Sidebar

ሽፍታ ባጽዕ መዓልቱ ኣኺላ
ኣንትን ኡቡሻት ሕጂ ተኳሓላ

ንቡዙሕ ዓመታት ብኣኽን ጸሚምና
ብዓይኒይብለይ ስኒይብለይ ተጸሪፍና
ሸየጥቲ ዓዶም ዑሱባት ወያኔ ተባሂልና
ከሓድቲ ብማለት ፈቲንኩም ክትንጽሉና

ከም ፈኸራኹምሲ ቀደም ምጠፋእና
ብኣፍምበር የላን ታማዓንጣ ታሕልና
ጽሓይ ዝዓረቦም ምስ ፈናጅል ጀበና
ዝተዓጥኑ ምስ ተን ኣጉራዕቲ ዝቖንቆና

ብዓል ኣደይ ተመርጻ ብዓል ቆንጂት
ጸጉርኽን ደርምማ እሰርኦ ንድሕሪት
ጸሊም ተኸዲንክን ኣኹድዳ ብጸልማት
ቋረጣ ሰንክታ መፋነዊ ንኑጉሠነገሥት
ኣብቂዑ እዩ ህዝብኻ እናነብዐ ምጽዋት

መንነቱ ዘይፍሉጥ ኣሻንጉሊት ሰሪሑክን
ክንዲ ቤተ ጸሎተ ምሰኣጋንንቲ ሰሪዑክን
ኣብ ሸንኮለል ወደኽደኽ ጽሓይ ዓሪቡክን
ባቡር ሰላም ከይዳ ንኤርትራ ሓዲጋትክን
ኣብ ነብስኽን ተመለሳ ካሓ.ሳ ንህዝብኽን

ህግደፋዊ ውዱቕ ተበዲሉ ዘይስክሕ
ወሽለኽለኽ ግደፉ ዘረባ ምብጽጻሕ
ብሓሶት ኣይትዋጢ ዘየዳግም ንጽባሕ
ቃረዛ ድኣ ቀርቡ ይኣክል ቀልባዕባዕ
ህግደፍ ሞይቱዩ ቅበጽ ሬሳኻ ምራሕ

መርገም ንጹሃት ተዘይ ቀተለ የዕነኒ
ትመስክር ዝዋዓለት ዝራአየት ዓይኒ
ብዕልግና ህግደፍ ምስ ባህልና ዘየሳኒ
ዘይግቡር ዝሰርሑ ብልሹዋት ካምፓኒ 

እናሰሓቑ ዝሰጠሙ ካብ  ውሒጅ ናብ ዒላ
ህግደፍ ምስ ኮራኩራ ሓቒቓ ተፈዲሳ ባዕላ
ሽፍታ ባጽዕ ኣብቂዑ ምጻተ መዓልቱ ኣኺላ
ዕስለ ኣኽላባቱ ደንጽይዋ ተሓቢኣ ትነብዓላ

ሽፍታ ባጽዕ ናይዝጊ ክፍሉ ይጽበየካሎ
ሕድሩ ኣይጠለመን ኣርክቦ ቀልጥፍ ቶሎ
ሓደ ጉዕዞ ክኾነልና ጸላኢና ኮለል ይበሎ
ደንጒኹሞ ዲያብሎስ ብቑጣዐ ይጽበሎ
ካብ ዒራዒሮ ዝኸፍአ እሳት ኣብኡዩ ዘሎ

ዘይሰድድ ደም ንጹሃት ደም ዓበይቲ
መርገም ኣደታት መርገም ሸኻት ፈለስቲ
ዓሪጉዩ ንሰማይ ተላለ ምስ ሰይጣውንቲ
ምስ ናይዝጊ ተቋጸር ክኾነካ መላፍፍንቲ

ዝተረግሙ ሞቶም ከም ክናናን ምናናን
ዝሞቱ ዘይመስሎም ናይ ዘመንና ኣረሜን
ከይተናዘዙ ከይዶም ንላዕሊ ናብ ሰይጣን
ዝሓዝነሎም የለን ብዘይካ ሓደ ሓደ ጨካን

ነዞም ከምዚኦም ሞትኳ ክውሕዶም

ናየቦና ፓትሪያሪክ ቁዱስ ኣንጦንዮስ መርገም ዓሪጉ
እንቋዕዚ ራኣዩ ኣሰና ሕጂ ሕራይ ክብረቶም ማዕሪጉ
ናይ ቤተ ክርስትያን ተውሃዶ መርገም ዓሪጉ
ናይ መስጊድ ምስልምና መርገም ዓሪጉ
ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር መርገም ዓሪጉ
ናይ ጰንጠ ኣመንቲ መርገም ዓሪጉ
ናይ ብመላእ ህዝብና ግፍዒ ሰማይ ዓሪጉ
ሕሱም ጸላኢና ከይዱ ንዘላኣለም መገዱ ጸሪጉ፣፣      

ብርኽቲ ሃገርና ጡዑያት መራሕቲ ይፍጠረላ፣፣

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
24/04/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...