እንታዎት እዮም እዞም ሰባት
ክጅምር ኣነ ክብል እታዎት ኢኹም
እንታዎት ኢኹም ንገሩና በጃኹም
ካበየናይ ፒላነት መጺኹም
እንታይ እዩ ዕላማኹም
የሕዋትና ዲኹም ጓናት
መልእኽቲኹም ድዩ ዘይተወደኤ
ጁባኹም ድዩ ዘይመልኤ
ዶገና ኣለኹም ዘይጠፍኤ
ዶ ኣለኹም ዝተሓብኤ
መን ምዃንኩም ኣሎ ጠፊኡና
ፈሊጥና ኣሎና ከም ዝናዓቁሙና
ክልተ ግዝየ ምስ ነባዑና
ዕልል እንዳበልና ስለ ዝተቀበልና
መሲሉና ደቀኖና
ማዓስ መሲሉና ከምዚ ትፈድዩና
ማዓስ መሲሉና ጸላእትና
ሰብ መስሉ አዛብእ መጺኡኩሙና
በሉ ሎምስ ተበጊስና አሎና
አለሊናኩም ሙኳንኩም ጸላእትና
አማን ባአማን ብዲልኹሙና
ካብዚ ሓሊፍኩም እንታይ ትደግሙና
እንተ ዋሓደ ዓሰርተ ሚሊዮን ምበጻሕና
ንስኻትኩም እተዘይትኾኒ መራሕትና
ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት መሪሕኩሙና
አብ ክንዲ ንበዝሕ መሊስና ዊሒድና
የለዉን ዲዮም ብህዝቢ ዝሓሙ
የለዉን ዲዮም ሕድሪ ዝተሸከሙ
ኣብ ዓድና ወልዕ ሰባዓታት ተደጊሙ
ኣዝጊቦም ዝጸንሑ ከም ሕስኽሊ ድሙ
በእቶም ሕድሪ ስዋኣት ዝጠለሙ
አቱም ህዝቢ በጃኹም ንሕሰብ
ንህግድፍ ምልጋስ አሎዎ መኽሰብ
ካብ ገዛ ክትሰርሑ ትብሉ ዘብዘብ
ብዛዕባ ገዛስ ጽባሕ ንላዘብ
ሕልሚ አሎኒ ተጠርኒፍና አንጻር ህግደፍ ክነእዊ
ህዝቢ ኤረትራ ተመስገን ኢሉ ክረዊ
ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤረትራ
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋአትና
ውድቀት ንጃንዳ ህግ
ካብ ሕድሪ ስዋአቱ ዘይጠለመ