AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 02 መጋቢት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ካብ ኤርትራ ዝስደዱ ዘለዉ ህዝቢ፣ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ፍልይ ዝበለ ሓያል ፈተና ከም ዝገጥሞም ተገሊጹ።

ኢኮ ዝተባህለት ፍልጥቲ መርበብ ሓበሬታ ካብታ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ዝስደዱ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት መብዛሕቶኦም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ሓያል ዝኾነ ፈተናታት ይገጥሞም ከምዘሎ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታማ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኤርትራ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ብሓደ ዝነብሩላ ሃገር ክነሳ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምስ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ጥራሕ ክመሳሰል ዝኽእል ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ምእመናን ክርስትና ሕልፍ ዝበለ በደላት ይፍጽም ከምዘሎ ጠቒሳ።

ኣብ ኤርትራ ንተቓውሞ ሰልፍታት ዝኸውን ባይታ ይኹን ናይ ነጻ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ከምዘየለን ኣስታት 10 000 ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ተቐይዶም ከምዘለዉ ዘፍለጠት‘ታ መርበብ ሓበሬታ ካብታ ሃገር ከምልጡ ዝፈተኑ ህዝባ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ኣዝዩ ከቢድ ፈተና ይገጥሞም ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ።


መራሒ ናሚብያ ፕረዚደንት ፖሃምባ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ተዓዲሉ።

ሽልማት ሞ ኢብራሂም ንመራሒ ናሚብያ ከምዝተዋህበ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ሎሚ ብወግዒ ሓቢራ። እዚ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ነቶም ኣብ ምምሕዳር ሃገሮም ኣርኣያ ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት ዓመታዊ ዝወሃብ ግንዖን ምልሶት ሰናይ ምምሕዳሮምን‘ዩ። ፕረዚደንት ፖሃምባ ኣብቲ ንናጽነት ሃገሩ ዝተገብረ ቃልሲ ተሳታፊ ምንባሩን መጀመርያ ኣብ 2004 ክም ፕረሲደንት ድሕሪ ምግልጋሉ ቀጺሉ‘ውን ኣብ 2009 ንዳግማይ ተመሪጹ ምንባሩ ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ። ፕረሲደት ናሚብያ ወዲ 79 ዓመት ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ስልጣኑ ከረክብ‘ዩ። እዚ ሽልማት እዚ ሎሚ ንራብዓይ ግዚኡ‘ዮ ዝዕደል ዘሎ።

ብሰንኪ መራሒ ሃገር ፓሃምባ ኣብ ናሚብያ ሰባኣዊ መሰል ዜጋታት ተሓልዩ ኣብታ ሃገር‘ውን ደሞክራሲ ሰፊኑ ከምዘሎን ናጻ ፕረስ እታ ሃገር‘ውን ብዘይ ዕንቅፋት ስርሐን የሳልጣ ከምዘለዋ ኣቦ ወንበር‘ታ ናይ ሽልማት ኮሚቴ ሳሊም ኣሕመድ ሳሊም ሓቢሩ። ናሚብያ ናብ ጎደና ብሩህ ምዕባለ ዝመረሐ ፕረሲደንት ፓሁምባ ብህዝቡ ልዑል ተቐባልነት ከምዘለዎ ይንገር። 


መልሲ ዘይብሎም ሕቶታት

Wednesday, 11 December 2013 10:34 ጻዳል ዮሃንስ

እወ እታ መዓልቲ መስደምም ዝኾነት መዓልቲ ካብ ጸሓይ ብራቖ ክሳብ ዕራርቦ-ጸሓይ  ሃንቀውታን ሻቕሎትን በብእብረ ዝተፈራረቓኣ ዕለት መዓልታ እውን ከምዛ ሎሚ ኢያ ዚነበረት። እታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ሓደ ወገን ሃለዋት ጴጥሮስ ብዘይምፍላጥና ዝኽርታቱ ኣብ ቅድሚ  ገጽና ቅጅል ቅጅል እናበለ ምሉእ መዓልቲ  ንልብናን ቀልብናን ሃምናን ሰዊሩ  ኣይ ኣብ መሬት ኣይ ኣብ ሰማይ ሓዲግ መኣዝና ዘስሓተት ዕለት ኰይና፤

