AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

24 ታሕሳስ፣ 2014


3ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ “ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ዓፋር” ን “ደሞክራስያዊ ግንባር ንኤርትራዊ ሕብረት”ን ኣብ ማይዓይኒ!

ክልተ ዕጡቓት ተቛወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ብ ሰኑይ 22 ታሕሳስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ 7 ኣባላት ጽጥታ መንግስቲ ከምዝቐተሉን ልዕሊ 15 ካልኦት ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝገበሩን ፥ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።

እቶም “ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ዓፋር”ን “ደሞክራስያዊ ግንባር ንኤርትራዊ ሕብረት”ን ዝተባህሉ ክልተ ዕጡቓት ምንቅስቓሳት ኣብ’ቲ ኣብ ከባቢ ማይ ዓይኒ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር’ዮም ሓባርዊ መጥቃዕቶም ኣካይዶም።

መራሒ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ዓፋር ኣቶ ኢብራሂም ሓሮን ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሰዓት 5 ወጋሕታ ከምዘካይድዎን ፥ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነበሩ ኣባላት ናይ’ታ ብ እንዳ 53 እትፍለጥ ኣሃዱ ድማ ፋሕ ኢሎም ከምዘምለጡን ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ መራሒ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ዓፋር ኣብ ዘረባኡ፥ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ፈኮስቲ ኣጽዋርን ወተሃደራውያን ሰነዳትን ከምዝማረኹ ድሕሪ ምግላጽ፥ ዕላማ ናይ’ቲ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ዓፋር ዝገብሮ ዘሎ መቕተልቲ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ዓፋርን ደሞክራስያዊ ግንባር ንኤርትራዊ ሕብረትን ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2015 ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ሓንጺጾም ከምዘለዉ እውን ኣቶ ኢብራሂም ሓሮን ሓቢሩ ኣሎ። ኢብራሂም ሓሮን ወሲኹ ኩለን ውድባት ናይቲ ብ “ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን” ዝጽዋዕ ሓቛፊ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ንምግምጣል ዕጥቃዊ ስጒምቲ ከበግሳ ጸዊዑ ኣሎ።


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘላ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተሩ ክትምለሰሉ ክሓትት?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ኣብ ኣስመራ ኣትያ ዘላ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተሩ ኣብ ቀረባ እዋን ክትምለስ ክሓትት ከምዘለዎ ፥ ሕቶኡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዘዕግብ መልሲ እንተዘይተዋሂብዎ ከኣ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ዝተፈላለዩ መራኸቡ ብዙሃን ኢትዮጵያ ይጽውዓ ኣለዋ።

እተን መራኸቢ ብዙሃን፥ እታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ሄሊኮፕተር ውግእ ኢትዮጵያ ዋግኣ ክሳብ 35 ሚልዮን ዶላር ከብዝበጽሕ ብምሕባር ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምምላስ እዛ ንብረት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ዝከኣሎ ክገብር ይጽውዑ ኣለው።

መነግስቲ ኤርትራ ንምላላስ እዛ ወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መልሲ ከምዘየለ ፥ እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትርር ዝበለ ግብረ መልሲ ንኽወስድ ዝደፋፍእ ከምዝኾነ እየን እተን መራኸቢ ብዙሃን ዘጠንቅቓ ዘለዋ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፥ እታ ብዓርቢ 19 ታሕሳስ 2014 ኣብ ልምምድ እንከላ ዝጠፍአቶ ኤም ኣይ 35 ዝዓይነታ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ብስርዓት ኣስመራ ከምእተጨውየት እዩ ዝገልጽ ዘሎ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፥ እታ ሄሊኮፕተር ካብ ሓለዋ ክሊ ኣየር ስርዓት ኣስመራ ብዝመጻ መተንቀቕታ ናብ መሬት ኤርትራ ክትዓልብ ከምእተገደደት ክሕብር እንከሎ ፥ ምስኡ ዝጻረብ ሓበሬታት ከምዘረድኦ ከኣ እታ ወተሃደራዊት ነፋሪ በቲ ሓደስቲ ኣበርቲ ዝምህር ዝነበረ ፓይሎት ኣብ ልዕሊ እቶም ሓደስቲ ኣብረርቲ ጸቕጢ ብምግባር ናብ ኤርትራ ክትዓልብ ከምዝገበረ’ዩ ዝሕበርዘሎ።


መንበሪ ገዛ ዓሊ ዓብዱ ንሚኒስተር ጸዓት ተስፋይ ገብረስላሴ ( ቻይና) ተዋሂቡ።

መንበሪ ገዛ ሚኒስተር-ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ብመንግስቲ ተሃጊሩ ንኻልእ ውልቀሰብ ከምእተዋህበ ክዝረቡ ንዝጸንሑ ዕላላት ውሽጢ ሃገር ምንጭታት ሬድዮ ድምጺ-ደሊና ደጊሞም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ከባቢ ቲራቮሎ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ዓሊ ብዱ ምስ ዉሽጣዊ ንብረቱ ተሃጊሩ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ሚኒስተር ጸዓት ዘሎ ተስፋይ ገብረስላሴ ( ቻይና) ከምእተዋህበ ተፈሊጡ ኣሎ።

