AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 16 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ዘካርያስ ክብርኣብ


 

ብሄሊኮፕተር ዝተሰነየ ሓደ ክፍለ-ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ ብ 15 ጥሪ 2015 ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ  ብምእታዉ ልዕሊ 80 መንበሪ ገዛውቲ ከምዘዕነወ ተሓቢሩ።

ትማሊ ሓሙስ 15 ጥሪ 2015 ብሄሊኮፕተር ዝተሰነየ ሓደ ክፍለ-ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ  ብምእታዉ ልዕሊ 80 መንበሪ ገዛውቲ ከምዘዕነወ ካብ ውሽጢ ሃገር  ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

በቲ ተርእዮ ብሓያሎ ዝቚጸሩ ነባሮ ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ኣደዳ ኣስሓይታን ጥሜትን ኮይኖም ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፥ ብፍላይ ቆልዓ ሰበይቲ ብኸቢድ ተጸልዮም ምህላዎም ተረጋጊጹ።

ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባር ካብ ቀንዲ መለለዪ ህግደፍ ከምዝኾነ ዘምልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፥ እዚ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ተራእዩ ዘሎ ግፍዒ ኣካል ናቱ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም ኣለው።

ንመሰረታዊ ምኽንያት ናይ’ቲ ዕንወት መንበሪ ገዛውቲ ሰላማውያን ሰባት ብዝምልከት ዛጊት ዝተነጸረ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘየለ ዘገንዘቡ ጸብጻባት ፥ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት እናሃለወ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ምርኣይ ግና ካብ ገፋዒ ኣካይዳታት ህግደፍ ዝርሕቕ ከምዘይኮነ ኣሚቶም ኣለዉ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከብ ህዝቢ ኣማራጺ ዘይህቡ ስጒምትታት ምህጋርን ምዕናውን መነበሪ ገዛውቲ ከምዝወስድ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ እዚ ሕጂ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ተወሲዱ ዘሎ ስጒምቲ ንነባሮ እቲ ከባቢ ኣብ ፍታሕ ዘይብሉ ማሕበራዊ ውድቀት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ብሓያሎ ወገናት ይሕበር ኣሎ።***********


ደ/ም/ሒ/ት ኣብ ኩሉንትናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ንጥፈታት ሃገርና ብህ/ግ/ደ/ፍ ዝወሃቦ ዘሎ ዕድላት እናዛየደ ይመጽኽ ኣሎ።

ብ ደ/ም/ሒ/ት ዝፍለጥ  ምንቅስቓስ ኣብ ኩሉንትናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ንጥፈታት ሃገርና ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታዋት እናዛየደ ይመጽኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

 ህ/ግ/ደ/ፍ ነዚ ግዳማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምፍዃስ’ቲ ካብ ህዝቢ ከይመጽእ ዝሰግኦ  ብድሆታት ክነጥፍ ዓሲብዎ ከምዘሎ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ እዚ ድማ ካብ’ቲ ህ/ግ/ደ/ፍ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምንቅስቓስ ዝገብሮ ሓለፋታትን ክንክንን ክርዳእ ከምዘየጸግም ኣፍሊጦም።

ምንቅስቓስ ደ/ም/ሒ/ት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገር ሰራዊቱ ኣዐስኪሩ ከምዘሎ ወሲኾም ዝጠቐሱ’ቶም ጸብጻባት ፥ ወተሃደራዊ ሓይሊ እቲ ምንቅስቓስ ንምዕባይ ብጉጅለ ህግደፍ ልዑል ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ፥ እዚ ድማ ኣብ ህዝብና ከቢድ ስክፍታ እናፈጠረ ይኸይድ ምህላው ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዚ ዕሱብ ሓይሊ ከቢድ ጽላኣት ኣጥሪዩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እዚ ብህዝቢ ተጸሊኡ ዘሎ ግዳማዊ ሓይሊ ብቐጻሊ ምጽግጋዓት ምርኣይ ይቕጽሎ ብምህላው፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ሕቡእ ዝኾነ ኣሉታዊ ኣጀንዳ ከይህሉ ስክፍታታት ከምዘሎ’ዩ ብቐጻሊ ዝዝረብ።

