Aእስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ ኣብ 1952 ዓ.ም.ፈ ተወሊዱ። ኣብ ደቀምሓረ፡ ጊንዳዕን መንደፈራን ድማ ተማሂሩ።

ኣብ 1972 ኣብ ምድላው መምህራን ሃረር ክምረቕ ከሎ፡ ኣብ ከባቢ ባህርዳር ከም መምህር ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሕዳር 1975 ኣብ ህሓሓኤ ተሰሊፉ።

ድሕሪ መውጋእቱ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ከገልግል ጸኒሑ ኣብ ሕዳር 1991 ኣብ ክ/ግምሩክ ተመዲቡ። ኣብ ጥቅምቲ 1996 ብድሌቱ ካብ ስራሕ ኣብ ዝተሰናበተሉ ግዜ፡ ኣባል ህግደፍ ምዃን ኣቢኻ ብዝብል ምስምስ ብዘይ ፍርዲ ንኣርባዕተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ተኣሲሩ።

ካብ ሓምለ 2002 ክሳዕ ነሓሰ 2008 ኣብቲ ብኣቶ ዳዊት ብርሃነ ዝውነን ዝነበረ ወንገቦ ሺፒን ዝብሃል ሓንቲ መርከብ ዝውንን ትካል ከም ሓላፊ ሕሳብ እናሰርሐ ከሎ፡ ሌተነንት ተስፉ ኪዳነ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ምስጢራዊ ወኪል ዜና ዓዋተ ብምዃን ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ቲ ህግደፍ ዘይዝርግሖ ፍጻሜታት ብወለንታ ናብ ሓው ሳልሕ ዩኑስ የተሓላፍ ነይሩ።

ድሕር’ዛ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከሎ ዝደረሳ ሮዛን ሰሌን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሓኔታ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተተርጐመት ካልኣይቲ መጽሓፍ ነንበብቲ ዘርጊሑ። ሳልሰይቲ መጽሓፉ መቓብር ህሉዋት እትብል ኮይና ንኵነታት ቤትማእሰርቲ ማእከላይ መርመራ ገበን (እንዳ ወንጀል ወይ ቼንትሮ)፡ ኵነታት ቤትማእሰርቲ ጸጸራት፡ ፍሉይ ቤትፍርዲ፡ ኵነታት ምስጢራዊ ሰልፊ ህግሓኤ፡ ሚ/ፋይናንስን ክፍሊ ግምሩክን እትብርብር መጽሓፍ’ያ። እስጢፋኖስ ካብ ነሓሰ 2008 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዙ ምስ በዓልቲቤቱን ሰለስተ ደቁን ኣብ ኖርወይ ይነብር።