AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ግዓት እንጣጢዕ ውጻእ፡ ግዓት ጠስሚ እቶ ኣይኮነን

TUESDAY, 05 APRIL 2006  ብኣበባ ተስፋግዮርጊስ

ኣብዚ ቅንያት እዚ፡ “ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ዘብቅዐ እዩ ዝመስል፡ ምስቶም ሰበስልጣን ኮይኖም ዳንኬራ ዝወቅዑ ዝነበሩ ድማ ኢዶም ክትረኽቦም እያ፡፡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዘጣቅዑ ዝነበሩ ከኣ ዓዶም ብጎቦ ክርእዩዋ እዮም፡፡” እናተባሕለ ከም ሓውሲ ፈኸራ ይዝረብ፡፡ ከምቲ ዘርኢ ዕንባባ ተዘሪኡ፡ ኣቁጸልጺሉ፡ ዕንባባ ኣውጺኡ፡ ንዓይኒ ኣርኪኡ፡ ጽንሕ ኢሉ ዝጽምሉን ዝረግፍን፡ ዘብቅዕን፡ ወዲ ሰብን ብሰብ ዝቖመ መንግስትን ድማ ነበርቲ ኣይኮኑን፡ ዊዒሎም ሓዲሮም የብቅዑ እዮም፡፡ ኣብተን ብመጠኑ ፍትሒ ኣለወን ዝባሃላ ሃገራት፡ መራሕተን ንኣርባዕተ ዓመታት እንተነውሔ ድማ ንሸሞንተ ኣገልጊሎም እዮም ካብ ስልጣን ዝእለዩ፡፡ መላኺ፡ ዲታተርያዊ ስርዓት ዘለወን ድማ፡ መራሕተን ብሓይሎም ኣብ መንበረ ስልጣን ኮፍ ምስ በሉ፡ እናሓንሳእ ብመኾስ፡ እናሓንሳእ ብበትሪ፡ እንሓንሳእ ድማ ብሓጺን ጌሮም ውሕ፡ ወስ፡ ድርዕም እናበሉ ንዘለኣለም ክነብሩ ይፍትኑ፡፡ እንተኾነ ይፈትኑ እምበር እንተ ብሕማም፡ እንተ ብእርጋን እንተ ብረጽሚ ካብ ስልጣኖም ይእለዩ፡፡ ወይ ድማ ዘየዋጽኦም ሙዃኑ ምስ ተገንዘቡ፡ ዕድል እንተረኸቡ፡ መሽኮት ኢሎም ወጺኦም ኣብ ካልእ ሀገር ይዕቖቡ፡፡
 
ኤርትራውያን እቲ ዝተጸባናዮ ስርዓተ መንግስቲ ኣይረኸብናዮን፡  እቲ ብወግዒ ዝጸደቀ ቅዋም ኣይተተገበረልናን፡፡ ብሓቂ ዕድል ኣይገበርናን፡፡ ኮይኑ ግን፡ እዚ እዋንዚ ብወጅሃላ ዝርኣየሉን፡ ዝዝረበሉን፡ ግዓት እንጣጢው ውጻእ፡ ግዓት ጠስሚ እቶ ዝባሃለሉ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድöኣ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ነጻነት ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ ዘስካሕክሕ፡ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንምግባር ዘይጽግሞ ስርዓት ወዲቅና? ብኸመይ መንገዲ ኢናኸ ኣብ ፍትሒ ዝኣምን፡ ህዝቢ ዝቋጻጽሮ ዝሓሸ ስርዓት ነቅዉም? ኢልካ ብጽሞና ትሓስበሉን፡ ነንሕድሕድካ ትዛራረበሉን እዋን እዩ፡፡
 
እዚ ሕቶ እዚ ብጽሞና ሓቲትና፡ ቅኑዕን፡ ዘሳርሕን መልሲ ክንረክብ እንተድኣ ኮይንና ግን፡ ናብዚ ስርዓት እዝን ጥፍኣት እዝን ዘብጽሔ እቲ በዓል ገዚፍ ስልጣንን፡ ክሳብ ሕጂ ዝኽተል ዎ  ዘለው መሳርሕቱን፡ ሰዓብቱን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብንእሽቶይ ይኹን ብዓቢ ተራ ከም ዘለ ዎ  ብቀዳምነት ምእማን ከድሊ እዩ፡፡ እወ ነብሲ ወከፍናñ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ኣብዚ ሕጂ ተተኺልናዮ ዘለና ረግረግ ጥቃን፡ ዓዘቅትን ንምውዳቅ እንታይ ዓይነት ተራ ከም ዝነበረና ምስ ንፈልጥን፡ ንኣምንን ጥራሕ እዩ ድማ፡ ካብ ጌጋና ፍጹም ተማሂርና፡ እዚ ኣዕናዊ ጨካን ስርዓት እዚ ወሰን ኢልና፡ መሰል ክሉ ኤርትራዊ ዝሕለወሉን መንገዲ ራህዋ “ህ” ኢልካ ዝ ጀመረሉ ኣንፈታት ከነናዲ ንኽእል፡፡
 
