September 7, 2018

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ። ኽቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም?  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስግን ብዘይካ ዝተሓዋወሰ ስሚዒት ናይ ጓህን፡ ተስፋን፡ ሓጎስን ኣብ ልበይ ምፍርራቅ እግዚኣብሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ።

እምባኣር ሎሚ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደከን” ዝበል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ፡

ክቡር ደጃዝማች ኣስፋሃ ወልደሚካኤል እንታይ ኢሎም ይብሃል፡ “እንተዘከርካዮ ከም ባዓል ዓሶ የንቀጥቅጠካ፡ ዘይምዝካሩ ድማ ትመርጽ፡ እንተኾነ ታሪኽ እዩ’ሞ ክዝከር ኣለዎ”።  ንሕና ድማ ዘሕለፍናዮን ንሓልፎን ዘለናን ከም ባዓል ዓሶ ምንቅጥቃጥ ዘይኮነስ፡ ዘስካሕክሕ ክሳብ ሰብ ሙዃንካ ዘጽልእ’ዩ። እምበኣር  ክንገረኩም፡ ዘጉህየኒ እንታይ’ዩ  ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈተዎን ዝኣሚኖን፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኮነ ክልተ ሰለስት ጊዜውን በቲ ቅዋም መሰረት ምተመርጸ፡ ዲክተይተር ኮይኑ መዋዳድርድቲ ዘይብላ ሓንቲ ፓርቲ - ከምዚ ናይ ባዓል ሲንጋፖር - ገይሩ’ውን እታ ስልጣኑ ሒዙ፡ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ በብዓይነተን ዩኒቨርሲታት - ናይ ሕርሻ፡ ናይ ሕክምና፡ ኢንጂነርን  መሃንዲስነት፡  ንግድን ዘኣማሳሰለ፡ ኣብ ኩለን ኣዋራጃታት  ተኺፊቱ፡ ተማሃራይ፡ ከከም እቲ ድልየቱን ዝንባሊኡን ተማሂሩ፡ ብሕልፊ ንደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ቆላሕታ ተገይሩለን -- እወ  ደቂ ኣንስትዮ እተን ጽባሕ ንግሆ ኣደታትን፡ መራሕቲ ኩባንያታትን፡ ሃገርን ክኾና ዝኽእላ፡ ሀገር ዝመርሑ ድማ ዘዕብያ --  ንሓድ ሰብ ናይ ክልተ ሰለስተ ቦታ ኽሐርየሉ ዝኽእል ስራሕ እንተዝህሉ፡ ከተማታትና ዘለዋ እንተዝሕደሳ፡ ሓደስቲ ድማ እንተዝስርሓ፡ ቁሸታትና፡ ከምዚ ሕጂ ዘይኮነስ ምዕቡል ኣጋባብ ሕርሻ ኮይኑ ሓረስታይ ሪህይዎ፡ ንዑኡ ጸጊቡ፡ ንመላእ ሀገር ኣጽጊቡ፡ ኣብ ዓለም ምህርቱ እንተዝሽየጥ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ኣብ ፈተና ብልሽውና ከይኣቱ ጽቡቅ ደሞዝ ተዋሂብዎ በቲ ሞይኡ ክእልቱ እንተዝሰርሕ፡ ወታሃደር፡ ወዳባትና ዓቅለን ክሳብ ዝጸበን እንተዝስርሓ፡ ባህርያዊ ሃብትና ወነንቱ ንሕና ኮይንና  እንተንጠቀመሉ፡ ሰብ ተሚሂሩ፡ ሰሪሑ ክዕበስ ዘይኮነስ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምምርማርን ዕድል እንተዝህሉ፡ ማለት ብሓፈሻ ኣዛራርባ መሰል ኤርትራዊ እንተዝኽበር ክንደይ ባህታን ሓጎስን፡ ራህዋን ብልጽግናን ምኾነ! ኤርትራ ከምቲ ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ከም