እቲ ዕሱብ ምንቅስቓስ ኣብ’ቲ ብእንዳ እስፔን ዝፍለጥ ከባቢ ኣስመራ ሓደ ዓቢ ቤት ጽሕፈት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ወሲኾም ዘረድኡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ድማ ደ/ም/ሒ/ት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝተጋደደ ጽልዋ ንኽህልዎ ብህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝስረሓሉ ዘሎ መደብ ውከምዝኾነ የተሓሳስቡ።************


ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን (ርእሲ ምራኽ)  ንንውሕ ዝበለ እዋን ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ፥ ዝለዓለ ስልጣን ተዋሂብዎ ናብ ንጡፍ ስራሑ ተመሊሱ።

ብሪጋደር  ጀነራል ስምኦን (ርእሲ ምራኽ)  ንንውሕ ዝበለ እዋን ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ፥ ብመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝለዓለ ስልጣን ተዋሂብዎ ናብ ንጡፍ ስራሑ ከምእተመልሰ ተሓቢሩ።

እቲ ሰላማውያን ሰባት ብምግፋዕ ግኑን ምዃኑ ዝንገረሉ መራሒ ክፍለ ሰራዊት ምስቲ ኣብ ዘዝደለዮ ከም መጋበርያ ዝጥቀመሉ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይምርድዳእ ኣትዩ ስለዝነበረ እዩ ካብ ንጡፍ ስራሑ ደስኪሉ ጸኒሑ።

እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ናይ ቅድም ክፋኡ ንኸጽሪ ኣብ ሓያሎ ክፍለ ሰራዊትታትን ከባቢታትን እናዞረ ናይ ንስሓን ጥበራን ዘመተታት ከካይድ ከምዝቐነየ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፥ እዚ ነቲ ተረኪብዎ ዘሎ ሓድሽ ስልጣን ኣብ ምጥቃም ሰፊሕ ባይታ ንምፍጣር ጥራይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቶም ከም ሓንዳይ ዝገላብጦም መኮንናትን ወተሃደራውያን መራሕትን ኣብ ምቊጽጻር ዝጥቀመሉ ሜላ “ምድስካል”  ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ከም በዓል ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን (ርእሲ ምራኽ)  ዝኣመሰሉ ኣብ ከቢድ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ምስ ደስከሉ ዝለመድዎ ስለዝስእኑ ፥ ናብ ሓላፍነት  ክምለሱ ከልዉ ነቲ መላኺ ከየግሁዩን ከሐጉስን - ዝኣዘዞም ከተግብሩ ድልዋት ከምዝኾኑ ይንገር።


ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤልትሪክ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓፈሻ ስርቕን መቕተልትን ድማ ብፍላይ ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ልምዲ ተወሲዱ ዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤለትሪክ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓፈሻ ስርቅን መቕተልትን ድማ ብፍላይ ይኸውን ከምዘሎ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተላእከ ዜና ሓቢሩ።