በቲ ሓደ ወገን እንቋዕ’ኳ ኣስቴር ትመጸእ ኰነት፡ መጺኣ እውን ደቃ ትሕብሕብ ተጸናንዕ ብማለት ባዕልና ንባዕልና ንነብስና ኣጸናኒዕና ቆልዑ ኣኻኺብና ንመዓርፎ ነፈርቲ ነስቴር እወ ነዛ ኣስቴር ንምቕባል ኢና ዘምራሕና። ሒጂውን  ሃምናን ቀልብናን ናብታ ናይ ምቅባል ኣዚርና ንዝሰፍን ፍጻሜ ሕውስውስ ብዝበለ ስምዒት ኣብቲ ቦታ በጻሕና።  ኣብኡ ካብ ልዑል ሓንቀውታ ዚተላዕለ ክሳብ ንርእያ ተሃዊኽና ከመይ ተቐዪራ ትኸውን ብዝብል ነናትና ግምት ክንዛረብን ድሕሪ ምጽናሕና ከይተፈለጠና ብውሽጥና ዝን ብማለት  ከነስተንትን ጀመርና።

ጊዜ ከመይ ኢሉ ከምዝሓለፈ ኣይተፈለጥናን እታ ንጽበያ ዝጸናሕና ነፋሪት ክትዓልብን ኹሉ ኣቓልቦናን ሓሳብናን ናብኣ ኮይኑ ከምዛ ክንዘራረብ ዘይጸናሕና ሽዑ ግን ፍጹም ጸጥታ ነጊሱ ኩልና ካብ ምጥምማት ሓሊፉ ኣፍና ተለጉመ።  እንታይ ኢዩ ኪኸውን ሕጂ? እንታይ ኢና ክንብል? ቆልዑኸ? ኣስቴር’ከ? መልሲ ዘይብሎም ሕቶታት....ሕቶታት ኣብ መንጎ ከምሰባ... ከምብጾታ ዕጫ ሮማ በላይነሽን ካልኦትን ተልዕል ዝብል ሓሳብ ባዕልና ኣልዒልና ንባዕልና ንጸናናዕ ነበርና።  ቆልዑት እንተ ኾኑውን  ሃንቀውትኦም ናፍቆቶም ኣብ ዓይኖም ይርኤ ነበረ። ኣዲኦም ብማዕዶ ክርእዩ  ዝከኣል እንተዝኸውን መንደቅ ንምፍራስ ኣይምዓጀቦምን።  ዓቕሊ ሰኢኖም ናብዝን ናብትን ይጥምቱን ይንቀሳቐሱን ነበሩ። መን ቀደመ ዕንባባ ዝህብ እውን ነንዝመጽእ ጋሻ ተመለስ ንኽብልዎ ተሪፍዎም እንበር ናብቶም ኣጋይሽ  ቀሪቦም ዘይተጸግዕዋ ኣደ ኣይነበረትን።

በብሓደ ኣጋይሽ ምስ ቤተሰቦም ተራኺቦም ነናብ ቤቶም ኣምሪሖም ኤርፖርት ጭውጭው ምስ በለት   ጠፊኡዎም ንመን ከም ዝሕተት።  ዋእ እንታይ’ዩ ጉዱ ? እንታይ ኣጋጢሙ ? ተሪፋ’ዶ ደኣ ኮይና ? ነፋሪት’ዶ ገዲፋታ .... ሕጂውን ሕቶታት....ሕቶታት መወዳእታ ዘይብሉ ሕቶታት... መልሲ ዘይብሉ ሕቶታት ፡ ሰማዒ ዝሰእነ ሕቶታት ኣልቦ መልሲ ምስኮነ በብቁሩብ ኣብ ኢድ ቆልዑ ዝነበረ ዕንበባታት ዘርጠብጠብ እናበለ ክወድቅ ከም ሓደ ተኽሊ ወቅቱ እናሓለወ ዝረግፍ እናቐምሰለ ክበታተን ኣዕንቲ ንብዓት ካብዚ መጺኡ ዘይበሃል  ዘርጠብጠብ ክብል ጀመረሞ እተን ተሓቛቚፍና ክንሰዓዓምን ናይ ናፍቖት ውዑይ ንብዓትና ሓዊስና ክንጸናንዓለን ዝተቀረባ ኣእዳውና ከይተፈለጠና ብጓሂን ሻቅሎትን ንድሕሪት ተጠውየን ተረፋ ሓንጎልና ንቡር ምምዝዛን ኣጥፊኡ ንመሓውርና ይኹን ኣካላትና ፍጹም ካብ ምቁጽጻር ሓዲግ ኮነ፡ መን ንመን እንታይ ከም ዝብሎ ፡ ኣበይ ? ንመን ? በየን ? መን ኢዩ ዝሕተት ከማን ጠፍኣና።

