Sidebar

ኢሰያስ ዝሰራም ኽፍኣተ ተንኮል ዝጾሎቱ
ዘይ ንጭፍራኡ እምበር ንመን ድዩ ተጻዊቱ
ንዘዝበሎ አሜን ዝብሉ ንሓቂ ዘይሙጉቱ
ዘደንቆሮም ዱፉናት እዝኒ ዓይኖም ዝዓመቱ
ኣለናልካ ንዝበልዎ ጥራዩ እዩ ከላግጽ ዝፈቱ

ናይ ምዉትን ፈረቓን ስእሊ ሒዞም ዝዘሉ
መንገዲ ሓቂ ዝጠፍኦም ናበይ ከምዘብሉ
ጸየቕቲ ዓሌት ኣብ ከርሲ ህግደፍ ዝቦቖሉ
ዘይዓጅቦም እጠፋእና ብኻልኦም ዘዕልሉ
ጨካናት ደም ኣልቦ ብህዝቦም ዘሽካዕልሉ

ሓሶት ዓሊዓብዱስ ንህግደፍኳ ዓዕቢዱ
ኢሰያስ ምሳይ ጸኒሑ በሎም ከይስምብዱ
ሞይቱ እንተበሎም ጠንጢኖሞ ከይከዱ
ሕማም ዽዩ ወይስ ከምኡ ኢሉዩ ተወሊዱ
ብቐረባ ትፈልጥዎ እንተለኹም ንገሩና ጉዱ

ክንደይ ሓሰውቲ ሪኢናሞ ኣይከምዝን
እንኳን ንዝቋዎሞስ ንደጋፊኡኳ የሕዝን
በጽቢጹ ሓሶት ዝውሕጥ ከም ቢታሚን
ዘረባ ለኻቢጡ ዝፍትን ንዓያሹ ከእምን
ነቒሕና ኢና ከማኻ ከይመስለካ መጅኑን

ብሓጥያት እዚኦምዩ ንሪኦ ዘለና ምጾታት
ዝወርደና ዘሎ እሳተ ምንቅጥቃጥ መሬት   
ውሕጅ ማዕበል ህቦቡላ ዘይምሕር ቅዝፈት
ደቅሰብ ሓሪዶም ዝሸጡ ጠቢሖም ኮላሊት
ኢድኩም ኣይትስኣኑ በዓል ተካል ፍጥረት

ግርማ ኣስሞሮም ዝበሃል ከኣሎ ዝገደደ
መዳናገሪ ኣብ ሕቑፎ ኢሰያስ ዝተወልደ
ልኡኽ ሓሊቦ ኣብ ኣዳራሽ ኣፍሪቃ ዝዓረደ
ኢትዮጵያ ኤርትራ መሲልዎ ክስሊ ዝኸደ 
ዓለም ዝኻዓቦ ሕሱር ህዝቡ ሃገሩ ዘዋረደ

ኣብ ኣተዓባብይኡ ዝተበደለ ፍቱሕ ከልቢ
ንዓና ወኪሉ ተጠቒሙሉ ናይ ጀጋኑ ዓስቢ
ኣዲስ ኣበባ ጮማኡ እናኾለሰ ከብዱ ከዕቢ
ዝኾነን ዘይኮነን እናውረየ ከላግጽ ብህዝቢ
ሓራድ ኣሕዋቱ ጎዶሎ ሓንጎል ህጡር ከብዲ

ይኣኽለኩም ሸፈጥ ቀደም ዘታለልኩሙና
ኣለዉና ጀጋኑ ውሽጡኹም ዘስተማሃሩና
ፈላሚ ዘቃላዓኩም ኣማኒኤል ኢያሱ ኣሰና
መጽአ እናተዋነጨፈ ረድኢ መሓሪ ኣለና
ሰዓበ ኸኣ ፓይሎ ቆራጽ ብዓል ስረ ጅግና

ህዝቢ ኣበራቢሮም ኮነ ዳግማይ ትንሣኤ
ፍሰሃ ወሰላም ኣሕዲሩ ድሃዮም ዝሰምዐ
ፍናኑ ሓፍ ኢሉ ጭኩን ህዝቢ ዝተወጽዐ
በየናይ መጻኹም ለምለም ሰቲ ኣነስ ኮሪዐ
መርዘኑ ኣላዒልኩሙሉ ንሕያዎት ዝወጽዐ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
04/05/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...