ኣብ ኤርትራ፡ እቲ መራሕ-ሃገር ወትሩ ከየባተኸ ቄናን

ህዝበይ። ልቢ በሉ። ገዛእ-ነብሳትኩምን ጸላኢኹምን ፍለጡ። ንተጻይኩም ድማ ከም ጸላኢኹም ንምጥንቋር ስኽፍ ኣይበልኩም። እሙንነትና ንኤርትራ ደጊምና እነረጋግጸለን መዓልታት፡ መዓልቲ ናጽነትን ስዒባ እትመጽእ መዓልቲ ሰማእታትን እየን። እዚ መስርዕ መዓልታት ዕጫ ኤርትራ ከመይ ከምዝኸውን ዝኣመተ ትእምርቲ እዩ ዝመስል፣ ትእምርቲ ናይታ መስዋእቲ ከፊላ ናጽነት ዝተጓናጸፈት፡ ግን ከኣ ክሳዕ ለይተ ሎሚ ህዝባዊ ልዑላውነት ዘየረጋገጸት ሃገርና። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቡርኪናፋሶ፡ ጉያና፡ ቶጎን       ዝኣመሰላ ንሰማእታተን ድሕሪ ጽንብል ናጽነተን ዝዝክራ ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ እያ። ከም ኤርትራ ገይራ ግን ንጽንብል ናጽነትን ንዝክር ሰማእታትን ኣብ ዝተቐራረባ መዓልታታ እተብዕል ሃገር የላን። በቲ ኣብ ኤርትራ ንበይኑ ዝገዝእ ፖለቲካዊ ውድብ ህግደፍ እናተመርሐት ድማ  ካብ ናይ ፈንጠዝያ ትርሺ ናብ ናይ ዝኽሪ ጥዋፍ ከመ ቕጽበት ትሰጋገር። መዓልቲ ናጽነት ንምጽንባል፡ ንዕኡ ዝተኸፍለ ዋጋ ምዝካር ግዲ እዩ። ክልተኡ መዓልታት ናጽነትን ሰማእታትን ቀልዲ ኣይኰነን። ንፍረ ናይቲ ንርእሰ-ውሳነ ዝተኻየደ ገድሊን ንዕኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ምጽንባልን ምኽባርን ናይ እማን ነገር እዩ። ባህርያቶም ስለ ዝዀነን ንረብሓኦም ስለ ዘገልግልን ግን፡ እቶም ንኤርትራ ዝገዝኡ ዘለዉ ባንዳ ሰነፋትን ጒራቌንን ንናጽነት ካብ ሓርነት ብምንጻል ንመስዋእትነት ድማ ምስ ድስቡጣነትን ምልክን ብምትእስሳር፡ ነዘን ክቡራት መዓልታት ከርክስወን ነይርዎም። እቲ ሓቀይና ትርጕም ናይዘን ክልተ ዕለታት ንምምላስ ሓደ መንገዲ ጥራይ እዩ ዘሎ። ሓሳብ ኣለኒ፣ ስዓቡኒ።

