መንዩ ደላይ ፍትሒ-መንዩ መንዩ
ሕቶለኒ ዘይተመለሰ ሕቶ
መንዩ ዝምልከቶ
መንዩ ደላይ ፍትሒ

ሕቶለኒ ረዚን ሕቶ ረዚን ሕቶ
መንዩ ደላይ ፍትሒ መንዩ ዝምልከቶ መንዩ ዝምልከቶ
መን መን መን መን
መንዩ ዝምልሶ ሕቶለኒ ረዚን ሕቶ

እቲ ንዘይገብሮ ዳመደረ
ንኽምስል ንብዓት ዝቛጸረ
እቲ ውልቃውነት ዝባሓቶ
ስለ ህዝቢ ፈጺሙ ዘይዓጦ
እዝድዩ ደላይ ፍትሒ
እቲ ኣነ ኣነ እንከይበለ
ንሱን ኒሑን ቃልሱ ዝቀጸለ
እቲ ክብርታትና ዘይበለለ
ዘይፈራረቅ ናብ ህዝቡ ዘጽለል
እዝድዩ ደላይ ፍትሒ

ሕዝቢ ዳጸነተ ብሃገር ደረጃ
ዝሓከለ ድሕሪ መጋረጃ
እዝድዩ ደላይ ፍትሒ
ሕማም ናይ ባዕዳዊያን ዳደገመ
ሉኡላዊት ካርታ ዝቖርመመ   
እዝድዩ ደላይ ፍትሒ

ኣውራጃን ብሔርን መቃቂሉ
ካብ ኤርትራውነት ተነጺሉ
መሰል ሃይማኖታት ዘየኽብር
ብኾንዶኾን ጉሩሃት ዝጥብር
እዝድዩ ደላይ ፍትሒ*2
ከምዚድዩ ደላይ ፍትሒ*2

ዉሑጅ ከይፈለጠ ምሕደሪኡ
ጉንዲ ዝኣኻኽብ ንቅድሚኡ
መሲሎሞ ለባማት መሰልቲ
ነዛምዶ ምስ ናይ ሎሚ ወቅቲ
ነዛምዶ ነለልዮሞ ነለልዩ
መንዩ ደላይ ፍትሒ

ድርብ

ሞኖምዩ ደላይ ፍትሒ*4
እቲ ናይ ልቡ ዝተወፈየ
ሕድገት ጌሩ ዝዘተየ
ወይ`ቲ ናዓይ ስሙዑኒ ባሃሊ
ኣፉ ዘዝሃቦ ሃላሊ

እቲ ነብሱ ዘቅረበ ንሞባእ
ካብ መስዋእቲ ፈጺሙ ዘይሕባእ
ወይቲ ንቅሓትኣልቦ ዘየስተውዕል
ኣብ መትከሉ ሓዲሩ ዘይውዕል
መኖምዩ ደላይ ፍትሒ*2

እቲ ገዛእ ርእሱ ከየልዘበ
ሃተው ዝብል ከየገናዘበ
ዶስ`ቲ ስቓይ ህዝቡ ዝስቖሮ
ባህጊ ለውጢ ኣብ ውሽጡ ዘሕደሮ

መኖምዩ መኖምዩ ደላይ ፍትሒ*2

Mihreteab Michael(ምሕረትኣብ ሚካኤል)