በዓል ባቡ ናይ ታንዛንያ “ኣብ ኤርትራ ቀንዴል ተወሊዓ ኣላ፡ ኪዱ ብሱዳን ኣቢልኩም ስቱኽ ኢልኩም ርኣዩዋ” ዝብሉ ዝንበሩ፡ ድሓሪ ነጽነት ድማ እታ ቀንዴል ፋኖስ ኮይና፡ ኤርትራ ንርእሳ ኣኽቢራ፡ ሰላም ሰፊንዋ፡ ስኒት ምስ ኩለን ጎረባብታ፡ ጌይራ ሕድሪ ስዋኣታ - ካብ ሓምሳታት ኣቢሎም ጅሚሮም ዝተሰዉኡ - ተኽቢሩ፡ ተስፋ ንኣፍሪቃ፡ ኣድንቆት ናይ ዓለም ኮይና፡  መሊቁካ ዘይኮነስ ብዘመናዊ መጓዓዓዚ ብኣየርን ብባሕርን፡  ኣቢልኩም ርኣይዋ ምተባህለ።  ኢሳያስ፡ ክልተ ሰልስቲ ጊዜ ተመሪጹ፡ ብዙሓት ፓርቲታት ክቆማ ፈቂዱ፡ ፍጹም ዲሞክራሲ ገይሩ እንተዝገድፎ፡ በቲ ሰላም እምበር ስልጣን ክሳብ ክንድዚ ዘይገድሶ ዝነበረ ህዝቢ ክንደይ ምኸበረ፡ ታሪኹ ድማ ካብ ወለዶ ንወለዶ ምተሓላለፈ። ግን፡ ሕሪሕራይ ጌሩ ጠሊሙ! እቲ ጠገለ ዘይብሉ ህርፋን ስልጣን፡ ሓደ ስርዓት ከም ድላዩ ገይሩ ዝመልኮን ዝጠዋውዮን - ብስም ህግደፍ ዝፍለጥ -  ፈጢሩ፡ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ጭካኔ፡ ስቃይ ሰብ ከም ጓይላ ደም ሰብ ከም ጸባ ገይሩ ኣውሲድዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ገጹ የእትይዎ። ስለዚ እቲ ዘሕዝነኒ ዝበልክዎ ኢሳያስ ጽቡቅ ክገብር ዕድል ከለዎ ከምዚ ምዃኑ’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ከቢድ ሳዕቤን፡ ናይ ሰብ ዘይተኣደነ ህልቂትን ናይ ኤኮኖሚ ዕንወትን፡ ምፍልላይ ስድራቤታትን፡ ናፍቆትን፡ ስደትን ውርደትን፡ ድኽነትን፡ ምብሕጓግ ጽቡቅ ባህልታትን ዝኸፈልናሉ ምኽንያት ነብሲ ወከፍ ሰብ መሰሉ ተሓልዩሉ ክኸይድ፡ ማንም ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከይከውን፡ ፍትሕን፡ ሰላምን ዝመልኣ ሃገር ንምምስራት እዩ ነይሩ።   መሬትካ ክወርስ፡ ጉልበትካ ክምዝምዝ ኢሉ ብረት ዝተጠቅመ ጸላኢ፡ ብብረት ክትገጥሞ ናይ ግድን ኮይኑ። እቲ ኽፉእ ሳዕቤን ግን እቲ ንጸላኢኻ ዘቅናዕካዮ ጥይት ምስ ኣራኣእያኻን ኣተሓሳስባኻን ንዘይሰማማዕ ሐውኻ ወዲ ዓድኻ ሕጥይት ኮይና ህያቡ፡  ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብስም ሀገር ምቅትታል ልሙድ ኮይኑ።  ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ  ድሕሪዚ ነጻነት፡ ኤርትራ፡ ንኣፍሪቃን ንዓለምን ናይ ሰላምን ራህዋን ተስፋን መርኣያን ክትከውንያ ዝብል ኩሉ ኤርትራዊ  እምንት ነይርዎ። ሽሕኳ ብብረት ነጻ ዝወጻ ዓድታት ሰላም እንተተነፈገን፡ ንሕና ግን፡ እቶም መራሕቲ ንሕና፡ ንሕና ድማ እቶም መራሕትና መሲሉና፡ ኣብ ርእስኻ ከይወረደ ብቀሊል ኣይትኣምኖን ኢኻ።  ገለ ሰባት እዚ ወሪዱና ዘሎ ሓጥያትና እዩ ይብሉ፡።  ኣቱም ሰባት ንሓደ ነገር ዘይትፈልጦ እንተኾንካ ግድን ስም ክትህቦ የብልካን። ህዝቢ ኤርትራ ሰብ’ዩ መልኣኽ ኣይኮነን፡ ግን ንኸምዚ ዓይነት ስቃይ ዘብቅዕ ሓጥያት ፈጺሙ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ገርህን ኣማናይን ለጋስን’ዩ።  ዕድልና ኮይኑ እንተበልና ዝሓሸ ኮይኑ እስማዓኒ።