ዘለናዮ ዓመት፡ ዓመተ-2000 ሓባራዊ መዋእል ኣይኰነን፣ ኣብ 2020 ሓባራዊ መዋእል ኢና ዘሎና። ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ከምቲ ንሓደስቲ መንግስታት እግሪ ክሳብ ዝተኽሉ ብኣሻላሻል እናረኣኻን ጌጋኦም ንጽቡቕ እናሃብካን መድሎ ግዜ ዝህብ እዋን ሕጽኖት ኣይኰነን ዝርከብ ዘሎ። እቲ ምንታይሲ ን29 ዓመት ክገዝእ ዝጸንሐ መንግስቲ እዩ። እዚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ ብኸመይን ስለምንታይን እዩ ከም ወትሩ በትረ ስልጣኑ ድልዱልን ጽኑዕን ኰይኑ ዝርከብ ዘሎ? እዚ መሰረታዊ ዛዕባ፡ ልሂቃን ጥራይ ዝርድእዎ ዝተጠናነገ ጕዳይ ኣይኰነን። ከም ወዮ ሳንጹ ዝበሃል ቺናዊ ኣብቲ “ጥበብ ኲናት” ዝብል መጽሓፉ ዝበሎ፡ “ንገዛእ ነብስኻን ጸላኢኻን እንድሕር ፈሊጥካ፡ ዋላ’ውን ሚእቲ ውግኣት እንተገጠምካ ብዓወትካ ሓንቲ’ኳ ኣይትጠራጠር። ገዛእ ነብስኻ ፈሊጥካ ጸላኢኻ እንተዘይፈሊጥካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዓወትካ ዝምጥን ስዕረት ክትጉልበብ ኢኻ። ንገዛእ ነብስኻ ይዅን ንጸላኢኻ እንድሕር ዘይፈሊጥካ ድማ ኣብ ነብሲ ወከፍ ውግእ ካባ ስዕረት ክትጉልበብ ኢኻ።”

ንሕና ይትረፍ ንጸላኢና ንገዛእ ነብስና’ውን ብግቡእ እንፈልጥ ኣይመስለንን።

1. ንሕና መን ኢና?

ንሕና መን ኢና? ንሕና ፍቕድና ብዙሕ፡ ኣጠማምታና ዝተፈላለየ፡ ግን ከኣ ዘይተቓነና፡ ብዝተፈላለየ ሞገዳዊ ዋሕዚ እነንበድብድ፡ ዋዕ በሃልቲ፡ እለሻ ፍትሒ ዘተኣሳስረና ኤርትራውያን ኢና። ምናልባት ፍትሒ ብጭቡጥ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝውሃብ ምላሽ ዘይንሰምር ክንከውን ንኽእል ኢና። ኢፍትሓውነት እንታይ ምዃኑ ግን ኣርጢብና እንፈልጦ ነገር እዩ። ኢፍትሓውነትስ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ህይወትካ ብሓርነትን ብዝመሰለካን ክትውድብን ክትምድብን ዘኽእለካ ውልቃዊ ሓርነታት ክቕንጥኦ እንከሎ እዩ። ንሕና ኣንጻር ኢፍትሓውነት ዝቘምና ግንባር ኢና። ንሕና ህዝባዊ ግንባር ንፍትሒ ኤርትራ ኢና። ንሕና ግንባር ህዝባዊ ልዑላውነት ኢና። ንሕና ይኣክላውያን ኢና። ንሕና እዚ ኢና።

