AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 23 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ሃገራዊ ባርነት ሙኻኑ ቢቢሲ ኣቃሊዑ።

ፓውል ከንዮን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብኣካል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ሱዳን ብምብጻሕ ኣስታት ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝረኸበን ሓያሎ ህጻናት ደቂ ሸውዓተ ዓመት ጥራሕ ከይተረፈ ብዘይ ስድራቤቶም ካብ ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ኣብቲ መዓስከር ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።

ገለ ስደተኛታት ብኹፉታት መካይን ገለ ድማ ብእግሪ ጸልማት ቶጎልቢቦም ንዶብ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝሰግርዎ ዝሓበረ እቲ ጋዜጠኛ፣ እቶም ስደተኛታት ነቲ መዓስከር ከም መጻንሒ ጥራሕ ክጥቀምሉ ከምዝመርጹ ብምግላጽ ናይ መጻኢ መደባቶም ብምድረበዳ ናብ ሊብያ ብምሕላፍ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ ኤውሮጳ  ምንባር ሙኻኑ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ኣብ ጸብጻቡ ወሲኹ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ብወገኖም ንጠንቂ ስደቶም ተሓቲቶም ዝሃብዎ መልሲ፣ ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ከምዘይመረጹ ድሕሪ ምግላጾም። ገሊኦም ንስዊዘርላንድ ገሊኦም ንዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ሰላማዊ ሂወቶም ክመርሑ ከምዝደልዩ ገሊጾም።

ጋዜጠኛ ፓውል ኣብ መወዳእታ፣ ንጸብጻብ ኤምነስቲ ኢንተርናሽናል ብምጥቃስ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዋ ብምሕባር ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዘይብላ ሃገር ሙኻና ገሊጹ።


ወዲ ሰላሳን ሸውዓተን ኣመሪካዊ ሙዚቀኛ ንስደት ኤርትራውያን እትገልጽ መጽናዕታዊት ፊልም ንምድላው ይብገስ።

ክሪስ ኮተር ሙዚቀኛ ኮይኑ ናብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለማት ብምዛር ሓያሎ ሃገራት ዝበጽሐ እኳ እንተኾነ ነዛ ሕጂ ብዛዕባ ስቓይ ህዝባ ዶኩመንታርይ ፊልም ክሰርሓላ ዝጓየየላ ዘሎ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፍጹም ይፈልጣ ከምዘይ ነበረ ገሊጹ። ክሪስ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ናብ ከንያን ታንዛንያን ብምካድ ንእምባ ኪሎማንጃሮ ዝሓኾረ፣ ናይ ሃገራት ምብጻሕ ፍሉይ ዝምባለ ዘለዎ እንተኾነ ንኤርትራ ግን ከም ሃገር ክፈልጣ ዕድል ኣይረኸበን። ካብ ቀረባ እዋን ግን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ኣቦ ዓርኩ ክሰምዕ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ክሪስ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብምውራድ ንኹነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምዕዛቡን ምስ ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ምዝርራቡን ነዛ ሕጂ ክሰርሓ ዝህንደድ ዘሎ ፊልም ኣብ ምዕራፋ ንምብጻሕ ናይ ገንዘብ ወፈያ ጎስጋሳት ክገብር ድሕሪ ምቕናይ ነቲ ወጢንዎ ዘሎ ናይ 30 ሽሕ መበገሲ ገንዘብ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከምዝኣከቦ ገሊጹ። እታ Refugee: The Eritrean Exodus –  ኢሉ ክሰርሓ ወጢንዋ ዘሎ ደኩመንታርይ ፊልም ኸኣ ኣብ መወዳእታኣ ከብጽሓ ሙኻኑ ብርእሰ ምትእምማን ይገልጽ።


ባዕለይ ተዘንጊዐየዶ? ልበይ ጠሊሙ?

FRIDAY, 23 MAY 2008 22:33

ሎሚ ገኒኑ ዘሎ ዘሕዝንን ዘጉህን ነገር ነቲ ህዝብና ዘውረሰና፡ ኣብ ባይቶ ተኣኪቡ ምስ ለባማት ዓበይቲ ዓዲ ዘትዩ፡ ተኸባቢሩ፡ ንለባማት ሰሚዑ፡ ዝሓይሽ መሪጹ፡ ዝናበረሉ ዝነበረ ሕግን ስርዓትን ገዲፍና፡ ኣብ ሃለውለው ምእታውና እዩ፡፡ ነዚ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ሕጊ እንዳባን፡ ባህልን፡ ክእለትን፡ ኣበይ ከምዝጐዝሓፍናዮ እንድዒ፡ ኣሰሩ የለን፡፡ ሎሚ፡ ዘበኑ ዘምጽኦ፡ ኣነ እየ ፈላጥ፡ ንስኻትኩ እንታይ ኣፍሊጥኩም፡ ጥራይ ንዓይ ስምዑ ዝብል ባህሊ'ዩ ስዒሩና ዘሎ፡፡ ካልእ ክዛረብ ዘይፈቅዱን ጽን ኢሎም ክሰምዑ ዘይደልዩን፡ ቀቅድሚ ለባማትን ምሁራትን ክዛረቡ ዘየሕፍሮም፡ ንባይቶን ህዝብን ፋሕ--ብትን ከእትውሉ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ቆሊባታት ብዚሖም፡፡ ከም ጓል-በረኻ ኣብ ጠጠረሮም ኰይኖም፡ ንዝተዛረበን፡ ዝጸሓፈን፡ ምክፋእን፡ ንዑ ኣካፉኡና እናበሉ ምጽውዋዕን ዝሓዳሮም ወሪሶምና፡፡ 

