May 14, 2018

ኣደይ ሓረጉ ዖቁባዮውሃንስ

ክብርቲ ዋላዲተይ ኣቲ ፈቃር ኣደይ፡ ዓዲ እግዚኣብሄርኪ ካብ ትኸዲ ሓያለይ ዓመታት ኮይኑ፡

ጊዜ እንታይ ኣለዎ ይሓልፍ ይጎይ፡ ድቅስ ተንስእ ውጉሕ ዕርብ ኮይኑ።

 ኣደይ መዓረይ ኣብ ንኡስ ዕድሜኺ፡ ንርእስኺ ቆልዓ፡ ቆልዓ ወሊድኪ ብኣይ ተበኩርኪ፡

 ብዙሓት ወሊድኪ፡ ንሓደ ክትጠንሲ፡ ነታ ሓንቲ ከተጥብዊ፡ ነደ ሓደ ክትሓቁፊ፡

እሞ ድማ ምስዚ ኹሉ ሓላፍነትኪ፡ እቲ ኣህላኺ ዕዮ ገዛን ሕርሻን ብሙሉኡ ኣጣሚርኪ፡

ብለይቱ ተንሲእኪ ቅድም ነቶም ግራት ዝሓርሱ ሓረስቶስ ድሓር ነቶም ጓሶት ጤልበጊዕ  መውዓሊ ምስሖም  እናሃብኪ፡ ድሓን ወፊርኩም ድሓን እተዉ እናበልኪ፡

ድሓር ነቦይ ተፍንዊ፡ ቃላት ዘይብሉ ኣብ ዓይንኹም ጥራይ ዝርኤ ፍቅርኺ ትገልጺ፡ ፍቅሩ ይገልጸልኪ፡

ኣብ መጨረሽታ ድማ ነቶም ናይ ትምሃርቲ ዕድመ ዝበጻሕና ደቅኺ ኣቁሪስኪ ተፋንዊ።

ኣብ ገዛ ሓገዝቲ’ኳ እንተነበራኺ ማዕሪኤን ዘይኮነ ልዕሌን እናሰራሕኪ፡

እዋን ቀውዒ መኼዳ ክኽውን ከሎ፡ መግቢ ሒዝካ ንበረኻ ትኸዲ ሓረስቶት ከተምስሒ፡ ክትምግቢ።

ሕጂ ክትሓስቦ ከለኻ ዝገርም ድማ፡ ተማሃራይ ካብ ቤት ትምሃርቲ፡ ሓረስታያ ካብ ማሕረሱ፡ ጓሳ ካብ መሮሩ ምስ ተኣከብና፡ ምሽት ኩላትና ብሓንሳእ ንበልዕ ካብ ሓንቲ መኣዲ ኮይንና።

እቲ ዋና ሓረስታይ ገዛና ክሳብ ንዓቢ ይመስለና ነይሩ ምሳና ዝቅመጥ ሐዎባና።

ካብ ቤት ትምህርቲ መጺእና  ጠዓሞት ሂብኪ፡ ኣጽንዑ ዘይተማህረ ኣይምዔረ ክትብልና፡ ሰቲና ንረዊ፡ ።በሊዕና ንዝጸግብ ዘይመስለኪ።  

“ኣርባዕተ ዓይኒዩ ዘለኒ፡ሰጥ ኢልኩም ኣጽንዑ” ክትብልና፡ ክሳዕ ዝዓቢ ይመስለኒ ኔይሩ ሓቂ።

ኣንቲ ኣደይ መዓረይ፡ ክብርቲ  ወላዲተይ፡ ይገርመኒ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡

ካበይ ዝመጽእ ነይሩ፡  እዚ ኹሉ ክእለትኪ፡ እዚ ኹሉ ሓይልኺ፡ ምስ ናይ ምምሓዳር ክእለቱ፡

 እዋይ ጻዕሪ፡ እዋይ ክእለት፡  እዋይ ልቦና፡ እዋይ ፍትሒ፡ እዋይ ፍቅሪ እዝጊ’ዩ ዓዲሉኪ ብኡነቱ።

ይዝከረኒ ክጋገ ከለኹ ክትገንሕኒ፡ ክትምዕድኒ፡ ጽቡቅ ክገብር ንጎሮባብትና ክልኣኽ፡ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ክሓዝል ክሓቁፍ፡ ኣገናዕ ኮሪዕዳ ጓለይ ክትብሊኒ።

