ፍንጫሕ መሰንገልካ ይቕበሩ
ከይበደሉ ኣብ ጒድጓድ ይሰፍሩ
ህግደፋውያን ሬሳታት ይቖጽሩ
ክሳዕ ክንድዚ ወድ-ሰብ ሓሲሩ

ብህግደፍ ዘኽቲሙ እግሪ ተኽሊ
ኣርጊፎሞ መንእሰይ ከም ቆጽሊ
ርእሲ ጅግና ደኒኑ ከም ሓኽሊ
ከስዐ ሃገር መኺኑ ከም በቕሊ

ሰብ ሓሲሩ ወሪዱ ዕዳጋ
ንምጽወታ ተሰሪዑ ሪጋ
ተበቲኑ ክቡር ዓጽመ-ስጋ
ምዓንጣ መን’ያ ’ታ ተዘሪጋ?

ወላድ ኣደ ደቃ ተመንጢላ
ህበይ’ኳ ተዕብዮም ሓዚላ
ላም’ኳ ተጥብዎም ሒሕ ’ላ
ህግደፍ ውሒጡዎም ጨካን ዒላ

እንታይ’ያ ጌራ ምዓስ ተረጊማ
ወረ ’ታይ በዲላ ንመን ኣቐይማ
ክሳዕ ክንድ’ዚ ከመይ’ዩ ጸገማ
ጒዳም ሃገር ብሬሳ ሃብቲማ

መንእሰይና ወዲ’ዘን ጸገይቲ
እዚ ኹሉ መስዋእትስ ንዘማቲ!
የብልካን ድዩ ዓይኒ መጠመቲ?
ንስጋ ሰብ ዝበልዕ መንግስቲ!

ወዲ’ዚ ተኳሳይ በታኽ ፈትሊ
ኣበይ ከይዱ ቅልጽም ናይ ትማሊ?
ንዘይኣምኑ ዘፍዘዘ ከም ምስሊ
ንወረርቲ ዘርገፈ ከም ቆጽሊ

ክንልምኖም ንሳቶም ተዀብቲ
ካብ ዓውድናስ ድማ ብውንጭሕቲ
ካብ ኲምርናስ ንእሽቶይ እንዳእቲ
መንገደኛ ኰይኑ ብዓል ርስቲ!
ኣለልዮም ናይ ህግደፍ ሰራዊት
ብድሕሪት ዝነኽሱ ከም ዕንቅርቢት
ኣብ ማእከልካ ዝውልዑ ክርቢት
ኣይትዘንግዕ ኣብዘይረብሕ ትጽቢት

ጒድ ረኺባ ሃገርካ ኤርትራ
ሃል-ሃል ኢላ ነዲዳ ሓሪራ
ተበሊሉ ወዮ ድሙቕ ሕብራ
ብህግደፍ ኣምላኾም ሰብ ጽሩራ

ተበገስ መንእሰይ ደጊም ተበራበር
ስቕዶ ‘ብሃል ማይቤት ክሰባበር
ስርዓት ዓደቦኻ ካብ ዝቕበር
ተወደቡ ዝብል ልሳን ግበር

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ

ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

እንታይ ተሪፉና ድሕሪ ደጊም
ዓይኒ ተገሲሙ እዝኒ ሕትም
ንዓ’ሞ ተበገስ ብደም ፈርም
ህግደፍ ክጠፍእ’ዩ ክብል እርም

ሰብዶ የለንዩ’ታ ብዓል እንዶ?
ተዋሪድና ካላእ ትዋረዶ
ሃገር ከመሓድር በጋሚንዶ!
ድምር ተወዓልካስ ኩሉ ባዶ

ወድ-ወደይ ተኲሶ ዝባህልና
ዓዀዃይ-ዓዀዃይ ከም ቀደምና
መንእሰይ ተበገስ ከይጸነትና
ዕላማ ስዉኣት ተርጒመልና!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ጒንበት 10-2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...