ክሳብ ሕጂ ብምኽንያታትን፡ ምስምስን፡ ሕመቅን፡ ድኽመታትን፡ ከም ውድብ ከም ጉጅለ ዘይኮነስ ከም ሃገር ተጠሚርና ነዚ ሰይጣናዊ ስርዓት እዚ ክንብድሆ ኣይከኣልናን። ሕጂ ግን ናይ ኢሳያስ መሰረታዊ ዕላማ ብዘይማትእ ሓቂ ተጋሂዱ። ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ልእላውነትና  ኣብ ዋጋ ዕዳጋን፡ ኣብ ምድማርን ምጉዳልን ኣትዩ። ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ዘበልኒ ድማ እዚ’ዩ። ሎሚ ክንሓብር እምበር ዘለቅለቅ ክንብል ፈጺምና ኣይንኽእልን ኢና። ሎሚ ከም ትማሊ ኣይኮነን። ስለዚ  ክፉእ ዝገበረን ክፉእ እናተገብረ ስቅ ዝበለን ሓደ ከም ዝኾነን፡ ከምኡ ድማ ንእሽቶ ገበን ነቲ ዓቢ ገበን ከም ዘይናኣእሶ፡ ኣሚና ሓደ ኮይና ክንብገስ ናይ ግድን’ዩ። እቲ ተስፋ ዝህበንን ዘሓጎሰንን ዝበልክዎ ድማ፡ ህዝቢ፡ ዝቃራረብ ዘሎ ኮይኑ እስመዓኒ፡ ዘይተሓለሎ ተባዕ ተጋዳላይ ሐውና ብርሃነ ኣበርሄ መጽሓፍ ጺሒፉ ኣብ ወጻኢ ይሕተም ካብ ሃለወ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ካብ በድሆ እሞ ድማ ብኽእለትን ጽፉፍ ኣጋበባን ፡ ካብዚ ዝበለጸ ተስፋ ዘለዎ ኣጃማምራ እንትይ’ሞ ኣሎ። ኣብ ወጻእን ደገን ዘለና ደቂ ሃገር ግን ኣሕሊፍና ከይንህቦ ክንቃዳደም ኣሎና። ዘዳናግርን ዘፍርሕን ኩነታት ክእለ ይከኣል’ዩ። ድሓር ድማ ብዕሊ ዝጸደቀ ቅዋም ኣሎና፡ ቅዋም  ሐውልቲ ኣይኮነን፡ ብብእዋኑ ከም ኣድላይነቱ ዝቅየር እዩ፡  ናይ ኣመሪካ ቅዋም ካብ 30 ጊዜ ንላዕሊ መቀየሮታት ተገይርሉ ኣሎ። እታ ሀገር’ሞ ኣይትትዓንቀፈና በቲ ቅዋም መሰረት 10 ውዱባት ክህልዋና ይኽእላ ኢየን። ሽዑ ህዝቢ ድላዩ ይመርጽ።   ኢሳያስ ዕንወት ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ክገብሮ ብናህሪ ይጓየ ኣሎ። ኣብ ድኽነትን ድንቁርናን ክሸመና ዘኽእል፡ መጋበሪ ጥቃ ባሕሪ ዘለው ጨካናት ጎበለል ጎረባብትናን፡  ካብ ስግር ባሕሪ ኣትዮምን ዝኣትዎ ዘለውን ከይንኸውን ብርቱዕ ጥንቃቀ ክንገብር ኣለና።  ዕርቂ ብሃገር ደረጃ፡ ዕርቂ ምስ ርእስኻ፡ ዕርቂ ምስ ቤተሰብካ፡ ዕርቂ ምስ ዝኾነ ብዝኾነ ትቀርቦ ሰብ ይኹን ጉጀለ ክሀሉ ኣለዎ። እቲ ን27 ዓመታት ዝተገብረ ህስያ ጭካኔን፡ ናይ ሞራል ውድቀትን፡ ምጥልላምን ዘይነበረ ስስዔን፡ እንታይ ገዲሱንን፡ ንሓንቲ ሃገር ሀገር ዘየግብር’ዩ።

