ናይ ባዕዲ በደዊን: ገና ከይኣኽለና
ናይ ባዕዲ በደዊን: ገና ከይኣኽለና
ናይ ባዕልና በድኒ: ዶ'ኸኣ ኣጥረና?
ኣንታ'ለዉ ሕሱማት ኣብ ኤርትራ
ስራሕ ስኢኖም: እንትርፊ ምዝራእ ሕሰም መከራ
ዘይልሙድ ለሚዶም: ዘጻፍዑ ቅርሺ ባጤራ
ሓለውቲ'ና በሃልቲ: ሓለውቲ ሰውራ
ደዊሎም ደዋዊሎም: ከምስሉ ስልኪ ሳይናይ
ብሕጓ ዘሻቕሉ: ከም ሰረቕቲ ብዕራይ
ንብረት ሰብ ክዘርፉ: ብተላይ ተላይ
ሕይወት ሰብ ዘሕርሩ: ከም ቆሎ ስርናይ
ኣንታ'ለዉ ርጉማት ኣብቲ ዓዲ
ብደዎም ዝዓበዱ: ወላ ወላ ዘይብሎም ግዲ
ከምዚ ሓኽሊ ዱሙ: ዘይፍለጽ ጉንዲ
ትንፋስ ዘሕጽሩ: ብጎዳጉዲ