ኣደይ መዓረይ፡ ፈቃር፡ ለባም ወሊዲተይ፡

ዘይርኤኪ ይመስለኪ ኔይሩ ኣነ ግን ርእየኪ፡

ክልምን ዝመጸ፡ኣብ ወገፈ ኮፍ ኣቢልኪ ክትዕንግሊ፡

ሓራሳት ምስ ዝህልዋ፡  ጸባ ምስ ብራሕ ምስ ልኻይ ክትልእኪ፡

ኣውደ ዓመት ኮይኑ፡ ድሎት ምስ እንጌርኡ ምስ ጸብሑ ሓንሳእ ሓንሳእ ድማ  ምስ  ስውኡ፡

ክትሰዲ እንዳ ዝሽመግሉ ስድራቤታት፡ ዝሰልከዩ፡ ርኣዩለይ ስምዑለይ ከይበልኪ ጉድ እኮ’ዩ።

 

ይዝከረኒ ድማ ወለዲ፡  ቤተ ሰብ ካብ ዓዲ እንተ ብበቅሊ እንተ ብእግሮም ዘጓሕ እናበሉ መጺኦም

“ማይ ሞይቁ ኣሎ እግሮም ሕጸብዮም” ክትብልኒ።

እግሮም ሓጺበ ምስ ተሳለምክዎም፡ መንኮበይ እናጠብጠቡ ክምርቁኒ ዓለም ዝጭበጥክዋ ክመስል፡ ብርቱዕ ሓጎስ ክስማዓኒ።

እወ ኣደይ ማዓረይ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ከምዚ ናተይ የእጋር ዝደኸሙ ኣጋይሽ ኣይሓጸባን።

 ካብቲ ሓውሲ ኸተማ ኣርባIተ ኣስመራ፡ ንኸተማ ግዒዝና ስታንቶ ኦቶ ኮይኑ ገዛና፡

ዓቢ ገዛ’ዩ መስ ገፊሕ መካባብያኡ፡ ወይኒ፡ ሜለ፡ ኩኽ ድሮ ጽኒሕዎ፡ ድሓር  ናፍቆት ሕርሻ ጨና ኣዳም፡ ሓምሊ ቆስጣ፡ ኮሚዲሮ፡ ኮሮቲ ተወሲኽዎ፡

ወዮ ብሩኻት ቤተሰብ ኣጋይሽና ብውግእን ሕጽረት ማይን እንተሰልከዩ፡ ግዜ ተቀይሩ፡ ሳእኒ እንተተረፈ  ቅጻዕ ተዘውቲሩ።

ብእግሪ ምኻድ ውን ዳርጋ ተሪፉ፡ ሓይሊ ኣብ ኣውቶቡስ ኮይኑ።

ኣደይ መዓረይ፡ ሓላለይ፡ ደረት ዘይብሉ ልግስኺ ኣብ ሜሬት ዘይወድቅ ምኽርኺ፡ እናሓደርኩ ብዝያዳ ይናፍቀኪ፡ ገለ እንተዛሓለለይ ብስምኪ’ዶ ክጽውዓኪ?

ሐረገወይኒ፡ ሓረግ፡ ሓረጉ ዓይነይ እንታየ’ሞ ክብለኪ፡ ወይ ኣቲ ጓል ቀሺ ዕቁባዮውሃንስ ዘሚካኤል፡ ጓል ወይዘሮ ተበርሕ ገብረክርስቶስ እንተበልኩክኺ’ዶ ይሕሸኪ?

ወይ ድማ ሓረገይ ማዓረይ ዳርጋ መሰታይ ኣደይን፡ ሓብተይን፡ ኣደ ኣሕዋታ ክብለኪ?

ኣደይ ማዓረይ፡  ክብርቲ ወላዲተይ፡ ኣደ ኣዋልድ፡ ኣደ ኣወዳት፡ ኣደ ብዙሓት፡

ንኹሉ ብሓባር፡ ደቀይ፡ ቤተሰብይ፡ ኣሕዋተይ ጎሮባብተይ ጥራይ ከይበልኪ ኣግልጊልኪ፡ ቀትሪ ምስ ብጊሓት።

ምስቲ ብለውሃቱ፡ ብፍቅሩ፡ ብልግሱ፡ ብትሕትንኡ፡ ብንህዝቢ ምግልጋሉ ህዝቢ ዝመስከርሉ ክቡር ኣቦና ኬንኪ፡ ማኪና ቢብ ምስ ኣበለት፡ ካንቸሎ ክኽፈት፡ “መርሓባ፡ መርሓባ ድሃይኩም ኣይታሓባእ እናበልኪ፡ ተፋቂርኩም፡ ተኻባቢርኩም ኣብነተ ኮንኩም የዕቢኹሙና፡ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሕኩሙና።

