Sidebar

ዝሓበጠ እቲ ሃርሃር ዝበለ
ፈጺሙ ኣይሓውን ከይመገለ
ወዲ ሰብ ኣይሕጎስን ከይርኣየ ገለ
ሕጎስ የለን ሰይጣን ከይትኣለ
ክንደይ ጂግና ኣብ ጸልማት እንዳብለ
መመንኪሉ ቁጽርና እንዳጕደለ
ብተንኮሉ ህዝቢ እንዳጸለለ
ኩሉ ስርሓቱ ሕልኽልኽ ዝበለ
ሽሕጣን ዝኣመሉ ንኸይልለ
ብሓሶቱ ህዝቢ እናታለለ
ንዝገብሮ ሓቂ እናምሰለ
ኣካቢ መሲሉ እናፈላለ
ንኣና ብዝመስሉ እናሰለለ
ቃልስና የናውሕ እናሓናኾለ
ንዑ ሜላ ንድለ ዝማፅበለ

እቲ ሜላ እንታይ ይመስለኩም
ምኽርኹም ለግሱ ልብኹም ቀሊፅኩም
ዓው ኢልኩም ክሰሱ ከይፈራህኩም
ብሓባር ደው በሉ ምእንቲ መሰልኩም
ሓደ የለን ሃገር ዝኸልኣኩም
ነገር ጠዋውዩ ንዝፅንቅፈኩም
ኣብርሁሉ ቅንፅና ምሓዝኩም
ርእሱ ምስ ኣቕንዐ በቲ ቃልሲ ናትኩም
ከመስግነኩም ኢዩ ዓወት ምስ ለበስኩም

ዓለም ምስ ረብረበ ዝተኸሎ
ከምዚ ናትና ነገር ምስ ተሓናኾሎ
ስርዓት ኣሎ ንኹሉ ዝኽእሎ
ሕጊ እንተሎ ማፅርነት ካኣ ኣሎ
እቲ መሰል'ውን ምስኡ ኢዩ ዘሎ
ንዑ ጥራይ ደብተር ንገንጽሎ
ንሽግር ዝፈትሕ ተጻሒፉ ኣብኡ ኣሎ

ኣይንጨነቕ ጥራይ ነባርሮ
ስርሑ እዚ ጉዳም ንመርምሮ
ኣእምሮ ዝጠዊ ብኾቦሮ
ኣዋጅ ይውጻእ ንሰብ ዝሕርሮ
ሂወት ዝተኸፍሎ ህዝቢ ዝጽዓሮ
ንኹሉ ጌሩዎ ዝሮምሮ
እዚ በዳል ህዝቢ እንታይ ዘይገበሮ

እቲ ፍታሕ ኩሉ ኢዩ ዝደልዮ
ነቲ ዘሎ ሽግር ህዝቢ ኢዩ ዝኣልዮ
ነቲ ዝፈላሊ ጥራይ ነለልዮ
ንታኣከብ ንምከር ኣብ ዘዘለናዮ
እንምሓደረሉ ሕጊ'ውን ነጽርዮ
ንሱ ጥራይ ይኹን ናይ ኩልና ፅዮ

ፍለጡዋ መታለሊት ኢያ ስልጣን
መልሓሳ ምልውዋጥ ምስ ሽሕጣን
እቲ ዝለውሳን እቲ ዝልፅጥጣን
ቃላቱ ናይ መልኣኽ ግብሩ ግን ናይ ሰይጣን
ምስ ትዓዘብክያ ሓሲያን ለዊጣን
ኣብ ዘተ ጸዊፅካ ኣሕልፋ ብቐጣን

ከምኡ ምስ ኮነ ኢዩ ውዑል ተፈሊጡ
ንኡ ንምጽናፅ'ውን ፊርማ ተሸርጢጡ
ኣብ መዝገብ ይጸንሕ ተቐሚጡ
ንሓቀኛ የርትፅ ካብቶም ዝዋጠጡ
ንህዝቢ ይሕግዞም ሓቂ ንኽፈልጡ
እዚ ኢዩ እቲ ሜላ ኣሕዋተይ ንኽትፈልጡ

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና

ብበላይ መስፍን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...