ስውእቲ 

በጃ ሃገር - በጃ ክብረት በጃ ባሕሪ - በጃ መሬት
በጃ ሓድነት - በጃ ሰላም በጃ ዕብየት - በጃ ዲሞክራሲ
በጃ ልዑላውነት - በጃ ህዝቢ - በጃ መሰል - በጃ ሕጊ
 
ካብ ብጠጠውካ ሞት - መሪጽኪ መስዋእቲ
ሓንሳብ ንሓዋሩ - ከተብርሲ መግዛእቲ
ኣየ ትብዓት - ኣብ ጎኒ ሓውኺ
 
ሓቦ ጅግንነት - ዓለም ኣዛሪብኪ
ዝመጽእ ወለዶ - ቀሲኑ ክሓድር
ስክፍታ ዘይብሉ - ዓዱ ከመሓድር
 
ብልጽቲ ህይወትኪ - ኢልክያ ጆባእ
ኣብ ሓዊ ኣቲኺ - ከተጥፍኢ እሳት
ህዝቢ ክመሓደር - ብሕጊ ብስርዓት
 
ሕድሪ ገዲፍኪ - ንዝስዕቡ ብጾት
ሽግና በሪሃ - ከይትጠፍእ መታን
ውዕለትኪ ከቢድ’ዩ - ከመይ’ሉ ክኽፈል
 
ዘይትምለስ ትንፋስ - ብንዋቲ ናይ ዓለም
ከም ናትኪ ትብዓት - ይሃቦም ህሉዋት
ዕላማኺ ከፈጽሙ - ከተዕርፊ ቀሲንኪ
ዘልኣለማዊ ክብሪ - ንዓኺ ስውእቲ
ህያው ገድልኺ - ሓወልቲ’ዩ ነባሪ

*****************************

ስዉእ 

ሙዉቕ ዓራትካ - እንጀራ ኣዴኻ
ንድሕሪት ገዲፍካ - ከተድሕን ሃገርካ
ውሽጥኻ ሕሩር - ገጽካ ፍሽኽታ
ናይ ግድን ኮይንካ - መግዛእቲ ፈንፊንካ

ኩሉ ጠንጢንካ - ምቾት ናይ ከተማ
ምስጢርካ ዓቂብካ - ብግቡእ ከይተፋነኻ
በሊሕ ኣእምሮኻ - እቲ ብሩህ ተስፋኻ
ብትምህርቲ ብልጫ - ልዕሊ መሳቱኻ

ናፍቖት ስድራኻ - ኣብ መዓሙቕ ልብኻ
እታ እንኮ ህይወትካ - ንሃገርካ ኣወፊኻ
ንሙሉእ ናጽነት - ናይ ሓባር ዕላማ
ትንፋስካ ኣረኪብካ - ኣብሪህካያ ሽግና

ካብ ቀዳሞት ሕድሪ - ናይ ጽንዓት ለበዋ
ንዳሕረዎት ኣብነት - ይኹኖም  ኣርኣያ
ዝተረፉ ይግበሮም - ዓቀብቲ ሕድርኻ

ስስዐ ንዋቲ - ረብሓ ናይ ውልቂ
ምፍልላይ ወጊድ  - ተረከብቲ ሕድሪ
ዘየዕብሩ ቃልካ - ነዕጽምትኻ ክብሪ

********************************
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...