ቅዋም

ቅዋም ይተሓንጸጽ
ስለ ድጊ ስለ ሕጊ
ስለ ባይቶ ስለ ሥርዓት
ስለ ፍትሒ ስለ ርትዒ
ስለ ነጻነት ስለ ልዑላውነት
ስለ መሰል ስለ ሓርነት
ስለ ሓቂ ስለ ጽድቂ
ስለ ሰላም ስለ ህድኣት
ስለ እቶት ስለ ልምዓት
ስለ ጻዕሪ ስለ ትግሃት
ስለ ምህዞ ስለ ብልሓት
ስለ ህንደሳ ስለ ክእለት
ስለ ጥበብ ሰለ ብስለት
ስለ ጕርብትና ስለ ምሕዝነት።

ቅዋም ይጽደቕ
ስለ ጅግና ስለ ስውዕ
ስለ ስንኵል ስለ ጉዱእ
ስለ ስሉፍ ስለ ዕጡቕ
ስለ እሱር ሰለ ግፉዕ
ስለ ድኻ ስለ ዕሩቕ
ስለ ትጉህ ስለ ንፉዕ
ስለ ርኹብ ስለ ጥፉእ
ስለ ዕዉር ስለ ምግዱር
ካብ ዓማጺ ካብ በዳሊ
ኪኾነና ከውሊ ሓጹር።

ቅዋም ይንገሥ
ስለ ሕዝቢ ስለ ሃገር
ስለ ሰብኣይ ስለ ሰበይቲ
ስለ ቆልዑ ስለ ዓበይቲ
ስለ ሓረስታይ ስለ ዘራእቲ
ስለ ሸቃላይ ስለ ናውቲ
ስለ ነጋዳይ ስለ ሃለኽቲ
ስለ ምሁራን ስለ ሊቃውንቲ
ስለ መምህራን ስለ ተማሃርቲ።

ቅዋም ይተሓንጸጽ
ቅዋም ይጽደቕ
ቅዋም ይንገሥ
ብዘይ ቅዋም ኵሉ ጥፉእ
ሃገር በኪ ሕዝባ ግፉዕ
ብዘይ ቅዋም ኣልቦ ሰላም
ቀትሪ ምድሪ ድቕድቕ ጸላም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...