ህዝቢ ኤርትራ በራውር ደቁ ከፊሉ፡ ንሓለንጊ ስእነትን፡ ድኻምን፡ ናፍቖትን ኣሸኒፉ፡ ብናይ ዝመጽእ ተስፋ እናገበረ፡ ምስ መሪሕ ውዱቡ ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዓወቱ ጨቢዑ፡፡ ኮይኑ ግን፡ መራሕትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ “ከም ውድብ ኮይንና ክንእቱ” ክብሉ ከለው፡ ካብ ህዝቢ ደገፍ ኣይረኸቡን፡፡ “እንታይ ነጻ መራኻቢ ብዙሓንን ቅሉው ክትዓትን ነይሩ እዩሞ፡ እዚ ነጥቢ እዚ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ክዝረበሉ ድሓር ድማ ቀደም እንድዮም ተዳኺሞም” ክብሃል ይክኣል ይኸውን፡፡ ብዘይኣገድስ ግን፡፡ ምስማዕናን ምፍላጥናን ኣይተረፈናን፡ ብፕሮፓጋንዳ ተመሪዝናን፡ ብጽሞና ኣርሒቅና ስለ ዘይሓሰብናን፡ ዘይተማራመርናን፡ ዘረባ ዓበይትና ስለ ዘይሰማዕናን ጥራይ እዩ፡፡ “ደጊም ትድለ ዝነበረት ሃገር ተረኺባ፡ ገድሊ ኣብ ዓወት እንተዘይብጽሕ ዎ ፡  ጀሚሮሞን፡ ኣሰጉሞሞን ሰንኪሎሙሉን ተሰዊኦሙሉን እንድዮም፡ ድምጾም ይሰማዕ፡ እንተዝብሃል ነይሩ፡ ሎሚ ክልተ ፓርቲ ምሃለዋና፡ ነንሕድሕደን ክዋዳደራ ክብላ ድማ፡ ህዝቤ ኤርትራ ብዝሓሸ ምተገልገለ፡፡
 
እተን ኣብ ወጻኢ ዝረከባ ዝነበራ ሓፋሽ ውድባት፡ ነብሲ ወከፍ ኣባለን ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝስምዖን ዝዓይን ዝነበረ፡ ክድልድላ ክንደይ ዓመት ዝወሰደለን፡  ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ዘበርከታ፡ ድሕሪ ነጻነት ብሃንደበት “ዕጸዋ ኣይተድላይን ኢኽን” ምስ ተባህላ፡ ኣባላት “እንታይ እዩ ምኽንያት መዕጸዊና? ኣሽምባይዶ እዚ ነባሪ ማሕበራት እዝስ፡ ካልኦት ሓደስቲ ሲቭïካዊ ማሕበረት ክምስረታ ኣለወን” ኣይበልናን፡፡ ትሒም ትሒም ኢልና ስቅ ኢልና፡፡ እንሆ ድማ ዋጋ “ኣሜን” ኢልና ምቅባልና ንኸፍሎ ኣሎና፡፡  ብንግሆኡ፡ ከም ደቂ ሃገርን ከም ኣባላት ማሕበራትን፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ክቋጸጸሮ ግቡእ ሙዃኑ ኣሚንና፡ እተፋላለየ ኣራኣእያ ሃልዩና፡ ግን ብዘይ ምምቅቃል፡ ብዘይ ፍርሒ ስክፍታና ነስማዓሉ፡ ነጥብታት ኣሚጺእና ዲቅ ዝበለ ክትዕ ነካይደሉ፡ ባይታ ኣይምስኣናን፡፡ï እንሆ ድማ ብዙሓት ካባና ቲቪ ኤሪ እናወላዕና፡ እዚ ኹሉ ግፍዒ ክፍጸም፡ እናርኣና የዒንትና ሰም ኣቢልና “ብዘይካ እዞም ወያኔ እዚኣቶም ጸገም የብልናን” እናበልና፡ ርእስና ኣታዓሻሺና ንሓልፎ ኣሎና፡፡
 
ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ብ ክልተ ሽሕን ሓደን ዓመት ምሕረት ዘይኮነስ ብ ሽሕን ትችዓተ ሚእትና ተስዓን ሓደን፡ ማለት ሽዑ ነጻነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ “ኣንቱም ብጾት፡ ምምሕዳር ሳሕልን ምምሕዳር ኤርትራን በበይነን ኮይነን ንረክበን ኣሎና፡ ስልጣን ህዝቢ ይካፈሎ” ዝበሉ ነይሮም ይብሃል፡፡ በዓል ገዚፍ ስልጣን ኣፍኩም ሕዙ ምስ በሎም ግን እቲ ገድሊ ነዊሕ ዎ ም ግዲ ኮይኑ ከብዶም ተሓሚሱ ከሎ፡ ኣፎም ተለጉሙ፡፡ ሽማግለታትና፡ “እዞም ደቂ ከይዕሸዉ ኣብቲ ምምሕዳር ዓበይትን ኪኢላታትን፡ ምሁራትን፡ ሙኩራትን ክሕዉሱ ኣለ ዎ ም፡ በትሪ በረኻ ዓዲ ስለ ዝኣተወ ሰቲ ኣይክውንን እዩ፡፡ ኤርትራ ብበቢዓይነተን ሃገራት እተኸበት እያ፡ ክትነበር እንተድኣ ኮይና ብሱላት፡ ክኢላታት፡ ብኹሉ ዓይነት ዝተዓጻጸፉ መራሕቲ የድልይዋ እዮም” እናበሉ እናሰምዑ፡ እናኣእወዩ እዮም ዓዲ እግዚኣብሄሮም ሓሊፎም፡፡ እቶም ነዚ ምኽሪ እዚ ብእዝኖም ዝሰምዕ ዎ  ንኻልኦት እንተዝነግሩ እቶም ዝተነግሩ ድማ ከምኡ ንዘይተነግሩ እንተዝነግሩ፡ ምናልባት እቲ ስርዓት ከይደልደለ ገለ ለውጢ ምተገብረ ኢልካ ትግምት፡፡
 