2. እቲ ጸላኢ

ጸላኢና መን’ዩ? ጸላእትና መን’ዮም? ከላልየኩም ጽን በሉኒ። ንገዛእ ደቂ ሃገርካ ጸላእቲ ኢልካ ምርቛሕስ ከቢድ ፍርዲ ምውራድ’ዶ ኣይከውንን ዝብሉ ኣይክስኣኑን እዮም። እንታይ ማለት ምዃነይ ቅሩብ ከብርህ። ንባርነት ህዝብና ምጽዋር ሓሊፍዎ ብንጥፈት ዝድግፍ ሰብ እንታይ ምበልኩምዎ? ብዛዕባ ንኣማእት ኣሽሓት ስድራቤታት ዝጸሉ ዘይሕጋዊ ሽርበትን ምምቋሕን ኣሽሓት ኤርትራውያን ሰሚዓ ግዲ ከይገበረት መንኩባ ሰቀጥ ‘ተብል ሰብ እንታይ ምበልኩማ? ኣሽሓት ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ፈቘዶ ሃገራት ክፈልሱ ርእዩ ዝሓሸ መነባብሮ ደልዮም ዝተሰዱ ናይ ‘ቁጠባ ስደኛታት’ እናበለ ዝግዕር ኤርትራዊ፡ መንነቶም ገፊፉ ሱዳናውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሰኔጋላውያን፡ ሶማልያውያን ኢሉ ዝረቝሖምን ሰብ እንታይ ምበልክንኦ? ንምስክርነት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀና ኤርትራውያን ሰሚዑ ከም ሓሰውቲ ዝጥቅነን ሰብ እንታይ ምሰመኹምዎ? ደቃ ኣብ ዝምሽዎም ቦታ ሓቢኣ ደቂማታ ግን ኣብ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክበልዩ እናረኣየት “ሃገራዊ ግቡኦም እዮም ዝገብሩ ዘለዉ” ትብል መላገጺት እንታይ ምበልኩማ? ከምዚ ዝበሉ ሰባት’ዮም ጸላእትና። ጸላእትና ንፍለጥ! ነዞም ሰባት ከም ጸላእቲ ክንፈልጦም ዘድልየና ስለ ክንጸልኦም ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ዕላማና ከነነጽር ምእንቲ’ዩ። ዕላማና ንጸላእትና ናብ መደብና ክንጽንብር ወይስ ምስኦም ክንትዓረቕ ኣይኰነን። ዕላማና ፍጹም ስዩም ከነብሎምን ክንስዕሮምን እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ጸላእትና ሓደው ከዕግቡና ንሱ ተተረፈ ድማ ክዕረቝና ኣይኰነን መደቦም። መደቦምሲ፡ ክስዕሩናን ካብ ገጽ ምድሪ ብጥራስ ከጥፍኡናን እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ክንስዕሮም ዘድልየና።

