“ሓሊፍዎ ንመንግስቱ”

ኣንታ እዚ መራሒና
ሕልፍ እምበር ኢልዎ ንመንግስቱ…
ጽባሕ ጕንበት እኮ’ዩ ከኽብር…
ዓሰርተ-ሸሞንተ ዓመቱ…

ኣንታ እዚ ገዛኢና…
ካን እምበር ቀዲምዎ ንመንግስቱ…
ጕንበት 24’ዩ እኮ ክኽብር
ጽምብል ሓርነቱ…

    ሙዃን ከኣ….

ቀበሌ ዶ ከይሰንፎ ንድኳን ርትዒ…
ዕራዒሮ ዶ ከይሓምቖ ንማሪያም ግቢ….
ውትድርና እውን ተሰምዩ ኣሎ ኣገልግሎት
ባርነት ዶ ከይንእሶ ነቲ ናጽነት…


እኽሊ ምስ ከልኤ ንሸመተ…
ትልኽ ይብል ኣሎ ዘይረሃጸሉ ቖፎ እንዳዘመተ…
ኣዕንቱ ኣፍጢጡ በዚሑ ዝዕመተ…
ገና ድማ ይዘልል ኣሎ ብደው እንዳሞተ…

ኣኽራናት ዓደይ ዕልል በሉ ዕልል በሉ
ጕንበትሲ መጺኣ ኣላ ብሓጎስ ደብሉ…

ኮረቢት ዓደይ ኣሰና በሉ ኣሰና በሉ
24 ደብኽ ኢላ ብሓጎስ ዝለሉ…

እንተ እቲ ሰብ እሞ
ሕጂ ዶ ደንጎላ ተመሲሉ…
ባርነቱ ክጽምብል….
ናጽነት ኣምሰልሲሉ…
 

ንምንታይ መራሒና ጠሊሙ እትብሉ
ንሱስ ዓስቢ ገድሉ’ዩ ዝቝርጥም ዘሎ
ደማሙ ኣኻኺቡ

ገዛኢና በዲሉ ኣይትበሉ…
ዘደየብኵሙሉ ወንበር ዶ
መውረዲ ትስእንሉ…

ኤርትራ ዓድና ዘይሓልፈላ
መንግስቱ እምበር ተኺላ
መንግስቱ ኣባሪራ…

 “ ሉዑላዊነት ሃገር ብዘይ ሉዑላዊት ሕዝቢ ትርጕም ኣልቦ’ዩ”

ኪሮስ ዮውሃንስ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...