መቀጸልታ.....
ተካል ውላድ በየናይ መጸ
ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ረቢሽዎ
ንመንእሰይ ኣብ ጎዳጉዲ ኣሲፊርዎ
ንመንእሰይ ሸቃላይ ብዘይ ገንዘብ ገርዎ
ዓዲ ጀጋኑ ሕዛእቲ ተዃሉ ቀይርዎ
 
ሕጊ እንዳባ ሓዊ ኣንዲድዎ
ጥንታዊ ታሪኽና ነበረ ነበረ ገርዎ
ካብኡ ዘይሕሹ ሚኒስተራት ኣለዉዎ
ጥንታዊ ታሪክና ከጥፍእ ትም ኢሎም ይሪእይዎ
ኣባ ኣጎቲኖ እዚ ከይመጽእ እዮም ዝበሉ ቀድምዎ
 
ሓደ ጅግናዶ ተሳኢኑ ከም ስዉእ ኣብረሃም ተኽለ
ንጸረ ህዝቢ ዘብሎም እንታይ በዲለ
ጀጋኑ ስዋኣትና ዘኪረኩም በብራሃም ተክለ ኣቢለ
 
ጀጋኑና ተሰዊኦም ዲዮም ኩሎም
ንሶም ሓሊፎም ተላቢዮም
ሕድሪ ዝተቀበሉ ናበይ ኣቢሎም
ዶ ኣለዉ ኣዲቢዮም
 
ደሙ ዛሕዛሕ ከብልዎ ምስ ሓለውቱ
መንእሰይ ካብ በረኻ ነዓዱ ከኣቱ
ክወልድ ክዝምድ ከም ኣሕዋቱ
ዝተቃለሰ ህግድፍ ንቂሉ ነዓዱ ከኣቱ
ህዝቢ ባዑሉ ክመርጽ መራሕቱ
ሃገር ክማሓዳደር ብዋናታቱ
 
እዛ ሃገር መስዋእቲ ተኸፊልዋ
ስዋአቶም ዝረስዑ ስነ ጥበባዊያን አለዉዋ
 
አብራር ተቐማጢ አብ ጀርመን
ጀጋኑ መቃልስትኻ እኳ ታርኾም ኣይተነገረን
ኣብ ዳስ ህግድፍ ክትከይድ ትጽቢቶም ኣይነበረን
ንስኻ ይግባኣካ ነሩ ህዝቢ ክተባራብር
ናብ ልብኻ ተመለስ ታሪክ ስዉኣትካ ንገር
 
አኺሊሉ ተፎኖ ተቐማጢ አብ አመሪካ
በቲጡዑም ድምጽኻ ሰንስዪተይ እባ በል በጃኻ
ህግደፍ ክርዑድ ሰሚዑ ድምጽኻ
ስዋኣትካ ክኾርዑ በኣኻ
ምሳኻ ዝነበሩ መቃልስትኻ
በዓረር ጸላኢ ዝወደቁ ኣብ ጥቃኻ
 
ህግድፍ እንተዝጥዒዶ ምኸድካ ኣመሪካ
እንታይ ረኺብካ ናብ ህግድፍ ተመሊስካ
ናብ ልብኻ ተመለስ ዘክር ቡጾትካ
 
ሙሉጌታ ወዲ ዛግር ተቐማጢ አብ አመሪካ
ሕድሪ ስዋኣት እኮ ኣሎካ
ኣብ ክንዲ ዓገብስ ምስ ህግድፍ ወጊንካ
ናብ ልብካ ተመለስ ዓጽሞም ከይወግኣካ
 
ንስዋኣትካ ምጥላም የእቱ ናብ ጸላም
ደድሕሪ ህግደፍ ምኻድ ዝገደደ ሕማም
 
ስነ ጥበባዊያን ተባራበሩ ስዋኣትካም ዘክሩ
ዓዲ ጀጋኑ ትዋረድ አላ ብደም ዘይብሎም ተዃሉ
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራዊ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋአትና
ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍፍን ዓንገልቶምን
 
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...