3. እቲ ጸላኢ እንታይ’ዝኣምን

እቲ ጸላኢ ከደናግረና፡ ክዘንበና፡ ክሽሕጠናን ምእንቲ “መንግስቲ ኤርትራ” “ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን” “ህግደፍ” “መንሰያት ህግደፍ” “ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ” “ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ”ን ከምኡ ዝበሉ ካልኦት ቁዉም-ነገር ዘለዎም ዝመስሉ ዝተፈላለዩ ውድባዊ ኣስማት ይጥቀም እዩ። እቲ ኣውራ ስም እቲ ጸላኢና ግን ንንንን (ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና) እዩ። ዎ ተጋደልቲ ፍትሒ! ኢሳይያስ፡ ኣርድእቲ-ኢሳይያስ፡ ደቂቀ-ኢሳይያስ (ንንንን) ኢሳይያሳውነትን እዮም ጸላእትኹም/ጸላእትኽን። ዎ ተጋደልቲ ፍትሒ! ጸላኢኹም ህግደፍ ኣይኰነን። ህግደፍስ ብዘይካ ስሙ ዝተረፎ ዘይብሉ ዝሞተ ግንባር እዩ። ዎ ተጋደልቲ ፍትሒ! ጸላኢኹም መንግስቲ ኤርትራ ኣይኰነን። መንግስቲ ኤርትራስ እንትርፎ ስም ዝተረፎ ዘይብሉ ኣስካሬን’ዩ። እቲ ጸላኢ ኢሳይያሳውነት እዩ። ንኢሳይያስ፡ ንኣርድእቲ-ኢሳይያስ፡ ንደቂቀ-ኢሳይያስን ኢሳይያሳውነትን ጸላእቲ ክብሎም እንከለኹ ስለ ክትጸልእዎም ኢለ ኣይኰንኩን። ስለ ስዩም ከተብልዎምን ሓሳባቶም ምሒኹም ክትድርብይዎን ኢለ እየ። ነቶም ዝተደናገሩ ወይስ ዘይፈልጡ ኣዕጊብኩም ክትከስብዎም ትኽእሉ ኢኹም። ነቶም ዘንቀዱ ግን ክትስዕርዎም እዩ ዘለኩም። ክትፈርህዎም ኣየድልየኩምን እዩ። ንሳቶም እዮም ዝፈርሕኹም። ብብዝሕኹምን ሓይልኹም ስለ ዝርዕዱ እዮም ከም ጃጀውቲ ዝገጥሙ። ስለ ዝፈርሑ’ዮም ብኽፉት ክትዕ ተማጒቶም ክረትዑ ፍጹም ዘይፍትኑ። ስለ ዝፈርሑ’ዮም ንዝኸሰስዎም ናብ ፍርዲ ዘየቕርቡ። ከም ጃጀውቲ ዝባን ጸላእቶም ተሞኽልዮም ምውጋእ ጥራይ’ዮም ዝኽእሉ። እቲ ዝፈርሕኹም ኣባኹም ኣስኪኡ ዘሎ ተኽእሎ ጋህዲ ክትገብርዎ ከም ትኽእሉ ስለ ዝፈልጡ’ዮም። ንኣርድእቲ-ኢሳይያስ፡ ንደቂቀ-ኢሳይያስ ምስይጣኖም’ውን ኣየድልየኩምን እዩ። ኣርድእቲ-ኢሳይያስ፡ ደቂቀ-ኢሳይያስ ኣምለኽቲ-ኢሳይያስ ኣእምሮኦም ጥዑይ እንተዀነ ዘገርም ኣይኰነን። ሃና ኣረንት ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ኣግነብናቢ ግፍዒ ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ በቲ banality of evil ዝብል ኣምራ ካብ ተስተምህረና መዋእል ኰይኑ እዩ። ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና (ንንንን) ዝዀነ ዝእመንሉን ዝቘምሉን ቻርተር፡ ቅዋም፡ ሕግታት፡ መትከላት የብሎምን። እታ እንኮ ቀደም ትዅን ሕጂን መጻእን ዝፈልጡዋ ነገር እንተላ ኢሳይያስ ዝበሎን ዝገብሮን ወትሩ ቅኑዕ ምዃኑ እያ። ከም ወዮም ፋሽስታ ኢጣልያ “ኤል ዱቸ/ እቲ ሓለቃ ወትሩ ቅኑዕ’ዩ” ዝብሉ ዝነበሩ፡ ኣርድእቲ-ኢሳይያስ፡ ደቂቀ-ኢሳይያስ ኣምለኽቲ ኢሳይያስ ድማ ሓለቓኦም ወትሩ ቕኑዕ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ድማ ንኣርድእቲ-ኢሳይያስ ንደቂቀ-ኢሳይያስ ንኣምለኽቲ ኢሳይያስ ብተርታ ወይስ ኣብ ሓደ እዋን ተቓራኒ ሓሳባትን መግለጺታትን ምሓዝ ተራ ወግዒ እዩ። ንተቓረንቲ ሓሳባት ኣብ ሓደ እዋን እሙን ኴንካ ምርካብ፡ ምውቓዕ ልቦና ከይፈጥረሎም ኣይፈርሁን እዮም።

3.1 ኣርድእቲን ኣምለኽቲን ኢሳይያስ እቲ ሓለቓኦም ንደረጃ ናብራ ኤርትራውያን ፍጹም ኣመሓዪሸዮ እየ እንተበለ ቅኑዕ እዩ። መንግስቱ ኣብ ብዙሕ መዳያት ልምዓት ፍጹም ከም ዝፈሸለ እንተነግረ እውን ቅኑዕ እዩ።

3.2. ኢሳይያስ ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል ኢትዮጵያ ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክሳብ ዘይወጸት ብፍጹም ዝምድና ክህልወና ኣይኰነን እንተበለ ቅኑዕ እዩ። እዚ ጉዳይ ቀዳምነትና ኣይኰነን፡ ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል ቀዳምነትና መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክረግእን ክድልድልን እዩ እንተበለ’ውን ቅኑዕ እዩ።

3.3. ዞባና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክረግእ ምእንቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣገዳሲት ሓይሊ እያ ኢሉ እንተመጎተ ቕኑዕ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣውራ ዘርጊ እያ እንተበለ እውን ቅኑዕ እዩ።