ንሓሎይ ዓመታት ገዛውቲ ከይተሰርሔ ነጻነት ምስ ተረኽበ፡ ህዝቢ ከከም ዓቅሙ ኣብቲ ዝነበሮ ብሕልፊ'ኳ ኣብ ኣሰመራ ከስርሕ ብጣዕሚ ደለየ፡፡ መንግስቲ፡ “መሬት ናተይ እዩ” ኢሉ ምስ ኣወጅ ግን፡ ኣይ ላዕሊ ኣይ ታሕቲ ኮይኑ ቀዚዙ ተረፈ፡፡ ሰበ ስልጣን ግን ዶላርን ካልእ ናይ ወጻኢ ባጤራን ኣብ ቖፋፍኦም ከእትው፡ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጥ ኤርትራዊ፡ ናይ መሬት ምግዛእን ገዘውቲ ምስራሕን ዕድል ሃብ ዎ ፡፡  “ንሕናስ ይዕበ ይንኣስ ኣብዘዘልናዮ መጽለሊ ኣሎና፡ መሬት ንኹሉ ዝኣክል ኣሎ ቅድም ግን ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝመጸ ይምኣጽኣኒ፡ መሬት ዓደቦይ፡ ከተማይ ኣይገድፍን እየ ኢለ፡ ኩሉ ዓይነት ጸገም ዝተቀበለ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ትንፋስ ተጫቃጪቁ ዝነብር ዘሎ ዕድል ይውሃቦ፡ ይርሃ ዎ ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዝብእስያ ስጋ ኣሎ እንተበል ዎ  ኣበይ ኣሎ ከይበለ ጎየየ፡ ናይ መን መሬት እየ ዝገዝእ ዘለኹ ከይበለ፡ ዘዘሊሉ ዓደገ፡፡ ኣብ ጥሮታ ክትበጽሕን ከይትበጽሕን ዘይፈለጥካ፡ ምስ ሸምገልካ ክትነብረላን፡ ንዕረፍቲ ክትጥቀመላን፡ ቤተሰብካ ክትቀብር ክትሓዝነላን፡  ኣብ ኣስመራ ገዛ ኣሎኒ ኢልካ ምእንቲ ክትጅሃርን፡ ፍትሒ ክትጭፍለቅ እናርኣኻ፡ ንጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ከይሓሰበካ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ስጋኻን ፍንጫሕ መሰንገለኻን ምዃኑ ረሲዕካ፡ ብህርፋን ምጉያይ ሓደ ካብቲ በደላት እዩ፡፡ ኤርትራ መሬታ ኣይኮነን ጸቢቡ፡ ምምሓዳራ እዩ፡፡ ኤርትራውያን እቲ ዋሕዲ ብሓደ መንገዲ ክውፅዓና ከሎ፡ ብሓደ መዳይ ድማ ይጠቅመና እዩ፡፡ ብሕጊ ዝቅየዱ፡ ምስ ዝነብዔ ዝነብዑ ምስ ዝተሓጎሰ ዝሕጎሱ፡ ኣገልገልቲ እምበር ተገልገልቲ ከም ዘይኮኑ ዝኣምኑ መራሕቲ እንተዝህልዉና፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ኣስመራን፡ ኣብ ኩሉን ከታማታት ኤርትራን፡ ከምኡ ድማ መዕረፊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ገዘውቲ መስርሔ፡፡ 
 
እዚ ዝጠቀስክ ዎ  ሓደ ሓደ መረዳእታታት፡ በደላት ምጽብጻብ፡ ደስ ኢሉኒ፡ ወይ ከሳብብ ደልየ ኣይኮንኩን፡፡ እንተኮነ ግን፡ ደቃ ብሰላም ዝነብሩላ፡ መንእሰያታ ዝመሃሩላን ዝሕንቁቁላን፡ ወለዲ “ተመስገን” ዝብሉላ ሀገር ንምህላው ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ክንጅምር እንተድኣ ኮይንና፡ ኣብ ክንዲ ተጋማሚዕና፡ ኣብ በደል እቶም ሰብ ገዘፍቲ ስልጣን ጥራይ ምቁማት፡ ናይ ገዛእ ርእስና በደል ኣሚንና፡ ነቲ ዝሓለፈ በደል ብኸመይ ንእርሞ፡ ብኸመይ ነዕርፎ፡ ንስኻ ቅሩብ ምጻእ፡ ንስኻ ኸኣ ንእሽቶ ድፋእ “በሉ ሕጂኸ ናበይ ነብል” ኢልና ኢሂን ሚሂን ምስ ንብህሃል ጥራይ እዩ፡፡  እቲ ዝበርትዔ ንኻልእ ሰብ ምውቃስን ምምዓድን ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ንገዛእ ርእስኻ ምውቃስን፡ ምምዓድን፡ ምእራምን፡ ሕማምካ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፡ ብቀዳምነት ሕማም ካልኦት ምፍላጥን፡ ዝሓውዩሉ መንገዲ ሃሰስ ምባልን እዩ፡፡
 
