Sidebar

እዋይዛ ዕድል ክትሓስም
ሪኻ ሰሚዕኻ ትም
ነናይ ናይ ዘመኑ ጋህሪ
ኣብ እተባራዓሉ ቁጽሪ
መንእሰይ ይሳወር ብበትሪ
ንዝረመጹና ኩሎም ክንርመጽ
ዘዝመጸ እቶን ክንቆጽር
ህይወት መንእሰይ ክሓርር
ቀልጢፋ ኣይትሓልፍ
ወይ ኣይትስስን
ኣብ እቶን ተሰኽቲታ
ብመኾስ ጨፍለቕቲ ክትካወስ
መን ረኺቡ ሓታቲ ብዛዕብኡ
ክሳብ ሓሪሩ ዝኽሕን።

እዋይዛ ዕድል ክትሓስም
ሪኻ ሰሚዕኻ ትም
ወገንካ ህዝብኻ ኣብ መሓዩር
ሓውኻ ሓውትኻ ክተማርር
ብማዳ ብጋሂ ገጾም ክጽልም
ኣፎም ተዓቢሶም ብዘይሩኡይ
ብዓዶም ተሓቢሶም ብቕሉዕ
መን ረኺቦም ሓታቲ ብዛዕባኦም
ይኣክል ዝብል ፈኒዮም
ሓዊ ረመጽ እቶን ዘጥፍኣሎም
ሎሚ ተበጅዩ ጽባሕ ክሓልፈሎም
ንርእኻ ሰሚዕኻ ትም ዝበትከሎም
ባህሊ ሓሶት ጥልመት ዝጉሕፈሎም።

እዋይዛ ዕድል ክትሓስም
ሪኻ ሰሚዕኻ ትም
እዋኑ ምስ ሓለፈ ክትእርም
ሎሚ ኣጽቂጥካ ክተዕረምሩም
ግዜ ከለካ ንግዜ ክትጠልም።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና - 04/26/12 ”


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...