መስከረም ሓደ:

ብሱሳን ሓደን መስከረም ሓደ
ሓፋሽ ህዝብና መሪሕ ወለደ።
 
መስከረም ሓደ:
ብመስከረም ሓደ፡ ቃልሲ ዝመስረቱ
ይፈልጥዎ ነይሮም፡ እሶም ከም ዝሞቱ
ሓዊ ተኣጉዱ፡ ረኸቡ ሰሓንቱ
ሰዓቦም ዝ-ጅግና፡ ኣሰር ኣያታቱ
ብዙሓት ሓሊፎም፡ ዓወት ክምእርቱ
መልእኽቲ ዝ-ሓፋሽ፡ ዓወት ከበርክቱ
በቲ እኩብ ድምር እወ!! ተዓዊቱ።
 
መስከረም ሓደ:
መስከረም ሓደ፡ ዘክሪ ደቅኺ
ኣውሊዔይ ናበሉ፡ ሓሊፎም ቅድሜኺ
እናተቐየርክስ፡ ስቅ ኢልኪ ሪኢኺ
ፍትሒ ተሳኢኑ፡ ኡኡኡኡይ... ኡሉ ህዝብኺ
እሱራት በዚሖም፡ ኣብ ማእከል ገዛኺ
ቅሳነት ስኢኑ፡ ዝ-ለዋህ ዜጋኺ
ንስደት መሪጹ፡ ክርሕቅ ካባኺ
ኣብ ባሕሪ ክጠልቅ፡ ኣይትሓፍርን ድኺ
ኣራዊት ዝበልዖም፡ የእውይሎም (ኡይይይ) በሊ ባዕልኺ
ንቡር ዘይረኸቡ ከምቲ እንዳቦኺ
ሓዲኡ ግበሪ፡  ርድእዮ ህዝብኺ
ባኒ ሞቑነን ኮይኑ፡  ጠምዩ ኮ ሕቕፎኺ
ሕጊ ተሳኢኑ፡ በዚሑ እንታዴኺ
ንዒ ተለመኒ  በጃኺ በጃኺ
እቲ ሕጊ ይጽደቅ፡  ዘርግሕዮ ባዕልኺ
ምርጫ ይገበር፡ ይመረጽ መራሒኺ
ቅሳነት ክረክብ ዝ-ተባዕ ዜጋኺ
እፎይታ ክረክብ፡ ዝ-ለዋህ ህዝብኺ።
 
መስከረም ሓደ፡
መስከረም ሓደ፡ ዓቢ እዩ ታሪኽኪ
ንዒ ተለመኒ፡  ቐድሲ ፍትሕኺ
ሰላም ፍጠርሉ፡ ዝ-ለዋህ ህዝብኺ
ከበሳይ ቖሎታይ፡ እንከይ ፈላለኺ
ዕላማኺ ይጽናዕ  ንሓድነት ህዝብኺ።
 
መስከረም ሓደ:
መስከረም ሓደ፡ ሓዲኡ ግበሪ
ለበዋ ጀጋኑና፡ ኣስፊሕኪ ዘክሪ
ስምረት እያ ነይራ ክምሕል ብፈጣሪ
እስከ ተርጉምዮ፡ ለበዋኦም ኣብ ግብሪ
ሓድነትና ይሰፍን፡ ክጠፍእ ኣድሓርሓሪ
ኣላጋጭ ኣይኮነን  ኣቦ ጅግና ክኹሪ
ኩሉ ሓርቢትዎ፡  ጸልሚትዎ ብቀትሪ
ሕጅስ ይኣክል  ይኣክል፡ በጃኺ ንለውጢ ጸዓሪ
ካብ ኩሉ ዝዓበየ፡  ኣደ ሓደ ኣይትኾሪ።
 
መስከረም ሓደ፡
ድሕሪ መሪር ቃልሲ፡ ሓፋሽ ተዓዊቱ
ብዉሑዳት ጠለምቲ፡ ኩሉ ተገቢቱ
ንዒ ተለመኒ፡  ሃብዮ ነናቱ
እሱር ይፈታሕ፡  ይናቢ ስድራ-ቤቱ
መንእሰይ ይመሃር፡  የዕሙቆ ፍልጠቱ
ውግእ ወረ ውግእ፡ ይጥፋእ ካብ ሰረቱ
እዚ መስርሕ ተበለጽቲ፡ ንሓፋሽ ሃውቲቱ
ዓቢ(ለባም)ገሪምዎ፡ ጠፊእዎ ብልሓቱ
ናብ መርገም ወዲቁ፡  እሳ እያ ክእለቱ።
 
መስከረም ሓደ፡
መስከረም ሓደ; ትሰምዒ ዶ ኣሎኺ
ኣብ ስደት ዘሎዉ: ብዙሓት ደቅኺ
ግዜ እኮ ነዊሑ ኣረ ከይንዕቁኺ
ኣስማቶም በዚሑ: ዝሕበኑ ብኣኺ
ስልጣን ዝዓዘሞም ኣነ ባ ዝብሉኺ
ዓገብ ዘይትብልዮም፡ ዝመናጩትኺ
ናብ ሓደ ዕላማ; ክምሩሹ ምሳኺ
ስኒት ፍጠርሎም: ከድሕኑ ህዝብኺ
ኣያ እኮ ስኢኑ: ዝ-ለዋህ ዜጋኺ።
 
መስከረም ሓደ፡
ተቓወምቲ ኣሎዉ: ብኣኺ ዝሕበኑ
ሓደ ዝዕላማ፡ ኣስማቶም በበይኑ
ምኽርኺ ሃብዮም: ብሓደ ክስጉሙ
ኩሎም ተኣኪቦም: ብሓደ ይሕለሙ
ነዚ ውጹዕ ህዝቢ: ካብ ጸላም ከድሕኑ
ምትሕንፋጥ ይትረፍ: ስራሕ ናይ ደማሙ
ዓቢዪ (ዓቢ-ጉዳይ) ኣሎ: ሃገር ከይትዓኑ
ምስላ ናይ ኣድጊ: ዘይጥዑም ምድጋሙ
ፈውሳ ሓድነት ያ: ንዑ ተለመኑ
 
(ስምረት ፡ ስምረት መጺኣ
ሓድነት፡ ሓድነት ጠጢዓ !!!)
 
እንተ ዝ-ሰምዑዎስ፡
ኩሎም ኩሎም ምስ  ሃደሙሙሙ።
 
“ንሕና ጀመርቱ ድኣ እምበር
ፈጸምቱ ኣይኮናን።”
 ኣሕመድ እድሪስ ዓዋተ።
 

ሰላምን ፍትሕን - በብዘሎናዮ ይስፈን፡
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ - ንስዉኣትና፡
መስከረም ሓደ ንዘልኣለም ትኽበር፡
 

“ስደት መልክዑ እምበር ሽሙ ኣይቅይርን እዩ
ካብ ስደት ንድሕነሉ እዋን ድማ ይሃምም ኣሎ።”
 

ብሓውኩም ወይ ውላድኩም
ሃብሮም ዮውሃንስ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...