ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ካብ NRW ኣብ Köln

● ጻውዒት ንህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤

„መን ይንገር..? ዝዋዓለ። መን የርድእ..? ዝቐበረ።“ ከምዝብልዎ ስድራና፡ እንሆ እቶም ነዚ፡ ካብ ዕለት 21. – 30. 11. 2011 ኣብ ሃገር ኢትዮጵያ ከተማ ኣዋሳ፡ ዝተሰላሰለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ክሳተፉ ገይሾም ዝነበሩ ልኡኻትና፡ ብዳሓን ነናብ ገዝኦም ተመሊሶም ስለዘለዉ፡ ሓቀኛ ስእሊ ውጽኢት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንህዝቢ ንምሕብሩ ተዳሊዮም ስለዘለዉ፡ እሞ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ብምሓዝ፡ ኣኼባ ክጽዋዕ ተወሲኑ ኣሎ። ኣኼባ ዝግበረሉ ማዓልቲ፡ ሰንበት፡ ዕለት 22. 01. 2012 ዓ.ም.ፈ ኮይኑ፡ መዛተይ ነጥብታትን ኣኼባን ዝግበረሉ ቦታን፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ይመስል። ስለዚ ኩሉ እቲ፡ ስርዓት ወልቀ-መላኪ ታኣሊዩ፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ፡ ዝቃለስ/እትቃለስ ዘሎ/ላ ወዲ/ጓል ሃገር፡ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ክርከብ/ክትርከብ፡ ኣዳለውቲ መደብ ብኣኽብሮ ይዕድሙ።

► ዛዕባታት ናይዚ ተዳሊዩ ዘሎ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕቡ እዮም።

1. ኣብ ልኡኻትና ሒዞሞ ዝመጽኡ ሓቤሪታ ምስማዕን፡ ምሕታትን ምኽታዕን፤

2. ቀጻልነት ናይዚ ዝጸንሔ ህዝብዊ ምንቅስቃስ ከመይ ይኹን …? ዝብላ እዮም።

 

► ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታን ዝጅመረሉ ሳዓትን፤

ኣብ ከተማ ኮለን - ኒፐስ (Köln - Nippes ) ኮይኑ፣ እቲ ኣድራሻ፤

Fliehkraft – Köln Flüchtlingzentrum

Turmstr. 3 – 5

50733 Köln – Nippes እዩ ዝባሃል።

እንራኸበሉ ግዜ፤ ሳዓት 13፡00 ድሕሪ ቀትሪ፣ መደብ ዝጅምረሉ ካኣ ልክዕ ሳዓት 14፡00 ኮይኑ፡ መደብ ዝውዳኣሉ ግዜ ካኣ፡ ሳዓት 20፡00 እዩ።

 

► ናብዚ ቦታ ብኸመይ ይመጽእ …? ንዝብላ ሕቶ፤

ን-ብባቡር ዝመጽእ ሰብ፡ ማዓርፎ ባቡራት (Köln Hauptbahnhof) ብባቡር ቑጽሪ 5 ካሳብ „Friezensplatz“ ይመጽእ። ኣብ „Friezensplatz“ ወሪዱ፡ ባቡር ቑጽሪ 12 ወይ 15 ሒዙ፡ ናብ Nippes ክሳብ „Florastrasse“ ይመጽእ፡ ኣብ „Florastrasse“ ወሪዱ ንዝኾነ ሰብ፡ ኣበይ እዩ „Turmstrasse“ ኢሉ ምስ ዝሓትት፡ ዝኾነ ሰብ ኪሕብሮ ይኽእል እዩ።

 

ብዳሓን ምጽኡ ..!!

 

ካብ ኣዳላዊ ኣኼባ፡ ግዝያዊት ሽማግለ።

ዕለት 17.01.2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...