ኣንታ ብስመኣብ ወይ ቢስሚላህ እንዶበሉ! እንተብልካዮም፡ መሬት ዝተገልበጠ መሲሊዎም ሰብ'ዮም ዝጥህሩ፡፡ ንገብሮ ጥፊኡና፡፡ ኣደታትና፡ "ሰብ መሲሉኒ ኣምኒ ቖንጢየ፡" ዝብላ ዝነበራ፡ ሰበይ ዝብልኦ፡ እምኒ ኰይኑ፡ ዘይተጸበይኦ ጸበባ ምስረኸባ እየን፡፡ እምኒ ከኣ እንተወደቐካ ይሰብርካ፡ እንተወደቐካዮውን ይሰብረካ'ዩ፡፡ ኩሉ ወዮ ኰይኑ፡፡ ፈውሲ ስኢናሉ፡፡ ዝሓለፈ ታሪኽና ምዝካር ነዚ ኣጋቲሙና ዘሎ ጸገምፈውሲ ንምርካብ ክሕግዘና ይኽእል'ዩ፡፡ ባዕለይ ተዘንጊዐየዶ? ወይ ልበይዶ ጠሊሙኒ! ጥራይ ካብ ምባል ከኣ ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ፡፡

ከምቲ ኹልና ንፈልጦ፡ ኣብ ዓለም ዝነብር ወዲ ሰብ ብዙሕ'ዩ ዓይነቱ፡፡ ዕድል እንተረኺቡ ግና ክመሃር ዘይክእል ህዝቢ የለን፡፡ እንተዀነ ግና ከይመሃርን ከይፈልጥን ማዕጾ ቤት ትምህርቲ ረጊጦም፡ ንህዝቢ ከም ውሕጅ ኣብ ድላዮም ክኣልይዎ ዝደልዩ ብዙሓት ዓመጽቲ በብዘበኑ ከምዝጐበጥዎ ታሪኽ ዝመዝገቦ ሓቂ እዩ፡፡ ብኸምዚኦም ዝተታሕዘ ህዝቢ ከኣ ንጥፍኣቱ'ዩ፡፡ እዚ ሓደጋ'ዚ ተራእዩዎም፡ "ዘይተማህረ ኣየድሕን፡ ዘይተወቅረ ኣየጥሕን" እናበሉ ህዝቦም ክምህሩን ናብ ቅኑዕ መንገዲ ክመርሑን ዝተቓለሱ ዓበይቲ መማህራን ኔሮም'ዮም ኣብ ሃገርና፡፡ እዞም መምህራን'ዚኦም፡ ነቶም ህዝቢ ክመሃርን ክፈልጥን ዘይደልዩ፡ ብጊዚያዊ ትቕሞም ዓዊሮም፡ ንህዝቢ ንስልጣኖም መናውሒ ጥራይ ክጥቀሙሉ ዝደልዩ ሰብ ክፋእ ግብሪ ከይቅድምዎም ብዙሕ'ዮም ተጓይዮም'ዮም፡፡ 

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአን፡ ኤርትራ ሃገርና ከም ሊብያን ሶማሊያን ካብ መግዛእቲ ጥልያን ሓራ ምስ ወጸትን፡ ህዝብና ክምተን ክልተ ሃገራት ነጻነቱ ክረክብ፡ መንግስቲ መስሪቱ ክነብር፡ ወይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ክሕወስ፡ ዝሕሾ ኽመርጽ ዕድል ተዋሂቡዎ ኔሩ፡፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ኸኣ ዕድል ኩሉ ጊዜ ማዕጾ ክትኩሕኩሕ ስለዘይትነብር እዛ ዕደል'ዚኣ ከይተጠቐምናላ ሓሊፋ፡፡ ከመይ'ላ ከምዝመለቘትና ሎሚ ተመሊሱ ክስተንትኖ ንዝፈተነ ኤርትራዊ፡ ይድንጽዎ ይኸውን፡፡ ዘደንጹ'ዩ ኸኣ፡፡ ሎሚ ነዚ ቁሩብ ዓመታት ዝገበረ ታሪኽና ንዝተመልከተ ግና፡ ህዝብና እንታይ ክመርጽ ከምዝሕሾ፡ ከረድእዎ ዝኽእሉ ውሑዳት መራሕቲ ጥራይ ስለዝነበሩ ምዃኑ ክርዳእ ይኽእል፡፡ 
ናብዚ ሕማቕ ዕድል ዝወደቕናሉ ምኽንያት ብዙሕ'ዩ፡፡ ህዝብና ፋሕ ጨንገራሕ ኣትይዎ'ዩ ኔሩ፡፡ ኤርትራ ንእርትራውያን ዝብሉ ኔሮም፡፡ ምስ ጥልያን፡ ምስ እንግሊዝ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ይሕሸና ዝብሉ ቁጽሮም ውሑድ ኣይነበረን፡፡ ዝገደደ ኸኣ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተመቒላ፡ ምዕራባዊ ቆላ ምስ ሱዳን፡ ዝተረፈ ምስ ኢትዮጵያ ይተሓወስ፡ ዝብል ክፉእ ሓሳብ፡ ሳላ በዓል ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣንን ዝርከቡዎም ምዑታትን ለባማትን መራሕቲ እዩ ፈሺሉ፡፡ ሃገርና ከኣ ሳላኦም ናብ ክልተ ካብ ምምቃል ንሕንጢጥ ድሒና፡፡

