ኣብቲ ብዕለት 12.03.2011 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ መጋባእያ Iአርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝተፋላልየ ናይ ኤውርጳ ሃገራት ኣብ ሓደ ከተማ ተራኺበን ብጉዳየን ክላዘባ ምብቀዐን ሓደ ታሪኻዊ ምዕራፍ ከፊተን።እዚ ድማ ዝናኣድ ጥራሕ ዘይኮነስ ክደገፍ ዘለዎ ስነምግባር እዩ።

ሎሚ ዓይነይ በሪሁለይ ተጋህዱ ሕልመይ
ሙቐት ተሰሚዑኒ ቁሪ ዘይብለይ
ኣረጋጊጸ  ከምዘይኮንኩ  ንበይነይ
ኣለዋኒ  ዕጡቓት  ቅናተን  ዘልዓላልይ።
እነሄዋ ተኣኪበን  ንመሰለን  ክላዘባለይ

ኣሓተይ  ካብ  ነርወይ  ኣብ ፍራንክፎርት ዝዓሰላ
ኣሓተይ ካብ ስዊዝ ኣብ ፍራንክፎርት ዝዓሰላ
ኣሓተይ ካብ ሆላንድ ኣብ ፍራንክፎርት ዝዓሰላ
ኣሓተይ ካብ ስዊደን ኣብ ፍራንክፎርት ዝዓሰላ
ዕልል በሉለይ ዕንባባ ዓዱሉለይ
ሰብ ዋኒን ኣየን ተቐበልወን ኣኽብሩለይ

ተለምቲ  ሓዱሽ  ምዕራፍ  ንመሰልን ንመሰለይ።

ኤረ ኣሎኒ ተወሳኺ ብስራት
ኣብ  ኣዉስትራልያ ካብ  ዝቕመጣ  የሕዋት
ኣብ  ኣመርካ  ካብ  ዝቕመጣ  የሕዋት
ኣብ  ኣፍሪቓ  ካብ  ዝቅመጣ  የሕዋት
ኣሎና  ኣጆኽን  ዝበላና  ብጽንዓት
ዝድገፈኦ ነዚ ሓዲሽ ብልሓት
ተስፋ ዘሕደራ ክዓቢ ተበግሶ ናይ የሕዋት
ደገፍቱ  ነጻ  ማሕበር  ንምምስራት

ዕልል በላለን  መልእኽቲ  ስደዳላንደቂ እዛ ታሪኻዊት ዕለት በዓልቲ ዛንታ

ስላም ደቂ ሃገረይ ዘይብልክን ኢንታ
ሰላም ደቂ ሃገረይ ዘይብልኩም መስታ
ኣካል እታ  ዓባይ  ገረብ  ፍላይ  ማንታ
ሕድሪ ስዉኣት ዝተቐበልክን ክትፍጽማ  ኩንትራታ

መርሓባ  የሕዋተይ ፍጽም  ብሃረርታ።

8 መጋቢት መጸት መጸት
ክብሪ ምዝካራ ኣብ ታርኽ ዘመዝገበት
ሓርነት ጓል ኣንስተይቲ ዘቃለሔት
ፍትሒ ማዕርነት ኢላ ዝኣወጀት
ሕላጋታ ዘይድምሰስ ዘንተ እለት ።
ን 8 መጋቢት ናይ ሓርነት ወርስታ
ተኣኪብክን ክትዝክራኣ  ክትገብራላ ናታ
ሃለዋትክን ክትድህስሳ ብዘይ ሃታ ሃታ
እንኳዕ ኣብጻሓክን ናብዛ እትብላዕ ብርኩታ
ተላዚብኪን ክትልእኻ ነሕዋትክን ስምዕታ
ክሓስባ ክስተንትና ብኣድናቖት ኮዉታ

ኣገናዕ  የሕዋተይ ሰብ ፍጹም ዊንታ።

ኣብ ሜዳ ኣብ ጎቦ ዝተስወኤት
ካላሺን ተዓጢቓ ንመግዛኣቲ  ዝሰዓረት
ኣብ ጎኒ ሓዋ ኮይና ዝተረጋረገት
ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ጋህዲ ዝገበረት
ከመይ ትርሳዕ ሂወታ ዝኽፈለት
ኣብ መዝገብ  ክስነድ ሽማ ብደማ ዝጻሓፈት
ኣይጽግማን  እዩ ዳግማይ  ክትቃለስ  ንሓርነት።
ደጊም  ይኣክል ውድበይ ሰልፈይ
ሓፍተይ ንዒ ዕሰሊ ናብዚ ተብግሶይ
ነጻ ማሕበረይ ክጥጥዕ ክሕልቐለይ

ነጻ ማሕበር እዩ መድሕን ጓል ሃገርይ።

መስዋእቲ ዝኸፈልኪ በዚ ካሕዳይ ዝተጠለምኪ
ኣብ ጎኒ ሓውኺ ብምስላፍ ዘመስከርኪ  ክእለትኪ
ሞያኺ ረሲዑ ናብ ጎደና ደርቢዩኪ
ተበገሲ  ንምውዳቑ  ኣልዕሊ  ዕጣቕኪ።
ሓፍተይ ተጠርንፊ ኣብዘለኪ ኣሎኺ
ኩሉ ፍልልያት  ኣውጽእዮ  ካብ  ኣእምሮኺ
ቁሊሕ  በሊ ተዓዘቢ  ጸላእትኺ
ብስምኪ ንዝሽቅጡ  ኣታሊሎም  ንዓኺ
ከም  ዝብህሩሩ  ግበሪ  ብጥርኑፍ  ሓይልኺ

ይማሃሩ  ግማዕ  ሕብረተ ሰብ  ዋና ስልጣን ኢኺ።

ነጻ ተበግሶ ማሕበርና
ዝተቓለሐ ኣብ መላእ ዓለምና
ሻራ ዘይብሉ ናይ ኩልና
ንኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ  ዝጥርንፈልና።
ብዘይ ኣፈላላይ ንኹለን  ንቓልሲ ዝዕድመልና

ንዝጻረር ብቃልሲ ክንምክቶ  ዘኽእለና ።   

ሓፍተይ ሎሚ ተቐበሊ ጸዋዒትና
ጽባሕ ዘይባሃሎ ግዜ ኢና ኣቲና
ኩሉ ዝንባሌኣ ሒዛ  ንእትመጸና
ክንምህራ ኢና  ሕጊ ማሕበርና
ብኡ  ተቐይዳ  ክትቃለስ  ምሳና
ናይ ጽባሕ መራሒት  ክትኮነልና

ንኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ደጀና።


ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩም የቐንየለይ።

ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝክሪን ንሰማእታትና

(12.03.2011)
           
                     
                        
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...