ብሃለፍታ ዝቐዝፋ …ሕጊ-ኣልቦ ትካላት ፍሊጶስ
(ኣልማማዊ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና)

5ይ ክፋል

ታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውነትን ንኽድውን ዝተበገሰ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ብደም ዝጨቀወ ኣእዳዉ ዘየርከበሉ ማሕበራዊ ቀጻላ ዳርጋ የለን፡፡ ብሄር፡ ዓሌት፡ ቀቢላ፡ ሃይማኖትን ማሕበራዊ ኣበርክቶን ከይፈለየ፡ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ንትሽዓቲአን ብሄራት፡ ንኹለን ሃይማኖታትን ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋን ከበሳብስን ከከላብትን ጸኒሑን ኣሎን፡፡

ኢሳይያስ፡ ካብ 1994 ጀሚሩ፡ ብስም “ሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝፍለጥ ሓውሲ ስለያዊ ትካል ኣጣይሱ፡ ንኹለን ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ክጸናጸንን፡ ዕቱብ ምክትታላት ክግበረለን ክእዝዝ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብምስምስ “ሃይማታዊ ጥሩፍነት”፡ ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ብዙሓት ጳጳሳት፡ ኣቕሽሽቲ፡ ሙፉቲታት ሸኻት፡ መገብቲ፡ ፓስተራትን ኣመንቲን ብዝተፈላለየ ምስምስ ተቐይዶምን ተሰዊሮምን እዮም፡፡ ኤርትራውያን ኣመንቲ እስልምና ውን ከም ሃገሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ካብቶም መዋእሎም መሰል እምነት ዝተሓረሙ ጭቁናት ክፋላት ሕብረተ ሰብና እዮም፡፡

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ጀሃድ፡ 5ይ መስርዕ፡ ጨሓማት፡ ኣኽረርቲን ካልኦትን ዝብሉ ኣስማት ኣጠሚቑ፡ ዝወዓልዎን ዘይወዓልዎን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣመንቲ እስልምና፡ ብኣልማማ ጨውዩ ሰዊርዎም እዩ፡፡ ከም መቐጸልታ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ውዳቤታት ዘካይዶ፡ ኣልማማዊ ጸቕጥታት፡ ኣብ 2017 ውን ኣብ ትሕቲ ሙፍቲ ኤርትራ ዝመሓደራ፡ ቤት ትምህርታት ብምእኩልን ስጡምን ኣገባባት ንምቁጽጻርን፡ ኣታዊታተን ንምብሓትን፡ ስርዓት ኢሳይያስ፡ “ኩለን ቤት ትምህርታት ኣብ ትሕቲ ሚ/ሪ ትምህርቲ ክጥርነፋ ኣለወን” ዝብል መምርሒ ኣውሪዱ እዩ፡፡ ነዚ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ብምቅዋም፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ እቶም ፊት ንፊት ዝመከቱ ዜጋታት ነበርቲ ከባቢ ኣኽሪያን ኣባላት ኮሚተ ቤት ትምህርቲ ዳያእ ኣልኢስላሚያ ምኻኖም ይፍለጥ፡፡

ብፍላይ ኣቦና ነፍሲሄር ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ኣብ ኣኽሪያ ብዘበጋገስዎ ተቓዉሞ፡ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርናን ናብ መላእ ዓለምን ርዒሙ፡ ኣብ ኣስመራን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ሓያሎ ተቓዉሞታት ተኻይዱ እዩ፡፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ውን ክሳብ መወዳእታ ከይተምበርከኹ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማሕቡስ ስርዓት ኢሳይያስ ተቐዚፎም እዮም፡፡

