ክብረት ሕርሙ - ጉዳይ ጁቡቲ
ክልመን ጥልዕ - ክድራዕ ጉምብሕ
ኣጉል ትምክሕቲ - ዘየሳግር ባሕሪ
ኣሉ ቐጣን ተሴራ - ኣኺሉ መዓልቲ
ልውይውይ ፈሪሕካስ - ሕንከት ጉልብብ
ቀደም’ንዶ ኣይምሓሸን - ምስ ሙሉእ ክብሪ
ክትልመን ኣቕቢጽካ - ብኹሎም ዓበይቲ
ንነብስኻ መኽሰብ - እሞ ኸኣ ምስ ክብረት
ወረ ጌና - ክንርኢ’ና ብዙሕ
እዚ ፈላሚ’ዩ - ኣሎ’ዩ ዝስዕብ
ናይ ደገ ተጻፊፉ - ክጸሪ ናይ ውሽጢ
ብባዕዲ ዘይኮነስ - ብወዲ ዓዲ
ቀንዲ በዓል ዋኒን - ክኹስትር ብወፍሪ
መዋእል ኣይንበርን - ጓዕጺጽካ ፍትሒ
ቦሎኽ ክብል’ዩ - ደላዪ ለውጢ
ተሓንጊጡ ሓቂ - ከስፍን ሕጊ
ብጎንጺ ዘይኮነስ - ብምዕቡል መንገዲ