AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE

Download HQ video
ድምጺ ደሊና
  08 መጋቢት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ሓብትኻ ኣበይ ኣላ?

ሓብተይ ብተፈጥሮኣ ሓላል‘ያ። እዛ ናተይ ሓብቲ ከምታ ናትኩም ሓብቲ ሙኻና ርግጸኛ እየ። ከመይ‘ሲ ኩላትና ኤርትራውያን ካብ ማህጸን ኤርትራውያን ኣዴታት ኢና ወጺኣና። ጡብ ኣዴታትና ጠቢና ኸኣ እግሪ ተኺልና። መብዛሕትና ኤርትራውያን ፍቕሪ ኣደ ኣስተማቒርና ኢና ዓቢና። ኣብ ዝባን ኣዴታትና በቲ ብቆርበት ዝተሰርሐን ብዛዕጎል ተሰሊሙ ዝወቀበ ማሕዘልን ደቂስና ጸጉሪ ኣዴታትና ኣንዳመንጨጭና ዓቢና። ኤርትራዊት ኣደ ነዚ ኹሉ ፍቕሪ ውላድ ካብ ልቢ ለጊሳቶ እያ። ደቃ ብሰላም ክነብሩ የሕዋታ‘ውን ቀሲኖም ከይንቀሳቐሱ መግዛኣቲ ሓሊኹ ሒዝዎም ከምዘሎ ስለ ዘስተብሃለት፣ መግዛእቲ‘ውን ዒቕ ስለዝበላ ግን ጨኪና፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓላኺ ባህልታት ሰጊራ ካብ ውሽጠ ብምውጻእ ንጀለብያ፣ ብሓጺር ስረ ተኪኣ ናብ በረኻ ወጺኣ ብረት ብምሓዝ ኣብ ጎድኒ የሕዋታ ተሰሊፋ። እታ ኣብ ዓዲ ዝተረፈት‘ውን ቀንዲ ስንቂ ቓልሲ ኤርትራውያን ኮይና መኪታ። እዚ ኹሉ፣ ክንዮ መዓልቲ 8 መጋቢት ዝኸይድ ዓቢ ታሪኽ‘ዩ።

ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ናታ ኣስተዋጾኦ ብምግባር ናጽነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ ግን እቲ ክትረኽቦ ዝግበኣ ክብሪ ክትረክብስ ይትረፍ ኣብ ሃገራ ደቃ ሓቒፋ ብሰላም ክትነብር‘ውን ኣይከኣለትን። ሎሚ እታ ሓቀኛ ኤርትራዊት ኣደ ብሰንፈላል ሻቕሎት ደቃ ከብዳ ሓቒፋ ትሓድር ዘላ እያ። ገለ፣ ውላዳ ኣበይ ተቐይዱ ከምዘሎ ሓበሬታ ዝተነፍጋ፣ ገለ ሞት ውላዳ ብወግዒ ዘይተነግረት‘ሞ ኣብቲ መሪር ቀብሪ ውላዳ ክትሳተፍ ዘይተዓደት፣ ገለ ኸኣ በዓልቤታን ውላዳን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ብዘይ ዓስቢ ባርያ ኮይኖም ጅሆ ተታሒዞማ ስለዘለዉ፣ ብሕሰም መነባብሮ ትበልዖ፣ትኽደኖን ተጽልለሉ ቤትን ሲኢና ኣብ ቅሉዕ ልመናን ምንዝርናን ዘላ ኣያ።

እዛ ኤርትራዊት ኣደ ውሉዳ ብሰንኪ መወዳኣታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ካብ ህግደፍ ክሃድም ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኣብ ዝኣትወሉ፣ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ ሚልዮናት ናቕፋ ክፈሊ ትበሃል ኣላ። ካብዚ ብዘይፍለ‘ውን በቶም ንባርነት ዝፈረድዎ፣ ውሉድኪ ዳግማይ እንተዘይወሊድክዮ ተባሂላ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ክትከፍል ዝተገደደትሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብ ባሕሪ ንዝጠፉኡ ደቃ ኣብ ቤተክርትያናት ጸሎተ ፍትሓት ከይትገብር ዝተኸልከለት‘ውን ኣዲኣ ቱቕጸራ። ካላሽን ሒዛ ተምበርኪኻ ንሓርነታ ከምዘይተኮሰት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓዲ ዓረብ ተምበርኪኻ ስሚንቶ ትውልውል ዘላ‘ውን ውሕድቲ ኣይኮነትን። ኤርትራዊት ኣይቀሰነትን። ውላድ መኻን ኮይና ፣ ምስ ወጹ ዘይተመልሱ ደቃ ክትጽበ ዝርንዛሕ እንዳነብዐት ኣፍ ልዳት ገዝኣ ከፊታ ፍጭም ኢላ ትጽበ ዘላ።

ሓብትና ኣበይ ኣላ? እንታይ ይገጥማ‘ሎ? ከመይ ኢልና‘ኸ ዕርዲ ንኾነላ?