ተቓዉሞ ኣኽሪያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኢሳይያስ ሓያል ጭንቀት ስለ ዝፈጠረ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ተቓዉሞ ብኣግኡ ንምቑጻይ፡ ወትሃደራዊን ስለያዊን ጉጅለታት ተጣይሰን፡ ዝተፈላለየ ስጉምታት ክውስድ ጸነሑ እዩ፡፡ ቅድሚ ማእሰርቲ ሓጂ ሙሳን፡ ኣብ እዋን ቀብሮምን ብዝተበጋገሰ ተቓዉሞ ኣኽሪያ “ተሳቲፍኩም” ዝተብሃሉ ዜጋታት ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ብተወርዋሪ እዚ፡ ሓይሊ እንተን ብኣባላት ዓዲ ኣቤቶን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው ጸኒሖም እዮም፡፡

ብምኽንያት ተቓዉሞ ኣኽሪያ ንዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት፡ ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ኮይኑ ክኣሊ ዝጸንሐ ውን፡ ባዕሉ እቲ ሕሱም ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ እዩ፡፡ ትእዛዛት ፍሊጶስ ተቐቢሉ ካብ ክፍላተ ሰራዊት 22፡ 84፡ 59፡ 525 ዝተውጻጽኡ ኣባላት ብምውፋር “ጥርጡራት” ክለቅም ዝጸንሐ ሓላፊ ድማ፡ ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) እዩ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 6 ኣዋርሕ ብምኽንያት ተቓዉሞ ኣኽሪያን፡ ኣብ ቀብሪ ሓጂ ሙሳን ካብ ዝተቐዱ ዜጋታት ንሎሚ ናይዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ከቕርበልኩም፡፡

ትሕቲ ዕደመን ተምሃሮ መባእታን ካልኣይ ደረጃን

1. ዓብዱል ዓዚዝ መሓመድ፡ ወዲ 9 ዓመት ተምሃራይ 5ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
2. ኣሚር መሓመድ፡ ወዲ 10 ዓመት ተምሃራይ 4ይ ክፍሊ ቤ/ት ስምረት
3. ዓይነን ዓብደልዓዚዝ፡ ወዲ 11 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
4. ኣነስ እድሪስ፡ ወዲ 11 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ኣዱሊስ
5. ሙኒር መሓመድ፡ ወዲ 12 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ 
6. ማኢል ጀማል፡ ወዲ 12 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
7. ዓብዱላሂ መሓመድእድሪስ፡ ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ 8ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ 
8. ኣማን ሓጂ፡ ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
9. እስማዒል ጀማል፡ ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
10. መሓመድ ዓዚዝ፡ ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
11. ሃይሰም ከሊፋ፡ ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
12. ሳዳም መሓመድሑሴን፡ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
13. መሓመድ ዓብዱልከሪም፡ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
14. ኣይመን ዓሊ፡ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
15. መሓመድ ዑመር፡ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
16. ሓሰን ጀማል፡ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
17. መሓመድ ዑመር፡ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ 
18. ፋሩስ መሓመድብርሃን፡ ወዲ 14 ተምሃራይ 6ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
19. የሱፍ ዓብዱ፡ ወዲ 15 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
20. ኣንዋር የሱፍ፡ ወዲ 15 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
21. ሰብሪ ዓብዱራሕማን፡ ወዲ 15 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
22. ነዚን ዓሊ፡ ወዲ 15 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ
23. ኢብራሂም ዓሊ፡ ወዲ 15 ዓመት ተምሃራይ 7ይ ክፍሊ ቤ/ት ዳያእ 
24. ዓይኖም መሓመድ፡ ወዲ 16 ዓመት ተምሃራይ 8ይ ክፍሊ ቤ/ት ፍትሒ
25. ቅስሙል ኣማል፡ ወዲ 16 ዓመት ተምሃራይ 8ይ ክፍሊ 
26. ሰሚር መሓመድ፡ ወዲ 16 ዓመት ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት 
27. መሓመድ መንሱር፡ ወዲ 17 ዓመት ተምሃራይ 10ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት
28. ነቢል ስዒድ፡ ወዲ 17 ዓመት ተምሃራይ ቤ/ት ሓርነት (ሓዝሓዝ)
29. ሓናን ሓጂ፡ ጓል 18 ዓመት ተምሃሪት 9ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት 
30. ሳይሞን ዓሊሸኻይ፡ ወዲ 18 ዓመት ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት
31. ሰብሪ እድሪስ፡ ወዲ 18 ዓመት ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት 
32. ሬድዋን ሳልሕ፡ ወዲ 19 ዓመት ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት 
33. መሓመድ ዓጣ፡ ወዲ 19 ዓመት ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት፡ ከምኡ ውን ከማልን ቢላል መሓመድን ዝተብሃሉ ደቂ 8ን 12ን ዓመት ቆልዑት እዮም፡፡ ወለዲ ናይዞም ትሕቲ ዕደመ ተምሃሮ ሃለዋት ደቆም ንምፍላጥ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳንን ኮሎኪዮን ሒዞም ይንከራተቱ ኣለው፡፡ ብወገነይ ብዘካየድኩዎ ምጽራይ ኩሎም ኣብ ዓላ፡ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ) ተኣሲሮም ኣለው፡፡

ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ደቀንን ካብ ደቀን ተፈሊየን ዝተቐየዳ ኣዴታትን

1. ራሕማ መሓመድዓሊ፡ ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ 
2. ዛህራ ሱሌማን፡ ኣደ 9 ቆልዑት
3. ዘምዘም ኑርሑሴን፡ ኣደ 2 ቆልዑት
4. ትዕበ ስዒድ፡ ኣደ 6 ቆልዑት 
5. ዘምዘም መሓመድ፡ ኣደ 2 ቆልዑት
6. ሩቑያ ኪያር፡ ኣደ 4 ቆልዑት
7. ዛህራ ኣሕመድ፡ ኣደ 2 ቆልዑት 
8. ዛህራ ስሌማን (ካልአይቲ) ምስ ራሕማ፡ ዑስማን፡ ስዒድን ስሌማን መሓመድዓሊ ዝተብሃሉ 4 ደቃ 
9. ሰሚራ ህያብ፡ (ካብ ከባቢ ምህራም ጭራ) 
10. ፋጦ መሓመድ፡ (ካብ ከባቢ ምህራም ጭራ)
11. ሚርያም ሓጎስ፡ (ካብ ከባቢ ምህራም ጭራ) 
12. ኣሚና ኢማም፡ (ካብ ከረን ንቐብሪ ዝመጽት)
13. ሓያት ኑር፡ (ካብ ምህራም ጭራ ምስ 2 ደቃ ዝተኣሰረት)
14. ጅምዓ መሓመድዓሊ፡ ተምሃሪት
15. ዘምዘም ከድር፡ ኣደ 4 ቆልዑት
16. ኣስማ ኑር፡ (3 ናኣሽቱ ደቃ ገዲፋ ዝተኣሰረት) እየን፡፡ እዘን ኣሕትን ኣዴታትን ኩላተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ መትከል ኣብዮት ይርከባ፡፡ ምስኣተን ዑስማን መሓመድዓሊ (እንዳቤትሮ)ን መሓመድ ስዒድ ዝተብሃለ ነጋዳይን ብሓባር ተኣሲሮም ኣለው፡፡