ሓደ ብጻይካ ዓቅሉ ጸቢብ ዎ  “ኣንታ እዚ ቃንዛ ቅርጥማት በርቲዑኒ እንታየ ዝገብሮ?” ኢሉ ክመጸካ ከሎ፡ ዋይ ሓወይ እንታየሞ ዝገብረልካ፡ እስቲ ክደርዘካ፡ እንካ ድማ እዛ ውዕይቲ ሻሂ ስተያ፡ እናሆ ድማ ንጹፍ ዓራት ሓንሳእ የዕርፈሉ፡ እንተበልካዮ ድዩ  ወይስ “ኣነስ ቅርጥማት ኣሎኒ እንዶ ኩላትና ሓደ ኢና” እንተበልካዮ? ካብታ ካልኣይቲ እታ ቀዳማይቲ እያ ቅንዕቲ፡ ዕርክነትካ ተደልድላ ድማ ንሳ እያ፡፡ 
 
ደቂ መታሕት “ኣንታ ጥልያን መሬትና ዶመንያለ ኢሉ ምስ ሓዞ ፡ ኢትዮጵያ ይጥበቅ ምስ በለቶ፡ እቶም ናህና ማለት ኣሕዋትናን ዉላድናን ዝበልናዮም ከኣ እምበር ብመሬት ይኹን ብኻልእ ፍጹም ወጺዕምና” ክብሉ ከለው፡ “ዋይ ኣሕዋትና ሓቅኹም፡ ተወጺዕኩም፡ ቅድሚ ሰብ ንነጻነትን፡ ሰላምን ዝተቃለስኩም ንስኹም እንዲኹም፡ ኩሉ ዓይነት ማህሰይቲ ኩትምኡ ኣባኹም እንድዩ፡ ኣይነቃሕናሉን ግን፡ ሕጂኽሞ እንታይ ንግበር?" ዲኻ ትብሎም፡ ወይስ “እዚ ስርዓትዚ ንዓናስ እንታይ ገዲፉልና ኩላትና ውጽዓት ኢና” ኢኻ ትብሎም? እታ ቀዳማይ መዋዳድርቲ የብላን፡ እቲ ኻልኣይ ዉድቅቲ እያ፡፡ ወጽዓካ ክፍለጠልካ ወጽዓ ብጻይካ ስማዕ ፍለጥ፡፡ ፋንዳመንታሊዝም ክጸልኦ ህዝቢ መታሕት ይጸልኦ፡፡ ሓድ ሓደ ደቁ ኣብኡ እንተዘዘው፡ ሱረ ምኽንያቱ ምፍላጥ የድሊ፡፡
 
ኣብ ውሽዑ ቁስሊ ሒዙ ላዕላዋይ ቖርበትካ ብሪቅሪ እንተበለ፡ ክሳብ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘብብጽሓካ ነብስኻ የዖሺኻ ስቅ ኣይትብልን ኢካ፡፡ እንታይ ዳኣ ነቲ ቁስሊ ተንትዖ፡ እቲ ሙግሊ ትሰዶ፡ ጽሓይን ንፋስን ተእትወሉ ፈውሲ ትንስንሰሉ፡ ድሓር ይሓዊ፡፡ ጊዜ ምስ ሓለፈ፡ ከም ዛንታ “ቀደም ኣብዚኣ ቁስሊ ነይራትኒ” ክትብል ትኽእል፡ እቲ ቃንዛን ሙግልን ግን የለን፡፡
 
መ ጀመርታ ነገር፡ ሓደ ዓይነት ልቢ ዝብሃል የለን፡፡ ሓደ ዓላማ ብበቢዓይነቱ መንገዲ ትብጽሖ ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል፡ ማለት ዕላማ ርእስኻ ምቁጽጻርን፡ ስድራ ቤትካ ምእላይን፡ መሰል ደቂ ዓድኻን መሰልካን ጉቡእካን ኣመሊእካ ብሰላም ተኻቢቢርካ ምንባርን፡፡ ካልኣይ ኣብ ሓደ ዓላማ ክትበጽሕ መ ጀመርታ ቁስልኻ ነጊርካ ሙግልኻ ኣንቲዕካ፡ ኣብ ጌጋኻ ኣቶኩርካ ክትምሕርን፡ ክትምሓርን ብልቢ ምድላይ እዩ፡፡
 
