AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 24 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ ሕጂ‘ውን መስመርና ክፉት ምህላዉ ደጊምና ክንሕብረኩም ንፈቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓያሎ ተኸታተልትና ኣብ መስመር ብቐጥታ ኣባላት ድምጺ ደሊና ክትረኽቡ ብዘይምኽኣልኩም መልእኽትኹም ኣብ ተቕባሊ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ኣየቐመጥኩምን። ንመጻኢ መልእኽትኹም ቀሪጽኩም ጥራሕ ክትገድፉልና እንዳተማሕጸናን ስለቲ ተገዲስኩም ምድዋልኩም እናመስገናን፣ ንሎሚ ናይ ሓደ ተኽታታሊና ብስልኪ ዝሃበና ርእይቶ ከነቕርበልኩም ኢና ።


ስርዓት ህግደፍ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ፍጥነት ኢንተርነት ብምድኻም ንህዝብና ካብ እዋናዊ ሓቀኛ ሓበሬታ ክዕፍን ይረአ‘ሎ።

ከምቲ ኣቕድም ኣቢልና ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ዘቕረብናዮ፣ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ በተን ልሳናቱ ዝኾና መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ ጥራሕ ኣእምሮ ዜጋታትና ብሕማቕ ኣተሓሳስባ  ክሓጽብ ብምሕላን፣ ካብ ደገ ብመንገዲ ኢንተርነት ሶሊኹ ብዝኣቱ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዘማዕብል ሓበሬታታት ክቖጺ መታን፣ ንፍጥነት ኢንተርነት ኣዛሕቲሉ፣ ንህዝብና ዓፊኑ ክሕዞ ይረአ‘ሎ።

ኣብዚ ቅንያት‘ዚ ብዘይካ እተን ኣብ መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታት ዝርከባ ብፍሉይ ሓያል ፍጥነት ኢንተርነት ዝተሶኽዓለን ኮምፑዩተራት ካልእ ኩሉ ብደገ ኢንተርነት ክጥቀም ዝህቅን ህዝብና፣ ኣብ ሽግር ወዲቑ‘ሎ። ህግደፍ፣ ካብተን ነጻ ፕረስ ዘየፍቅዳ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ኮይኑ፣ ሓያሎ ጋዜጠኛታት‘ውን ንዓመታት ኣብ ምስጢራዊ ጎዳጉዲ ዘሕቀቐ ዕሉል፣ ጸረ ሓቀኛን ደሞክራስያዊን ሓበሬታታት ደው ዝበለ ስርዓት ሙኻኑ ንዓለም ኣመስኪሩ እዩ።


ቁጽሪ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ፖሊስ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣማኢት ኤርትራውያን ቆሉዑ ብዘይ ስድራን ብዘይ መቕርብን ከምዝሓዘን እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ ኣሃዝ ክነጻጸር እንከሎ፣ ኣዝዩ ከምዝደየበን ሓንቲ ኣብ ካሰል ጀርመን እትሕተም ጋዜጣ ንጸብጻባት ሃገራዊ ፖሊስ ጀርመን ብምውካስ ጽሒፋ።

ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝለዓለን ተወሳኽን ክንክን ስለ ዘድልዮም ሃገራት ኤውሮጳ ሰፍ ዘይብል ባጀት ንሕክምና፣ መጽለሊ፣ መግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ትምህርትን ካልእን ይሓቶም ከምዘሎ ይግለጽ። እዚ ንሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ ሽግራት ዝፈጥር እኳ እንተኾነ፣ ንሃገርና ግን ውላድ መኻን ዝገብርን መጻኢኣ ዘጸልምትን ሙኻኑን ብዙሓት ወገናት የጠንቅቑ። ህግደፍ እዚ ጉዳይ መፍትሒ ከናድየሉስ ይትረፍ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናይ ዳንኬራ ዳስት ብምድላው ንፕሮፓጋንዳ ስእሊ ካብ ውሽጢ ዓዲ ደረፍቲ እናሰደደ ናብ ዝያዳ ጥፍኣት ይሸሞም ኣሎ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት መንግስታት ቀዳማይ ዓለም ፈጢረናሎም ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከይጥቀምሉ ዕድሚኦም ወሲኾም ብምሃብ ነቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉን ገና ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘለዉን መቕርቦም ክሕግዙ ኣብ ዘይጠቅም ስርሓት ክዋፈሩ ይግደዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።


ሓይሊ ጽቡቕ ድሌት

ሓተታ ኣዝማሪኖ ዳት ኮም

3 ሰነ 2004

ጽቡቕ-ድሌት ርክብ ሕድሕድና ክብ ኣብ ምባልን ኩሉ መዳያዊ ኩነታትና ኣብ ምምዕባልን ዓቢ ሓይሊ ኣለዎ ። እዚ ሓይሊዚ ዜጋታት ኣብ ነንሕድሕዶም ካብ ዘለዎም ምትሕልላይ ይምንጩ።

ብዙሓት ካባና፡ ሻቕሎት ዓዲ ስለዘለና፡ ሽግራት ሃገርና ኣድማዒ ፍታሕ ዝረኽበሉ ሓድሽን ኣድማዕን መገድታት ኣብ ምድህሳስ ንግደስ። እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተበግሶና ምስ መን ክንዛረበሉን ከምኡ ውን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ይዐፍኣና ሞ፡ ንዕነድ።