ትምህርተይ ወዲኢ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣትየ፡ ተመርዕየ ወሊደ ዘሚደ፡

ግን ከምቲ ንስኺ ዝተሓጎስክዮ፡  ኣይተሐጎስኩን፡  ኣይቀሰንኩን ኣነ፡ ወይ ኣደይ መዓረይ፡

መን ምስ ተሓጎሰ’ሞ መን ምስ ቀሰነ።

ድሕሪ ነጻነት ከም ህዝበይ ዓዲ ኣትየ፡  ኩሉ በብዓቅሙ ዋጋ ከፊሉ’ዩ እንታይ ዘሰክፍ ኔይሩ፡

 ስድራ ስውኣት ክድበሱ፡ ወለዲ ምስ ዉሉዶም ክትሓቋቆፉ፡

 ናይ 30 ዓመታት ዕንወት ከብቅዕ፡ ኣብ ዘይነውሔ ጊዜ ሰላምን ፡ ብልጽግናን  ክነግስ ሙሉእ ብሙሉእ ዓወት ክኽውን።

ከምኡ ግን ኣይኮነን፡ ነገር ሸሊሑ ካልእ ኮይኑ ተረኺቡ፡

ህዝቢ ተጠሊሙ፡ ዝጠፍኤ ሓዊ ዝመሰለስ ለካ ተደጉሉ።

ዓደይ ኣትየ ከብቅዕ ኣብ ዝዓርፈሉ እዋን ንኻልኣይ ጊዜ ተሰዲደ፡

ዳግማይ ስደት ስለ ዝኾነ ሰረት ነይሩኒ፡ ደቀይ ዓብየን’የን ሓላፍነት የብለይኒ።

ዝብላዕ ዝስተ ኣይስኣንኩን፡ ሕማቅ ምስማዕን ምርኣይን ግን ድቃስ ይኸልኣኒ።

ሓንሳእ ምስ ብጾተይ ኮይነ ሓንሳእ ንበይነይ “እዚ ኹሉ ስቃይ፡ እዚ ኹ ጭካኔ፡ እዚ ኹሉ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት፡  ከመይ ገይሩ ጀሚሩ ካብ ምንታይ መጻ ወረ እንታይ’ዩ ነገሩ?” ኢለ ይሓታ ነዛ ነብሰይ፡ መልሲ ግን ይስእነሉ።

ኣደይ ማዓረይ ሓላለይ ደጊመ ክንግረኪ ብሓቂ ይናፍቀኪ፡ ተስፋ እንተኾነኒ፡ ኣብቲ መቃብርኪ መጺኤ፡ ሳዕሪሩ እንተሎ ወጋጊነ ኣጻራርየ ከም ህያው፡ ይደሊ ከዕልለኪ፡

ግን ምሳና ዘይሳማማዕ ኣይዕዱን’ዩ ተባሂሉ፡ ተባሒቱ ዓዲ ከም ድላዮም ዝዕንድርሉ ከይመጽእ ዓዲ ዉሑዳት ኮዮኑ።

ኣደይ መዓረይ ሓላላይ፡ ምስተን ምሳኺ ዘለዋ ብጾትኪ ኴንኪ ጸልይልና።

ንሕና ልብና ክርስርስ፡ ሓወይ ሓፍተይ ክንብሃሃል ብሕልናና ክንግዛእ ኣብ ፍቅሪ ክኽውን  ሓይልና፡

እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ድማ ጸሎትክን ጸሎት ህዝቢ ብሙሉኡ ሰሚዑ እዚ ኹሉ ነበርያ ነበረ ኮይኑ ሰላም ከውርደና፡ ኣብ ዓድና ክኣኻኽበና።

ኣደይ መዓረይ ፍቅርቲ ኣዛሚት ወላዲተይ፡ ከምኡ ድኣ ናፍቆት የዛርበኒ ኣሎ ማዕልቲ ኣዴታት ድማ ኮይኑ እምበር፡ ብሓንሳእ ኣለና ስጋ እንተሞተ መንፈስ ማኣስ ይመውት ኮይኑ።

ክሳብ ንራኻብ ሕጉስቲ መዓልቲ ኣዴታት፡Happy Mothers Day ይብለኪ፡ ነተን ምሳኺ ዘለዋ ድማ ከምኡ Happy Mothers Day ኢላትካን በልለይ ኣቲ ፈቃር፡ ለባም፡ ሕያወይቲ፡ ለጋስ፡ ኣደ ኹሉ  ኣደይ ማዓረይ፡ እወ ኣደይ ማዓረይ።

ጓልኪ ኣበባ