ኢሰያስ ዝሰራም ኽፍኣተ ተንኮል ዝጾሎቱ
ዘይ ንጭፍራኡ እምበር ንመን ድዩ ተጻዊቱ
ንዘዝበሎ አሜን ዝብሉ ንሓቂ ዘይሙጉቱ
ዘደንቆሮም ዱፉናት እዝኒ ዓይኖም ዝዓመቱ
ኣለናልካ ንዝበልዎ ጥራዩ እዩ ከላግጽ ዝፈቱ

ናይ ምዉትን ፈረቓን ስእሊ ሒዞም ዝዘሉ
መንገዲ ሓቂ ዝጠፍኦም ናበይ ከምዘብሉ
ጸየቕቲ ዓሌት ኣብ ከርሲ ህግደፍ ዝቦቖሉ
ዘይዓጅቦም እጠፋእና ብኻልኦም ዘዕልሉ
ጨካናት ደም ኣልቦ ብህዝቦም ዘሽካዕልሉ

ሓሶት ዓሊዓብዱስ ንህግደፍኳ ዓዕቢዱ
ኢሰያስ ምሳይ ጸኒሑ በሎም ከይስምብዱ
ሞይቱ እንተበሎም ጠንጢኖሞ ከይከዱ
ሕማም ዽዩ ወይስ ከምኡ ኢሉዩ ተወሊዱ
ብቐረባ ትፈልጥዎ እንተለኹም ንገሩና ጉዱ

ክንደይ ሓሰውቲ ሪኢናሞ ኣይከምዝን
እንኳን ንዝቋዎሞስ ንደጋፊኡኳ የሕዝን
በጽቢጹ ሓሶት ዝውሕጥ ከም ቢታሚን
ዘረባ ለኻቢጡ ዝፍትን ንዓያሹ ከእምን
ነቒሕና ኢና ከማኻ ከይመስለካ መጅኑን

ብሓጥያት እዚኦምዩ ንሪኦ ዘለና ምጾታት
ዝወርደና ዘሎ እሳተ ምንቅጥቃጥ መሬት   
ውሕጅ ማዕበል ህቦቡላ ዘይምሕር ቅዝፈት
ደቅሰብ ሓሪዶም ዝሸጡ ጠቢሖም ኮላሊት
ኢድኩም ኣይትስኣኑ በዓል ተካል ፍጥረት

ግርማ ኣስሞሮም ዝበሃል ከኣሎ ዝገደደ
መዳናገሪ ኣብ ሕቑፎ ኢሰያስ ዝተወልደ
ልኡኽ ሓሊቦ ኣብ ኣዳራሽ ኣፍሪቃ ዝዓረደ
ኢትዮጵያ ኤርትራ መሲልዎ ክስሊ ዝኸደ 
ዓለም ዝኻዓቦ ሕሱር ህዝቡ ሃገሩ ዘዋረደ

ኣብ ኣተዓባብይኡ ዝተበደለ ፍቱሕ ከልቢ
ንዓና ወኪሉ ተጠቒሙሉ ናይ ጀጋኑ ዓስቢ
ኣዲስ ኣበባ ጮማኡ እናኾለሰ ከብዱ ከዕቢ
ዝኾነን ዘይኮነን እናውረየ ከላግጽ ብህዝቢ
ሓራድ ኣሕዋቱ ጎዶሎ ሓንጎል ህጡር ከብዲ

ይኣኽለኩም ሸፈጥ ቀደም ዘታለልኩሙና
ኣለዉና ጀጋኑ ውሽጡኹም ዘስተማሃሩና
ፈላሚ ዘቃላዓኩም ኣማኒኤል ኢያሱ ኣሰና
መጽአ እናተዋነጨፈ ረድኢ መሓሪ ኣለና
ሰዓበ ኸኣ ፓይሎ ቆራጽ ብዓል ስረ ጅግና

ህዝቢ ኣበራቢሮም ኮነ ዳግማይ ትንሣኤ
ፍሰሃ ወሰላም ኣሕዲሩ ድሃዮም ዝሰምዐ
ፍናኑ ሓፍ ኢሉ ጭኩን ህዝቢ ዝተወጽዐ
በየናይ መጻኹም ለምለም ሰቲ ኣነስ ኮሪዐ
መርዘኑ ኣላዒልኩሙሉ ንሕያዎት ዝወጽዐ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
04/05/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...