ኣምሓራ ክምስሉ ከለው እንታይ ይብሉ፡ “የገደለው ባልሽ፡ የሞተ ወንድምሽ፡ ሃዘንሽ ቅጥ ኣጣ፡ ከበትሽ ኣልወጣ” ቀታሊ በዓል ቤትኪ፡ መዋቲ ሓውኺ፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ሓዘን ነይወጸ ካብ እንዳኺ፡፡ ሽሕኳ፡ ሰብ ገዘፍቲ ስልጣን፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ጸብጺብካ ዘይውድእ ገበን ብምፍጻሞም፡ ሀገር ኣብ ዘስግእ ኩነታት ብምብጽሖም፡ ብስንኻን ጽፍርኻን መንጭቶም እንተመጸካ፡ ስለ ግብሮም ውን ክትሓዝን ይግባእ፡፡ እዞም ሕጂ ዘለው ሰብ ስልጣን፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ነዊሑ እንተተባህለ ሽዱሽተ ወይ ሸሞንተ ዓመታት ምስ ኣገልገሉ፡ “በሉ ወረድና” ክብሉ እሞ ህዝቢ ድማ “ሓንሳእ ኣዳልውና ሓደ ክልተ ዓመት ወስኹና” ኢሉ ክልምኖም፡ ንሳቶም ድማ “ደጊም ይኣኽለና፡ ምስ ህዝቤ ኮይንና መንእሰያትና ኣምሂርና፡ ካባና ብሚእቲ ጊዜ ዝበልጹ መልሚልና ኢና” ኢሎም ከቅብጹ፡ ኮፍ ኢሎም ተመክሮኦም ጺሒፎም ወይ ኣጽሒፎም ንዝመጽእ ወለዶ ከመሓላልፉ፡ ኣስማቶም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብወርዊ ቀለም ክጽሓፍ እዩ ንዓታቶምን ንህዝብን ዝሓሸ ነይሩ፡፡ ሎሚ ኣብ ስሳታት ኣትዮም፡ ኣቦታት ኮይኖም፡ ንመንእሰያት እታ ሓንቲ ይኑቨሲቲኦም ኣብ ክንዲ ዝውስኸሎም ቀስ ኢሎም ኣሕቂቖም፡ ጽቡቅ ትምህርቲ ኣሎ ኪዱ ሳዋ፡ ኪዱ ዊዓ እናበሉ፡  ከም ከቦሮ ክድሰቁ ከም ኣረጊት ዓለባ ክቅደዱ፡ ኣቦን ኣደን ሕጻናውቲ ብሓንሳእ ዝእሰሩሉ ወላዲት “ዋይ ኣነ፡ ብደወይ ዘዝቀደሙ ኣፋንየ፡ ዝዘድሓሩ ድማ መሕቢኢኦም ጨኒቁኒ፡ መኻን ሓደ ጓሂኣ፡ ኣንቲ ተካሊት ማህጸነይ፡ እንተዘይወልድ ምሓሸኒ” እትብለሉ፡ ዝብኢ ሸኾናኻ እናሓየኸ ብፍርሒ ተዋሒጥካ፡ ስቅ በል ከይሰምዓና ትብለሉ ስርዓት ፈጢርካ፡ ንኹሉ ብጎረርኡን፡ ከብዱን፡ ኣፉን ሕሪ ሕራይ ጌይርካ ሒዝካ፡ ርእስኻ ግን ከም ድላይካ ፊዕ እናበልካ፡ ነቶም ብስም ገረወኛታት ዝፍለዑ ብጠራሙዝ ርእሶም እንተርባዕካ ኣብ እንዳ ቤት መስተ፡ “ወጋሕ ትበል ለይቲ” ከትብል ምሕዳር፡ ውርደቱን ውድቀቱን፡ ናታቶም ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ህዝቢ እውን እዩ፡፡
 
እምብኣርከስ እንደገና ክደግሞ፡ ሎሚ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ፡ እቲ ዋና ስራሕ ካልእ ሰብ ክገብረልካ እናተጸበኻ፡ ኣጥልቕ ኣቢልካ ከይሓሰብካ ክርእይዋ እዮም በዓል ኩስቶ ግዓት እንጣጢዕ ውጻእ ግዓት ጠስሚ እቶ ዝብሃለሉ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ኣብ ቁኑዕ ውሳኔን ተግባርን ክትበጽሕ ንመ ጀምርታ ርእስካ ተወኪስካ ጌግኻ ኣሚንካ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ታሪኻ ከም ብሓዲሽ ኣጽኒዕካ፡ ተገንዚብካ “ህ” ኢልካ ትጅምረሉ ሰዓት እዩ፡፡ ገና ኣብ ቃልሲ ከሎና፡ መራሕቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ “ድሕሪ ነጻነት ብኸመይ ንምሓደር? ኣብ ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ንጻዕዳ ገዛኢ ብጸሊም ናትካ ተኪእካ፡ ኣብ ዝገደደ ድኽነትን፡ ውግእን፡ ሓሳረ መከራን ምውዳቅ ኣባና'ውን ከይመጽእ” ኢላና ኣቀዲምና ስለ ዘይሓሰብና ኢና ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ ረግረግ ጥቃ ተባዒጥና ዘለና፡፡
 
ሎሚ ብሕልፊ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብተን ናይ ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ኣብ ብብዓይነተን ዘለዋ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ፈጢርካ ኣብኣተን ኣቲኻ፡ ብኹሉ እንትናኻ ምስታፍ የድሊ፡፡ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ እትሳተፍ ድማ እዩ፡ መንዩ ክመርሕን ከገልግልን ዝኽእል፡ መንዩ ፍትሓዊ፡ መንዩኽ ከይሰርሔ፡ ከይተጓየየ ከየምስከረ፡ “ህዝብና ዝደልዮ ይፈልጦ እየ፡ እታ ስልጣን ሎምስ ተራይ እያ እናበለ  ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኢሉ ዝጎይ? መንዩ እታ ዝኣምነላ ሲቪካዊ ማሕበረይ ጠቅሚ ኣባላታ ትሕሉ፡ ብሓቂ ክመርሓ፡ ዝኽእል? መንዩኽ ኣንኳይዶ ክመርሕ ክምራሕውን ዘይክእል ከተለሊ ትኽእል፡፡ እወ፡ እዚ ዓቢ ሓልፍነታት እዚ ንቅሩባት ሰባት ገዲፍካ፡ ከም ትማሊ ማእከላይ መንገዲ ሒዝካ ስቅ ዝባሃለሉ እዋን ኣይኮነን፡ 
 