ገለታት ካብኡ ንምሳሌ፡ብዙሓት ሰብኡት ኣብ ወጻኢ ከም ባዓል ኣመሪካን ኤውሮጳን  ዝነበሩ ወሊዶም ዝኸበዱ፡ ዓዲ ከይዶም፡ ንኽከላኸሉን ዝግብኦም ንኣሽቱ ኣዋልድ የዕሩኽ ጌይሮም፡ እንተተሓቢኦም፡ እንተ ኣግሂዶም ተመርዕዮም ብዝኸድዎ ተሪፎም። ወይ ድማ ዓዲ ምስ ኮርኮሓቶም ናብታ ዝኻሓድዋ ቤቶም -  ኣንስቶም ይቀበልኦም ኣይቀበልኦም ብጽዘይገድስ - ተመሊሶም። ካብዚ ዝኸፍእ ናይ ሞራል ውድቀትን ጻዕዳ ጥልመትን የለን።  ሕንኽ ከይበለ ሓዳሩን ደቁን ዝጠለመ፡ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ሃገር ምህናጽ ክትኣምኖ ኣሸጋሪ’ዩ። ሀገር ብኣካል ንዓዲ ኬድካ ጥራይ ኣይኮንካን ትሃንጻ፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታን ሀገርን ኮንካ ኢኻ ትጅምሮ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡  እተን ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዴታተንን ኣቦታተንን ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘይስተማቀራ፡ ቀቅድሚ ናጽነት ወይ ኣብ እዋን ናጽነት ዋላ ብድሕሪኡ’ውን ዝተወልዳ፡ ዝጥምትኦ ብሩህ መጻኢ የብለንን፡ ብዝገበራ ገይረን ወጻኢ እንተኸዳ እየን ዝሓልፈለን ዝመስለን።  መንዩ’ሞ ካብታ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ዘይደሊ? ኣሽንኮይዶ፡ ምስ ሓደ ባዓለገ - ስም  ወራዙት ኣቦታት ዘኽፍእ - ኣቦ ምዝማድሲ  ካብዛ ኤርትራ ትባሃል ገሀነመ እሳት ክወጽእ ተኩስ ከተፋራርሕ ዘይኮነስ ተኩስ ክትቀትል ዝብል ሕጊ ከም ዘሎን፡ ምሕራድን ምጭዋይን ቀለብ ዓሳን ሙዃንን ልሙድ ከም ዝኾነ እናፈለጡ እንድዮም ዝሃድሙ ዘለው። ካብ ሚእቲ ዓመት ብባርነት  ሓንቲ ዓመት ብነጽነት’ኮ ይሓይሽ ይባሃል’ዩ።

ኤርትራዊ ብንጥፈቱን ስራሕ ድልየቱን ፍሉጥ’ዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ወጻኢ ተሰማሚዕካ ከምቲ ብዙሕ ዝገብሮ ዋላ ክልተ ሰለስተ ስራሕ ሰሪሕካ ደቅኻ ክንዲ ተዕቢ፡ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ኣመሪካን ኦውሮጳን ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ገዛን ካልእ ሓገዝን ክረኽቡ፡ ዘይተፋትሑ ተፋቲሕና ኢሎም ንደቆም ኣብ ህይወቶም ኣዝዩ ክትንክፎም ዝኽእል በደል ይብድልዎም። ሓሶትን ስርቅን ቅቡል ሙኾኑ የምህርዎም።  መንግስቲ ገንዘብ ካብ ገረብ ኣይኮነን ዝሽምጥጦ፡ ህዝቢ ሰሪሑ ዘምጽኦ ገንዘብ ግብሪ ዝኸፍሎ’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትር፡ ኣብ ሰባዓታት ኣብ ኤርትራ ዋሕዲ ማይን፡ ኩናትን ዝፈጠሮ ሽግር ነይሩ፡  ኣብ ምስያም ቆላ ሰራየ፡ ጦርሰራዊት ኣጣልን ኣባጊዒን እናሃደማ ከለዋ ከየኸስተኑ ክፍሊ ኣካላተን ቆሪጾም ይበልዕዎ ምስ ተስምዔ፡ እዚ ዘይብሃል ድንጋጸ ነይሩ። ሎሚ ድማ መንእሰይ ኣብ ባዓል ሲናይ ክሕርድ፡ ኣብ ከም ባዓል ሊብያ ዝኣመሰላ ሓንሳእ ዘይኮነስ ክልተ ሰለስቲ ጊዜ ኽሽየጥ፡ ብብዝሒ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ክመውት፡ ካብዚ ኹሉ ስቃይ ወጺኡ ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ኤውርጳን ኣመሪካን ምስ ኣተው ሀገር ቀላይ ኮይንዎ ዝረድኦ ዘይብሉ ርእሱ እናቀተለ፡ ነብሰ ጾር ኣደ ምስ ክልተ ዕሸላት ደቃ ኣብ ባሕሪ ደቀን ነብሳን ቀለብ ዓስ ምስ ኮነት  ሕዝዛዓለም ሰኪሑ፡  ንሕና ግን ነብሰይ ነብሲማተይ ልብና ተሪሩ።  ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይምህላው፡ ነቲ ሰብ ከም ሰብ ዝገብሮ ባህሪ የጥፍኦ’ዩ።

