ኮቦሮ መስከረም!

 
ኣሰር’ቲ ውሕሉል ጥበብ
 
ናይ ወለ’ዝጊ ክእለት
 
ብመራሕ ዕለት ዘመን ንኽሕደስ  
 
  ወገግ ትብል’ሞ መስከረም፡
 
ብኽልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ
 
ሽግ ተወሊዑ ዓዲ’ኹለል።
 
ህዝቢ ተኣኪቡ
 
ይልከ’ሞ ሓሙኹሽቲ ጸበል
 
ዝሓለፈ ሕሰምና፡ ዝመጽእ ድማዕና፡ ግበረልና
 
 እናበለ’ምህለል፡ ይምነ ሰናይ ዘመን።
 
ወፋሮ ኣትዮም፡ ወርሒ ምስ ደመቐት
 
መጥቅዕ ምስተወቕዐ ምህልላ ምሰ’ብቅዐ
 
ዑፉን ተጠቢሱ ገዓት ምስተበልዐ፡
 
ዓቢ ንኡስ ናብ ቅርዓት ይወጽእ
 
ተኣኪቡ’ስሕቕ
 
ነዳዲ’ነጥር፡ ሓዊ’ስሕን።
 
ይጻወት-ይስዕስዕ ከበሮ’ድስሕቕ።
 
መንእሰያት ይምርሹ፡ ይወርዱ ሩባ
 
በ’ገባብ ይቃለሱ ኣብ’ቲ ሑጻ-ሑጻ
 
ጎራዙት ይቑነና፡ ይስለማ ሕዮባ።
 
ከበሮ ጓይላና፡ መሞቒት ዕላልና
 
ከም’ዛ ንፋስ ቁሪ፡ ቅዝሕዝሕ ናይ ጥሪ
 
 ቀስቃሲት ወንና፡ ዓጃቢት ወግዕና
 
ምስ’ቲ ልሙድ ዕሊ መውስቦ ብፍቕሪ
 
ባህግን ባህልን ኣድሚቓ፡ ንእዋን ተዛኒ።
 
ከበሮ ጓይላና፡ ሪም ዓደቦ’ና
 
ንቑጽ ቆርበት ዝሽንሽና፡ ቅዳድ ገረወይና
 
ብጸልማት ብለይቲ፡ ክሳብ ዝነቓነቑ’ጋንንቲ
 
ትንቊ ነበረት ቀደም፡ ትኹሕኩሕ ኣባይቲ።
 
እንተ ሎሚ-ሎሚ
 
ገው-ቀነው እናበለ መጥቅዕ
 
 ትፍክር ተጉርዕ
 
ሂ….ም ቢ…ም ትብል ከም መድፍዕ፡
 
ዕጣን-ዕጣን ገዲፋ፡ ባሩድ-ባሩድ ክትጨኒ
 
መስከረም ምድሪ
 
ሩባ መረብ ምስጋር ኣጊሙዋስ፡
 
ፈቐዶ ስግር ባሕሪ ተዕነኒ።
 
ከም’ዛ ዋዛ፡ ሓቂ ከተምስል
 
 ትጭርሕ፡ ተስምዕ መቓልሕ
 
ኣብ ርሑቕ ኣብ ስደት መሬት ከተውግሕ
 
ንሰባ ገዲፋ ምስ ደቂ-ሕድርትና ከምትመክር
 
ጎቦ-ጎቦ ትነብሕ።
 
ሓዳስ ከበሮና
 
እንዳ ዝናን ባህታን
 
 ጸሓይ ጸልዮም ዝሃቡና
 
ከይተፈለጠና
 
 ዘስከረቶ’ያ ትመስል ሰዋስው ትግሪኛና።
 
ከመይ’ሲ ስጋን ነብስ ክንፈቅድ
 
ትንፋስ ክንዲ ትህበና
 
ምሒር ክትዓብድ
 
ደዋዊሳቶ መልክዕና።
 
ከም ስርኤል-ቀትሪ ተጎኒፋ
 
ጽፍዒት ተወሊፋ
 
  ኣብ ስደትን ኮለልን ትጀሃር
 
ቀቅድመና ሓሊፋ።
 
ከም ቀደማ፡ ከም’ቲ ናይ ፈለማ
 
ኣብ ደስታን ፍስሃን ክንዲ ተጻውተና፡
 
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተጸልለና!
 
ክትዕ ጸማማት ክሳብ ዝመስል ባይቶና
 
 ናብ ሓዳስ ባቢሎን ከምዝለገበት ምሕዳርና።
 
እሞ ደጊም ይኣኽለኪ ክንብላ
 
እዋኑ ክሳብ ዝኣክል ንጓይላ
 
ኣብ ቀጽቀጽ ክንሰቕላ፡
 
ሩባ መረብ ወሲዱ ቆርበታ ኣርሒሱ
 
ሆየ ሆየ እናበለ ሽግ ኣናኺሱ
 
ጸበል ሓሙኽሽቲ ነስኒሱ፡ ዓኾዃይ ዝብለላ
 
ምስ’ዛ ሓዳስ ዓመት፡ ሓዳስ ዙርያ ምስ ነጻላ
 
ዘብጽሓላ፡ ወዲላማ’ፍጠረላ።
 
ከመይ’ሲ እዛ ዓለም ዕዳጋ
 
ናይ ለውጢ መድረኽ ስለዝኾነት እንዳኣላ
 
መስከረም-መስከረም ከበሮ ጥራይ ዘይኮነስ
 
ምህልላ ብመጥቅዕ ዝእወጀላ።
 
ቡሩኽ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና
 
ክሳብ ንዓመታ ዛ’እዋን ብሰላም ብፍቕሪ
 
ብጀኦግራፍን ደሞግራፍን ዘይፈላሊ፡
 
ምስ ዳመራ መስቀል
 
ሑጻ-ሑጻ መረብ
 
ሆየ! ና’በልና፡ ክንስሕቕ ክንቃለስ
 
እዋን ክምለስ ይንጸገልና ጸበል።  
 
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ 09/27/2015
 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...