ኣንቱም ሰብ በብዓይነቱ ሞያታት፡ ኻብ ስራሕኩም ናይ ሓደ ዓመት ፍቃድ ወሲድኩም ወይ ፈጺምኩም ገዲፍኩም ዎ ፡ ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ከተግልግሉ ነጢርኩም ዝኣቶኹም፡ እሞ ኪድን ኣይትበሎ ከም ዝከይድን ግበሮ ምስ ኮነ ሰላሕ ኢልኩም ዝተመለስኩም፡ ሕጂውን ህዝቢ ክደልየኩም እዩ'ሞ ምስ ከማኹም ዝኣመሰሉ ብመልክዕ ብሲቪካዊ ማሕበር ናይ ገዛእ ርእስኹም መሰል ዝሕለወሉን መዓልቱ ምስ ኣኸለ ነዚ ዘሎ መንእሰይ እፎይታ ምስ ረኸበ ሞያኹም ተማሓላልፉልን መንገዲ ኣናድዩ፡፡ ዓበይቲ ኣያታትኩም ከይተማሃርናሎም፡ ከይርኣናዮም፡ ከይጸገብናሎም ሓሊፎምሲ፡ ዘሎን ዝመጽእ ወለዶን ድማ ንዓኩም ስሳታት ወዲእኩም፡ ኣብ ሰብዓታት ዘለኹም፡ ክስእን ሓዘን'ዩ፡፡
 
ኣንቱም ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ሃብታም ተመኩሮ ዘለኩም፡ ኣብ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዓዲ ዓረባትን፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዘመስከርኩም፡ ምስ ብዙሓት ዓለምለኻውያን ትካላትን፡ ማሕበራትን ድልዱል ርክብ ዘለኩም፡ “ንሕና ወርቅን ላምባን ኣሎና ኣብኡ ኢና ክንገብሮ ኣቶኩሮና” ንዝበልኹም ሰበስልጣን፡ “የለን መ ጀመርታ በቲ ፍቱን ማለት ብኣሕምልትን፡ ፍሬታትን፡ ዓሳታትን ን ጀምር፡ ወዲ ዓዲ በቲ ኣብ ገዛእ መሬቱ ዘፍረዮ ምህርቲ ሸይዑ ገንዘቡ የእቱ፡ በቲ ድማ በዓል ብርኪ ይኽውን፡ ናብርኡ ቀልጢፉ የማሓይሽ፡ መንግስቲ ድማ ኣታዊኡ ብቀረጽ ይረኽቦ” ኢልኩም ካብ 1991 ክሳብ መፋርቅ 1995፡ ካብ ጅባኹም ትኽፍል ዎ ም ኪኢላታት ኣምጺእኩም ከተረድእ ዎ ም ተጋዲልኩም፡፡ ብዘይካ ካብኦም እምበር ካብ ካልእ ዝመጸ ሓሳብ ስለ ዘይቅበሉ፡ ብተወሰኺ፡ ኣባላት መንግስቲ ባዕላቶም፡ ነጋዶን ሸቃጦን፡ ሸርሻሮን ስለ ዝኾኑ ድማ፡ ኣታሓራሪቖም ካብ ዓዲ ከም ትወጹ ጌሮሙኹም፡፡  ሃገር ብጎሬቢት ተወሪራ ምስ ተባህለ ግን ፡ ገሌኹምሲ ማዕረ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሂብኩም ይብሃል፡፡ ከመይ መመሊሱ ትሕዝቶኹም ይበርክት፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ን ኣፍሪቃ ዝኽውን'ውን የትሕዝኩም፡፡ እሞ እቲ ክሳብ ክንድቲ ትፈትው ዎ  ህዝብኹም ሎሚ ዝያዳ ካብ ቀደም ክደልየኩም እዩ፡፡ ክሳዕ ሙቹእ ሃዋህው ዝመጽእ ኣይትጸበዩ፡ ምስ ከመኻትኩም ዝኣመሰሉ ሰባት ኢሃን ሚሃን ተባሃሃሉ፡፡ ማሕበራት ኣቁምኩም፡ ከምቲ ብመልክዕ ፕሮ ጀትታት ኣቀዲምኩም ዘቅረብኩም ዎ ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓስኡን፡ ሓምሉን፡ ፍሬኡን በሊዑ ዝሓድረላ ኤርትራ፡ ክትከውን ከም ብሓዲሽ ተበገሱ፡፡ እቲ ዝምከር፡ እቲ ዝግበር፡ እቲ ዝትከል ሕጂ እዩ፡፡ ሎሚ እያ ናህና፡ ጽባሕ ክትጽብቀልካ እንተደሊኻስ ሎሚ፡ ሕጂ ኢኻ ትጓየ፡፡ ከምኡ'ውን ነተን ትኣምኑለን ውድባት ይኹና ሲቪካዊ ማሕበርት፡ ብዝሓሸ ክንቀሳቀሳ ጁባኹም ሃሰስ በሉ፡፡ እቲ ሓላፊ ትሕዝቶኹም፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይሃስስ ናይ ሰላምን ምዕባለን መሰረት ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ክስረት ከተዘውትር ዎ  ሓደራ ይብለኩም፡፡
 
