ሽፍታ ባጽዕ መዓልቱ ኣኺላ
ኣንትን ኡቡሻት ሕጂ ተኳሓላ

ንቡዙሕ ዓመታት ብኣኽን ጸሚምና
ብዓይኒይብለይ ስኒይብለይ ተጸሪፍና
ሸየጥቲ ዓዶም ዑሱባት ወያኔ ተባሂልና
ከሓድቲ ብማለት ፈቲንኩም ክትንጽሉና

ከም ፈኸራኹምሲ ቀደም ምጠፋእና
ብኣፍምበር የላን ታማዓንጣ ታሕልና
ጽሓይ ዝዓረቦም ምስ ፈናጅል ጀበና
ዝተዓጥኑ ምስ ተን ኣጉራዕቲ ዝቖንቆና

ብዓል ኣደይ ተመርጻ ብዓል ቆንጂት
ጸጉርኽን ደርምማ እሰርኦ ንድሕሪት
ጸሊም ተኸዲንክን ኣኹድዳ ብጸልማት
ቋረጣ ሰንክታ መፋነዊ ንኑጉሠነገሥት
ኣብቂዑ እዩ ህዝብኻ እናነብዐ ምጽዋት

መንነቱ ዘይፍሉጥ ኣሻንጉሊት ሰሪሑክን
ክንዲ ቤተ ጸሎተ ምሰኣጋንንቲ ሰሪዑክን
ኣብ ሸንኮለል ወደኽደኽ ጽሓይ ዓሪቡክን
ባቡር ሰላም ከይዳ ንኤርትራ ሓዲጋትክን
ኣብ ነብስኽን ተመለሳ ካሓ.ሳ ንህዝብኽን

ህግደፋዊ ውዱቕ ተበዲሉ ዘይስክሕ
ወሽለኽለኽ ግደፉ ዘረባ ምብጽጻሕ
ብሓሶት ኣይትዋጢ ዘየዳግም ንጽባሕ
ቃረዛ ድኣ ቀርቡ ይኣክል ቀልባዕባዕ
ህግደፍ ሞይቱዩ ቅበጽ ሬሳኻ ምራሕ

መርገም ንጹሃት ተዘይ ቀተለ የዕነኒ
ትመስክር ዝዋዓለት ዝራአየት ዓይኒ
ብዕልግና ህግደፍ ምስ ባህልና ዘየሳኒ
ዘይግቡር ዝሰርሑ ብልሹዋት ካምፓኒ 

እናሰሓቑ ዝሰጠሙ ካብ  ውሒጅ ናብ ዒላ
ህግደፍ ምስ ኮራኩራ ሓቒቓ ተፈዲሳ ባዕላ
ሽፍታ ባጽዕ ኣብቂዑ ምጻተ መዓልቱ ኣኺላ
ዕስለ ኣኽላባቱ ደንጽይዋ ተሓቢኣ ትነብዓላ

ሽፍታ ባጽዕ ናይዝጊ ክፍሉ ይጽበየካሎ
ሕድሩ ኣይጠለመን ኣርክቦ ቀልጥፍ ቶሎ
ሓደ ጉዕዞ ክኾነልና ጸላኢና ኮለል ይበሎ
ደንጒኹሞ ዲያብሎስ ብቑጣዐ ይጽበሎ
ካብ ዒራዒሮ ዝኸፍአ እሳት ኣብኡዩ ዘሎ

ዘይሰድድ ደም ንጹሃት ደም ዓበይቲ
መርገም ኣደታት መርገም ሸኻት ፈለስቲ
ዓሪጉዩ ንሰማይ ተላለ ምስ ሰይጣውንቲ
ምስ ናይዝጊ ተቋጸር ክኾነካ መላፍፍንቲ

ዝተረግሙ ሞቶም ከም ክናናን ምናናን
ዝሞቱ ዘይመስሎም ናይ ዘመንና ኣረሜን
ከይተናዘዙ ከይዶም ንላዕሊ ናብ ሰይጣን
ዝሓዝነሎም የለን ብዘይካ ሓደ ሓደ ጨካን

ነዞም ከምዚኦም ሞትኳ ክውሕዶም

ናየቦና ፓትሪያሪክ ቁዱስ ኣንጦንዮስ መርገም ዓሪጉ
እንቋዕዚ ራኣዩ ኣሰና ሕጂ ሕራይ ክብረቶም ማዕሪጉ
ናይ ቤተ ክርስትያን ተውሃዶ መርገም ዓሪጉ
ናይ መስጊድ ምስልምና መርገም ዓሪጉ
ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር መርገም ዓሪጉ
ናይ ጰንጠ ኣመንቲ መርገም ዓሪጉ
ናይ ብመላእ ህዝብና ግፍዒ ሰማይ ዓሪጉ
ሕሱም ጸላኢና ከይዱ ንዘላኣለም መገዱ ጸሪጉ፣፣      

ብርኽቲ ሃገርና ጡዑያት መራሕቲ ይፍጠረላ፣፣

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
24/04/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...