ሓብታና ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ባርነት መፍልሒት ቡን ብልሽዋት ሓለፍቲ ህግደፍ ኮይና፣ ብግበሪ ኣይትግበሪ ክብራ ሸይጣ ክትነብር ተገዲዳ ኣላ። ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት እንተወጸት ብምሕሳብ ከኣ ገሊኣ ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ ብፍኑው ኣደዳ ጥንስን ሕርስን ኮይና ዝተደርበየት፣ ገለ ኸኣ ካቡኡ ብተዓጻጻፊ ዘስካሕክሕ ኣብ ጉዕዞ ስደታ ካብ ነጋዶ ደቂ ሰባት ሰፍ ዘይብል ጾታዊ ዓመጽ የጋጥማ‘ሎ። እዚ ሂወት ሓብትና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ሕስረት ኣብ ልዕሊ ሕስረት ግህሰት ኣብ ልዕሊ ግህሰት ኣንዳወለደ ይቕጽል ኣሎ።

ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ግን እንታይ እዩ ስርሑ? ንመዓልቲ ሸሞንተ መጋቢት‘ከ ብኸመይ ይርደኦ?

እዚ ማሕበር‘ዚ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ክጣበቕስ ይትረፍ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከንጸባርቖ‘ውን ይኸብዶ እዩ። መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ዝተፈጸመ ክቡር ስራሕ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ከም መሸቀጢ ብምጥቃም ናይ ጓይላን ዳንኬራን ዕለት ጥራሕ ብምግባር ንመከራን ጸቕጥን ኣሕትና ጎስዩ ነቲ መዓልቲ ጨውዩ ዘይትርጉሙ ሂብዎ‘ሎ። ዓለም ዝሰከሓሉ ስቓይ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ንፈውሲ ማሕላ ከም ኣጀንዳ ከተልዕሎ ዘይከኣለት ኣደ ወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ወይዘሮ፠፠፨ ንኸብዳ ጥራሕ ትሓድር ፈታዊት ነብሳ ሙኻና ስርሓ ይምስክረ‘ላ ኣሎ። ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ መጋቢት ኸኣ ብዝተፈላለየ ጥልፊ ዙርያ ብኸበሮን እምብልታን ኣብ ልዕሊ ስቓይ ኣሓታ ብሳዕሳዒት ጥራሕ ዘኪራቶ ትውዕል ኣላ። እዚ ግን ሓጥያት እዛ ወይዘሮ ጥራሕ ኣይኮነን። ገለ ዓያሹ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ‘ውን ነቲ ነዚ ኹሉ ውርደት ዝዳርገን ዘሎ ስርዓት ክውድሳ ይረኣያ እየን። ብጨርባሕባሕ ኣዋርቕ፣ ብድምጺ ከበሮታትን ጣቕዒትን ብዝተፈላለየ ኣጫርቕ ዝተሰለመ ዓለባታት ወድየን ዝር ይብላ ኣለዋ። ሕሉፍ ሓሊፍወን‘ውን ንስእሊ ሊቀ ኣጋንንቲ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ዓራተን ዝሰቐላ ከም ታቦት‘ውን ሽምዓ ዝውልዓሉ ኣይተሳኣናን። ደምበ ተቓውሞና ነዚ መዐቀኒ ዘይብሉ ገለ ስድነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉድለት ንቕሓት ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ብምግማት ናብ ልበን ክምለሳ ብዙሕ ጻውዒታት ይገብረለን ኣሎ። ሰማዕቲ ክኾና ዘለዎ ትጽቢት ከኣ ልዑል‘ዩ።

ሎሚ ሸሞንተ መጋቢት ብዛዕባ‘ታ ደሃይ ውላዳ ዘይረኸበት፣ ኣብ ሲናይ ኮይና ተእዊ ዘላ፣ ደቃ ኣብ ዘይሪኢዋ ሕቡእ ሸላታት ተዷጊና ዘላ፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት መከራኣ ትጸግብ ዘላ፣ ብዘይ ድልየታ ኣብ ሃገራዊ ባርነት ዝተሰከመቶ ድቂ ሒዛ ከርተት ትብል ዘላን ብምጥፋኣ ደሃይ ውሉዳ ትሻቐል ዘላ ዘኪርናያ ክንውዕል ይግበኣና። ሸሞንተ መጋቢት መቆጻጸይ ኣእጋርናን መንቀሳቐሲ መናኹብናን ኮይኑ ክሓልፍ ኣይንግበር። ብዘይ ኣደ ሃገር የላን። ብዘይ ሓብቲ ፍቕሪ የለን። ጥዑይን ክብሩ ዝሓለወ ኤርትራዊ መንነት ክቕጽልን ክህልውን ኣንተኾይኑ ህላውነት ጥዕና ዘለዋ ኤርትራዊት ኣደ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ዘጋጥም ዘሎ ግህሰት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ መድሃኒቱ ቃልሲ እዩ። እዚ ቃልሲ‘ዚ ግን ንደቂ ኣንስትዩ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹላህና ዝምልከት‘ዩ። ኣደይ ኣበይ ኣላ? ሓበተይ ኣበይ ኣትያ? ክንብል ኣንተዘይኪኢልና ኤርትራዊ ሕልናና ከንቱ እዩ። ድሕሪ ደጊም ስቕታን ትዕግስትን ከብቅዕ ኣለዎ። መልሲ ሓብትኻ ኣበይ ኣላ ከሐርነና ይግባኣ። ንኽብራ ኸኣ ንሓርነታ ብዝግበር ቃልሲ ንፍትሓዮ። ተሳትፎ ጉል ኣንስተይቲ ክዓዝዝ እጃምና ነበርክት። ኣደ ጠርናፊት ስድራን መሰረት ሕብረተሰብ ሓደ ሃገር‘ያ። ሓብትኻ ኣበይ ኣላ?


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...