ምስ ኢትዮጵያ ንተሓወስ ዝብሉ ዝነበሩ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተሓገዙ፡ ልቢ ንዘይሰቖሩ መንእሰይ እናለኣኹ፡ ነቶም ዝተቃወሙ ኣሕዋቶም፡ ክሃድኑን፡ ክቐትሉን'ዮም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ኔሮም፡፡ ሽርሕን ጉርሕን፡ ናይ ኣመሪካን፡ ኣውሮፓን፡ ኢትዮጵÆያን፡ ጥቕመይ ጥቕምኻን፡ ተሓዊሱዎ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቋሪና፡፡ ፓኪስታን ግና፡ "ኤርትራ ከምተን ካልኦት ግዝኣት ጥልያን ዝነበራ፡ ሊብያን ሶማልያን ነጻነታ ክትረክብ'ዩ ዝግበኣ፡፡ ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ንፈደረሽን ከኽብሮ'የ ኢላ እንተመሓለትን እንተጠሓለትን፡ ተቐቢላ ተኽብሮ'ያ፡ ማለት ዘይሕሰብ'ዩ፡፡ ንጋገ ኣለና፡፡" እናበለትናብ ሕቡራት ሃገራት ጉባኤ ኣእውያትልና'ያ፡፡ ሰማዒ ግና ኣይረኸmትን፡፡ ብፍላይ ናይ ኣመሪካ ውጭ ጉዳይ ሚኒስቴር ፎስተር ደለስ፡ "ኤርትራ ብሓቂ ነጻነት ይግበኣ ኔሩ፡ ግና ጥቅምና ክንሕሉ ንኽእል ምስ ኢትዮጵያ ኣንተሓወሰ'ትያ፡" ምባሉ ነጻነታ ከምዝግበኣ ከምዝኣምነ'ዩ ዘረድእ፡፡ ዕድልና ኸፊኡ ግና በዚ ኩዒትካ ቅበር ዝዀነ ፍርዲ፡ ህዝብና ኣብ ክወጾ ዘይክል ኣርዑት ኣትዩ ንዓመታት ተሳቐዩ፡፡ 

ወዮም፡ "ኢትዮጵያ ወይ ሞት፡" ዝበሉ ነሕዋቶም ክሃድኑን፡ ክቕትሉን ዝውዕሉ ዝነበሩ ዕዋኖታት ከኣ፡ "ስሕታን መዓልቲ ውዒልና፡ ነቶም ግደፉ፡ ነጻ ምውጻእ ይሕሸና፡ ንዝብሉ ኣሕዋትና ከንጥፍእ ከይደቀስና ንሓድር ኔርና! ብሕሉፍ ጽላለ ተሳዒርና ኔርና!" እናበሉ ዕድመኦም ሙሉእ፡ ብጣዕሳን ጓሂን ተዋሒጦም፡ ካብ ባሕሪ ከብዶም ከይወጸሎም ሓሊፎም'ዮም፡፡ "ኢትዮጵያ ወይ ሞት፡" ኢሎም ጨዲሮም፡ ነሕዋቶም ኣጥፊኦም፡ ከይተፈለጦም ንናጽነት ኤርትራ ምስ ቀረበት ኮሊፎማ። ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢሎም፡ ኢትዮጵያን ሞትን ረኺቦማ፡፡ ንኹልና ለኪሞምና ሓሊፎም። 

ብሰንኮም ከኣ ኣብ ድርኩኺት በጺሓ ተንዃኵሕ ዝነበረት ነጻነትና ንኽንደይ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሳ። ብድኹምን ክሰርሕ ዘይክእልን ፈደረሽን ዝበሃል መተዓሻሸዊ ስርዓት ተተኪኣ፡፡ ሰኣን ዘተን፡ ምስትውዓልን፡ ንምሁራትን ለባማትን ምስማዕ፡ ሃገርና ምስ ኢትዮጵያ ተቛሪና፡፡ ንዓመታት ደም ነቢዓ። ህዝብና ክኣ ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ ክኽፍል ተገዲዱ፡፡ "ግዝኣት እንግሊዝ ንዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ኣንተዝኸውን ደኾን ምሓሸና ኔሩ? ብዙሓት ብፖለቲካ ዝበሰሉ ለባማትን ምሁራትን መፍረና ኔርና!" ዝብሉውን ውሑዳት ኣይኰኑን፡፡

ርግጽ ለባማት ከኣ ኣይሳኣነትን ሃገርና፡፡ ግና ውሑዳት ኰይኖምስ በቶም ብዙሓትን፡ ዘይለበሙን፡ በብምኽንያቱ ዝዓወሩን ዝዓሸዉን ተዓብሊሎም፡ ተሳዒሮም፡፡ "ኣንታ ግደፉ! እዛ ሎሚ ረኺብናያ ዘለና ዕድል ተመሊስና ኣይንረኽባን ኢና፡፡ ደቅናን ደቀ ደቅናን ንዛ ዕደልዚኣ ንኽመልሱ ንዓመታት ደሞም ከፍሱሱላ እዮም፡፡ ደሞም ከም ውሕጅ ክዛሪ እዩ፡፡ ናይ ክንደይ መንእሰይ ህይወት ከምንኸፍለላ ኣምላኽ'ዩ ዝፈልጦ፡፡ ነጻነት ብዓይኖም ክርእዩዋ ዝኽእሉ ኸኣ ኣምላኽ ዝመረቖም ጥራይ እዮም፡" እናበሉ ትንቢት ተዛሪቦም ሓሊፎም'ዮም፡፡

ገለ ብሃይማኖት ተሳሒቦም ዝተታለሉ፡ ገለ ዝኸማና ጸልም-ቆርበት ይሕሸና ዝበሉ፡ ገለ ብጥቕሚ ዝተዓሸዉ፡ በዚሖም፡ ዕድልና ምሉቅ ኢላ ጠፊኣ፡፡ ህዝብና ብዝተጋገዩ ምስሌነታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብጊዚዝያዊ ጥቕሚ ዝዓወሩን፡ ተጎቲቱ ጸዲፉ፡፡ ከምታ ለባማትና ዝበልዋ ኸኣ፡ ህይወት ምሩጻት ደቅናን ደቂደቅናን ከፊልናላ፡፡ ደሞም ፈቐዶ ጎቦን፡ ሽንጭሮን፡ ጎልጎልን ፈሲሱ ተሪፉ፡፡ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ኣብ ኣብ ደማዊ ኩናት ኣትዩ፡ ዘይረኽቦም ብሩራት ደቁ ኣጥፊኡ፡ ነጻነቱ ብደሙ ክዕድግ ተገዲዱ፡፡