3.4. ሃገርና ብዙሕነት ሰልፍታት ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ሃገር ክትከውን እያ እንተበለ ሰናይ በለ። ያእ! ብዘይካ ንህግደፍ ንኻልእ ፖለቲካዊ ማሕበር ዝኸውን ቦታ የለን እንተበለ’ውን ግርም በለ።

3.5. ኤርትራ ካብ ባድመ ፍጹም ኣይክትወጽ እን እያ፣ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ባድመ ኣይከተልቅቐናን እያ እንተበለ ቕኑዕ በለ። ባድመ ኣገዳሲት ኣይኰነትን እንተበለ’ውን ቅኑዕ በለ።

3.6. ኤርትራ ዝዀነት ትዅን ናይ ባዕዲ ሓይሊ ኣብ መሬታ፡ ወደባታ፡ ክልላዊ ኣየራ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኩን ኣይክትፈቅድን እያ እንተበለ ቅኑዕ በለ። ንስለ ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ መዓስከር እንተሃበ’ውን ቅኑዕ ገበረ።

3.7. ኣያቶላህ ኾመይኒ ንስለ ዓወት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ጁምዓ ጁምዓ ዱዓ ይገብር ስለ ዝነበረ ኢራን ናይ ኤርትራ መሓዛ እያ እንተበለ ኣይተጋገየን። ቐጠር ምስ ጅቡቲ ዝነበረና ናይ ዶብ ግጭት መንጎኛ ኰይና ክሳብ ክትዓርቀና እምንቲ ዝዀነት በዓልቲ ውዕለትና እያ እንተበለ ቅኑዕ በለ። ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኰይኑ ንኢራን ሹት እንተበለን ከም ቀንዲ ጸላኢት እንተጠቀነን’ውን ቕኑዕ ገበረ። ቐጠር ንኤርትራ ንምንዓብ ከይደቀሰት እትሓድር ናይ ጥንቲ ጸላኢት’ያ እንተበለ’ውን ቅኑዕ በለ።

3.8 ኢትዮጲያ ገረድ ዝተባህለ ግድብ ክትሰርሕ ምፍታና ዘይክውንነታዊ ፕሮጀክት ኢዩ፡ እንዱስትርያዊ ፓርክ እውን ዘይከውን ሕልሚ ኢዩ’ ምባሉ ቅኑዕ ኢዩ፡ ተመሊሱ ነቲ እንዱስትርያዊ ፓርክ ምንኣድን ‘ኣብነት ንኤርትራ ኢዮም’ ምባልን እውን ቅኑዕ ኢዩ።

3.9 እቲ ናይ 1998 ፡ 1999 ብይን ደሴታት ሓኒሽ ክንቅበል ኢና ምባሉ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ፡ ሕጂ ተመሊሱ እቲ ብይን ‘ኮነ ኢልካ ዘላቒ ግጭት ንምእታው ዝተማህዘ ኢዩ’ ምባሉ ቅኑዕ ኢዩ።

3.10. ኣብ ሶማል ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ብዙሕነት የለን፡ ዝተፈላለዩ ሰብ ጉዳይ ኣብ ገዛእ ጉዳዮም ተዋሲኖም ኣለዉ ኢሉ እንተልቀሰን ንስለ ኣብዘን ሃገራት ዝተሃመሹ ጕጅለታት ኣቤት እንተበለን ቅኑዕ እዩ። ንኤርትራውያን ካብ ገዛእ ጕዳዮም እንተገለለን እንተጓነየን እውን ቅኑዕ እዩ።

እቲ መራሒ ወትሩ ቅኑዕ እዩ። ሓደ ነገር ክኸውን “ይዅን” ምባል ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ክውንነት እቲ ንሱ ክውን ዝበሎ እዩ። ካልእ ክውንነት የለን። ሓደ ሰብ ሓርበኛ፡ መሓዛ ዝኸውን እቲ መራሒ ሓርበኛ ወይ መሓዛ እንተበሎ እዩ። ሓደ ሰብ ከዳዕ፡ ጸላእ ህዝብን መንግስትን ዝኸውን ድማ እቲ መራሒ ከዳዕን ጸላእ ህዝብን መንግስትን ምስ ዝብሎ እዩ።