ሙሁራት፡ መንእሰያትን ዓበይትን

1. ብርሃን ጀማል፡ ወዲ 23 ዓመት ተምሃራይ 10ይ ክፍሊ ቤ/ት ሓርነት 
2. ኣደም መሓመድ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ
3. ዓብደልቃድር ስዒድ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ሰላም
4. ኣልኣሚን ሓጎስ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ሰላም 
5. ኣሚር ስዒድ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ሰላም
6. ሱልጣን ሓምድ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ 
7. ፋኡድ ዓብዱልሰይድ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ
8. ሒሳቡ መሓመድዓሊ፡ ኣባል ሓ/ም/ኤ (ኩብሉል) 
9. ሳዳም ዓብዱልቃድር ሽሮ፡ ነጋዳይ
10. ስዒድ መሓመድ ዓሊ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ኣኽሪያ
11. ዓብዱ ኣድም፡ ሸቃጣይ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ 
12. ጀማል በያን፡ ሸቃጣይ ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ 
13. የሱፍ ዓብደል ዓዚዝ፡ ወናኒ እንዳ ዙርያ (ሳርቶ ኣብ ሜዳ ኤርትራ)
14. ሱሌማን መሓመድ ዓሊ፡ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት (ተመላላሲ) ኪኢላ ቅርጻ 
15. ጡሃ ዓብዱ፡ ኣባል ሓ/ም/ኤ ኩብሉል ሸቃጣይ
16. ኑረዲን ኣሕመድ፡ ኣባል ሓ/ም/ኤ ኩብሉል 
17. የኑስ መሓመድሓሰን፡ ወናኒ እንዳፎርኖ (ከባቢ ሹቕ)
18. ሳዳም መሓመድሓሰን፡ ሳርቶ
19. መንሱር ሸኽና፡ ወናኒ እንዳ ማእለማ 
20. መሓመድ ጀማልመሓመድ፡ ኩብሉል ሚኒዋለ
21. መንሱር ዓብዱ፡ (እንዳ ድኳን ኣኽሪያ)
22. ስዒድ ጣሂር፡ ሚኒዋለ
23. ሓሰን ዘይኑ፡ ፈለኛሞ (ዕዳጋ ሓሙስ)
24. ኣልኣሚን ኑርሑሴን፡ እንዳፈለኛሞ (ኣኽሪያ) 
25. ሳላሕዲን ያሲን፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮ (ኣኽሪያ)
26. ዓብደልቃድር የሕሼኖ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ
27. ስልጣን ዓብደላ፡ (ነባሪ ከባቢ ገዛ ብርሃኑ ኢትዮጵያዊ)
28. ፋኡድ ዓብዱሰመድ፡ ነባሪ ከባቢ ኣኽሪያ 
29. መንሱር ዓብዱ፡ ነጋዳይ
30. ሰሊም ጃዕፈር፡ መምህር 
31. ኣቡበክር ሳልሕ፡ ሚኒዋለ እዮም፡፡ እዞም ቅዩዳት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት መርመራ ከይተገብረሎም ኣብ ሓሽፈራይ ኣብ ትሕቲ ባሻይ ኣስፍሃ (ዲሞ) ተኣሲሮም ይርከቡ፡፡