ወዮም ንህዝብና ኣብዚ ኹሉ ኣደራዕ ዘእተዉዎ ዓያሹ፡ ነዚ ኹሉ ጸበባ ብዓይኖም ምስ ረኣዩ፡ ነጻነት ሃገሮምን ህዝöቦምን ከም ዘጥፍኡዋ ምስ ተረድኡ፡ ናብ ነብሶም ምስ መጸቶም፡ ዋዕ ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ኰይኑዎም፡ ብህይወቶም ከለዉ ከኣ፡ ጣዕሳ ምውጻእ ኣቢዩዎም፡ ቁንቁነ ኰይኑ በሊዑዎም'ዩ፡፡ ባ ዕ ለ ይ፡ ተ ዘ ን ጊ ዐ ይ፡ እናደረፉ ዕድመኦም ኣሕሊፎማ፡፡ ህዝብና ኸኣ፡ ደድሕሪኦም ባ ዕ ለ ይ፡ ተ ዘ ን ጊ የ! ባ ዕ ለ ይ፡ ተ ዘ ን ጊ ዐ የ! ባ ዕ ለ ይ ዶ ዘ ን ጊ ዐ የ! ኢñልካ ምድጋም ጥራይ ኰይና ተሪፋ ዕድሉ፡፡ ወየ! ወየ! ኢልካ ቆዚምካ፡ ተናሲሕካ፡ ወይ ይቕረታ ሓቲትካ፡ ባዕለየ! ባዕለየ! ወይ ልበይ ጠሊሙኒ ኢልካ ዘይምለስ ጣዕሳ፡፡

እዚ ባዕልና ዘጥፋእናዮ ዕደል ምስ ጠፍኤ፡ ሃገርና ናብቲ ድኹም፡ "ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ" ዝበሃል፡ ንቡዙሓት ዳርጋ ነጻነት መሲሉ ዝተራእዮም መዓሸዊ ስርዓት'ያ ዝኣተወት፡፡ እቶም ብስርዓት ፈደረስን መሰረት ዝተመርጹ 68 ኣባላት ባይቶ፡ ስልጣን ኣብ ኢዶም ዘሎ መሲሉዎም ፍሕትሕት ኢሎም፡፡ እታ " ኣንታ ዕዋኖ ኣብ ኢድካ ኸሎስ ልማኖ" ትብል ደርፊ ህዝቢ ሽዑ ዝደራፋ ክትከውን ትኽእል'ያ፡፡ መንሞ ክሰምዕ፡ ዝዕሹ ብዚሑ፡፡ ኣባላት ባይቶውን በብመትሓዚኦም ተታሒዞም ነቕ ክብሉ ኣይከኣሉን፡፡ ስለዚ ሕጂውን ህዝብና ማይ ዓሚኹ ተሪፉ፡፡ ባዕለየ! ባዕለየ! ምድራፍ ኰይና ዕድሉ፡፡

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ እታ ፈደራሽንውን፡ በዚሓትኩም ተባሂሉስ፡ "ፈደረሽን ፈሪሳ፡ ኤርትራ ፍጹም ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና፡ ኣጣቕዑ፡ ተሓጎሱ፡ ደብሉ፡ እልል በሉ፡" ብዝብል ኣዋጅ ህዝቢ ኤርትራ እዝኑ ጸሚሙ፡፡ እቶም ብስርዓት ፈደረሽን ተመሪጾም ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ከኣ ነታ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነትን ዝፈጠረቶም ስርዓት ፈደረሽን ንህዝቢ ከይተወከሱ ኣፍሪሶማ ተባሂሉ፡፡ እቶም ኣባላትውን ተበቲኖም ተሪፎም፡፡ ህዝብና ከኣ ኩሉ ዕድላት ምስተዓጸዎ ናብ ዲቕ ዝበለ ደማዎ ኩናት ክኣቱ ተገዲዱ፡፡ 

ድሕሪ ክንደይ ደማዊ ኩናት፡ ኣስመራ ምስ ተኸበት፡ "ደርጊ ተሓግሒጉ ክወጽእ'ዩ፡ ለቖትኡ ጠቕሊሉ ክክኸይድ'ዩ፡ ደቅና ሎሚ ወይ ጽባሕ ኣስመር ክኣትዉ'ዮም፡" እናበለ ህዝቢ ብተስፋ እናተጸበ ኸሎ፡ ተጋደልቲ ነንሕድሕዶም ስለዝተኽፋፈሉን፡ ነንሕድሕዶም ሓመድ ስለዝተጋበሩን፡ ሩስያ ስለዝዘረየቶምን፡ ህዝቢ ዝጽበያ ዝነበረ ነጻነት ትኪ ዀይና ተሪፋ፡፡ ጮራኳ ጠፊኡ፡፡ ናይ ህዝቢ ተስፋ ከዘይነበረ ዀይኑ፡፡ ቀሪባ እናበለ ሃንቀው ዝበላ ነጻነት ከኣ፡ ንዓመተት ንድሕሪት ተመሊሳ፡፡ ህዝቢ ንኻልኣይ ጊዜ ልቡ ተደፊኑ፡፡ ሕጂውን፡ "ባዕለይ ተዘንጊዐየ1 ባዕለይዶ ዘንጊዕየ? ምድራፍ ኰይና ዕድሉ፡፡ 

ኤõርትራ ሃገርና ንሰላሳ ዓመታት፡ ህይወት ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ ክትከፍል ተቐሲባ። ኽንደይ ጀጋኑ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ስንጭሮን ተሪፎም። ብህወት ዝተረፉ ጀጋኑ ነጻነት ለቢሶም ዓዲ ኣትዮም። ምእንቲ ህዝቦም ዝተቓለሱ ተጋደልቲ ብጥራይ ኢዶም ታንክታት ይማርኹ ከምዝነበሩ ንዘንት-እለት ከይደኸምና ክንደጋግሞ ንነብር ናይ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ደቅናን ዘኩርዕ ታሪኽ'ዩ፡፡ ደርግ ከኣ፡ በዞም ጀጋኑ ተዳሂሉ፡ መምስተሳዕረ፡ ነቶም ሓቦኛታት ደቂ ህዝቢ፡ "በመድሃኒት ኣስክረው ነው እኮ የሚልክዋቸው!" (ብፈውሲ ኣስኪሮምዮም ናብ ኩናት ዝልእኹዎም!) እናበለ ንስዕረቱ ምኽንያት ከቕርብ ይስማዕ ኔሩ፡፡ ዳርጋ ከምታ፡ "ተረቲዕና ከይብሉስ ይግባይ ይብሉ" ዝበሃል፡ ብሸተት ጀሚሮም፡ ህድማ ተተሓሒዞማ፡፡ 