ሰፊሕ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ጸላም ኣትዩ፥ ህዝቢ ለይቲ መጸ ኣብ ሽቚረራ የሕልፎ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ዜና፥ ህግደፍ ኣብ ምግታእ ገበናት ዝኾነ ፍታሕ ከይርከብ  ይሰርሕ ብምህላዉ እቲ ኩነታት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ብዘይካ እዚ- ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ምብራዝ ክቡር ባህሊ መንእሰያትና ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸና ዜና፥ ብፍላይ ብኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ  ጀነራል ካሪካሪ ዝምእዘን  ዘሎ  ኣብ ምዝርጋሕን ምልምማድን ወልፊ ጫት ዝዓለመ ወፍሪ ዳርጋ ብጋህዲ ይስረሓሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ብህግደፍ ኣብ ከም ሰሜናዊ ባሕሪ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዝፈሪ ጫት ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዋሕዝን ግህዶን ናብ ከተማታት ይከፋፈል ከምዘሎ ፥ ኣብ ምክፍፋሉ ድማ ከም ሰይቲ ካሪካሪ ዝኣመሰላ ኣንስቲ ሓለፍቲ ልዑል ተራ ይጻወታ ከምዘለዋ  ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንእሰያት ግዙኣት ወልፍን ሕማቕ ልምድታትን እንተድኣ ኮይኖም ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ሃገሮም ክግደሱን ከስተብህሉን ግዜን ኣራኽቦን  ከምዘይህልዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ እዚ ብህግደፍ ዝጒየየሉ ዘሎ መንእሰያት ናይ ምብራዝ ህውኽ ኣካይዳታት ቀጥታዊ መርኣያ ናይ’ዚ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት መረረኦም ይገልጹ ኣለው።


*** ፍሉይ መደብ: ንዛተ ብሳሙኤል ገበረሂወት (ዓካ-ዓካ)፡  ***

ጽባሕ ሓዲሽ ዓመት - ሕጂ እውን ንዛተ!!

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመት አህዛብ ዓለም መምስ  ኩነታቶም ዝሳነ መልእኽቲ ሓዲሽ ዓመት የቕርቡ። መራሕቲ ሃገራትን መንፈሳውያን መራሕትን እውን መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት የመሓላልፉ። ለብዘበን እውን ከም ወትሩ ድሕረ ገጻት መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ለውጥን ራድዮታትን ማሕበራዊ መራኸቢ ፈይስቡክን ትዊተርን ኣብ ርሑቕን ቀረባን ንዝርከብ ፈታዊ፡  " እዛ ዝተቐበልያና ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ ጥዕናን ሰላምን፡  ዓመተ ራህዋን እፎይታን ክትኮነልና፡ ሕሙማት ምሕረት: እሱራት ፍትሒ ዝረኽቡላ፡ ገያሾ ብደሓነ ሰላም ዝምለሱላ አሕዋት ዝተኣኻኻቡላ፡ ዝተባእሱ ዝዕረቑላ፡ ዝተጣፍኡ ዝራኸቡላ፡ ዝተቐያየሙ ይቕረ-ይቕረ ዝበሃሉላ፡ ዓመት ክትኮነልና፡ መልእኽተ ሰላምን ምንዮትን ከቕርባ ቀንየን ኣለዋ። 

ምንዮት ሓዲሽ ዓመት እምበኣር፡  ወትሩ ዕቤትን ምዕባለን ሰላምን ቅሳነትን እፎይታን ርግኣትን እዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት እውን እንተኾነ: ክንዝትን ክንዛብን ስለዝግባእ ኣርእስቲ'ዚ ዓንቀጽ፡  " ኣብ ጽባሕ ሓዲሽ ዓመት - ሕጂ እውን ንዛተ!!" ክኸውን ተመርጹ'ሎ።

ሓደ ሓደ ተኸታተልቲ ሬድዮን መርበባት ሓበሬታን " ንዛተ!" ብዝብል ኣርኣስቲ ንዝፈለመ ናይ ዘተ መድረኽ፡  " ዘተ ናይ ሰነፋት እዩ፣ ዝኽእል ክረጋረግ'ዩ ዘለዎ። ኣብ ክንዲ ንዛተ ዓጢቕና ንመክት ክትብል ይምረጽ። እቲ ኽገብር ዝጽገም ጥራሕ'ዩ ኣብ ዘተ ዝሕባእ" ክብሉ፡ በቲ ቐደም ዝተዋሳእናሉ "ደስቆ ጨፍልቆ፡ ተርትሮ ምተሮ" ዝዓይነቱ  ቋንቋ፡ "መላኺ ተጨፍሊቑ ክጠሓን ኣለዎ።" ክብሉ ተሪሮም፡ ዘተ ናይ ለባማትን ወራዙትን ምዃኑ ዘይኣምንሉ ኣለው።

