“ዝሰበበ ሓንጎል”
ዝሰበበ እንጀራ ተነጊፉ -
- ተቖርሚሙ ይብላዕ
ዝሰበበ ሕንባሻ ከይተተንከፈ -
- ይፍርከሽ ይስላዕ
ዝሰበበ ሓንጎል ጥልመት -
- ተሰኪሙ ይጥላዕ
ዝሰበበ ሕልና ብውሽጡ -
- ይነቅዝ ይነዝዕ
ዝተዋርደ ህዝቢ ተሓቢኡ -
- ተሳቒዩ ይነብዕ
ሞራሉ ዝተሰብረ መንእሰይ -
- ይድሰቕ ብስላዕ
ሕሊና ዝሞቶ ኤርትራዊ -
- ሃገሩ እዳጠፍእት ይስስዕ
ንህርፋን ተገዚኡ ንጭቆና -
- እንዳበሎ ፍጊዕ
ዓደብኡ እንዳተዘምተ -
- ብሓሶት የጣቅዕ።
ኣደኻ ተዋሪዳ - ሓፍትኻ ኣይደሓነት
ኣቦኽ ተሸቑሪሩ - ስድራኻ ኣይቀሰነት
ሓውኻ ተገፊፉ - ንቁሉዕ ባርነት
ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ - ሃገር እንዳዓነወት
እስኪ ንገሩኒ - ትርጉም ናይ ነፃነት
ኪነው ዶብ ትሐስብ - ፈላስፋ ናይ ጥልመት
ህዝብኻ እንዳሽእጥካ - ንስልጣን ንሹመት
ኤርትራዊ ትብል ረሳሕ - ናይ ጥፍኣት ገልሃሞት።
ኣታ እዛ ኤርትራና -
- እንታይ ወሪድዋ
ኣናህብ ጠፊኦም -
- ሃመማታት ዝዓስልዋ
ዝሰበበ ሓንጎል -
ካብ ኩሎም ዘሚትዋ
ኣብ ጎዱፍ ዝውዕል -
- ብጾት ንዓል ቃርማ
ደም ህዝቢ ዝመጽይ -
- ስሱዕ ከም ሓሳማ።
ብድሕነት ሃገር ዝዝምሩ -
- ናይ ሓሶት ዋዜማ
ንህዝቢ ከፋፋሊ ዝፈጥሩ-
- ንተንኮል ቁዘማ
ኣለዉ መንድዓት ህዝቢ -
- ዘድልዮም ማሕጎማ
ኤርትራና ክትፍወስ ክሓልፈላ -
- ብደቃ ተሓኪማ
የብቅዕ ይኣክል ምፍልላይ -
- ብቀደም ሕማማ።
ኣከለ ሰራየ ሰምሃር -
- ደቂ ሰንሒት ሓማ
ኣሕዋት ብሌን -
- ንዓል ባርያ ኩናማ
ሃይማኖት ኣውራጃ ገዲፍኩም -
- ክትሓፍሱ ናትኩም ጻማ
ንፍቕሪ ሓድነት በልዎ -
- ብሰላም መርሓባ።
ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ ሕልና - 04/2012 “