ከምቲ ጴጥሮስ ኣብ ባጽዕ ዝፍተወኒ ዝብሎ ጸሓይ ክትበርቕ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ክትዓርብ ንውሽጢ ባሕሪ ዝብሃግ ትርኢት ዘይኮነ ሽዑ ጸሓይ ንውሽጢ ባሕሪ ንሓዋሩ ኣትያ እያ ጠሊማ ። ልብና’ውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ደም ጥራይ ዘይኮነ መዓንጣና ተኾምቲሩ ኣሕ ምባል ምስ ተጀመረ መሪር ሓሞት እውን ምንጻግ ዝጀመረ።

ናይ ኣስቴር ሃንቀውታ ሓቚፋን ስዒማን ዘይጸገበቶም ደቃ እሞኸኣ ሓልዮትን ፍቕርን ናይ ኣቦ ብሰንኪ ማእሰርቲ ዝተነፈጎም ኣእዳዋ ዘርጊሓ ክትሓቕፎም ክንደይ ተሃንጥያ ከም ዝነበረት ሕጂ’ውን ክሳብ ሎሚ ኩሉ ጊዜ ተዘርጊሔን ይርኣያኒ፡  ናይ ወላዲት ፍቅርን ለውሃትን ክሳብ ክንደይ ዓሙቊን ትብዓትን ዝመልኦ ከም ዝኾነ ተዘክረኒ፡ ቆልዑ ናይ ሽዑ ዝነበረ ድሌቶምን ሕልሞምን ድማ ብየማን ብጸጋም ዓጒጎም ነዲኦም ክሓቚፉን እቲ ተፈልያቶም ዝነበረትሉ ዝሓለፋ ናይ ህይወቶም ዛንታታት ኪነግሩ ሰእልታት ይኹን ናይ ትምህርቲ ውጽኢታት እዚ ከነርእያ ኣብዚ ክንወስዳ ምስ መሃዙትና ከነፋልጣ ኢሎም ዝተዳለዉሉ ኩሉ ትርጉም ሰኣኑሉ ፡ ምስጢሩ ገሪምዎም ኣቦናን ኣደናንሲ ተጋዲሎም ነጻነት ዘምጽኡ ክነሶም ንምንታይ ተኣሲሮም ? ኣበይ ኣሎ ኣበይ ኣላ ? መኣዛ ዝነኣሰት ካብ ኩሎም እንታይ ኢልካ ከም ትንገር ዓቕልና ጸበበና ኣይክርደኣን እዩ ብማለት ድማ ኣብቲ ናይ ቀዳማ ትፈልጦ ዝነበረት ስርሑ ባጽዕ ከይዱ ስለ ዝተባህለት ኩሉ ጊዜ ባባ እንታይ ኮይኑ ዶንግዩ ኣይመጽእን ድዩ ናፊቀዮ እንድየ እንዳበለት ክትሓትት ጀመረት ናይ ኣስቴር ኩነታት’ውን ንበይና ስለ ዘይፈለጠት ማማ እንታይ ኮይና ዘይትድውል ኣይርድኣን ድዩ ከምዝናፍቃ ክትብል እንከላ ዝስመዓና መሪር ስቓይ ንምግላጹ ዘተሓሳስብን ከቢድን እዩ።

እወ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ኩላትና ክንሓቶ ንደሊ መልሲ’ውን ንጽበየሉ

መን? ንመን ? ኣበይ ? መዓስ ? ከመይ ? በየን ? ኣበይ ኣላ ? ኣበይ ኣሎ ? እንታይ ኮይኑ - እንታይ ኮይና ?

....ሕቶታት


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...