እዚ ኣብ ሃገርና ምልኪ ሰሪቱ፡  ፍትሒ ረጊጹ፡ ሓቂ ጓዕጺጹ፡ ህዝቢ ዝብትንን ሃገር ዘባድምን ዘሎ እኩይ ስርዓት ካብ ሱሩ ክምሖ ዘይደሊ ተቓላሲ የሎን። ይኹን እምበር እቲ ድሌትን ክውንነትን በበይኑ እዩ ዘሎ። ደምበ ተቓውሞ እትርፍ ብዕጥቂ ብረት ጸላኢኡ ክገጥም፡ ነዛ ንነብሱ እውን ብዝግባእ ክወዳደብ ኣይበቕዐን ዘሎ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝሕቆፍ ደላይ ለውጢ ንሓድሕዱ ክዛተን ክንላዘብን ዝሕተት ዘሎ። ዘቲኻ ከይተወደብካ ተላዚብካ ፍልልያትካ ኣጽቢብካ ብሓንሳብ ክትሰርሕ ክሳብ ዘይበቓዕካ፡ ንጸላኢኻ በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ብዕጥቅን ብረትን ክትገጥሞ እንተደለኻ እውን ካብ ትምኒት ዝሓልፍ ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ከምኡ ክንብል ወጊሑና እምበር እዚ ደደምበኡ ፈልዩ ዘሎ ጉጅለታት ተቓውሞ ተቐራሩቡ እንተዝዝትን ኣብ ሓደ ጽላል እንተዝሕቆፍን፡ ስርዓተ ምልኪ ሃገርና ንምዕላው በትሪ እውን ኣይመድለየን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ዝተፈላለየ ናይ ዘተ መኣድታት ተኻይዶም ስለዘይተዓወቱ፡ ኣብ ዘተን ልዝብን ዝጠፍእ ግዜ ከም ክሳራ ዝወስዱዎ ወገናት እኳ እንተለዉ፡ ዘተ ከም ባህልን መቃለስን ብቐጻሊ ክፍተንን ክድፈኣሉን ዘለዎ መሳርሒ ለውጢ እዩ።  ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ መንጎ ክልተ ንናጽነት ዝወፈረ ሓይሊ ጀብሃን ሻዕቢያን ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝነበሮ መሰረታዊ ዘይኮነ ግርጭት ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኣትዩ ካብ ክልቲኡ ውድባት ብዙሕ ህይወት ጠፊኡ።

ስለዝኾነ ኩናት ሓድሕድ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ጸሊም ነጥቢ እዩ።  ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ዝተኸስረ ዕድልን ግዜን ዓቢ እዩ። ግን እቶም ቀንዲ ሽግር ናይቲ ጉዳይ መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት እምበር መሰረታት ተጋደልቲ ኣይነበሩን። ከም መሰረታት ገይሩ ልዑል ድሌትን ሃንቀውታን ንዕርቂ ዝነበሮ ወገን ኣይነበረን።  ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ አውዲቑን ረጊጹን ንሜዳ ኤርትራ ክብሕት እምበር ዕርቀ ሰላም ኣዊጁ ተሻሪኹ ክሰርሕ ድላይን ቅሩብነትን ኣይነበሮን።  ስለዝኾነ ከኣ እቶም ናይ ስነ ሓሳብ ፍልልይ እውን ዘይነበሮም መራሕቲ ውድባት  ምእንቲ ስልጣንን ስምን ብህይወት ንጹሃት መንእሰያት ተጣሊዖም።

ሎሚ ካብቲ ሕሉፍ ፍጻሜ ክንመሃርን ክንሙኮርን እዩ ዘሎና።  ሽግራትና ብዘተን ልዝብን ኣርጊእና ፍልልያትና አህዲእናን ተጸዋዊርናን ኣብቲ ብሓባር ክንሰርሓሉን ከነድምዓሉን እንኽእል መዳያት ሓቢርና ክንሰርሕ ጽባሕ ክንጽበየሉ ዘይብልና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ብሓሳብን ኣረኣእያን ስለዝተፈላለና ክንጸንዋወር እምበር ሓድሕድና ክንጠቓቓዕ ቅቡል ኣይኮነን።