ኣንትን ወራዙት፡ ክኢላታት፡ ሓለይቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብውልቅኽንን፡ ኣብ ማሕበራት ኬንክን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ዝገበርክን “ማሕበርኩም ዕጸው ምስ በሉናስ፡ ከመይ ጌርና ኢና ”ኣሜን” ኢልና ተሃሚልና ተቀቢልናዮ" እናበልክን ንርእስኽንን፡ ንብጾትክንን ክትሓታ ትስምዓ፡፡ እቲ ናይ ቀደም ብልሕክንን ተወፋይነትክንን ካባኽን ኣይከደን፡ ምሳኽን ኣብ ውሽጥኽን እዩ ዘሎሞ፡ ሃየ ክከም እቲ ዝመስልክን ብሲቪካዊ ማሕበረት ይኹን ብኻልእ መልክዓት ተጓየያ፡፡   ነተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ፡ ብድኽነትን፡ ጓህን ማእሰርትን፡ ማሲነን፡ ብናፍቖት ደቀን ዝሳቀያ ዘለዋ ኣሕዋትክን “ኣለና” ኢልክን ድምጽኽን ኣስምዓ፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ዝገደፍካዮ ነገር ክትመለሶ ክብድ ይብለካ እዩ፡ ግን ሀገራዊ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላዊ ግዴታ'ውን እዩ፡፡ ሕጂ ከም ትማሊ ስቅ ኢልካ ምርኣይ በደል ክኸውን እዩ፡፡ በብሞያኽን ብሲቪኻዊ ማሕበር ሕጂ እንተተንቀሳቂስክን ጽባሕ ኣብታ ዝደኸምክናላ ሃገርክን ናይ ሰላምን ራህዋን ኣስተውጽኦኽን ዓቢ ክኽውን እዩ፡፡ ደቅኽን ድማ ካልኣይ ዓዲ ይህል ዎ ም፡፡ ኣባይክን ይደፈን፡ መኣስ ዊሕድክን፡ መኣስ ሓሚቅክን፡፡  ንስኻትክን ብልቢ ዝተዓጠቅክናሉ ውጺኢቱ ዓወት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡ ሰብ ብዙሓት ሞያታት ኢኽን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ነጋዶ፡ መሃንዲሳት፡ መማሃራን፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሓካይም፡ ናይ ኮምፕዩተር ክኢላታት፡ መራሕቲ ነፈርቲ፡ ጸሓፍቲ ገጠምቲ፡ እንታይ ኢለ እየሞ ክጽብጽብ፡፡ እዘን ኣብ ማእከላይ ምብራቃን ኣብ ኤውሮጳን ብፍቅርኽንን ተወፋይነትክንን ዘመስከርክንን፡  ዓለምን ዘደንቅክን፡ እቶም ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብቲ ዝበለጸ ቤት ምህርቲ፡ ኣቀራርባን ኣካሻሽናን ተማሂሮም፡ ኣብ ዓበይቲ ሆተላት ኣሽሓት እናተኸፍሉ ዝዓዩ ዘለው፡ ክንዲ ፍርቅኽን ኣይኮኑን እዮም እንተበልኩ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፡፡ ብዘይ ብኣኽንን፡ ብተመኩሮ ዝተማሃርክንኦ ሞያኽንን፡ ህዝቢ ካብ ባሕሩ ዝገፈፎ ዓሳ ካብ ግራቱ ዝሓፈሶ ጥረ ምረ ብውሕልነት፡ ብነእምሮንን ብንኣካላትን ዝጠቅም ኣገባብ ክበልዖ ኣይክእልን እዩ፡፡ ንስኻትክን ተርእያ፡ ደቅኽን ደቂ ደቅኽን ድማ ይጽሕፋ/ይጽሕፉ፡፡ እሞ ሲቪካውዊ ማሕበር፡ ንዓኽን ትጠቅም፡ ንህዝቢ ድማ ትረድእ ሙቛም ናይ ግደን ከድሊ እዩ፡፡
 