4. ንጸላኢ ብኸመይ ንቃለሶ

4.1  ጸላእትኻ ፍለጥ። ጸላእትኻ ኢሳይያስ (እቲ ሰብ)፡ ኢሳይያሳውነት (እቲ ሓሳብ)፣ ኢሳይያሳውያን (ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና) እዮም። እዞም ጸላእቲ ክሳብ ዝሃለዉ፡ ኤርትራን (መሬታን ህዝባን) ንቡር ህይወትን ክህልዉ ኣይኰኑን። ንቡር ህይወት ክብል ከለኹ ወለዶታት ኤርትራ ከይተኸላበቱ፡ ከይተመዝመዙ፡ ብምሾትን ብውሕስነትን ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ክኽእሉ እንከለዉ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ኤርትራ ብምሾትን ብውሕስነትን ትነብር ዘላ ስድራ፡ ስድራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ጥራይ እያ።

4.2  ዕላማኻ ኣለሊ። ዕላማኻ ንኢሳይያስ ንኢሳይያሳውነትን ኣርድእትን ኣምለኽትን ኢሳይያስ ምስዓር እዩ። ዕላማኻ ምስኣቶም ምትዕራቕ ኣይኰነን። ዕላማኻ ምስኣቶም ተጎራቢትካ ምንባር ኣይኰነን። ዕላማኻ ፍጹም ምስዓሮም እዩ።

4.3  ሜላኻን ስትራተጂኻን ኣለሊ። ፖለቲካ ናይ ጋንታ ዕዮ እምበር፡ በይንኻ ዝዕየ ኣይኰነን። ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ፍትሒ ተጸንበር። ንበይንኻ እናዓየኻ ውጽኢት ዘይተረኽበ ኢልካ ክትጣራዕ ኣይትኽልን ኢኻ።

4.4 ንህዝብና ፍለጦ፣ ልቢ በል። ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ሓረግ ክትሰምዕ እንከለኻ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኰይኖም ስእሊ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዘለዎ ማልያ ለቢሶም ባንዴራ ኣብ ኣራእሶም ጠምጢሞም ኣብ ዝባኖም ተጎልቢቦም ዝስለፉ ከይመስሉኻ። ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝኽርትቱ ዘለው እልቢ ዘይብሎም ሰባት፣ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቐፊዶም ዘለዉ ኤርትራውያንን ስድራቤቶምን፣ እቶም ሓምለ-መምሊ እናሸቀጡ ናብራ ከካውኑ ሕሰሞም ዝጸግቡ ዘለዉ ወለዲ ሰማእታት፣ ስድራ ናይቶም ኣበይ ኣለዉ ዘይብሃሉ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝተሸርቡ ዜጋታት፣ እቶም ዓሳ ገፊፎም ከይናበሩ ዝተኸልከሉ ደቂ ብሄረ ዓፈር፣ እቶም ካብ መሬቶም ተበርቊቘም ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ብሄረ ዅናማ፣ ኵሉ’ቲ ኣብ ትሕቲ ቐጻሊ ራዕድን ሽበራን ዝነብር ሓፋሽ ህዝብናን እዩ – ህዝቢ ኤርትራ።

4.5  ኣይፋል ንምባል ሓይለ-ፍቓድ ይሃልኻ። ሓባራዊ ግንባር ምምስራት ማለት፡ ነቶም ንኤርትራ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ከእትዉ ወይ ድማ ናብ ማእከላይ ዘመን ክመልሱ ዝደልዩ ውልቀሰባትን ትካላትን ማሕበራትን ምሕቋፍ ማለት ኣይኰነን።

4.6  ንውድባዊ ዲሲፕሊን ምእዙዝ ኵን። እዚ ማለት ኣባል ሓደ ንፍትሒ ዝቃለስ ውድብ እንተድኣ ኴንካ ዋላ’ውን ንዘይትሰማምዓሉ ውሳነታት ውድብ ምእዙዝ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ክትገብር ግን እቲ ውድብ ብቻርተሩ ዝቕየድ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