ኩላትና ሃገራውያን ብክፉት ልብን ንጹህ አእሙሮን ተዛቲና ጸገማትና ክንፈትሕ ድልዉነት ከነርኢ ይግባእ።  እቶም ኣብ መኣዲ ዘተ እንቐርብ፡  ናይ ግድን ኣብ ሓደ ነጥቢ ክንሰማማዕ ወይ ኣብ ሓደ ውድብ ክንጥርነፍ ኣለና ማለት ኣይኮነን። ናብኡ ክንበጽሕ ነዊሕ ጉዕዞ ክንከይድ ከምዘና ግን ኣብ ግምት አእቲና ክንቀራረብን ኣብ ጉዕዞና ዕንቅፋት ክኾኑና ዝኽእል ነገራት ክንኣልን ይግባእ።  ኣብ መስርሕ ዘተ ፍልልያት እንተጋጠመ ነቲ ፍልልይ ክትቅበሎን ከተአንግዶን እምበር ናይ ግድን ኣብ ኣረኣእያይ ዘይዓሰለ ወይ ንዓይ ዘይመሰለ ክንብል ኣይግባእን።

ተዛተይቲ ነንሓድሕድና ብኽፉት ልቢ ክንላዘብን ካብ ሕሉፍና ተማሂርና፡ ከቀራርቡና ንዝኽእሉ ጉዳያት እናጉላሕና ክፈላልዩና ብዝኽእሉ ነገራት እናተጸዋወርና ኣብ ሓደ መኣዲ ክንዓስል ኣገዳሲ እዩ። ውጽኢት ዘተናን ምቅርራብናን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልኪ ተዓፊኑ ተጨኲኑ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ንዓና ከኣ ኣሳልጦ ስለዝኮነ።

ኣብ 2002 ንኣብነት፡ ኣርጀንቲናዊ መራሒ President Eduardo Duhalde ካብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተፈታተኖ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምውጻእ፡ ምስ ኩሎም መቐናቕንቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገርን ምስ ማሕበረ ቢዝነስን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብኩለንትናዊ ኩነታት ሃገሮም ንኽዝትዩ  ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገሩ መኣዲ ዘተ ከተመቻችእ ሓላፍነት ብምስካ ኣዚዩ ዘተስፉ ናይ ዘተ መኣዲ ኣካይዱ።ም

ነቲ ዋዕላ ክዕደም እንከሎ ፕረዚደንት ኤድዋርድ፡ "ብሰንኪ ቅጥዒ-ኣልቦ ሓድሕዳዊ ግጭትን ዘይምጽውዋርን ኣጋጢሙና ብዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምዝታይ ከም ሓደ መራሒ ዘይኮነ ከም ሓደ ተራ ሰራሕተኛ ንዘተ ክቐርብ ድሉው እየ።" ክብል ንህዝቡ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጹሎም።  ኣስዒቡ እቲ ፕረዚደንት ርክብና ንዘሎና ቅልውላው ኣብ ሓደ ለይቲ ክፈትሖ እኳ እንተዘይከኣለ ኣብ ሓድሕድና ንዘሎ ወጥሪ ኣፍኲሱ ሰላምን ቅሳነትን ብምፍጣር ዕቤትን ምዕባለን  ከምዝድርኽ ርግጸኛ እየ። ክብል መልእክቱ ኣመሓላሊፉ፡

