ ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ኣብ መጻኢ ከይንርእይን ከይንሰምዕን፣ ኩላህና ከም ሓደ ሰሚርና ንጥፍኣት ኤርትራውያን ቀንዲ ተሓታቲ ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣትና ኣብ ክንዲ ጓሂ፣ ብዳንኬራ ዝድብል ብርሰት ሃገር ከም ዋዛ እናረኣየ ንጥፍኣትና ለይትን ቀትርን ከይደቀሰ ዝሰርሕ ጠላም ስርዓት ካብ ስልጣን ንምእላይ፣ በዚ ኣጋጣሚ’ ዚ ቃል ክንኣትው ይላቦ።

ብፍላይ ነዚ ኹሉ መስገደል ሓሊፍኩም ዕጫኹም ጸቢቑ ደይ ከምቶም ኣብ መንገዲ ዝተኾልፍ የሕዋትኩም ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኣቲኹም ነቲ ኩሉ  ጸበባ ንምዝንታው ዕድል ዝረኸብኩም መንእሰያት ኤርትራውያን፣ እዚ ሎም ተረኺቡ ዘሎ ሓዘን ኣብቶም ተሪፎም ዘለው ንኣሽቱ የሕዋትኩም ምእንቲ ከይድገም፣ እስኻትኩም ብኹሉ ትኽእልዎ ዘበለ ኣቕምታት ተዋፊርኩምን ምስቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ጋላዩ ተቖሪኖም ድርከቡ ዘለው የሕዋትኩም ርክባት እንዳፈጠርኩም፣ ዕምሪ ናይዚ ኣራዊት ስርዓት ንምሕጻር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣብዚ ሰዓት’ ዚ ክትውደቡን ብኹሉ መዳይ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ካባኹም ዝጠልብዎ ደበለ ንምፍጻም ድሉዋት ትኾኑሉ እዋን እዩ።

እዚ ፍሉይ ዘሕዝን ኣጋጣሚ’ ዚ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጠላም ስርዓት ከም ሓላይን ተሓላቂ ህዝብን ሃገርን ወሲዶም ምስኡ ክደናገጹ ዝጸንሑን ነዚ ጠላም ስርዓት ንዝቃወሙ ዘቆናጽቡን ኤርትራውያን፣ ስርዓት ኤርትራ ነቶም ትማሊ ሃገር ካብ ወራር ንክድሕኑ ዝተበጀውን ሳላ ጅግንነቶምን ተወፋይነቶምን ድማ ሃገር ዘውሓሱ ዜጋታት ካብቶም ወረርቲ ንላዕሊ እቲ ንኤርትራ ኣለኹላ ዝብል ጠላም ስርዓት ንዝረግጹዎ መሬት ዓዶም ኣብ ረመጽ ቀይሩ፣ ነዛ ንምንባር እኳ ምስ ከልኦም ከይፈተው ዓዶም ገዲፎም ከም ደቂ ዛግራ ናብ ስደት ዝተበታተኑ። ንሃገር ጥራይ ክብሉ ነዛ ንህይወቶም ሓንቲ ቁምነገር ከይሰርሑ፣ ዋላ’ ውን ዝትክኡዎም’ ኳ ከይወለዱ ባሕሪ ዝበልዖም የሕዋትና ከም መግለጺ ሃዘንን ጓህን ሃገራዊ ሓዘን ክእውጅ ይትረፍ ንቁም ነገሮም ኣመልኪቱ ድሕሪ ሞቶም ንሓንቲ ካልኢት እኳ ትኹን ኣብ ናይ ዜና ማእከናቱ ክዛረበሎም ዘይ ምፍቃዱ እንታይ ዓይነት ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ንክትፈልጡ ዕድል ዝፈጠረልኩም ይመስለኒ።

ኣብዚ ከብርሖ ዝደሊ ሓደ ዓቢ ጉዳይ እንተሎ፣ ኩሎም እዞም በዚ ሓደጋ’ ዚ ዝተቐዝፍ የሕዋትና፣ ንኤርትራ ዘበርከቱላን ከበርክቱላ ዝኽእሉን እጃም ልዑል እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ገለ ገሊኦም ድማ ኣቦታቶም ወይ ኣዴታቶም ወይ ኣዴታቶም ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ህይወቶም ዝኸፈሉ ገለ ገሊኦም ድማ ብልዑል ሃገራዊ ወጻኢ ናይ ፓይሎትን ካልኦት ዓበይቲ ሞያታት ምሩቓት ዝኾኑን ብዙሓት ናይ ዩኒበርሲት ተመሃሮ ዝነበሩን ምሩቃትን ኮይኖም ንመጻኢ ምዕባለ ናይዛ ሃገር ወሰንቲ ዜጋታት እዮም ኔሮም። እንበኣርከስ ናይዚኦም ጥፍኣት ብመጀመርያ ነታ ንእስነቶም፣ ንደቆም፣ ነፍቀርቶምን ንመላእ ቤተሰቦምን እኳ እንተኾነ ካብኡ ብዘይንእስ  ድማ ንኹልና ዝተፈላለየ  ኣመለኻኽታ ዘለና ኤርትራውያን ዓቢ ኪሳራ እዩ።

ክሳራና ንከይዛይድን ናይ ጓህን መከራን ተሰከምቲ ኮይና ንኸይንነብር ድማ ነቲ ናይ ኩላህና ሽግር ብሕብረት መፍትሒ ክንደልየሉ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ነቶም ኣብ መሪር ሓዘን ዝርከቡ ስድራቤታትን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልኩ ኩላህና ኤርትራውያን እዚ ዘሕዝን ተረክቦ ከም መምሃርን መምዓድን ወሲድና ምስቶም ምስ ሽግርን ጸበባን ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን ራህዋ ክመጻሎም ዝጽበዮን ኤርትራውያን ኣሓትናን የሕዋትናን ክንደናገጽን መከርኦምን ጸበብኦምን ከም መከራናን ጸበባናን ሓሲብና  ብኹሉ እንኽእሎ ክንተሓጋገዞምን ካብ ተወሳኺ ቅዝፈትን ጥፍኣትን ከነድሕኖምን ምእንታን ክንክእል ሰብኣዊ ሕልናናን ዜግነታዊ ሓላፍነትናን እንፍጽመሉ ሰዓት ክኽውን ይላቦ።

ነቶም ዝሞቱ የሕዋትና መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፣ ንዓና ድማ ጽሮቱን ክእለቱን ይሃበና።


ኤልሳ ጭሩም
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
16 ሚያዝያ 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...