1991 ዓመትና ዀይና ሃገርና ሓራ ወጺኣ፡፡ ህዝብና ታሕጓስ ስዒርዎ ንመዓልታት ዘሊሉ፡ ዓንዲሩ፡ ኣብ መንገዲ ደቂሱ፡፡ ነጻነት ሒዞም ዝመጹ ደቁ ሓቒፉ፡ ስዒሙ፡፡ "ኣምላኽ ኣውያትና ሰሚዑ ክሒሱና፡፡ "እንቛዕ ድኣ ነጻነት ረኣና እምበር፡ ደጊም ሞት ከም ኣዳም፡" ኢሉ እንቅዓ ተንፊሱ፡፡ ሳላዞም ጀጋኑ ደቁ፡ ተዓዊቱ፡ ጸባ ሰትዩ፡፡ እንቛዕ ድኣ ነጻነትና ተገናጸፍና እምበር፡ ኩሉ ዝሓለፈ ይቀምጥ፡ ምጽብጻብ ይጽናሓልና፡" ኢሉ ምስቶም ውጻእ መዓት ዝዀኑ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሊሉ፡ ደቢሉ። ንዝሓለፈ ኹሉ ብታሕጓስ ከዲንዎ ሓሊፉ። "ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ፡ ኣብ ሩባ ዘሎ ዉሕጅ ይሰዶ፡" እናበለ ነጻነት ከስተማቕር ጀሚሩ።

እንተዀነ ግና፡ ህዝቢ ብታሕጓስ ተሳዒሩ ኸሎ፡ ካብ ቀደም ጀሚሮም ነሕዋቶም ኣብ መድፈናታት ምዕባጥ ዝለመዱ፡ ከምቲ ኣብ ሜዳ ዝለመድዎ፡ ሰላሕ እናበሉ፡ ህዝቢ ዝዕልለሉ ዝነበረ ነጻነቱ ብምሉቕ-ምሉቕ ኣጥፊኦሞ፡፡ ሽማ ጥራይ ሒዙ ከምዝተርፍ ጌሮሞ። ወዲ ሰብ ብሕጊ እንተዘይተቐይዱ፡ ያዕ ዝብል፡ ስርዕት ግበር፡ ብሕጊ ተቐየድ፡ ብዓንደጽ ተመለስ፡ ዝብሎ እንተዘይብሉ፡ ክሓስቦን ክፍጽሞን ዝኽእል ጥፍኣት መወዳእታ የብሉን። ሰለዚ እዩ ኸኣ ንኹሉ ክመርሕ ዝኽእል ሕግን ቅዋምን ዘድልዮ። ልዕሊ ሕጊ ኰይኑ፡ ቃሕ ዝበሎ ዝገብር፡ ዝሽልም፡ ዝኹሕል፡ ዝመቁሕ፡ ዝቐትል፡ ፈለል፡ ሽፍታ፡ ውልቀ-መላኺ ወይ ዲክታተር'ዩ ዝበሃል፡፡ 

ወዲ ሰብ፡ ክሳብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ፡ ክእለት ብዘለዎም ደያኑ ዝፍረድ፡ ገበነኛዩ ምባል ምጽላም'ዩ፡፡ መሰል ወዲ ሰብ ምግሃስ'ዩ፡፡ ብሕጊ ዘሕትት ገበንውን'ዩ፡፡ ነዚኣ ዘይትገሃስ መሰል ዘይፈልጥን፡ ዘየኽብርን፡ እናፈለጠ ዘጽቅጥን ሰብ ወይ መንግስቲ ህዝቡን ሃገሩን ለኪም'ዩ ዝጠፍእ፡፡ መዓልቱን ሰዓቱን ክነውሕ ወይ ክሓጽር ይኽእል እምበር ምጥፍኡስ ዘይተርፍ'ዩ፡፡ ግፍዒ ክፍጸም እናረኣኻ፡ ምጽቃጥ፡ "ጽባሕ ናባይ" ምዃና ዘይምፍላጥ'ዩ፡፡ ኣሰር ቀዳማይ ዳሕራይ ከምዝበሃል ተወጢጥካ ምጥፋእ'ዩ፡፡ ካልእ ክጠፍእ ዘየእወየ ናብኡ ምስ በጽሐ፡ ኣታ ሰብ ጠፍአ! ኢሉ እንተእወየ ዝሰምዖ ኣይርከብን'ዩ፡፡ ክትጅመር ከላ እያ፡ ሰለምንታይ ሕጊ ይጠሓስ ኣሎ? ብሕጊ ምጹ፡ ብሕጊ ኺዱ ምባል፡፡

