Sidebar

ብልሒ ቆጺርካየን ንሽርሕን ትምክሕትን

ቡዙሕ ትደኽመለን ብቐትርን ብለይትን

ነዊሕ ሰሪሕካለን ኣብ ጫካን ባዓትን

ናይ ሎሚ ዓለም ግን ትማል ኣይኮነትን

 

ዓዲ ምስ ኣተኻስ ማዓስ ገዲፍካየን

ከም መባልዕትኻ ግዲ ቆጺርካየን

ሃገር ኣድሚኻያ ኣዴታት ራኣየን

 

ኣንታ ገበነኛ ሕጊ ኣልቦ ጠላም

ድሌትካ ትፍጽም ኣብ ብርሃን ኣብ ጸላም

ሙዃን ግን ኣብዩካ ኮምኡ ኢያ ዓለም

 

ማዕቀብ ምስ ከረረ ህዝቢ ህዝቢ ምባል

ወሪዱዎ ህዝቢ ኣይናቱን’ዩ ጉዳይ

ማዕቀብ ንዓኻ’ዩ ጻሕታር ነገር ጠንቃም

መልሓስካ ኣይእሩም ኣእዳውካ ውን ኮምኡ

ንሃገር ረሚስካ ሓሊፍካ ኪኑኡ

ንጎረባብቲ ድቃስ ከሊእካዮም

ኣጠንቂቖሙኻ ብሓባር ዘትዮም

ቀጺልካዮ ግና ተግባር ናይ ዓዋሉ

ቀዛፊ ውን እኮ ኮምኡ ኢዩ ጌሩ

ኣበይ ከይተርፈካ ውዒሉ ሓዲሩ

 

ክሳብ ማዓስ ህዝቢ ክኸውን ኣደዳ

ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩላ ተሰዲዳ

ኣብ ሳሃራ ሲናይ ኩሊት ተዘሚታ

ብሰንክኻ ኢያ ህዝቢ ተዋሪዳ

 

ኩሉ ግዜ’ለዎ ዝብልዎ ለባማት

ዘብቀዐ ይመስል ዕድመ ናይ ጠላማት

ሃገር ክወግሓላ ካብ ዘላቶ ጸልማት

ብቕዋም ክንምራሕ ክቕንጠጥ መከራ

ብናይ ሓባር ራእይ ክንሃንጻ ኤርትራ

 

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

 

ዕለት 15-12-2011

HIYABU@NETZERO.COM


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...