ወዲ ቫካሮ ሓርበኛ  ኣቦና!

ከምቶም  ንንየተሎም ስውኣት ኣለኻ ምሳና


ኣንታ ዶ/ር ተወልደ! ሓርበኛ ኣቦና !

ደኺመ ሓሚመ ከይበልካ ኣብ ዘዘለናዮ ዝጎየኻ ናባና

ብሩህ ተስፋ ስለ ዝዘራእካ ኣብ ልብና

ሃገር ከይባድም ከይጸንት ህዝብና

ታሪኻዊ ውዕሎኻ ንከታተል ስለ ዝነበርና

ናብ ዓወት ዝመርሓና ሓርበኛ ረኺብና!

ክውዳእ ቀሪቡ’ዩ ስቓይ ህዝብና!

ቀሪቦም’ዮም ክመሓዉ ጸላእትና

እናበልና ብኣኻ ኢና ንምካሕ ኔርና

ክንዲ ሽሕ ክትኮነልና ከኣ ተጸቢና ተመኒና

 

ድሃይካ ምስ ዝረሓቐና ግን ተሻቒልና ተቖሊና ቀኒና

 ዓሪፉ ምስ በሉና ከኣ ብሓቂ ሰምቢድና

ኣቱም ሰብና! ሕጂ ከኣ ዘይተጸበናዮ ጉድ ረኺብና!

ሞት ሰራቒ ኮይኑ ሓርበኛ ኣቦና ዘሚቱና! ኢልና

ዝዘራእካዮ ተስፋ ዝተቐብረ መሲሉ ስለ ዝተሰማዓና

ሓርበኛ ኣፈርክቡ ከይተባህለ ከም ዝመውት ረሲዕና

ግን ዋላ ብኣካል እንተፈለየኻ ክባና

ጽንሕ ኢልና ግን ምሳና ከም ዘለኻ ምስ ነገረና ነብስና

ተደዓዓስና

ዓዲ ርሒቑ’ምበር ንስኻ ሜትካስ ዓዲ ኣይምውዓለን ህዝብና

ደጉዓ መስመዐ ንኣኻ ዝበቅዕ ንኽቡር ሓውና

ወየ! ወየ! ኣታ ሕጂ ከኣ ኮኾብ ጠፊኡና!

እናበለ ሕውስ መበለካ ምስቶም ምእንቲ ህዝቦም ዝተበጀዉ  ስዉኣትና

ጉሁና’ወ ምሒር ጉሂና

ከይዛዘምካዮ ስለ ዝሓለፍካ ሕልምኻ ሕልምና

ክትርእያ ሰለ ዘይተዓደልካ ነታ ተማዕድያ ዝነበርካ ዓወትና

በል ሎሚ ምእንታኻ ጥራይ ኣይኮነን ንነብዕ ዘለና

ድቃስ ስለ ዝኸልእና’ዩ ኣውያት ናይቲ ዝጸንት ዘሎ ህዝብና

ግን ቅሰን ወዲ ቫካሮ! ዋላኳ ብኣካል እንተተፈለኻና

ደኺመ ሓሚመ ከይበልካ ስለዝጎይኻ ናባና

ሓቂ ክትነግረና

ስለ ዝሰጊርካዮ ነቲ ዘይከኣል ዝመስልና

ንሃገርን ህዝብን ተወፉኻ ስለ ዘኣቃሊስካና

ስለ ዝምሂርካና ጌጋና ኣሪምና ምኽሓስ ከም ዝከኣል ንህዝብና

ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ክንኣልዮ ከም ንኽእል ሓቢርና

ዘቃረብካዮ ቃልሲ ብዓወት ክንዛዝሞ ንዳሎ ኢና ዘለና

ነቶም ፈሊጦም ዝጸመሙ ዝደቀሱ ገዲፍና

 

ግን እዋእ’ኹም እዞም ብህልቂት ላምፓዱሳ’ኳ ክትበራበሩ ዘይከኣልኩም

ኣሕዋትኩም እኮ ኢና! ርድኡና! እናበልኹም

ዓለም ኣውያቶም ሰሚዑ መዓልቲ ሓዘን እናኣወጀሎም

ንስኻትኩም ካብ ባሕሪ ተዘቒቑ እናወጽአ ሬስኦም

ከም ዘይናትኩም ዝረኣኹም ቅቡጻት ኢኹም

እንታይከ ትብሃሉ ምስ መን’ዩኸ ቁጽሩኽኩም!