መሰል ወዲ ሰብ፡ ብሕግን ብቅዋምን'ዩ ዝሕሎ፡፡ እዚ ዝዀነ ክሰግሮ ዘይግባእ መሰል ወዲሰብ ኣዩ፡፡ ብቅዋምን፡ ሕግን ዝምራሕ መንግስቲ ክንተክል እንተኺኢልና ኢና ኸኣ ክእለት ዘለዎም፡ ብሕጊ ጥራይ ዝምእዘዙ፡ ደያኑ ዘለዉዋ ሃገር ክንምስርት ንኽእል፡፡ ሕግን ቅዋምን ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ከሳስን ተኽሳን ከይቀረቡን ዝብልዎ ከተሰምዐን፡ እዚባ እቲባ እናበልካ ምፍራድ ብሕጊ ምልጋጽ'ዩ፡፡ ፍርዲኮ ንርእስኻ ምዃና ኣይንረስዕ፡፡ ቅድሚ ንምፍራድ ምህንዳድና፡ እዛ ፍርዲዚኣ ንኣይ ምተገበኣትኒዶ? ኢልና ምስ ሕልናና ክንማኸር ግቡእ እዩ፡፡ ከምዚ ተዛሪቡ፡ ጽöሒፉ፡ ጌሩ፡ እናበልካ ዘይወዓለ ሃተፍተፍ ምብዛሕ፡ ምፍራድ ዘይኰነስ ንጹህ ሰብ ምጽላም'ዩ፡፡ ዘሕፍር ተግባር'ዩ፡፡ ምሕረት ዘይግብኦ ዓቢ ሓጥያትዩ፡፡ ዓይንኻያ እናረኣየ፡ እዝንኻ እናሰምዕ ገሃነብ ምእታው'ዩ፡፡ 
ውልቀ-መላኺ ወይ ዲክታትተር ማለት ብሓይሉ ዝገዝእ፡ ሕግን ቅዋን ዘየኽብር፡ እቲ ዝዓበየን ሕሉፍን ሓጥያተይና ማለት'ዩ፡፡ ብሓይሉ ዝገዝእ፡ ብዝሓዞ ጠበንጃ ዝምካሕ፡ ከኣ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ጥዑም-ጥዑም ምስ ጠዓሞ ጥራይ ኣይኰነን ክፍለጥ ዝከኣል፡፡ እንተ ኣስተዋዕñልና፡ ካብ ኣዘራርብኡን ኣተሓሳስብኡንውን ይፍለጥ'ዩ፡፡ "ንኣይ ጥራይ ስምዑ፡ ኣነ ኣየ ፈላጥ፡ ንስኻትኩም እንታይ ኣፍሊጥኩም፡ ዝብል ኣብ ስልጣን ስለዘይበጽሐ፡ በትሪ ስለጸይዓተረ ጥራይ እዩ እምበር ዕደል ረኺቡ ኣብ ስልጣን እንተ ዝበጽሕስ፡ በትሪ ኣልዒሉ፡ ኣፍኩም ሓዙ፡" እናበለ ትንፋስና ከምሎቐናን ብጠመንጃ እናኰብኰበናን ክነብር ቁሩብ ምዃኑ'ዩ ዘረድእ፡፡ ከይሳዕረረ ኸሎ ኸኣ፡ "ካብ ሕጂ ዝነቄ ዝብኢስ ኣየሕደረንን፡" ከም ዝበሃል፡ ክሳብ መሰል ኣሕዋቱ ኣኽቢሩ ምንባር ዝለምድ ወሰንካ ሓዘልና፡ ምባል'ያ ፈውሳ፡፡ 

"እስኪ ንዛተ፡ ዝመስለኩም ተዛረቡ፡ ዝበለጸ ሓሳብ ኣለሊና ዝሕሸና ንምረጽ”፡ እናበለ ሓሳቡ ኣብ ባይቶ ዘፍስስን ኣብ ባይቶ ዝዛርብን፡ መሰል ህዝቢ ዘኽብርን፡ ናይ ካልኦት ሓሳባት ጽን ኢሉ ሰሚዑ፡ ኣስተውዒሉ እጃሙ ዘበርክትን፡ ብሕጊ ንኺድ ዝብልን "ደሞክፋሲያዊ" እዩ ዝበሃል፡፡ ደሞክራሲያዊ ማለት ከኣ እናተዛተኻ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ፡ ዝሓሸ'ዩ ኢሉ ዝመረጾ መንገዲ እናመረጽካ፡ ብሕጊ ምንባር ማለት'ዩ፡፡ እዚ ኸኣ ብሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ምትካል ማለት'ዩ፡፡ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ምብጻሕ ማለት ከኣ እዚ'ዩ፡፡

ህግደፍ ግና፡ ንህዝብና፡ "ዓይንኻ ዓምት ክነዐሹወካ፡" እናበሉ፡ ብበትሪ እናደከሩ፡ ምኹብኳብ ህዝቢ ለሚዶም፡ ከም ዓለቕተ ኰይኖም፡ ንህዝብና ደሙ ሰትዮም ኣይጸገቡዎን፡፡ ህዝብና ኸኣ መዓልቲ ድኣ ይነውሕ እምበር ዓለቕቲ ከመይ ከምዝመሓው ይፈልጥ'ዩ፡፡ ወፈራ ዝውዕለላñ መዓልቲ'ዩ ዘይፈለያ ዘሎ፡፡ ክሳብታ መዓልቲትኣ ትበጽሕ'ዩ ኸኣ ህዝብና እናነብዐን እናተራገመን ዝነብር ዘሎê፡፡ 

ኣንቱም ሰባት! ለከ ውዲ ሰብ! ስልጣን ምስ ጠዓሞ፡ ኣብ ኰረሻ ምስ ደየበን፡ ልጓም ምስ ሓዘን፡ ንሱ እዩ ኢልካ ክተለልዮ የጸግም'ዩ ዝበሃል ሓቂ ኣዩ! እዞም ንህዝቢ ዝኣተዉዎ ማሕላ ዝጠለሙስ እቶም፡ "ቅዋም ክነተግብር ኣለና፡፡ ስልጣን ናይ ህዝብና ስለዝዀነ ክነረክቦ ኣለና፡ ንዓመታት ዝተቓለስና፡ ደምና ዘፍሰስና፡ ነዙይ እዩ፡" እናበሉ፡ ካብ ኩሎም ተጋደልቲ ንላዕሊ፡ ዋዕ ኢሎም ዝዛረቡን ዝጭድሩ ዝነበሩን እዮም" ሎሚ ንህዝቢ ተሰልቢጦሞ ዘለዉ፡ ክትሰምዕ ከለኻስ ብሓቂ ዘደንጹ እዩ፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ክፉእ ዛንታ የለን፡፡ 