 
ኣቱም ኣብ ናይ ዓለም ባንካታት ትሰርሑ ዝነበርኩም፡ ፈርጣዕ ደሞዝ እናተከፈልኩም ብመንግስቲ ኤርትራ ኣቢልኩም ንህዝቢ ኤርትራ ፡ኤኮኖሚያዊ ራህዋ ዘስዕብ ፖሊሲ ከተማኽሩ ዝተመዘዝኩም፡ ኣንስትኹም ኣብ ሃብታማት ጽዓዱ ዝቅመጥ ዎ  እናተቀመጣ፡ ደቅኹም ኣብቲ ዝበለጸ ቤትትምህርቲ እናኸዱ፡ ሕንኽ ከይበልኩም “ህዝቢ ኤርትራ ባኒ'ምበር ደሞክራሲ ኣይኣድልዮን እዩ” ትብሉ፡ ፈተወቲ መንግስቲ ኮንኩም ምእንቲ ክትርኣዩ ርእስኹም ኣዋሪድኩም ሑኽ ትብሉ፡ ንኻልኦት ድማ መንግስቶም ከም ዝጸልኡ ጌርኩም ተቅርቡ፡ ተጋጊኹም፡፡ ህዝቤ ኤርትራ፡ እናጠመየ፡ እናታኣስረ፡ እናተረሸነ፡ ምስ ደቁ ተጋደልቲ ጠጠው ዝብለሉ ምኽንያት፡ ናይ ገዝእ ርእሱ መንግስቲ ስለ ዝደለየ እዩ፡ መንግስቱ ይፈቱን፡ የኽብርን እዩ፡፡ እወ ባዕሉ ዝመረጾ መንግስቱ፡ ቅዋም ተኸቲሉ ርእሱ ከም ኩሉ ተራ ህዝቢ ትሕቲ ሕጊ ገይሩ ዝኸይድ መንግስቱ፡፡  ንስኻትኩም ዶላራት ኣብ ጁባኹም ጌርኩም ምሩጽ ቅጫ ኣድራጋ እናበላዕኩም፡ ሰበ ስልጣን ጽቡቅ ኣሎኩም ትብል ዎ ም ዘለኹም፡  ጸላእቶም እምበር ፈተውቶም ኣይኮንኩምን፡፡ ፈተውቶም እቶም ያዕ ዝብል ዎ ም እዮም፡፡  እንተዝሰምዕ ዎ ም ጽቡቅ ነይሩ፡ እንተዘይሰምዑ ድማ ዕድሚኦም ኣይዋሓደን መን ዝነበሮ ከይነብሩ፡ ደቖም፡ ደቂ ደቖም ኣብ ሰላምን ራህዋን ዘለዋ ሃገር ምስ ነበሩ፡ ኣብ መቃብሮም ኮይኖም ይምርቁ፡፡ እቲñ ኣብ ቁሸት ከለኻ ብንእሰነትካ ትምነዮ ዝነበርካ ኣብ ኣስመራ ቪላታት ምውናን ከይተርፈካስ፡ ያኢ ምስፋሩ ውሕስነት ከም ዘለካ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምርሳሕ፡ ኣብ ከመዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ምሽካል መግለጺ ክትረኽበሉ የሸግር፡፡ ሎሚ ንስኻትኩም ኣያታት ጥራይ ኣይኮንኩምን፡ ኣቦታት፡ ሽማግለታት ኢኹም፡፡  ኣብ ገጠር መታዓብይትኹም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ክትምሃሩ፡ ንሳቶም ብንኣሽትኦም ተመርዕዮም፡ ኣቦታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣቦሓጎታት ኮይኖም፡ ምስ መጭዓንኦምን ኩሉ ሓይሎምን ንገድሊ ክሕግዙ ላሕ ኢሎም፡ ብሕሱም መነባብሮ፡ ብዘይመዓልቶም ኣሪጎም፡ ዓዲ እግዚኣቢሂሮም ከይዶም እዮም፡፡ እቶም ንጣር ዝተረፉ ድማ ኣስናኖም ረጊፉ፡ ብርኮም ሓንጊዱ “ዋይ ሕሱም ጊዜ፡ ኣታ ኳዓት መቃብርና'ኳ ንስእን” ይብሉ ኣለው፡፡ ንስኻትኩም ድማ “ዕድል ረኺብና ተመሂርና፡ ነቲ ዘመሃረና ቁሸት፡ ነቶም ደቅን፡ ደቂ ደቅን መታዓብይትና፡ ነተ ñዘመሃረና ህዝቢ፡ ዕዳና ክንከፍል ጉቡእና እዩ፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንኣፍሪቃ'ውን “ኣለናልኪ” ክንብላ ሓላፍነትና እዩ” ኢልኩም ተልእኾኩም ክንዲ ትፍጽሙስ፡ ኣብ ጥልመት ኣቲኹም፡፡ ብሓቂ እዚ ሓዝንን፡ ናይ ገበን ገበንን እዩ፡፡ ለካ ትምህርቲ ብዘይ ልቦናን ምስትውዓልንሲ መጋበርያ ጨካናት እዩ ዝገብረካ፡፡ 
 
ስለዚ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክ ዎ ፡ ሎሚ ወጅሃላ ዘረባ ዝዝረበሉን፡ ኩነታት ኣበይ የምርሕ ከም ዘሎ ኢድካ ኣጣሚርካ እንርኣኻ፡ መኣስ እዩ ግዓት 
እንጣጢዕ ወጺኡ ግዓት ጠስሚ ዝኣቱ ዝባሃለሉ ጊዜ ኣይኮነን፡ እንታየ ድኣ፡ ጌጋኻ ፈሊጥካን፡ ተኣሚንካን፡ ብጽሞና ሓሲብካን፡ ጸገምካ ጥራይ ዘይኮነ፡ መ ጀመርታ ጸገም ብጻይካ ፈሊጥካ፡ ካብ ዝሓለፈ መሪር፡ ሕሱም ተመክሮ ተማሂርካ፡ ብምስትውዓልን፡ ብኣብ ቅንዕና ዝተመርኮሰ ሓድሕዳዊ ፍቅርን፡ ምክብባርን፡ ምጽውዋርን፡ ምምሕሓርን፡ ንጽመጽእ ወለዶ ምሕሳብን፡ ስለ ንኹሉ ፍትሕን፡ ንኹሉ ዘላቂ ሰላምን ኢልካ ብዘይ ተጉላባ ትብገሰሉን፡ ትሰርሓሉን፡ ትጓየየሉን ሰዓት እዩ፡፡ 
 
እግዚኣብሄር ብዓይኒ ምሕረቱ ይጠምተና፡ ናይ ከሕደትን፡ ጓህን፡ ሕማምን፡ ድኽነትን፡ ምፍልላይን፡ ስደትን፡ ማእሰርትን፡ ሞትን፡ ጊዜ የሕጽረልና፡፡ ተዋቃቂስና፡ ተባኺና፡ ተዳባቢስና፡ ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ፡ ንሱውኣት ዘቅሰኖም ሰላምን ራህዋን ይሃበና፡፡ ኤíርትራ መንእሰያታ ዝምሃሩላ፡ ዝሕንቁቁላ፡ ዝዕምቡቡላ፡ ዝምርዓውላ፡ ዝወልዱላ፡ ዓበይታ ዝስሙዑላ፡ ዝኸብሩላ፡ ወለዲ “ተመስገን” ዝብሉላ፡ ጳጳሳታን መሻይኻታን ስለ ሓቅን ፍትሕን ደው ዝብሉላ፡ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ ዝሕለወላ፡ ብርኽትን፡ ቅድስትን ሃገር ይግበረልና፡፡ ኣሜን፡፡
 
ኣበባ ተስፋግዮርጊስ
4/5/06 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...