እሞ መዕጸዊ ክግበረሉ፡ እደጋግሞ’ውን ኣሎኹ። እዚ ስርዓት’ዚ ነቀይቀይ ይብል ኣሎ፡ ግን ኣቁሳልና ክንፍውስ፡ ክብርና ክንመልስ፡ ማእሰርትን፡ መቅተልትን፡ ስደትን ሓሳረ መከረን ኣብ ሓጺር ጊዜ ነበረያ ነበረ ክኽውን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎን ዋና ድማ መንፈሳዊ ማዕበል፡ ብርቱዕ ጸሎት፡ ርእሰ ለውጥ - ዳኛኻ ሕልናኻ ምግባር ማለት’ዩ - ብርቱዕ ስራሕን ክጥይቅ እዩ። ናይ 60 ዓመታት ስቃይን፡ ጸይቅን፡  ባህልኻ ምጥፋእን ነቲ ናይ ኣሚኢት ዓመታት ምዕቡል ኣታሓሳስባናን ምዕቡል ምሕደራናን ፈጺሙ ኣይልውጦን’ዩ።  ሕጂ ነብሲወፍና ዕድመ ብዘይገድስ ዝርኢ ዓይኒ፡ ዝሰምዕ እዝኒ፡ ዝሓስብ ኣእምሮ ክሳብ ዘሎ፡ ይቅረታን፡ ደበስን ምምሓሓርን፡ ፍቅርን፡ ሓቅን ሒዝና ንበገስ። እወ ነስሓን፡ ምምሓርን፡ ፍቅርን ኣብ ኢድና ኣሎ። ድሓር ድማ። ሀገር ክሃንጽ ዘኽእል ተመክሮ ዘልዎም ሰባት ኣለዉና መንእሰያት ምስዚ ክንድዚ ሕማቅ ተመክሮ’ውን ዝተማህሩ ዝተማህራ -  ክመዮ ነብሲሄር ርእሶም ሃይለ ዝበሎ  - ኣለዉና፡ ኣለዋና።  ትማል ትማሊ ካብ ሀጋራት ኤውሮጳን ኣመሪካንስ ይትረፍ፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ኢትዮጵያ - ኣዲስ ኣበባ ይኹን ዓዲ ግራት - ዝተመረቁ  ኣማኢት ኣለውና፡ ኣለዋና። ኣብ ወጻኢ’ውን መሃንድሳትን፡ ኢንጂነሪታትን፡ ሐካይምን፡ ኣውፈርትን ኣለውና ኣለዋና። እቲ ዋሕድና በቲ ሓደ ወገን ክሃስየነ ኸሎ፡ በቲ ሓደ ድማ ካብ ሓደ መኣዲ ንበልዕ ስድራ ስለ ዝኮና፡  ክብርና ምምላስን፡ ርእስና ምምዕባልን - re-invent ourselves -  ቤት ትመህርታት ይኹን ሆስፒታላን፡ ህንጻታት መንገድታትን፡ ምስራሕ፡ ትካላት ምብዛሕን፡ ከተማታትና ምኹላዕን፡ ቁሸታትና ምዕቡል ሕርሻ ምግበርን ጊዜ ኣይክወስድን’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።  ሕድሪ ስውእትና ከነኽብር፡ ክብረትና ክንመልስ፡ ራህዋን ሰላምን ክሰፍነና ኢና ኢልና  ኣምላኽና ሒዝና  “ሃ” ኢልና ንበገስ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ  ንልዑል ንኣምላኽና ይኹን። ኣሜን፡

የቀንየለይ

 

አበባ