ኣብ ማይስርዋ ዝርከቡ እሱራት፡

1. ሑሴን መሓመድኑር፡ ቀደም ሓላፊ ቤ/ት ዳያእ ዝነበረ ደሓር ኣባል ኮሚተ ቤ/ት ዳያእ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ካብ ገዝኡ ተዓፊኑ ዝተወስደ
2. ሸኽ ዓሊ የኑስ፡ ነጋዳይን ኣባል ኮሚተ ቤ/ት ዳያእ
3. ሸኽ ኑረዲን ዑስማን፡ ኣባል ኮሚተ ቤ/ት ዳያእ
4. ሸኽ መሓመድ ኣብራር፡ ኣባል ኮሚተ
5. ዑስማን መሓመድዓሊ፡ ኣባል ቤ/ት ዳያእ
6. ኣሕመድ ከሊፋ፡ ኡስታንስ ኣብ ቤ/ት ዳያእ 
7. ኣሕመድ እድሪስ፡ ነጋዳይ
8. ሬድዋን ሓሰን፡ ሚኒዋለ 
9. ኑረዲን ኣንከር፡ ነጋዳይ
10. ያሲን ኣንከር፡ ነጋዳይ
11. ሳላሕዲን ዑስማን፡ ሚኒዋለ
12. ፈረጅ ዑስማን፡ ድራብሊኮ
13. ያሲን ዑስማን፡ 
14. ኑረዲን ዑስማን፡ 
15. ኣደም መሓመድ፡ 
16. መሓመድ ዓብዱ፡ ወዲ 24 ዓመት ኣባል ሃ/ኣገልግሎት 
17. ሸኽ መሓመድ፡ ኣላይ መስጊድ ምህራም ጭራ
18. መሓመድ ብርሃን (ወዲባሻይ)፡ ኣባል ኮሚተ ቤ/ት ዳያእ ከምኡ ውን ነጋዳይ እንዳእኽሊ (ኣኽሪያ)
19. ኣልኣሚን ሑሴን፡ ወዲ 24 ዓመት ገዛውቱ ከባቢ ኣባሻውል
20. ቢላል ዓሊ፡ ወዲ 26 ዓመት ኣባል ሃ/ኣገልግሎት (ኩብሉል) 
21. ኣወል ዓብደልዓዚዝ፡ ወዲ 24 ዓመት ኣባል ሃ/ኣገልግሎት (ኣኽሪያ) 
22. መሓመድ ዑመር፡ ነባሪ ከባቢ እምባደርሆ
23. ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፡ ኣባል ሚ/ሪ ዜናን ኣባል ኮሚተ ወለዲ ቤ/ት ዳያእ
24. ኢብራሂም ሮሞዳን፡ ወዲ 23 ዓመት ኣባል ሃ/ኣገልግሎት (ኣኽሪያ)
25. መሓመድ ዓብደልዋስዕ፡ ተምሃራይ ኮለጅ ማይነፍሒ (ኣኽሪያ)
26. ሙሳ ኣደም፡ ወዲ 26 ዓመት ነባሪ ከባቢ ኣባሻውል 
27. ስሌማን ኢብራሂም፡ ወዲ 28 ዓመት ኣባል ሃ/አገልግሎት ኩብሉል (ኣኽሪያ) 
28. ኣቡበከር መሓመድፈረጅ፡ ተምሃራይ ኮለጅ ማይነፍሒ (ሓዝሓዝ) 
29. ሙባረክ እስማዒል፡ ሓለዋ ቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነት (ቤትገርግሽ) ኣባል 30 ዙርያ
30. መሓመድ ዓሊ፡ ኣባል 22 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ፈለኛሞ (ሓዝሓዝ)
31. ኣሚር ነጋሽ ፡ ኣባል 30 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ኣብ ሓይሊ ኣየር ዝተወዘዐ (ዕዳጋ ሓሙስ)
32. ኣሕመድ በይን፡ ኣባል 30 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ኣብ ሓይሊ ኣይር ዝተወዘዐ (ኣኽሪያ) 
33. ጋዜጠኛ መሓመድኑር ኣሕመድ ኣባል ሚ/ሪ ዜና (ኤርትራ ኣልሓዲሳ) እዮም፡፡ 
እዞምን ካልኦትን ኣብ ላዕላይ ማይስርዋ ብኣባላት ኮሚተ ምጽራይ ዓዲ ኣቤቶ ተሓይሮም ዝርከቡ እዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ኣብዚ ዘለናዮ ተኣፋፊ እዋን፡ ንጹሃት ዜጋታትና ዝተፈላለየ ሰሌዳ እንዳተጠቀዓሎም፡ ብዘይፍርዳዊ መስርሕ፡ ፈቐዶ ኣብያተ ቤት ማእሰርታት ብኣልማማ ይዳጎኑ ኣለው፡፡ ውሑዳት ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዝቖሙ፡ ምስ ኣባጓይላ ተዓሲቦም፡ ዜጋታትና የጋፍዑ ኣለው፡፡ ብምኽንያት ኣኽሪያ፡ እዚ ኹሉ ሰብ ክእሰር እንከሎ፡ “ኣይፋል” ኣብ ክንዲምባል፡ ምስ ኣካላት ጸጥታ ተዓሲቦም፡ ኣንጻር ህዝቦም ካብ ዝቖሙ ሰባት እቶም ቀንዲ፡ ሰመረ በይንን ዑመር ዓምራን ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፡ ከምኡ ውን ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ምኻኖም በዚ ኣጋጣሚ ክገልጽ እፈቱ፡፡ (ንኹሎም ግዱሳት ምንጭታት ልዑል ምስጋና!!) 
------------ይቕጽል 
ወደሓንኩም