Sidebar

ኣበይ ይሎ እቲ ኒሕን ሓቦን ሕልናን ኣብቛባቝን ኤርትራውያን

ኒሕ

ኒሕ ኤርትራውያን ኣበይ ኣሎ
 ህዝብና ስኢኑ ኣጆኻ ዝብሎ
 ካብ ሎሚ ዝኸፍእ ምኣስ ኣሎ
 እንተ ሓተተካስ እንታይ ትብሎ
 ንዑ ሓደ ኰና ንድለ መልሲ እንተሎ

ሓቦ

ሓቦዶ የላንያ ከም ቀደማ
 ጀጋኑዶ ምስኦም ቀቢርማ
 ወይስ ኣምኪኹዋ ጽሓይ ሃሮርማ
ነጻነት ኣረኪባትና እኮ ሃዲማ
 ሕሰምና ከቢዱ ዘራዪ ስኢና

ሕልና

ኣበይ ኢዩ ጠፊኡ ዘይጽንቀቕ ሕልና
ኣንጻር ጸላኢኡ ዝወፈረ ጅግና
 ብተንኮል ጠፊኡ ከይቀበርና
ዘብን ገበል ኮይኑ ፍጹም ሓሲሙና
ኣውያትን ሜላትን ኮይኑ ኣብ ዓድና
ተኣውጁ ግህሰት ናይ ጥፍኣትና
 መታኾሲ ክኸውን’ዩ ገዳማትና 

ኣባቋባቊ

ኣባቛባቊ ኔሩ ኣዳናጋጽ
ኣይነበረን በሕዋትካ ምልጋጽ
እዞም ኣብ ነቓዕና ኣትዮም ዘላግጹ
 ከማና ዘፍጥጡ እንተዝመጹ
 ባዕሎም እኮ ብሕጓ ምወጹ
ሓደ ዘይምዃና ኣላጊጹ

 በላይ መስፍን ጀርመን

 


  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...