በብውልቅና ኣፍረይቲ ኣይኮናን ፥ ኣብቶም ብልምዲ ምስ ተቓወምቲ ተኣሳሲሮም ዝረኣዩ ዘመተታት ከኣ፡ ምትእምማን የብልናን። ስለዚ፡ ሻቕሎትና ንምዕራፍን ናይ ምትሕግጋዝ ባህግና ንምርዋይን ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ  ዝብል እምነት ኣለና። ምእንቲዚ፡ ንጽቡቕ-ድሌትና ከም ኣድማዒ ሓይሊ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ-ድሌት ህዝብና እቲ ዝዓበየ ጸጋ ሃገር እዩ፥ በዚ ድምር ሓይሊ ዚ ኸኣ ህዝባዊ ርኢቶ ክጽሎ ከምዝኽእል ከኣ ኣየጠራጥርን።

ቀዳማይ ዕማምና እምበኣር፡ ካብ ኩሉ ቀጸላታት ህዝብና፡ ሰብ ጽቡቕ-ድሌት ዝሓቊፍ ደምበ ውፉያት ምምስራት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ብህዝባዊ ርኢቶ ዝተደገፈ ሓይሊ ውጽኢቱ ዓቢ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ።

ቅድሚኡ ግን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ማሕበረሰባትና ግምጋም ክግበረሉ ኣለዎ ፥ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ዝምድና ቅኑዕ መኣዝን ምትሓዙ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ። እቲ ኣብ ማሕበረሰባትና ዘሎ ከቢድ ፍልልይን ምፍንጫልን ጽቡቕ-ድሌት ብምርኣይ ብኸፊል ክጽገን ይኽእል እዩ። ከምቲ ወረጃታት ዝብሉ ዎ ፡ ብሓይሊ-ጽቡቕ ድሌት ክፍታሕ ዘይክእል ሽግር የልቦን። ጽቡቕ-ድሌት ብዕቱብነት እንተተሰሪሑሉ፡ ንማሕበረሰባትና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንሃገርና ኤርትራ ከዕብያ ይኽእል እዩ።

ደምበ ኣዝማሪኖ፡ ጽቡቕ ድሌት፡-

  •  ጥቅው ርክብን ምርድዳእን፡ ብጻይነትን ሕውነትን ክንፈጥር ከተባብዓና ይኽእል፥
  •  ብዛዕባ ሽግራት ኤርትራ ቅኑዕ መረዳእታ ክህልወና ይሕግዘና# እቲ መረዳእታ ድማ፡ ንህይወትና ዘገድሱ ሓበሬታታት እናተላዋወጥናን እናተመዓዓድናን ጸገማትና ብኣድማዕነት ክንገጥም የኽእለና፥
  •  ኣብቲ እንነብረሉ ሃገራት ምስ ዘለዉ ማሕበረሰባትን መሓዙትን ከቃራርበናን፡ ብሃናጺ ንጥፈታት ዐቓሚ ሰብኣዊ ዝምድናታት ክንምስርትን ውን ምርኩስ ክኾነና ይኽእል፥  ዝብል እምነት ኣለና።

ከምዚ ዝበለ ሓያል እምነት፡ ኣብ ኩውንነትና ኮነ ኣብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ቅልውላው ንዘለና ኣረኣእያ ሓድሽ መኣዝን የትሕዞ። ጽቡቕ-ድሌት ብግቡእ እንተተታሒዙ፡ ውልቃዊ ናብራና ንምምሕያሽ ንእንገብሮ ጻዕሪ ብኣውንታ ኣብ ልዕሊ ምጽላው፡ ንሃገርና ብዝበለጸ መገዲ ንምህናጽ፡ ዓቕምና ክብ የብሎ።

ጽቡቕ መጻእን ተስፋን፡ ኣብዞም ሕመረት ጽቡቕ-ድሌት ዝኾኑ ውፉያት ዜጋታት እዩ ዝምርኮስ። መራሕቲ፡ ኣመሓደርቲ፡ ሞያውያንን ክኢላታትን፡ ፖለቲካዊ ዝምባሊኦምን ዝብጽሖም ጉጅለን ብዘየገድስ፡ ብዘይ ደገፍ ናይቶም ሰብ ጽቡቕ -ድሌት ልሙሳት እዮም ክበሃል ይከኣል። 

ትዅረትን ንቕሓትን ዘለዎ  ህዝባዊ ርኢቶ፡ ንነገራውን ሞራላውን ህንጸት ሃገርና ወሳኒ ኣድላይነት ኣለ ዎ ። ኣብዚ ኣገዳሲ ረቛሒ ዚ ውን ውፉያት ሰብ ጽቡቕ ድሌት ክሳብ ዘለዉና ምብጽሑ ዘይከኣል ኣይኮነን።

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመዑ ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ንሓይሊ ጽቡቕ ድሌት ዛጊት ክጥቀሙሉ ከምዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ተራእዩ ሎ። ምኽንያት ናይዚ ፍሽለት ዚ ድማ፡ ብዘይውልውል ፖለቲካዊ እዩ። እዞም ኣብ ደምበ ኣዝማሪኖ እንርከብ ከኣ፡ ነዚ ድኻም ዚ ንምፍዋስ ኢና ተላዒልና ዘለና። እዚ እዋን ዚ ካባና ዝዐልቦ፡ ነቶም ልግስን ምልውዋህን፡ ተገዳስነት ኣብ ስድራቤትን ሕድሕድን፡ ከምኡ ውን ምሕጋዝ ጽጉማት ዝኣመሰሉ ብሉጻት ክብርታትና ክንዕቅቦምን ከነማዕብሎምን እዩ። 

ንርእስናን ሃገርናን ከነርብሕ፡ ጽቡቕ-ድሌት ከም መሰረት መጻኢ ዝምድና ማሕበረሰብናን የአንገድትናን ክኸውን እምበኣር፡ ናብቶም ብሉጻት ክብርታትና ክንምለስ ኣለና። 

 

 

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...