ነጻነትን ሓርነትን

ንነጻነትን ሓርነትን ተቓሊስካስ ንባርነት
ኣሻሓት ኣሰዊእኻስ ዳግመ መስዋእትነት
ደቅኻ ከፊልካስ ደቂ-ደቕኻ ንስደት    
ድሕሪ ሳላሳ ቃልሲ ንነጻነት
ንርብዒ ዘመን መሰልካ ክዝመት
ሃየ ድኣ ተላዓል ዓይንኻ ከይዕመት።

                ቀዳሞትስ ብፖለቲካ ንነጻነት ሞጊቶም
                ዳሕሮዎት ካኣ ተቓሊሶም ነጻነት ኣምጺኦም
                ዝተርፉ እውን ፈልሲ ሓርነት መስሪቶም
               መንእሰይ ግደኻ ብዓወት ሓርነት ክትድብሶም
                መክቶም ንዓመጽቲ ክጠፍኡ ብሱሮም
                ሻምላኻ ኣልዕሎ ንህዝብኻ ኣድሕኖም።

ቃልሲ ኣይቦኩርን’ዩ ጭቆና ስጋብ ዘሎ
ንመሰልካን ክብርኻን ሃየ ተስእ ተሎ
ህዝብኻ ጠፊኡ ብጓና ይትካእ ኣሎ
ኣብ ዘበንካ ሃገር ከይትኸውን ጎዶሎ
ስመር ዕጠቕ ጸላኢኻ ክትድህሎ
ፍትሕን ሓርነትን ኣስፍኖ መላኺ ክዕሎ። 

                ኣስላማይን ክርስትያንን ኩሉኻ ደቂ ሃገር
                ብሄርን ሕብረ-ብሄርን ብሓደ ክጥመር
                ድሌታት ጀብሃን ሻዕብያን ብሓደ ክሰምር
                ከበሳን ቆላን ዝብሉ ፍልልያት ክባረር
                ኣውራጃነትን ዘረግቲ ድሕረታትን ክሳዓር
                ንኣፈ ኣርክቡ ሃገራዊ ዕማም ንጽዓር።

 ገባቲ ስርዓት ጸረ-ስብኣዊ መንነቱ
ህግደፍ ናይ ራዕድን ሽበራን ባህርያቱ
ጸረ-ስላምን ፍትሕን ዝመሰረቱ
ካብ በረኻ ሒዙዎ ዝመጸ ምልክታቱ
ናይ ሓሳረ መከራ ክውገድ ስርዓቱ
መሳርዕና ነስምር ጸላእቲ ክምከቱ። 

                ቁሩብ ቁራቦስ ንሚልዮናት ክስዕሩና 
                ንባዕድታት መኪትናስ ክፉእና ከፍራሕና   
                ጅግንነትና ተመስኪሩስ ዋህዮታት ክብቱኑና
                ቆራጽነትን ትብዓትን ነሐድሰን ንኽብርና
                እታ ዕላማ ሓንቲ’ያ መሰል ሓርነትና
                ዝፈላልየና የለን ብጉዳይ ሃገርና።

 ፍርሕን ራዕድን ኣንጊሱ ዝገስገሰ
ብመቕተልትን መጭወይትን ተቓለስቲ ዘልመሰ
ሕድ ሕድ ምትእምማን ህዝብና ዝረመሰ
ንባህልና ካብ ንቡር ቦቱኡ ዘልገስ
ንደቅና ዘሚቱ ሃብቲ ሃገር ዝወረሰ
ህዉኽ ኩነታት ነድሕኖ ሃገር ከይበረሰ። 

                እንታይ እዩ ሽግርና ብትብዓት ዘይመለስና
                ግፍዒ እንዳ ወረደስ ስቕ ኢልና ምርኣይና
                ማእሰርቲ መቕዘፍቲ እንዳረአናስ ዓዚሙና
                መሬትናን ንብረትናንን መንዚዑዎ ብጠጠውና
                ደቅና እንዳተረሸኑስ ክንብርከኽ ኣሚን ኢልና
                ኣበደን ሎሚስ ሃየ ሃገርና ነድሕና።

 ብርግጽ ሕመቕና ዝፈጠሮ ሽግር እዩ
ውልቀ መላኺ ኣብ ውሽጢ ሰውራ ተጸፍዩ
ሙሁራትናን ጀጋኑናን በብሓደ ምሕዩ
ድሕረትን ጽበትን ንጥቕሙ መምዮ
መላግቦ ማሕበራዊ ክብርታትና አዕንዮ
ግድን ሓድነትን ተውፋይነትን ከድልየና’ዩ። 

                ባህግታት ለውጥን ፍትሕን ዘሪፉ
                ንመንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ኮሊፉ
                ንጀጋኑና ብጥይትን ጎዞሞን ዘልዒፉ
                መሬትን ንብረትን ኣብ ኢዱ ጠርኒፉ
                ሃገራዊ ዕብየትና ንድሕሪት ዓጺፉ
                ህግደፍ ይፈረድ ክበርስ ጽያፉ።

 ካብ ስሳታት ጀሚርካስ ጌና ኣብቃልሲz
ብዘይ እፎይታን ሰላምን ፈውሲ
መስዋእቲ ከፊልካስ ነጻነትካ ዝራሲ
ብዘይ ህዝቢ ልዕላውነት ከመይ’ሉ ይመሲ      
መላኺ’ዶ ብሰላም ይህብ’ዩ ደሞክራሲ
መፍትሒ ሓይሊ የድሊ’ሎ ግብረ-መልሲ። 

                ቀዳምነትና ንእከይ ስርዓት ምእላይ
                ካላኣይና ንሰላማዊ መሰጋገሪ ምሕላይ
                ሳልሳይና ንሰፊሕ ግንባር ምዝታይ
                ራባዓይና ንደሞክራስያዊ መሪሕ ምልላይ
                ሓሙሻይና ፍልልያትና ብምርድዳእ ምስላይ
                ሻዱሻይና ንስሙር ዕጥቃዊ ሓይሊ ምንባይ።

 

 ብቓልሲ ክንዕወት ኢና
መብጻዓ መዓልቲ ነጻነት 05/24/2016
ክብርኣብ ተክለጊዮርጊስ - ሳንድያጎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...