ስርዓት ኣስመራ ንምስትላም ናይ ዓሊ ዓብዱ ወግዓዊ ሸፈነ ከይሃቦ፥ ብስትር ዝበለ ሜላታት ንብረትን መቕርብን ናይ’ቲ ሚኒስተር ይጭቊንን ይህግርን ከምዘሎ እዩ ክንገር ጸኒሑ።

እቲ ተሃጊሩ ዘሎ መንበሪ ገዛ ሚኒስተር ዜና ነብር ዓሊ ዓብዱ ኣብ’ቲ ብ እንዳ ራሻ ዝጽዋዕ ሶቬታውያን ላዕለዎት ኣማኸርቲ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ከባቢታት ቲራቮሎ ከምዝርከብን እቲ ከባቢ ዝበዝሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ኣስመራ ዝቕመጥሉን ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ።


ሕገ-ኣልቦ ስርዓተ- ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሰብ እምነት ዝፍጽሞ በደልን ማእሰርትን ብዕሊ ተኣሚኑ

23-12-2014 ሕገ-ኣልቦ ስርዓተ-ኣስመራ፡ ኣብ መጽሔት ህዝብን ፖሊስን፡ ቁጽሪ 55 ሕታሙ፡ ካብ ገጽ 5 ክሳዕ ገጽ 13፡ ኣብ ትሕቲ፡ "ብልቃጥ መርዚ" ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡል ገብረኣብን ስምኦን ተኽለን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ 14 ዓመትን 12 ዓመትን ማእሰርቲ ከም ዝፈረዶም ገሊጹ። እቲ 13 ገጽ ዝሓዘ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፡ እዞም ክልተ ዜጋታት ከም ገበነኛ እተፈርዱሉ ምኽንያት፡ ብሰሪ'ቲ ዝስዕብዎ ሃይማኖት ምዃኑ ኣስሚሩሉ። እቲ ዝስዕብዎ ሃይማኖት፥ ሃገራውነት ስምዒት ዘጕድምን ማሕበራዊ ክብርታት ሕብረተ-ሰብ ዝብሕጉግ መርዝን ምዃኑ ድማ ይገልጽ። ኣብ ኤርትራ፥

  1. ብፍቓድካ ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ክትስዕብ ከም ዘይፍቐድ፣

  2. ሃዋርያ ብዝብል ስም ክትጽዋዕ ምጥሓስ ሕጊ ምዃኑ፣

  3. ስነ-ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ፡ ምስባኽን ጽሑፋት ምዝርጋሕን ኣዝዩ ክልኩል ምዃኑ፣

  4. ኣመሓድራ፡ ወይ ኣመራርሓ ዝምልከት መጻሕፍቲ ኣብ ኢድካ ክረከብ ከም ዘይብሉ፣

  5. ብወጻእተኛታት፡ ብፍላይ ድማ፡ ብኣሜሪካውያን ወንጌላውያን ዝዝርግሑ ጽሑፋት ምንባብ፡ ምስኦም ብኢሜይልን ካልእ መገዲን ምርኻብን ሓባራዊ ጸሎት ምክያድን ዓቢይ ገበን ምዃኑ ኣትሪሩ ይሕብር።

እዞም ክልተ ዜጋታት፡ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕግታት ምጥሓስ፡ ተሓተቲ ምዃኖም ብጭቡጥ ከም ዘረጋገጸ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብሰሪ ሃይማኖታዊ ምንዕዓብ፡ ብኸቢድ ገበን ተሓተቲ ኰይኖም ስለ ዝተረኽቡ፥ ልኡል ገብረኣብ 14 ዓመት፣ ስምኦን ተኽለ 12 ዓመት፣ ፈሪድናዮም፡ ይብል።

ዋላ'ኳ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት፡ ኣብ ኤርትራ ሓፈሻዊ ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብፍላይ ከኣ ምጥሓስ ሃይማኖታዊ መሰላት ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ይገልጹ እንተኾኑ፡ እቲ ሕገ-ኣልቦ ስርዓተ-ኣስመራ ግና፡ ንዓመታት ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ሰባት ከም ዘይብሉ ብዕሊ ክእውጅ'ዩ ጸኒሑ። "ሓቂ ብርእሳ እንተ ቐበርካያ፡ ብእግራ ትወጽእ።" ከም ዝበሃል፡ እቲ ኣብ መጽሔት ህዝብን ፖሊስን፡ ቍጽሪ 55፡ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ፡ ነቲ ንዓመታት ክክሕዶ ዝሃቀነ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ክቱር በደላቱ ዘቓልሕ'ዩ። ብተወሳኺ እዞም ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ወግዓዊ ቤት-ፍርዲ'ኳ ዘይምቕራቦምን እዚ ሓበሬታ'ዚ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ናይ ማእሰርቶም ምውጽኡን፡ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ደንዳኒን ጠሓሲን ሕጊ ምዃኑ ደጋጊሙ ዘረጋግጽ ጥራይ'ዩ።

ድሮ'ውን እቲ በቲ ሕገ-ኣልቦ ስርዓተ-ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ንብዙሓት ወገናት ኣስደሚሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ኣብ ቅድሚ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቶም ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ካልኦት ግዱሳት ወገናትን፡ ከም መርትዖ ግኑንን ሕዱርን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...