ሓዲሽ ዓመት

 
ምስ ባህለይ ንኽላለ
ዓውደ-ዓመት
ዘዕበየኒ ሓንሰ መስቀለ
ዓዲ ኪምህለል
ሽግ እናንቀልቀለ
ሆየ ሆየ እናበለ
መንእሰይ ኪጻወት
ሓዊ እናዘለለ
እወ ሓዲሽ ዓመተይ
ሽዑ’ዩ ዝነበረ።
 
ኣዋልድ ዓደይ
ዝመስላ በራውር
ክደርፋ ክውዕላ
ኣብ ግራት ኣብ ሰፈር፣
እናተቐባበላ ክብላ
“ንሓንሰይ
ንመስቀለይ
ድርብ ከበሮ ሓዛለይ!”
ጎራዙት ዓደይ
ኣኽሊለን ሕዮባ
ዚመስል ሓሊብ ጸባ
ዘብለጭልጭ ከም ፀሓይ
ይዝከረኒ’ሎ ንቡር
ዓውደ-ዓመተይ
ምስ ታሪኽ ያታይ ሥሙር።
 
ጓኖት ብባህልና ክቐንኡ
ክጽሕፉ ክድነቑ
ደቂ ሃገር ግና -
መሲሎም ዝተራቐቑ
ውዲት ጌሮም ባህልና ከጥፍኡ
ክርሳዕ ተናዒቑ
ከብርስዎ ዓጠቑ
ልኢኾምሉ
እልፊ ወርጠበ ቆልዑ
ሓኽሎም ናብ ጽላል ኣቕኒዑ
ሱር መሰረቱ ተበርቍቑ
መንነትና ተነቓኒቑ
ንያትና ተጸንቂቑ
መንፈስና ብሁከት ተጨኒቑ።
 
ኣምሰያኡ
ሓዲሽ ባህሊ ተተኪኡ
ተኣዚዝና “ብኡ ኵርዑ”
ከይንሓትት ተዓጊትና
ተባሂልና “ተወዲኡ
ኮንይንኩም’ዩ
ፍተዉ ጽልኡ
ዝበልናኩም ምስ ዘይትሰምዑ
ልዕሊ ቃልና
ብኽርክር ትዋስኡ
ብዕድልኩም
ብሕይወትኩም ትጣልዑ።” 
 
ምኽንያቱ ተባሃለና -
“ምስ ዓለማት ዘላሊ
ኣምጺእናልኩም መማዕበሊ
ዝጸንሓኩም ብላይ ባህሊ
ኔው በሉዎ መድሓርሓሪ
ጭቆናኹም መዘከሪ
ምስ ጎረቤት መጣመሪ
ንመሰልኩም መደናገሪ
ኣብ ርእሰ-ተኽእሎ ዘይኣማኒ
ምስ ዕላማና ዘየሳኒ
ደርብዩዎ ብላይ ሳእኒ።
 
ንሕና ድማ፡
ከይሓሰባና
ከይመርመርና
ብህርፋን ናጽነት
ብጽምኢ ሓርነት
ተደፊኑ ኣዒንትና
ንመሰል ንማዕርነት
ንፍቕሪ ንሓድነት
ተሃንጢዩ ልባንትና
ብኣሚን ጎይታይ
ፈለማናዮ
ሓዲሽ መንነትና
ንኽንምስርት
ምድረ ገነት
ጀመርናዮ ብዕሽነት
ከየስተውዓልና
ንመቝሕ ንሰለት
ዚመልሰና ናብ ባርነት።
 
ወዮ ህሩፍ ባህግና
ምስ ባህልና ምስተጋጮ
ኣልበሱና ቆማል ወጮ
እንተበልና ናብይ ገጻና
ለከቱና ድርብ ማዕጾ
ሎሚ ግና እንተበልና
ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት
ዓዲ ጓና ሃገር ስደት
ምስ ከባቢ
ንመሳሰል ከከም ኵነት
የጽንሓና ዓመት ዓመት
ይዕቆረና ዕለት ዕለት
ሃምና ግን ናብ ባህልና
ንመስከረም’ዩ ዚቋመት
ትልሚ ቃልሲ 
ቦዅሪ ዓመት
ተባሪኽና ተመሪቕና
ብፍትሒ ብዓወት
ከምትጽቢትና ሩፍታ ርሓት
የብጽሓና ናብ መስከረም
ክነብዕላ ብዘይፍርሓት
ንኣምላኽና ብምስጋና
እናቕረብና ክብሪ ስብሓት
ዘውጽኣና ካብ ክራማት
ዘምጽኣልና ቀውዒ ጽብሓት
ተቐሪብና ጠስሚ ገዓት
ተኻፊልና ሸዊት ግራት
የድግመና ዓመት ዓመት
የጽንሓና የብጽሓና
ንዓመታ ከምዛ ዕለት።
 
ፍሥሐየ መብራህቱ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...