ምልካዊ መራሒና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣብ  ዝሓለፈ ግንቦት በዓል ናጽነትና እቲ ከም ቃል ኪዳን ህዝብን መንግስትን ከገልግል ንሰለስተ ዓመታት ዝተጻዕረሉን ኣብ ግንቦት 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና ዓራት ሒዙ ይሰሓግ ምህላዉ፡ “"ሃገራዊ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር'ዩ!" ክብል ኣብ ኣጋ ምዝዛም መደርኡ ኣርዲኡና፡፡

 እቶም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት እናዞሩ " ሃገራዊ ቅዋምና ዋላኳ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተግበናዮ ብመንፈሱ ኢና እንምራሕ ዘሎና።" እናበሉ ክሰብኩ ዝጸንሑ ልኡኳቱ ጋን ኮይኑዎም፡፡ ሕጂ፡ መራሕ መንግስትና  ኣብ ሓዲሽ ዓመት ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና ቀደም ሞይቱ ከምዝተቐብረ ንዕኡ ዘገልግል ካልእ ቅዋም ይነድፍ ከምዘሎ ምስነገሮም እንታይ ከምዝስመዖም ክትግምቶ ዝሕርብት እዩ።

ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን አሕዋት፡ መላኺና ስርሑ ይሰርሕ ካብ ሃለወ፡ እቶም ብሰንኪ እኩይ ፖሊሲ ምልኪ ህይወትናን ሃለዋትናን ተዘሪጉ ዘሎ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዜጋታት ዓቕምታትና ኣበራቢርና ሓድሕድ ተሻሪኽና ብቅርዑይ ጽምዶ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ክንዕጠቕ ይግባእ።

ኣብነት እተን ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ኩናትን ባህሪያዊ ሓደጋን ንዘጋጠመን ቅልውላው ብጻዕርን ቃልስን ኣወጊደን ናብ ንቡር ዝተመልሳ ሃገራት ንከተል። እታ ኣብ ዞባና ከም ውድቕቲ ሃገር ክትግለጽ ዝጸንሐት ሃገረ ሶማል እካ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ዝተዘራረገ ህይወት ናብ ንቡር ክትምለስ ጀሚራ ኣላ። ኩለን እዘን ሎሚ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት እውን  ድሕሪ ነዊሕ ጻዕርን ቃልስን እየን ቁጠብአን ኣመሓይሸን፡ ርጉእ ስርዓት ተኺለን መሰሉ ንዝተጋህሰን ንዝተበደለን ህዝቢ ዓለም ዘዕቁባን ሕብሕባን ዘለዋ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝብና፡ ዓመት መጽአ ብዘይትግበር መብጽዓ ኣረብሪቡዎ ዩ። ለብዘበን ከኣ  ነቶም ዓምን ቅድሚ ዓምን ናይ ግድን ሞሳኦም ክረኽቡ እዮም ዝብሎም ዝነበረ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ "ወሰኽ ደሞዝን ዓስብን የሎን። ብዙሕ ኣይትጸበዩ!" ክብል ህይወቶም ክመሓየሽ ከምዘይኮነ ከቕብጾም ሰሚዕናዮ።

ይኩን እምበር ህዝብና፡ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሓዊ ምሕደራን እምበር ብኸብዱን እንጀራን ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ህዝብና ብመሰልን ክብረትን እምበር ብንዋትን ንብረትን ኣፉ ኣይከፍትን እዩ። ትማል መግዛእታዊ ስርዓታት ክብሩን መሰሉን ምስ ገሃሶ፡ ንብረቱን መሬቱን ራሕሪሑ፡ መሰሉ ከምልስ ንበረኻ ወፊሩ እምበር ምእንቲ ንብረትን ሃብትን ክብሩ ኣዋሪዱ  ምስ መግዛእቲ ኣይተመሳሰለን። ሕጂ እውን ልዕሊ መሰልን ክብርን ዝሰርዖ ስለዘይብሉ ንመላኽን ምልካዊ ምሕደርኡን ስዒሩ ክብሩን ሃርነቱን ከምዘምልስ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምኡ ንኪገብር ከኣ ናይ ግድን ክዛተን ክላዘብን ኣለዎ፡፡

 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...