ተደበስ እምበኣር ደበሳይ
ተደበስ እምበኣር ደበሳይ: ዓይኒ'ትሕሰ
ንብዓት ከይትጎድእ: ሓሞት ምስ ፈሰሰ
ሰናይት ሓሊፋ
ዓሪጋ ከም ሃፋ
ኤርሚያስ እንተኾነ
ሃየ ንበሎ: ሎምቅነ
እንተ ንሕና: መዓስከ ገዲፍና
ኣይ ሎሚ ኣይ ጽባሕ: ክንብል ሓረርና
እቲ በየነ እንተኾነ: መዓስ ተበይኑ
ዕርዲ ሒዙ: ግዲ ቀሲኑ
እንታይ ኣለዎ: ሓሰር ተተኸደነ
እዋን ዕርቃን ኮይኑ: ዓራቒ ካብ ሰኣነ
ርእሶም ይርከባ: ገና ከይሓለፈ
ክንየ ኬንያ: ገና ከይጸደፈ
ገብሪኤል ጓንጉል