ሕሉፍ ሓሊፉ ናብ ጓይላ ቦሎኛ ዞኽ ዞኽ ዝበልኩም

ካን ንህዝብኹም እሾኽ መርገም ኮንኩም ተሪፍኩም!

ብህግደፍ ተሓጺቡ ድዩ ተሪፉ ኣእምሮኹም

ባምቡላ ተቀይርኩም!?

ሕጂ’ውን ንህግደፍ ስንቂ ተቐብሉ ኣለኹም!?

‘ኣሕዋቶምን ደቆምን ዘጥፍኡ ባዕሎም!

እናበለ ዓለም

ደቅና’ምበር ከፊኦምና! ይብል ከም ዘ,ኦ ህዝብኹም

 መግለጺ ስኢኑሉ ተግባርኩም

 

ታሪኻዊ ገድሊ ሃገር ዓቢጥኩም ዘለኹከ እንታይ ኢዩ ጉድኩም!

ንወለዶ  ክተሕልፍዎ ትኽእሉ ምሃሪ ቅያ ታሪኽ ከለኩም

ብዘይተሓስበ ግዜ ሞት መንጣሊት ከም ዘላ ዘንጊዕኩም

ግፍዒ’ዚ ኣረመኔ ስርዓት እናፈለጥኩም  

ኢድኩም ኣጣሚርኩም

ስለምንታይ ዓቢጥኩሞ ንሞት ትጽበዩዋ’ለኹም!?

ስለዚ ጌጋኹም ኣሚምንኩም ክሓሱዎ ህዝብኹም

ምስ ሞት ተቐዳደሙ ግዜ ከለኩም

ኣብነት ሓርበኛ ወዲ ቫካሮ መለበሚ ጌርኩም

እንታይ ዋጋ’ለዎ ኣብ ግዜ ኣፈርክቡ ሰብ እንተተቆናጠየ ብኣኹም

ቤላ ቤለው ዝሰምዐ ወየ! ወየ! እንተበለልኩም

ዘይወጽእ ጣዕሳ’ዩ ዝኸውን ንመቕርብኩም ንሃገርኩም

ስለዚ ኣስተውዕሉ! ይሓልፍ’ዩ ዘሎ ዘይምለስ ዕድልኩም

 

ስዉእ ወዲ ቫካሮ ሕማሙ ሸለል ኢሉ

ንህዝቡ ኣፈርኩ ኢሉ ንዝሰምዕ ኣእውዩሉ

ሞት ከይቀድሞ ናብ ኣሕዋት ዘለዉዎ ጎዩ ዘይሩ

ስለዚ ሕልናኹም መርሚርኩም ኣብነቱ ተኸተሉ

‘ንህዝብና ይቕረታ ንሕተት ንኽሓሶ!’ ምባሉ

ትኮልፍ ሞት ከም ዘላ ኣይትዘንግዑ ኣይትታለሉ

ከም ሓርበኛ ኣቦና ወዲ ቫካሮ ለብሙ

ናይ ኩሎም ንህዝቦም ክምህሩ ዝጽዓሩ ኣብነት’ውን ተኸተሉ

 ህዝብና ሳላ መለበሚ ምህሮ ዝረኸበ ንቕሓቱ ሓፍ ይብል ከም ዘሎ ኣስተውዕሉ

ስለዚ ከምታ ‘ዝረኣናዮ ኣየዛርበና!’ ዝበለት ጉብጥሽ ኣይትኹኑ

ኣይንኹኑ ከም ዕትሮ ናብ ሓመድ ዝምለስ ብኽድኑ

ቀድሙዎም ነዞም ሰብናን ታሪኽናን ክቕብሩ ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ

ተዃሉ

ኣገናዕ! በሉልና ከኣ ባንዴራ ትኸሉ

ነተን ድምጺ ህዝቢ ዝኾና ዜና ማዕከናት ዓወት ዝድራረን

ናይ ኣብነታውያን ተቐቢለን ናተን ወሲኸን

ናብታ ህዝብና ዘለዋ ዘብጽሓሉ

 

ንሓርበኛ ኣቦና ወዲ ቫካሮ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ንስድራ ቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብ

ምስሉ ተኪኤ 10-27-2014

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...