እዚ ተዓቢጡ ዝነበረ ምስጢር'ዚ ክቕላዕ ዝጀመረ ኸኣ፡ እዞም 15 ኣባላት ባይቶን ሰብ ስልጣንን ዝነበሩ ምስ ዳሕድሕዎ እዩ፡፡ "ንዑ ቃልና ነኽብር፡፡ ቅዋም ነተግብር፡ ከምታ ንህዝብና ቃል ዝኣተናሉ፡ ስልጣኑ ነረክቦ፡ ጊዜኡ ኣኺሉ'ዩ፡" ኢሎም ብጋህዲ ንህዝቢ ምስዝተዛረቡ እዩ፡፡ እዞም ሰብ ስልጣንን ኣባላት ባይቶ ዝነበሩን፡ ንኣባላት ህግደፍን ንህዝብን ነዚ ሓቂ'ዚ ከረድኡን ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኢሎም'ዮም፡፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትውን ዝመስለን ጽሕፈን፡ ንህዝቢ ምሂረን'የን፡፡ መንገዲ ልምዓትን መንገዲ ጥፍኣትን እናፈለያ ኣረዲአን'የን፡፡ ህዝብና ናይ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ነጻነት መንፈስ ተሰሚዑዎ፡ ክዛተጀሚሩ ኔሩ፡፡፡ ብጊዜ እንግሊዝ ቅልቅል ኢሉ ዝጠፍአ "ደሞክራሲ" ተመሊሱ መጽኡ፡ ጸሓይና መሊኣ ክትበርቕ ጀሚራ፡ ማለት'ዩ፡ ናይ በሓቂ ነጻነት ግዲ ክንርኢ ኢና" ብማለት ክሕጎስ ጀሚሩ ተስፍኡውን ክልምልም ጀሚሩ ኔሩ እዩ፡፡ 

እንተዀነ ግና፡ ፕረዚደንት ኢሳያስን ህግደፋውያን ሰዓብቱን፡ ከምሽንቲ ገመል ንድሕሪት ከይዶም፡፡ ንዝህቢ ዝኣትዉዎ ቃል ዓጺፎም፡፡ ህዝብና ኸኣ፡ ንሰለስተ ዓመት ተዛተዩ ዘሕለፎ ቅዋም ዝትግበር መሲሉዎ ሃረር እናበለ ኸሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስን ገለ ሰዓብቱን ብግህዶ "ቅዋም ኣይትግበርን'ዩ" ኢሎም፡ ነዚ ዝሰምዕን ዝረኣየን፡ ልቡ ተደፊኑ፡፡ መንግስቲ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ኰይኑ ተሰሚዑዎ ሰምቢዱ፡፡ ኣብዝኣትዎ ጠፊኡዎ፡፡ ሕማቕ ደመና ክንጸላልዎ ከምዝጀመረውን ተረዲኡዎ ብስንባደ ርዒዱ፡፡ 

ህዝቢ ብፍርሒ ምስተዋሕጠ፡ ለባማት ሽማግለታት ዓደቦ ተኣኪቦም፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኸይዶም ከምቲ ባህልና ተላዚብኩም፡ ዘሎ ጸገም ፍትሕዎ፡ መስሓቕ ዓለም ኣይትግበሩና ክብሉ እንተዓቀኑስ፡ እክብ ኣቢልካ ናብዛ ማሕቡስ፡፡ ንሃገሮም ክንደይ ዝደኸሙን፡ ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተን ሽማግለታት ምዃኖም ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ ከኣ ቆርበትካ ቅንጥጥ ይብል፡፡ ዝበሃል፡ እዞም ንህዝቢ ዝኣተዉዎ ቃል ክሕዶም፡ "ቅዋም ክነተግብር ኣለና፡" ክብሉ ከምዘይጸንሑ ሎሚ ነዚ ንህዝብና ክሒዶሞ፡ ነቶም ጌጋና ንኣርም፡ ኩልና ዝፈረምናሉ ቅዋም ይተግበር ኢሎም ብዘይ ዕረፍቲ ዝሓተተን ዝተቃለሱን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡" ሱቕ ክብል መሪጸ፡" ኰይና መልሱ፡፡ ጽንሕ ኢልካ ኸኣ፡ ሰብ ምዃኖምኳ ተረሲዑስ ከም ጠስሚን ዘÆባን፡ ደስኪሎም፡ ከም ዕንhñቂ ተሸሪቦም፡. ኣበይ ከምዘለዉን ዝፈልጥውን የለን፡ ዝብል ልቢ ህዝቢ ዝደፍን መርድእ ይስማዕ ኣሎ፡፡ ሕጂውን ህዝብና ዘይወጽእ ጣዕሳ ውሒጥዎ ባዕለይ ተዘንጊዐ ኮይና ተሪፋ ዕድሉ፡፡

