ኣሕዋተይ ኣሓተይ ሰሚዕኩምዶ ጉደይ
ንእግረ መ’ገደይ ረኺበ ዘይኢደይ።

ሓንቲ ቐያሕ ቆልዓ ፍሽኽ እ’ናበለት ገፊፋቶ ቐልበይ
ፍቕሪ ተወንዚፋ ደፊናቶ ውነይ ኣጽሚማቶ እዝነይ
ምስክር ዘይብለይ ኣብ ቅርዓት ኣብ ደምበይ ተገዲዐ በየነይ።

ዓበይቲ ዓደ’ቦይ ሰሚዕኩምዶ ጉደይ
ንእግረ መ’ገደይ ረኺበ ዘይኢደይ!

ሓንቲ ጸላም ጎርዞ ተቖኒና’ልባሶ
ከም’ዛ ሕማም ዓሶ ውነይ ትድንሶ፡

ክምስ እና’በለት ሓሞተይ መጽያቶ
ኣንጉዐይ ጸንቂቓ ነብሰይ ኣድሪቓቶ።

ይብለኒ’ሎ ገብገብ ጠፊኡኒ ጥበብ
ክልከዶ ጸበል ፈውሲ ሕማም ኣመል
በዚ ኹሉ ሰበብ ምስመን’የ ዝላዘብ።

ዝረኣይ’መስክር ስርኤል ትመስል
ከም ናይ ሰማይ በርቂ ትብል ብልጭ ድርግም
ከም ቆቛሕ ስርኒሕ ካብ እግሪ ትበርር
ከም’ዛ ጽምብላሊዕ ካብ ኢዳካ ትነፍር።

ክቡራት ወለደይ  ኣይትዘንግዑኒ
ደጊም ይኣኽለኒ   ጽን ኢልኩም ስምዑኒ
ዝሓለፈ’ኣክል   መኣስ ውሒዱኒ።

ስመይ ተቐዪሩስ ዋርሳይ ለጊቡኒ
ንዘይወግሕ ለይቲ ትጽቢት መሪሩርኒ
ካብ ጠረር ናብ ጠረር ኮለል ከፊኡኒ።

ኣራዊት ናይ ገዳም ኣለልዮሙኒ
እናኽረኽቡንስ ከመ’ዓልካ’ብሉኒ
ዘይጻብኡኒ ከም’ዛ መሓድርቶም
ኣብ’ቲ ጸምጸም መሮር
ንእዲ ሂቦሙኒ።

ምምሕዳር ዓደይ ሕጅስ ግደፉኒ
ባዕለይ ይሕሸኒ  በቲ ዝመስለኒ ኣጆኻ በሉኒ።

ምስ’ዛ ሓለንገዪት እዋን ክትፈልየኒ
ገዛይ ምለሱኒ።

ፍቑራት ወለደይ ሃቡኒ መሰለይ
ሓልፋ’ሎ ዕድመይ ተወዲኡ ጸጉረይ
ተቐይሩ ሕብረይ ይጉብጣ’ሎ ሕቖይ።

ከይሰዓምኩ ፍቕረይ ከየ’ዕበኹ ደቀይ
ንሱ’ይኮነን ኢደይ  ትምኒተይ ጸሎተይ።

ሃየ በሉ’ምበኣር ኩሉኹም ብሓባር!

ውሉድ ከምእዋኑ ክገብር ዋኒኑ
ዕጫ ኣውድቑሉ እብረ ግበሩሉ
ሂወት ለውጢ ኢዩ ንዝግደሰሉ
ስለ’ዚ’ንዳኣለይ ሓደር ዝብህገሉ።

ለይቲ ለይቲ ሕልመይ ቀትሪ ቐትሪ ባህገይ
ክኸውን ከም ህዝበይ ክፍትን ዕድለይ፡

ኣብ ባይቶ ዓደ’ቦይ ኣሰር ኣባ’ሓጎይ
ክጸርግ መ’ገደይ ክሰርዕ ሓሳበይ፡

ክቡራት ወለደይ ምሳኹም’ያ ልበይ
ንእገረ መ’ገደይ ረኺበ ዘይኢደይ
ንሱ’ይኮነን ዕድመይ ኣይፈተዎን ቆለይ።

ክወፍር’ከለኹ ኣሰር ኮኸብ ጽባሕ
ክቖርስ’ከለኹ  ኣኻፍየ ብራሕ
ዓይነይ ዘማዕድዎስ ነዛ ቖልዓ ጥራሕ።

ኣካ ሓቁ ኢዩ ክኣብየኒ ምውጋሕ
በይነይ ክገማዳሕ ኣብ’ዛ ዓለም ሰጣሕ
ከም’ዚ ማ’ደረጋሕ በዚሑ ጸርጋሕጋሕ
ወዲኡኒ ኩርኳሕ ስኢነ ምስፋሕ
ክሳብ መኣስ’ዩ እዚ ናብራ ከርፋሕ
ከብለኒ ደባሕ።

ክኣቱ’ከለኹ እዋን ኮኾብ ድራር
ኣነ ዝምነዮ ናይ’ታ ቖንጆ ዕላል፡
ካብ መዓር ይምረጽ  እቲ ናታ ቃላት
ዘለዎ ይመስል ገለ ተኣምራት ናይ ድጋመት ሰላት
ጠፊኡኒ ብልሓት  ምጉሓት ይኹን ጽብሓት።
ተ’ኾነኒ ጽላል ካብ’ዚ ኹሉ መዓት
በጃኹም ርድኡኒ ትኸሉለይ ስርዓት
ዓንዲ ማእከል ጽንዓት።
ክቡራት ወለደይ ንእግረ መ’ገደይ
ረኺበ ዘይኢደይ!
ትጽቢተይ ደኣ’ምበር ኣይጸንቀቕኩን ዓቕለይ
ኣጆኹም ወለደይ።


ዳኔል ተስፋዮውሃንስ

01-23-12


(ክቕጽል’ዩ!)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...