4.7  ትካላውነት ተቐበል። እዚ እንኮላይ ነተን ብኢሳይያስን ኢሳይያሳውያንን ተጨውየን ዘለዋ ሃገራውያን ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ኣብያተ-ፍርዲን ማዕከናት ዜናን የጠቓልል።

4.8. ንህግደፍ ከም ውድብ ኣይትጽልኣዮ ወይ ኣይትቀፈፎ። ብዝከኣለካ ሰርስሮን ውረሶን።

4.9 ብግዲ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይዅን ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ትዓዪ እንተሊኻ ከተተግብሮ ዝወሃበካ መደብ ንሃገርዶ ወይስ ንኢሳይያስ እዩ ዘገልግል ኢልካ ኵሉ ሳዕ ሕተተ። ንኢሳይያስ ዘገልግል እንተዀይኑ ዓንቅፎ።

4.10. ኢሳይያስ ነዊሕ ናይ ዕንደራን ዂናትን ታሪኽ እዩ ዘለዎ። ኲናት ሓንሽ፡ ኲናት ባድመ፡ ኲናት ኮንጎ፡ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን፡ ኲናት ሕድሕድ ሶማልያ፡ ውግእ ዶብ ጅቡቲ፡ ኲናት ሕድሕድ የመን ወዘተ። ስለዚ፡ ዝዀነ ንምክልኻል ሃገር ጉልባብ ገይሩ ንሓድሽ ኲናት ዝጽውዕ ዲስኩራት ብጥርጣረ ተዓዘቦ።

4.11. ንኢሳይያስ ከም ዘርጊ ምስ ዝቘጽራኦ ሃገራትን ውድባትን ኪዳናትን ምሕዝነታትን መስርት።

4.12. ካብ ታሪኽካ ተመሃር። ቅድሚ ኢሳይያስ ህይወት ነይሩ እዩ። ኢሳይያስ ድሕሪ ምስዓሩ ድማ ህይወት ክህሉ እዩ።

4.13. ክትመርሕን ሃገር ከተማሕድርን ሕልሚ ክህልወካ ኣይትፍራሕ። ከም ኤርትራዊ ዜጋ ከምዚ ዝበለ ነገራት ክትሓልምን ክትከውንን መሰልካ እዩ። እዚ ምዃን ካብ ኢሳይያሳውያን ባርኾትን ቅብኣን ትደልየሉ ኣይኰነን።

4.14. ኣንጻር ሓደ ነገር ክትከውን ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። ንሓደ ነገር ክትቀውም ኣለካ። ፍትሓዊት፡ ናጻ፡ ብነብሳ እትምሓደር፡ ምስ ነብሳን ጐረባብታን ብሰላም እትነብር ኤርትራ ናይ ምምስራት ራእይ ኵሉ ወትሩ ምንጪ ድሪኺትካ ግበሮ።

ሎሚ፡ መዓልቲ ናጽነትን ሰማእታትን እቲ ቀንዲ ትርጕመንን ርዝነተንን ጠፊኡ ንናይ ኢሳይያስ ጸወታ ህዝባዊ ርክባት ኣብ ምግልጋል እየን ተደሪተን ዘለዋ። ካብ ምልክን ባርነትን ነጺልና ምስ መዓልቲ ቅዋምን መዓልቲ ረፑብሊክ ኤርትራን ጸንቢርና ክብረን ንመልሰሉ እዋን ግድን ክመጽእ እዩ። ንኢሳይያስን ኢሳይያሳውነትን ኢሳይያሳውያንን ስዩም ምስ ኣበልናዮም!

++
ምንጪ: ሳልሕ ዩኑስ ብእንግሊዝኛ ዘስፈሮ “In Eritrea, The Leader Is Always Wrong”
 

ተርጓሚ: ሳሙኤል ኣማሃ