ኣብ ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2005 ዝወጸ ርእስ ዓንቀጽ፡ "ፍትሒ ዝረገጸን፡ ፍትሒ እናተረግጸ ዘጽቀጠን፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽን ፍርድን ብማዕረ ተሓተቲ'ዮም፡" ብማለት ወኪል ኤርትራ ኣጠንቂቑ፡ ዝብል ዘገርም ሓተታ ኣንቢብና፡፡ እዚ መጠንቀቕታ'ዚ ኸኣ ነቶም ዶብና ከይሕንጸጽ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩ ዘለው ማሕበረሰብ ዓለምን ወያኔን ዝቐንዐ'ዩ ኔሩ፡፡ ቅኑዕን ግቡእን መጠንቀቕታ እዩ ኸኣ፡፡ እንተዀን ግና፡ እዙይ ሓተታ'ዚ ንዕኦም ጥራይ ድዩ ዝምልከት? ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ንሳቶም ዘውርዱሉ ዘለዉ መዓት፡ ፍትሒ ስኢኑ፡ ኣብ ዘብሎ ጠፊኡዋ፡ የእዊን፡ ደም ይነብዕን ከም ዘሎ፡ ካብኦም ሓሊፉ ዓለም እናስካሕካሓሉስ ናብኦም ኣይበጽሕን'ዩ ማለት ድዩ? ወይስ ህዝብና ከምቶም ኣፍ ዘይብሎም ኣድገ-በቕሊ እዮም ቆጸሮሞ ማለት'ዩ! ወይ ክሳብ መዓልትና ነሽካዕልል፡ ኣጥፊእና ንጥፋእ ማለት'ዩ? እስኪ መልሳ ሕሰቡላ፡፡ ተዛተዩላ፡፡ ዘየደቅስ ነጊሮመኻስ ድቅስ ይሓድሩ ከይትብሉ፡ ኣይደቀስናን፡፡ ከመይ ጌርናኸ ክንድቅስ! እዚኣ ተደቅስ ኣይኰነትን፡፡ ክሳብ መኣስ ኢናኸ ከይለበምና ክንነብር! ከየውዓልና ከይሓደርና ተማኺርና ህዝብና ካብዚ መዓት እዚ ዝናገፈሉ ብልሓት ንድለ፡ ክሳብ መዓስከ ባዕለይ ተዘንጊዐ ወይለበይ ጠሊሙኒ እንዳበልና ክነበር?

ምልባም ክበሃል ከሎ ከኣ እንታይ ማለት ምዃኑ ክንሓስበሉ ግድነት'ዩ፡፡ ጽባሕ ደሊኻ ደላሊኻ ዘይትረኽቦ ሓውኻ፡ ሎሚ ዓስ-ዓስ ኢልካ፡ ዓይንኻ እናረኣኻ ኣብ ሓዊ ተጠበስ ኣይትብሎን ኢኻ፡፡ እዚኣሞ ኸኣ መፍቶት እቲ ብረቱ ኣቕኒዑልካ ዘሎ ዉልቀ መላኺ ምዃን'ያ፡፡ ነቲ ዝተረፈ፡ "ሃየ ተንከስ ኢልኩም ከይትደፍሩኒ፡ ዝጠፍኡ ሪኢኹም ተቐጽዑ፡ ብፍርሒ ተዋሒጥኩም ምቕናይ ትሕሸኩም፡፡" መበሊን መድሃልን ኣሕዋትካ ምዃን'ያ ትርፋ፡፡ መፍቶት'ዚ፡ ጽጋብ ዝሰርነቖ ውልቀ-መላኺ ምዃን'ያ፡፡ ኽንደይ ቁምነገርን ዕማማትን ዝጽበዮ ጀግና ወዲ ህዝቢ ብኸንቱ ምጥፋእ ማለት'ዩ፡፡ 

ንለባምን ኣምተሉ ከምዝበሃል፡ ቀስ ኢልካ፡ የማን ጸጋም ርኢኻ፡ ዝመስሉኻ ኣለሊኻ፡ እንታይ እዩ ዝበለጸ ብልሓት ኢልካ፡ መሚኻ፡ ናብ ዓወት ዘምራሓካን ዘብጻሓካን ተግባር ምምራጽ'ያ ተዋጽእ፡፡ ብዘይ ታህዋክ፡ ብዝወሓደ ናይ ምሩጻት ኣሕዋት ኪሳራ፡ ዓኾዃይ ምባል'ያ ፈውሳ፡፡ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ከኣ፡ ብኹናትን ብመስዋእቲ ደቁን፡ ሕማምን፡ ጥሜትን መሃየቱ ጠፊኡዎ ዘሎ ህዝቢ፡ ካብቲ ተሽኪምዎ ዘሎ መንድዓት ክነድሕኖ ክንብል ናብ ዝገደደ ጸገም ከይነእትዎ ንጠንቀቕ፡፡ 

ጽጋብ ዝሰርነቖ፡ በትሩ ኣሚኑ ንህዝቢ ሞኽ፡ ዘበለ ሰብ፡ እናሓደረ ናብ ጽላለ ኣዩ ዘድህበሉ፡፡ ኣብ እግሪ ኸሎ ዝነፈረ'ዩ ዝመስሎ፡፡ ክሳብ ጽጋቡ ዘዝሕለሉ ዝርከብ ከኣ ከምኣ ኢሉ'ዩ ዝነብር፡፡ መኺርካዮ ኣይሰምዕ፡ መርገም ህዝቢውን ዝዕንቅፎ ኣይመስሎን'ዩ፡፡ መዓልቱ ምስ በጽሐት ከም ሰቡ ዝመውት ምዃኑውን ይርስዖ እዩ፡፡ "ሰብ መሲሉኒ እምኒ ቖንጢየ፡" ማለት ከኣ እዚኣ እïያ፡፡

ወዲሰብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጌጋታት ጥሒሉ ሰብ ከይልክም ከኣ፡ ነዊሕ ዘይዘሎ፡ ሓጺር ዘይሓልፎ፡ ቅዋምን፡ ሕግን፡ ሰርዓትን ምትካል ግድነት'ዩ፡፡ "ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ፡ ሕጊ ዘብሉ ህዝቢ ጥፉእ፡" ከምዝበሃል ከኣ ከም ህዝቢ መጠን ከይጠፋእና ከለና፡ ነዞም ዕጥቆም ኣሚኖም፡ መሰል ሰብ ረጊጾም፡ ንህዝቢ ደም እናንብዑ ዝነብሩ ዘለዉ፡ "መዓልትኹም ክሳብ ህዝቢ ትዕግስቱ ዝጽንቅቕ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጥኩም ከይዓረበኩም ከሎ ወሰንኩም ሓዙ! እንተዘየሎ ህዝቢ ትዕግስቱ ምስ ጽንቀቐ መሬት ሃህ ኢላ ከምትውሕጦኩም ፍለጡ!" ንብሎም፡፡

ሰላምን ራህዋን፡ ግዝኣተ-ሕግን፡ ንህዝብና፡
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና፡
ምስሉ ተኪኤ


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...